ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኢሳይያስ 17
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኢሳይያስ—ትሕዝቶ

      • ኣንጻር ደማስቆ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ (1-11)

      • የሆዋ ንኣህዛብ ኪገንሖም እዩ (12-14)

ኢሳይያስ 17:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 49:23፣ ዘካ 9:1
  • +2ነገ 16:8, 9፣ ኢሳ 8:4፣ ኣሞ 1:5

ኢሳይያስ 17:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 32:34፣ እያ 13:15, 16፣ 2ነገ 10:32, 33

ኢሳይያስ 17:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 17:6፣ ኢሳ 7:8፣ 28:1, 2፣ ሆሴ 5:14
  • +2ነገ 16:8, 9

ኢሳይያስ 17:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ስብሒ ስጋኡ።”

ኢሳይያስ 17:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 15:8, 12፣ 18:11, 16

ኢሳይያስ 17:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 4:27፣ 24:20

ኢሳይያስ 17:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሆሴ 8:6, 11
  • +2ዜና 31:1

ኢሳይያስ 17:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሆሴ 10:14፣ ኣሞ 3:11

ኢሳይያስ 17:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ባህ ዜብል።”

  • *

    ወይ፡ “ጓና ኣምላኽ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 50:22፣ ሆሴ 8:14
  • +ዘዳ 32:4፣ 2ሳሙ 22:32

ኢሳይያስ 17:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:30፣ ሆሴ 8:7

ሓፈሻዊ

ኢሳ. 17:1ኤር 49:23፣ ዘካ 9:1
ኢሳ. 17:12ነገ 16:8, 9፣ ኢሳ 8:4፣ ኣሞ 1:5
ኢሳ. 17:2ዘሁ 32:34፣ እያ 13:15, 16፣ 2ነገ 10:32, 33
ኢሳ. 17:32ነገ 17:6፣ ኢሳ 7:8፣ 28:1, 2፣ ሆሴ 5:14
ኢሳ. 17:32ነገ 16:8, 9
ኢሳ. 17:5እያ 15:8, 12፣ 18:11, 16
ኢሳ. 17:6ዘዳ 4:27፣ 24:20
ኢሳ. 17:8ሆሴ 8:6, 11
ኢሳ. 17:82ዜና 31:1
ኢሳ. 17:9ሆሴ 10:14፣ ኣሞ 3:11
ኢሳ. 17:10መዝ 50:22፣ ሆሴ 8:14
ኢሳ. 17:10ዘዳ 32:4፣ 2ሳሙ 22:32
ኢሳ. 17:11ዘዳ 28:30፣ ሆሴ 8:7
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኢሳይያስ 17:1-14

ኢሳይያስ

17 ኣንጻር ደማስቆ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ፦+

“እንሆ፡ ደማስቆ ኸተማ ኻብ ምዃን ከተቋርጽ፡

ኵምራ ዑናታት ድማ ክትከውን እያ።+

 2 ከተማታት ዓሮዔር+ ኪሕደጋ፡

መደቀሲ መጓሰ ኸኣ ኪዀና እየን፣

ንዓታተን ዜፍርሀን እውን ኣይኪህሉን እዩ።

 3 እተዓርዳ ኸተማታት ካብ ኤፍሬም+ ኪጠፍኣ እየን፣

መንግስቲ ኸኣ ካብ ደማስቆ+ ኽትጠፍእ እያ።

እቶም ካብ ሶርያ ዝተረፉ ድማ፡

ከም ክብሪ እስራኤላውያን ኪዀኑ እዮም” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።

 4 “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ክብሪ ያእቆብ ኪንኪ፡

እቲ ጥዑይ ሰብነቱ* ኸኣ ኪዓብር እዩ።

 5 ከምቲ ዓጻዳይ ዘይተዓጽደ እኽሊ ዚእክብ፡

ቅልጽሙ ድማ ንጉምቦታት ዚዓጽዶ፡

ከምቲ ሰብ ኣብ ስንጭሮ* ረፋይም+ ጉምቦታት ዚቕርም ኪኸውን እዩ።

 6 ከምቲ ኦም ኣውልዕ ምስ ተወቕዐ ዝዀኖ፡

ቀሪም ጥራይ ኪተርፍ እዩ፦

ኣብቲ ላዕለዋይ ጨንፈሩ ኽልተ ወይ ሰለስተ ብሱል ኣውልዕ ጥራይ፡

ኣብቲ ፍረ ዚፈሪ ጨናፍሩ ኸኣ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ጥራይ ኪተርፍ እዩ”+ ይብል የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል።

7 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ሰብ ናብ ገባሪኡ ኣንቃዕሪሩ ኺርኢ፡ ኣዒንቱ ድማ ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኪጥምታ እየን። 8 ናብቲ ኣእዳዉ ዝሰርሓኦ+ መሰውኢታት+ ኣይኪርእን፡ ናብቲ ኣጻብዑ ዝገበራኦ ኣዕኑድ ኣምልኾ* ዀነ መሰውኢታት ዕጣን ከኣ ኣይኪጥምትን እዩ።

 9 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እተን እተዓርዳ ኸተማታቱ ኸም ኣብ ዱር እተሓድገ ቦታ፡+

ኣብ ቅድሚ እስራኤላውያን ከም እተሓድገ ጨንፈር ኪዀና እየን፣

ንሳ ድማ ክትባድም እያ።

10 ከመይሲ፡ ንኣምላኽ ድሕነትኪ ረሲዕክዮ፣+

ንኸውሒ+ ዕርድኺ ኸኣ ኣይዘከርክን።

ስለዚ፡ ጽቡቕ* ኣትክልቲ ትተኽሊ፡

ምስ ጨንፈር ጋሻ* ድማ ትገብርዮ ኢኺ።

11 በታ ንኣትክልትኺ ተጠንቂቕኪ ዝሓጸርክላ መዓልቲ፡

ንግሆ ንዘርእኺ ተብቍልዮ፣

ምህርቲ ግና ብመዓልቲ ሕማምን ዘይሓዊ ስቓይን ኪጠፍእ እዩ።+

12 እንሆ፡ ዕግርግር እቶም ከም ባሕርታት ዚናወጹ

ብዙሓት ህዝብታት!

ከም ደሃይ ድዋሕታ ብርቱዕ ማያት ዝዀነ

ጫውጫውታ ኣህዛብ ኣሎ!

13 ኣህዛብ ከም ድዋሕታ ብዙሕ ማያት ዝበለ ደሃይ ኪገብሩ እዮም።

ንሱ ኺገንሖም እዩ፣ ንሳቶም ድማ ናብ ርሑቕ ኪሃድሙ፡

ከም ብቝቡቝ ኣኽራን ኣብ ቅድሚ ንፋስ፡

ዕንክሊል ከም ዚብል ተዀርባ ኣብ ቅድሚ ህቦብላ ንፋስ ኪስጐጉ እዮም።

14 ምሸት፡ ሽበራ ኣሎ።

ቅድሚ ንግሆ፡ የለዉን።

ግደ እቶም ዚዝርፉና፡

ዕጫ እቶም ዚዘምቱና እዚ እዩ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ