እግረ ጽሑፍ
a ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እተን “በጃ” ተባሂለን ተተርጒመን ዘለዋ በዅሪ ቓላት፡ ንዚኽፈል ዋጋ ወይ ነገር እየን ዜመልክታ። ንኣብነት፡ እታ ካፋር እትብል ናይ እብራይስጢ ግሲ፡ ምኽዳን ወይ ምሽፋን ማለት እያ። መብዛሕትኡ እዋን ድማ ንሓጢኣት ምኽዳን ወይ ምሽፋን እያ እተመልክት። (መዝሙር 65:3) እታ ምስኣ እትዛመድ ኮፈር እትብል ስም ከኣ፡ ነቲ ንሓጢኣት ንምኽዳን ወይ ንምኽሓስ ዚኽፈል ዋጋ እያ እተመልክት። (ዘጸኣት 21:30) ብተመሳሳሊ፡ እታ ሊትሮን እትብል መብዛሕትኡ እዋን “በጃ” ተባሂላ እትትርጐም ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ዋጋ በጃ” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ። (ማቴዎስ 20:28፣ ዘ ኒው ተስታመንት ኢን ሞደርን ስፒች፡ ብሪቻርድ ፍራንሲስ ወይ ማውዝ) ጸሓፍቲ ግሪኽኛ ነታ ቓል እቲኣ፡ ንእሱራት ውግእ ወይ ንባርያ ናጻ ንምውጻእ ንዚኽፈል ዋጋ ንምምልካት ይጥቀሙላ እዮም።