ኢሳይያስ
15 ኣንጻር ሞኣብ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ፦+
ብሓንቲ ለይቲ ስለ ዝዓነወት፡
ኣብ ሞኣብ ዘላ ዓር+ ስቕ ክትብል እያ።
ብሓንቲ ለይቲ ስለ ዝዓነወት፡
ኣብ ሞኣብ ዘላ ቂር+ ስቕ ክትብል እያ።
ሞኣብ ኣብ ልዕሊ ኔቦን+ ኣብ ልዕሊ ሜድባን+ ዋይዋይ ትብል ኣላ።
ኵሉ ርእሲ ተላጽዩ እተመልጠ፡+ ኵሉ ጭሕሚ ድማ ቍሩጽ እዩ።+
3 ኣብ ጐደናታት ማቕ ተዓጢቖም ኣለዉ።
ኣብ ናሕስታቶምን ኣብ ኣደባባያቶምን ኵላቶም ዋይዋይ ይብሉ ኣለዉ፣
እናበኸዩ ይወርዱ ኣለዉ።+
ስለዚ፡ ዕጡቓት ሞኣብ ይጭርሑ ኣለዉ።
ንሱ የንቀጥቅጥ ኣሎ።*
5 ልበይ ንሞኣብ የእውየላ ኣሎ።
ህዱማታ ኽሳብ ጾዓርን+ ኤግላት-ሸሊሽያን+ ሃዲሞም ኣለዉ።
ኣብ ዓቐበት ሉሒት ኪድይቡ ኸለዉ ይበኽዩ፡
ናብ ሖሮናይም ኣብ ዚወስድ መገዲ እውን በቲ መዓት የእውዩ ኣለዉ።+
6 ማያት ኒምሪምሲ ነጺፉ፡
ሳዕሪ ኸኣ ነቒጹ፣
ሳዕሪ ተወዲኡ፡ ሓምላይ ዘበለ እውን ኣይተረፈን።
7 ስለዚ፡ ነቲ ኻብ መኽዘኖምን ካብ ሃብቶምን ዝተረፈ ይወስድዎ፡
ስንጭሮ* ኣእዋም ዓራባ ድማ ይሳገሩ ኣለዉ።
8 እቲ ኣውያትሲ ኣብ ብዘሎ ሃገር ሞኣብ የቃልሕ ኣሎ።+
እቲ ዋይዋይታ ኽሳብ ኤግላይም ይበጽሕ፡
እቲ ዋይዋይታ ኽሳብ ብኤር-ኤሊም ይበጽሕ ኣሎ።
9 ማያት ዲሞንሲ ደም መሊኡ ኣሎ፣
ንዲሞን ከኣ ገና ተወሳኺ ነገር ኣሎኒ፦
ነቶም ዘምለጡ ናይ ሞኣብ፡
ነቶም ኣብታ ምድሪ ዝተረፉ ኣንበሳ ኽሰድድ እየ።+