ኢሳይያስ
27 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ብተሪርን ዓብይን ብርቱዕን ሰይፉ ኣቢሉ+
ቈላሕታኡ ናብ ሌዋታን* እቲ ሰተተት ዚብል ተመን፡
ናብ ሌዋታን እቲ ዚለዋወ ተመን ኪገብር እዩ፣
ነቲ ዓብዪ እንስሳ ባሕሪ ኸኣ ኪቐትሎ እዩ።
2 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ከምዚ ኢልኩም ዘምሩላ፦*
“ኣታኽልቲ ወይኒ እቲ ዚዓፍር ወይኒ!+
ኵሉ ግዜ ማይ አስትያ እየ።+
ሓደ እኳ ኸይጐድኣስ፡+
ለይትን መዓልትን እሕልዋ እየ።
ብኣሻዅ ቈጥቋጥን ብጻህያይን ኣብ ውግእ ዚገጥመኒ መን እዩ፧
ክረግጾን ንዅሉ ብሓባር ብሓዊ ኸንድዶን እየ።
5 እንተ ዘይኰነስ፡ ዕርደይ ይሓዝ።
ምሳይ ሰላም ይግበር፣
ሰላም ምሳይ ይግበር።”
7 ብመውቃዕቲ እቲ ዚወቕዖዶ ይወቓዕ፧
ብመቕተልቲ እቶም ቅቱላቱዶኸ ይቀተል፧
8 ክትሰድዳ ኸለኻ፡ ብዜሰምብድ ጭድርታ ኽትብኣሳ ኢኻ።
ብመዓልቲ ንፋስ ምብራቕ፡ ብብርቱዕ ሃፈጽታ ኼውጽኣ እዩ።+
9 ስለዚ፡ ስሕተት ያእቆብ በዚ ኸምዚ ብዕርቂ ኪኽደን፡+
ሓጢኣቱ ምስ ኣልገሰ፡ እዚ ምሉእ ፍሪኡ ኪኸውን እዩ፦
10 ከመይሲ፡ እታ እተዓርደት ከተማ ክትጥንጠን እያ፣
እቲ መጓሰዪታት ከኣ ከም በረኻ ኪሕደግን ኪግደፍን እዩ።+
ኣብኣ ምራኽ ኪጓሰን በጥ ኪብልን
ጨናፍራ ኺበልዕን እዩ።+
11 ውልዶታታ ምስ ነቐጸ፡
ኣንስቲ መጺአን ኪሰብራኦን
ሓዊ ኺኣጕዳሉን እየን።
እዚ ህዝቢ እዝስ ኣእምሮ የብሉን።+
ስለዚ እዩ ገባሪኡ ዘይምሕሮ፡
ደኳኒኡ እውን ሞገስ ዘየርእዮ።+
12 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ኻብቲ ዚውሕዝ ፈለግ* ኽሳብ ርባ* ግብጺ+ ኺወቅዕ እዩ፣ ኣቱም ህዝቢ እስራኤል ድማ፡ በብሓደ ኽትእከቡ ኢኹም።+ 13 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ዓብዪ መለኸት ኪንፋሕ፡+ እቶም ኣብ ምድሪ ኣሶር+ ዚጠፍኡ ዘለዉን ኣብ ምድሪ ግብጺ+ ተበቲኖም ዘለዉን ኪመጹ፡ ንየሆዋ ኸኣ ኣብቲ ቕዱስ ከረን፡ ኣብ የሩሳሌም ኪሰግዱሉ እዮም።+