እግረ ጽሑፍ
c ብፍጥረት ዚኣምኑ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ዚርከብዎም ልዕሊ 60 ሰብ ሞያ ዝሃብዎ ሓሳባት ኣብ ዎች ታወር ፓብሊኬሽንስ ኢንደክስ ኪርከብ ይከኣል። ኣብ ትሕቲ “Science” ዚብል ርእሰ ነገር፡ “scientists expressing belief in creation” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ርአ። ገሊኡ ኻብዚ ሓሳባት እዚ ኣብ መሐበሪ ምርምር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይርከብ። ኣብ ትሕቲ “ስነ ፍልጠትን ተክኖሎጅን” ዚብል ርእሰ ነገር፡ “ቃለ መጠይቕ” (ዓምዲ ንቕሑ!) ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ርአ።