ሓሙስ 17 ሓምለ
ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር፣ ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው ድማ እዩ።—ምሳ. 17:17።
ማርያም ኣደ የሱስ ብርታዐ ኣድልይዋ ነበረ። ገና ኣይተመርዓወትን ነይራ፣ እንተዀነ ግና፡ ክትጠንስ ምዃና ተነግራ። ቅድሚኡ ውሉድ ኣዕብያ ኣይትፈልጥን እያ ነይራ፣ እንተዀነ ግና፡ ነቲ ምስ ዓበየ መሲሕ ዚኸውን ወዲ ተኸናኺና ኸተዕብዮ ነበራ። ጾታዊ ርክብ ገይራ ዘይትፈልጥ ብምንባራ እውን፡ ነዚ ዅሉ ነቲ ሕጹያ ዝነበረ ዮሴፍ ብኸመይ ከም እትገልጸሉ ተጸጊማ ኽትከውን ኣለዋ። (ሉቃ. 1:26-33) እሞ ደኣ ማርያም ብኸመይ እያ ብርታዐ ዝረኸበት፧ ካብ ካልኦት ሓገዝ ደለየት። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ እተዋህባ ሓላፍነት ተወሳኺ ሓበሬታ ምእንቲ ኺህባ ንገብርኤል ሓተተቶ። (ሉቃ. 1:34) ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐት ከኣ፡ ንዘመዳ ኤልሳቤጥ ንምብጻሕ ናብ “ከበሳ ይሁዳ” ከደት። ኤልሳቤጥ ንማርያም ነኣደታ፡ ብድራኸ መንፈስ የሆዋ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ዘይተወልደ ወዲ ማርያም ዜተባብዕ ትንቢት ተነበየት። (ሉቃ. 1:39-45) ድሕርዚ ማርያም፡ “[የሆዋ] ብቕልጽሙ ሓያል ግብርታት ገይሩ” በለት። (ሉቃ. 1:46-51) እወ፡ የሆዋ ብገብርኤልን ብኤልሳቤጥን ኣቢሉ ንማርያም ኣበርትዓ። w23.10 14-15 ¶10-12
ዓርቢ 18 ሓምለ
መንግስቲ፡ ከምኡ ድማ ንኣምላኹን ንኣቦኡን ካህናት [ገበረና]።—ራእ. 1:6።
ቍጽሮም ውሱን ዝዀነ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ ተቐቢኦም ኣለዉ፣ ንሳቶም ከኣ ምስ የሆዋ ፍሉይ ርክብ ኣለዎም። እዞም 144,000 ኣብ ሰማያት ምስ የሱስ ካህናት ኰይኖም እዮም ዜገልግሉ። (ራእ. 14:1) እታ ኣብቲ ማሕደር እትርከብ ቅድስቲ ነቲ እዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ምድሪ ብመንፈስ ምስ ተወልዱ ደቂ ኣምላኽ ዚዀኑሉ ዅነት እያ እተመልክት። (ሮሜ 8:15-17) እታ ኣብቲ ማሕደር እትርከብ ቅድስተ ቕዱሳን ከኣ ነቲ የሆዋ ዚነብረሉ ሰማይ እያ እተመልክት። እቲ ንቕድስቲ ኻብ ቅድስተ ቕዱሳን ዚፈሊ “መጋረጃ” ድማ፡ ነቲ የሱስ ከም ዓብዪ ሊቀ ኻህናት እታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ መጠን ናብ ሰማይ ከይኣቱ ዚዓግቶ ዝነበረ ስጋኡ እዩ ዜመልክት። የሱስ ንስጋኡ ምእንቲ ደቂ ሰብ መስዋእቲ ኪኸውን ብምሃቡ፡ ንዅሎም ቅቡኣት ክርስትያናት ናብ ሰማያዊ ህይወት ኪኣትዉ መገዲ ኸፊቱሎም እዩ። ንሳቶም እውን ሰማያዊ ዓስቦም ንምርካብ፡ ስጋኦም ሓዲጎም ኪኸዱ ኣለዎም።—እብ. 10:19, 20፣ 1 ቈረ. 15:50። w23.10 28 ¶13
ቀዳም 19 ሓምለ
ብዛዕባ . . . ጊዴዎን፡ . . . ከየዘንትወልኩም ግዜ ይሓጽረኒ እዩ።—እብ. 11:32።
ጊዴዎን፡ ኤፍሬማውያን ምስ ነቐፍዎ፡ ልኡም ምላሽ እዩ ሂብዎም። (መሳ. 8:1-3) ብቝጥዓ ኣይመለሰሎምን። ነቲ ዘተሓሳሰቦም ነገር ብምስማዕ፡ ብሜላ እውን ነቲ ውጥረት ከም ዚበንን ብምግባር፡ ትሕትና ኣርእዩ እዩ። ጥበበኛታት ሽማግለታት እውን ነቐፌታ ኼጋጥሞም ከሎ፡ ጽን ኢሎም ብምስማዕን ብልእመት ብምምላስን፡ ንጊዴዎን ኪመስልዎ ይኽእሉ እዮም። (ያእ. 3:13) በዚ ኸምዚ ድማ ንሰላም ጉባኤ ኣበርክቶ ይገብሩ። ጊዴዎን በቲ ኣብ ልዕሊ ሚድያን እተረኽበ ዓወት ክብሪ ምስ ተዋህቦ፡ ናብ የሆዋ ኸም ዚትኰር እዩ ገይሩ። (መሳ. 8:22, 23) እሞ ደኣ እተሸሙ ኣሕዋት ብኸመይ ንጊዴዎን ኪመስልዎ ይኽእሉ፧ ውዳሰ ንየሆዋ ኸም ዚውሃብ ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም። (1 ቈረ. 4:6, 7) ንኣብነት፡ ሓደ ሽማግለ ብናይ ምምሃር ክእለቱ እንተ ተናኢዱ፡ ናብ ምንጪ እቲ ትምህርቲ ዝዀነ ቓል ኣምላኽ ወይ ናብቲ ኻብ ውድብ የሆዋ ዚውሃብ ስልጠና ኸም ዚትኰር ኪገብር ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ሽማግለታት ሓድሓደ ግዜ ናብ ርእሶም ዘየድሊ ቘላሕታ ይስሕቡ ኸይህልዉ ኺሓስቡሉ ኣለዎም። w23.06 4 ¶7-8