ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • hf ክፋል 5 ክፋል 1-2
  • ምስ ኣዝማድካ ብኸመይ ብሰላም ከም እትነብር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምስ ኣዝማድካ ብኸመይ ብሰላም ከም እትነብር
  • ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • 1 ብዛዕባ ኣዝማድካ ግቡእ ኣረኣእያ ይሃሉኻ
  • 2 ኬድሊ ኸሎ፡ ጽኑዕ ኩን
  • ንሓድሕድኩም እሙናት ኩኑ
    ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
  • ብሓዳርካ ንኽትሕጐስ፡ መምርሒ ኣምላኽ ድለ
    ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
  • ንመጻምድትኻ ኣኽብሮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ድሕሪ መዓልቲ መርዓ
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
ዝያዳ ርአ
ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
hf ክፋል 5 ክፋል 1-2
ሓንቲ ሓማት ብኣከሻሽና ሰበይቲ ወዳ ኸም ዘይተሓጐሰት ተርኢ

5ይ ክፋል

ምስ ኣዝማድካ ብኸመይ ብሰላም ከም እትነብር

“ለውሃት፡ ትሕትና፡ ልእመት፡ ዓቕሊ ልበሱ።”—ቈሎሴ 3:12

ሰብኣይን ሰበይትን ሓዳር ኪገብሩ ኸለዉ፡ ሓዳስ ስድራ ቤት እዮም ዜቝሙ። ንወለድኻ ወትሩ ተፍቅሮምን ተኽብሮምን እኳ እንተ ዀንካ፡ ልዕሊ ዅሉ ዜገድሰካ ግና መጻምድትኻ እዩ። ወለድኻን እንዳ ኣሕሙኻን፡ እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኣይወሓጠሎምን ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ነታ ሓዳስ ስድራ ቤትካ ኽትሃንጻ ኣብ እትጽዕረሉ እዋን፡ ምስ ወለድኻን እንዳ ኣሕሙኻን ብሰላም ምእንቲ ኽትነብር፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ሚዛንካ ኽትሕሉ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።

1 ብዛዕባ ኣዝማድካ ግቡእ ኣረኣእያ ይሃሉኻ

ሰብ ሓዳር ምስ ወለዶም ይዘናግዑ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።” (ኤፌሶን 6:2) ዕድሜኻ ብዘየገድስ፡ ንወለድኻ ወትሩ ኸተኽብሮም ኣሎካ። መጻምድትኻ እውን ንወለዱ ኣትኵሮ ኺገብረሎም ከም ዘለዎ ኣይትረስዕ። “ፍቕሪ ኣይትቐንእን” እያ፣ ስለዚ፡ በቲ መጻምድትኻ ምስ ወለዱ ዘለዎ ርክብ ኣይትስጋእ።—1 ቈረንቶስ 13:4፣ ገላትያ 5:26።

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • “ስድራ ቤትኪ ዅሉ ሳዕ እዮም ዚነቕፉኒ” ወይ ከኣ “ኣዴኻ ንዝዀነ ይኹን ኣነ ዝገብሮ ነገር ፈጺማ ኣይትፈትዎን እያ” ኢልካ ብሓፈሻኡ ኣይትዛረብ

  • ንነገራት ብዓይኒ መጻምድትኻ ኽትርእዮ ፈትን

2 ኬድሊ ኸሎ፡ ጽኑዕ ኩን

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ፡ ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ።” (ዘፍጥረት 2:24) ሓዳር እኳ እንተ ገበርካ፡ ወለድኻ ግና ገና ንዓኻ ናይ ምክንኻን ሓላፍነት ዘለዎም ኰይኑ ስለ ዚስምዖም፡ ኣብ ሓዳርካ ጣልቃ ኺኣትዉ ይደልዩ ይዀኑ።

ንስኻን መጻምድትኻን ብዛዕባ እቲ ንወለድኹምን ንእንዳ ኣሕሙኹምን እትገብሩሎም ደረትን ብኸመይ ብፍቕራዊ መገዲ ኸም እትነግርዎምን ክትሰማምዑ ኣሎኩም። ስነ ስርዓት ብዘለዎ መገዲ ጌርኩም፡ ብንጹርን ብቐጥታን ንገርዎም። (ምሳሌ 15:1) ትሕትናን ልእመትን ዓቕልን፡ ምስ ወለድኹምን ምስ እንዳ ኣሕሙኹምን ጽቡቕ ርክብ ክትምስርቱን ንሓድሕድኩም ‘ብፍቕሪ ኽትተዓጋገሱን’ ኪሕግዛኹም ይኽእላ እየን።—ኤፌሶን 4:2።

ሰብኣይን ሰበይትን ይመያየጡ፣ ንወለዶም ህያብ ይህቡ

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • እቲ ኣዝማድካ ኣብ ሓዳርካ ጣልቃ ዚኣትዉሉ መገዲ እንተ ኣተሓሳሲቡካ፡ ኵነታት ህድእ ምስ በለ ምስ መጻምድትኻ ተመያየጠሉ

  • ነቲ ጕዳይ ብኸመይ ከም እትሕዞ፡ ምስ መጻምድትኻ ተሰማምዑሉ

ክትርድኣሎም ፈትን

ንስምዒትን ንኣረኣእያን ወለድኻ ኽትርድኦ ምጽዓር ኣገዳሲ እዩ። ኪጐድኡ ኢሎም ኣይኰኑን ኣብ ሓዳርካ ጣልቃ ዚኣትዉ። ብዛዕባኻ ኻብ ልቢ ይግደሱ እዮም። ንዓኻን ንመጻምድትኻን ከም ርእሳ ዝኸኣለት ስድራ ቤት ገይሮም ኪርእዩኹም የጸግሞም ይኸውን። እተጠንጠኑ ዀይኑ እውን ኪስምዖም ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምስዓብን ብግልጺ ብምዝርራብን፡ ንሓዳርካ ብዘይጐድእ መገዲ ንወለድኻ ኸተኽብሮም ትኽእል ኢኻ።

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦

  • ወለዲ መጻምድተይ ብዛዕባ ሓዳርና ኺግደሱ ባህርያዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

  • ንወለደይ እናኣኽበርኩ ንመጻምድተይ ቀዳምነት ክህብ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ