እግረ ጽሑፍ
a የሆዋ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ሓርነት ወይ ናጽነት ምእንቲ ኺእወጅ ፍሉይ መሰናድዎ ገይሩ ነይሩ እዩ። እዚ ኸኣ መሰናድዎ ዓመት እልልታ እዩ ነይሩ። ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ኣይኰኑን፣ ዓመት እልልታ ግና ንዓና ትርጉም ኣለዋ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እታ ጥንታዊት ዓመት እልልታ ነቲ የሆዋ ንዓና ዝገበረልና መሰናድዎ ብኸመይ ከም እተዘኻኽረናን ካብኣ ብኸመይ ከም እንጥቀምን ክንርኢ ኢና።