ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ህዝቅኤል 6
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ህዝቅኤል—ትሕዝቶ

      • ኣንጻር ኣኽራን እስራኤል እተነግረ ትንቢት (1-14)

        • ጽዩፋት ጣኦታት ኪዋረዱ እዮም (4-6)

        • ‘ኣነ የሆዋ ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም’ (7)

ህዝቅኤል 6:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    እታ ናይ እብራይስጢ ቓል ምስ “ፋንድያ” እትዛመድ ክትከውን ትኽእል እያ፣ ንዕቀት ንምግላጽ ከኣ ተገልግል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 27:9
  • +ዘሌ 26:30

ህዝቅኤል 6:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 8:1, 2

ህዝቅኤል 6:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 2:15፣ 32:29፣ ሚክ 3:12
  • +ህዝ 16:39

ህዝቅኤል 6:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 14:18
  • +ህዝ 7:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 77

ህዝቅኤል 6:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 30:10፣ 44:28፣ ህዝ 14:22

ህዝቅኤል 6:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣመንዝራ።”

  • *

    ወይ፡ “ብምንዝርና።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 30:1, 2፣ መዝ 137:1
  • +ዘሁ 15:39
  • +መዝ 78:40, 41፣ ኢሳ 63:10
  • +ህዝ 20:43፣ 36:31

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 98-100

ህዝቅኤል 6:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 33:29፣ ዳን 9:12፣ ዘካ 1:6

ህዝቅኤል 6:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 15:2፣ 16:4፣ ህዝ 5:12

ህዝቅኤል 6:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 5:13

ህዝቅኤል 6:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጥዑም ዝጨናኡ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 20:28
  • +ኤር 8:2
  • +ህዝ 12:15

ሓፈሻዊ

ህዝ. 6:4ኢሳ 27:9
ህዝ. 6:4ዘሌ 26:30
ህዝ. 6:5ኤር 8:1, 2
ህዝ. 6:6ኤር 2:15፣ 32:29፣ ሚክ 3:12
ህዝ. 6:6ህዝ 16:39
ህዝ. 6:7ኤር 14:18
ህዝ. 6:7ህዝ 7:4
ህዝ. 6:8ኤር 30:10፣ 44:28፣ ህዝ 14:22
ህዝ. 6:9ዘዳ 30:1, 2፣ መዝ 137:1
ህዝ. 6:9ዘሁ 15:39
ህዝ. 6:9መዝ 78:40, 41፣ ኢሳ 63:10
ህዝ. 6:9ህዝ 20:43፣ 36:31
ህዝ. 6:10ህዝ 33:29፣ ዳን 9:12፣ ዘካ 1:6
ህዝ. 6:11ኤር 15:2፣ 16:4፣ ህዝ 5:12
ህዝ. 6:12ህዝ 5:13
ህዝ. 6:13ህዝ 20:28
ህዝ. 6:13ኤር 8:2
ህዝ. 6:13ህዝ 12:15
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ህዝቅኤል 6:1-14

ህዝቅኤል

6 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ኣኽራን እስራኤል ግበር እሞ ተነበየሎም። 3 ከምዚ እውን በል፦ ‘ኣቱም ኣኽራን እስራኤል፡ ቃል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ስምዑ፦ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ንኣኽራንን ንዅርባታትን ንወሓይዝን ንስንጭሮታትን ከምዚ ይብሎም ኣሎ፦ “እንሆ፡ ኣነ ሰይፊ ኸምጽኣልኩም እየ፣ በረኽትኹም እውን ከጥፍእ እየ። 4 መሰውኢታትኩም ኪፈርስ፡ መሰውኢታት ዕጣንኩም ድማ ኪሰባበር፡+ ንቕቱላትኩም ከኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ጽዩፋት ጣኦታትኩም* ክድርብዮም እየ።+ 5 ሬሳታት ህዝቢ እስራኤል ኣብ ቅድሚ እቶም ጽዩፋት ጣኦታቶም ክድርብዮ፡ ኣዕጽምትኹም ድማ ኣብ ዙርያ መሰውኢታትኩም ፋሕ ከብሎ እየ።+ 6 ኣብ ኵሉ እቲ እትቕመጡሉ ቦታታት፡ ከተማታት ኪባድማ፡+ በረኽቲ እውን ኪፈርስን ኪባድምን እዩ።+ መሰውኢታትኩም ኪፈርስን ኪሕምሸሽን፡ እቶም ጽዩፋት ጣኦታትኩም ከኣ ኪጠፍኡ፡ መሰውኢታት ዕጣንኩም ድማ ኪቝረጽ፡ ግብርታትኩም ከኣ ኪድምሰስ እዩ። 7 እቶም ቅቱላት ድማ ኣብ ማእከልኩም ኪወድቁ እዮም፣+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም።+

8 “‘“ግናኸ፡ ኣብ ብዘለዋ ሃገራት ፋሕ ምስ በልኩም፡ ገለ ኻባኻትኩም ኣብ መንጎ ኣህዛብ ካብ ሰይፊ ኼምልጡ እዮም እሞ፡ ተረፍ ክሓድግ እየ።+ 9 እቶም ዘምለጡ ኸኣ ኣብ መንጎ እቶም ተማሪኾም ዝኸድዎም ኣህዛብ ኪዝክሩኒ እዮም።+ በቲ ኻባይ ዝረሓቐ ጠላም* ልቦምን በተን ደድሕሪ ጽዩፋት ጣኦታት ብፍትወት* ዚስዕባ ኣዒንቶምን+ ልበይ ከም እተሰብረ ኺፈልጡ እዮም።+ ብዅሉ እከዮምን ፍንፉን ተግባራቶምን ኪሓፍሩን ንዕኡ ኺፍንፍንዎን እዮም።+ 10 ኣነ የሆዋ ምዃነይ፡ እዚ መዓት እዚ ኸምጽኣሎም እተዛረብክዎ ዘረባ ኸኣ ባዶ ኸም ዘይኰነ ኺፈልጡ እዮም።”’+

11 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ብሰይፍን ብጥሜትን ብለበዳን ኪወድቁ እዮም እሞ፡ ብኣእዳውካ ኣጣቕዕ፡ ብእግርኻ ድማ ዲጕዲጕ ኣብል፡ በቲ ብቤት እስራኤል እተገብረ ዅሉ እከይን ፍንፉን ነገራትን እውን ቈዝም።+ 12 እቲ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ብለበዳ ኺመውት፡ እቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ኸኣ ብሰይፊ ኺወድቕ፡ ካብዚ ዜምልጥ ዘበለ ተረፍ ድማ ብጥሜት ኪመውት እዩ፣ ኣነ ኸኣ ነድረይ ኣባታቶም ምሉእ ብምሉእ ክፍኑ እየ።+ 13 ቅቱላቶም ኣብ መንጎ እቶም ጽዩፋት ጣኦታቶምን ኣብ ዙርያ መሰውኢታቶምን ኣብ ኵሉ በሪኽ ኵርባን ኣብ ኵሉ ርእሲ ኣኽራንን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ኦምን ኣብ ትሕቲ እቲ ንጽዩፋት ጣኦታቶም ባህ ኬብሉ ኢሎም ምዑዝ መስዋእቲ* ዜቕርቡሉ ጨናፍር ዓበይቲ ኣእዋምን+ ምስ ተዘርግሑ፡+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።+ 14 ኢደይ ከኣ ኣንጻሮም ክዝርግሕ፡ ነታ ምድሪ ድማ ከባድማ፡ ኵሉ መንበሪታቶም እውን ካብቲ ኣብ ጥቓ ዲብላ ዘሎ በረኻ ዚገድድ ባድም ክገብሮ እየ። ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።’”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ