እግረ ጽሑፍ
c ኣቐዲምና እዛ “ፍርዲ” እትብል ቃል፡ ንኣሉታዊ ፍርዲ ወይ ንዅነኔ ኸም እተመልክት ጌርና ንገልጻ ኔርና ኢና። ልክዕ እዩ፡ እታ “ፍርዲ” እትብል ቃል ከምኡ ዓይነት ትርጉም ኪህልዋ ይኽእል እዩ። ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ግና፡ የሱስ ነዛ “ፍርዲ” እትብል ቃል ብዝስፍሐ ትርጉማ፡ ማለት ነቲ መስርሕ ግምገማን ትዕዝብትን ከም እተመልክት ገይሩ እተጠቕመላ እዩ ዚመስል። ሓደ መዝገበ ቓላት ግሪኽኛ ኸም ዚብሎ፡ “መርመራ” እያ እተመልክት።