እግረ ጽሑፍ a የሆዋ “ምእንቲ ስሙ ኢሉ” ስጕምቲ ኸም ዚወስድ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ንኣብነት፡ ምእንቲ እቲ የሆዋ ዚብል ዓብዪ ስሙ ኢሉ ንህዝቡ ኸም ዚመርሖም፡ ከም ዚሕግዞም፡ ከም ዜናግፎም፡ ይቕረ ኸም ዚብለሎም፡ ብህይወት ከም ዜንብሮም ተገሊጹ ኣሎ።—መዝ. 23:3፣ 31:3፣ 79:9፣ 106:8፣ 143:11።