ኢሳይያስ
17 ኣንጻር ደማስቆ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ፦+
“እንሆ፡ ደማስቆ ኸተማ ኻብ ምዃን ከተቋርጽ፡
ኵምራ ዑናታት ድማ ክትከውን እያ።+
እቶም ካብ ሶርያ ዝተረፉ ድማ፡
ከም ክብሪ እስራኤላውያን ኪዀኑ እዮም” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።
4 “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ክብሪ ያእቆብ ኪንኪ፡
እቲ ጥዑይ ሰብነቱ* ኸኣ ኪዓብር እዩ።
6 ከምቲ ኦም ኣውልዕ ምስ ተወቕዐ ዝዀኖ፡
ቀሪም ጥራይ ኪተርፍ እዩ፦
ኣብቲ ላዕለዋይ ጨንፈሩ ኽልተ ወይ ሰለስተ ብሱል ኣውልዕ ጥራይ፡
ኣብቲ ፍረ ዚፈሪ ጨናፍሩ ኸኣ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ጥራይ ኪተርፍ እዩ”+ ይብል የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል።
7 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ሰብ ናብ ገባሪኡ ኣንቃዕሪሩ ኺርኢ፡ ኣዒንቱ ድማ ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኪጥምታ እየን። 8 ናብቲ ኣእዳዉ ዝሰርሓኦ+ መሰውኢታት+ ኣይኪርእን፡ ናብቲ ኣጻብዑ ዝገበራኦ ኣዕኑድ ኣምልኾ* ዀነ መሰውኢታት ዕጣን ከኣ ኣይኪጥምትን እዩ።
9 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እተን እተዓርዳ ኸተማታቱ ኸም ኣብ ዱር እተሓድገ ቦታ፡+
ኣብ ቅድሚ እስራኤላውያን ከም እተሓድገ ጨንፈር ኪዀና እየን፣
ንሳ ድማ ክትባድም እያ።
12 እንሆ፡ ዕግርግር እቶም ከም ባሕርታት ዚናወጹ
ብዙሓት ህዝብታት!
ከም ደሃይ ድዋሕታ ብርቱዕ ማያት ዝዀነ
ጫውጫውታ ኣህዛብ ኣሎ!
13 ኣህዛብ ከም ድዋሕታ ብዙሕ ማያት ዝበለ ደሃይ ኪገብሩ እዮም።
ንሱ ኺገንሖም እዩ፣ ንሳቶም ድማ ናብ ርሑቕ ኪሃድሙ፡
ከም ብቝቡቝ ኣኽራን ኣብ ቅድሚ ንፋስ፡
ዕንክሊል ከም ዚብል ተዀርባ ኣብ ቅድሚ ህቦብላ ንፋስ ኪስጐጉ እዮም።
14 ምሸት፡ ሽበራ ኣሎ።
ቅድሚ ንግሆ፡ የለዉን።
ግደ እቶም ዚዝርፉና፡
ዕጫ እቶም ዚዘምቱና እዚ እዩ።