እግረ ጽሑፍ
b መግለጺ ስእሊ፦ ሰብ ሓዳር ብመልክዕ ኣምላኽ ስለ እተፈጥሩ፡ ንሓድሕዶምን ንደቆምን ፍቕርን ርሕራሐን ኬርእዩ ይኽእሉ። እቶም ሰብ ሓዳር ንየሆዋ ፍቕሪ ኣለዎም። ውሉዳት ናይ ምውላድ ክእለት ስለ እተዋህቦም፡ ንውሉዳቶም፡ ንየሆዋ ኸም ዜፍቅርዎን ከም ዜገልግልዎምን ገይሮም ናይ ምዕባይ ኣጋጣሚ ኣለዎም። ብቪድዮ ገይሮም ከኣ፡ የሆዋ ንየሱስ በጃ ገይሩ ስለምንታይ ከም ዝሃበና ይገልጹሎም። ኣብታ እትመጽእ ገነት ንምድርን ንእንስሳታትን ንዘለኣለም ከም እንከናኸን እውን ይምህርዎም።