እዮብ
24 “ስለምንታይ እዩ እቲ ዅሉ ዚኽእል ግዜ ዘይውስን፧+
ስለምንታይከ እዮም እቶም ዚፈልጥዎ ንመዓልቱ* ዘይርእይዋ፧
4 ንድኻታት ካብ መገዲ ይደፍእዎም፣
እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ረዳኢ ዘይብሎም ድማ ካባታቶም ይሕብኡ።+
5 ድኻታት ከም ኣድጊ በረኻ+ ኣብ በረኻ ምግቢ ይምእርሩ፣
ኣብ ምድረ በዳ እውን ንደቆም ምግቢ ይደልዩ።
6 ካብ ግራት ካልእ ይእክቡ፣*
ካብ ኣታኽልቲ ወይኒ እኩይ ከኣ ይቕርሙ።
7 ብዘይ ክዳን ጥራዮም ይሓድሩ፣+
ኣብቲ ቝሪ ዚኽደንዎ የብሎምን።
8 ብብርቱዕ ዝናም ኣኽራን ይጥስጥሱ፣
መዕቀሊ ስኢኖም ድማ ናብ ኣኻውሕ ይለግቡ።
10 ብዘይ ክዳን ጥራዮም ኪኸዱ ይግደዱ፣
ብጥሙያቶም እንዳእቲ ይጾሩ።
16 ብጸልማት ናብ ኣባይቲ ይኣትዉ፣*
ብመዓልቲ ተዓጽዮም ይውዕሉ።
ንብርሃን ኣይፈልጥዎን።+
17 ንግሆስ ንዓታቶም ከም ድቕድቕ ጸልማት እዩ፣
ምስ ሽበራ ድቕድቕ ጸልማት ከኣ ይፋለጡ እዮም።
18 ግናኸ፡ ማያት ብፍጥነት ይወስዶም።*
ግራቶም ርግምቲ ትኸውን።+
ናብ ኣታኽልቲ ወይኖም ኣይምለሱን።
20 ኣዲኡ* ትርስዖ፡ ሽሻይ ሓሳኹ ይኸውን።
ደጊም እውን ኣይዝከርን።+
ዓመጻ ድማ ከም ኦም ይስበር።
21 ንመኻን ይብለጸላ፣
ንመበለት ከኣ ይገፍዓ።
22 ኣምላኽ* ንሓያላት ብሓይሉ የጥፍኦም፣
እንተ ተንስኡ እኳ፡ ንህይወቶም ውሕስነት የብሎምን።
24 ንቝሩብ ግዜ ልዕል ይብሉ፡ ድሕሪኡ ግና ኣይህልዉን።+
ይዋረዱ፡+ ከም ኵሉ ድማ ይእከቡ፣
ከም ጉምቦ ሰዊት ይምንቈሱ።
25 ሕጂኸ ኸም ዝሓሶኹ ገይሩ ኼረጋግጽ፡
ወይ ቃለይ ጌጋ ምዃኑ ኺረትዓኒ ዚኽእል መን እዩ፧”