ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ተስፋ​—ጥቕሚ ኣለዋ ድዩ፧
    ንቕሑ!—2004
    • ተስፋ​—ጥቕሚ ኣለዋ ድዩ፧

      ዓሰርተ ዓመት ዝዕድሚኡ ዳንኤል ንሓደ ዓመት ዚኣክል ምስ መንሽሮ ይቃለስ ነበረ። ሓኻይሙን ሰቡን ከኣ ተስፋ ቘሪጾም ነበሩ። ንሱ ግን ተስፋ ኣይቈረጸን። ምስ ዓበየ ተመራማሪ ኸም ዚኸውንን ንመንሽሮ ኸኣ መድሃኒት ከም ዚረኽበሉን እምነት ነበሮ። ብፍላይ ከኣ፡ ነቲ ናቱ ዓይነት መንሽሮ ኺፍውስ ዚኽእል፡ ፍሉይ ክእለት ዘለዎ ሓኪም ከም ዚመጽእ ብምፍላጡ፡ ኪሓዊ ዓብዪ ተስፋ ገይሩ ነበረ። ይኹን እምበር፡ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ሕማቕ ኵነታት ኣየር ስለ ዝነበረ፡ እቲ ሓኪም ከይመጸ ተረፈ። ሽዑ ዳንኤል፡ ተስፋኡ በነነ። ንመጀመርታ ግዜ ኸኣ ተስፋ ቘረጸ። ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት ከኣ ሞተ።

      ንዅነታት ዳንኤል ዘዘንተዎ፡ ብዛዕባ ተስፋን ተስፋ ምቝራጽን ኣብ ጥዕና ዘለዎ ጽልዋ ዘጽንዐ ብዓል ሞያ ሕክምና እዩ። ንስኻ እውን ተመሳሳሊ ነገራት ሰሚዕካ ትኸውን ኢኻ። ንኣብነት፡ ሓደ ኣረጋዊ ዜፍቅሮ ሰቡ ዚመጸላ ወይ ኣገዳሲ ፍጻመ ዚርእየላ መዓልቲ ኽሳዕ እትመጽእ፡ ሃረር ኢሉ እዩ ዚጽበ። እታ መዓልቲ ምስ ሓለፈት ግና፡ ነዊሕ ከይጸንሐ እዩ ዚመውት። ከምቲ ገሊኣቶም ዚኣምኑሉ፡ ተስፋ ብሓቂ ሓይሊ ኣለዋ ድዩ፧

      ሓያሎ ተመራመርቲ ሕክምና፡ ተስፋን ኣወንታዊ ኣረኣእያን ኣብ ህይወትን ጥዕናን ሓደ ሰብ፡ ዓብዪ ጽልዋ ኺህልዎ ኸም ዚኽእል ርእይቶ ይህቡ እዮም። ይኹን እምበር፡ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ዚሰማምዑሉ ዅሎም ተመራመርቲ ኣይኰኑን። ገሊኦም ተመራመርቲ ብስነ ፍልጠት ዘይተደገፈ ብሂል ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ኣካላዊ ጕድኣት፡ ኣካላዊ ሕማም ከም ዜስዕብ ጥራይ እዮም ዚኣምኑ።

      ተስፋ ብዛዕባ ዘለዋ ኣገዳስነት ዘሎ ምጥርጣር ሓድሽ ኣይኰነን። ኣሽሓት ዓመታት ይገብር፡ እቲ ግሪኻዊ ፈላስፋ ዝነበረ ኣሪስቶትል፡ ትርጉም ተስፋ እንታይ ምዃኑ ኺገልጽ ምስ ተሓትተ፡ “እንጌራ ሕልሚ እዩ” በለ። ድሕሪኡ ነዊሕ ጸኒሑ ኸኣ፡ በንጃሚን ፋራንክሊን እተባህለ ኣመሪካዊ ብዓል ስልጣን፡ “ብተስፋ ዚነብር ብጾሙ ይመውት” በለ።

      እሞ ደኣ ብዛዕባ ተስፋ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧ ሰባት ምጽንናዕ ንምርካብ ሃረር ዚብልዎ ትምኒት ጥራይ ድዩ፧ ወይስ ትምኒት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ጥዕናን ሓጐስን ኬምጽእ ዚኽእል ጠቓሚ ነገር ከም ዝዀነ ዜእምን ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና።

  • ተስፋ እተድልየና ስለምንታይ እያ፧
    ንቕሑ!—2004
    • ተስፋ እተድልየና ስለምንታይ እያ፧

      እቲ ኣብ መእተዊ እታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ እተጠቕሰ ብሕማም መንሽሮ ዝሞተ ዳንኤል፡ ተስፋኡ ሒዙ እንተ ዚቕጽል ነይሩኸ፧ ካብ ሕማም መንሽሮ ምሓወየዶ ነይሩ፧ ሕጂ ብህይወት ምሃለወዶ፧ እቶም ተስፋ መድሃኒት ከም ዝዀነት ዚማጐቱ ሰባት እኳ ኸይተረፈ፡ ከምዚ ዓይነት ጥሩፍ ኣተሓሳስባ የብሎምን። እዚ ኸኣ ኣገዳሲ ነጥቢ እዩ። ንተስፋ ኣጋኒንና ኽንዛረበላ የብልናን። ፈውሲ ዅሉ ኣይኰነትን።

      ብፈነወ ዜና ኮሎምቢያ ኣብ እተገብረ ቓለ መጠይቕ፡ ዶክተር ናታን ቸርኒ ምስ ኣዝዮም ሕሙማት ሰባት ኣብ እትገብሮ ርክብ፡ ተስፋ ብዛዕባ ዘለዋ ሓይሊ ኣጋኒንካ ምቕራብ ኬጠንቅቕ ከሎ ኸምዚ በለ፡ “ንኣንስቶም እኹል ምስትንታን ከም ዘይገበራን እኹል ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኸም ዘይነበረንን ገይሮም ዚወቕስወን ሰብኡት ኣጋጢሞምና እዮም። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ፡ ‘ሓደ ሰብ ንሕማሙ ኺቈጻጸር ይኽእል እዩ’ ዚብል ግጉይ እምነት ስለ ዘሕደረ፡ እቲ ጥረ እናገደደ እንተ ኸይዱ፡ እቲ ሕሙም ዜድሊ ጻዕሪ ኸም ዘይገበረ ይሕሰብ። እዚ ኸኣ ርትዓዊ ኣይኰነን።”

      ከም ሓቂ፡ እቶም ሕዱር ሕማም ዘለዎም ሰባት፡ ቀጻሊ ዝዀነ ኸቢድ ቃልሲ እዩ ዘለዎም። ስለዚ፡ ሰቦም ኣብ ርእሲ እቲ ዘለዎም ጸገም፡ ካልእ ጸገም ኪውስኹሎም ከም ዘይደልዩ መሸም ፍሉጥ እዩ። እዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ተስፋ ጥቕሚ የብላን ማለት ድዩ፧

      ከምኡ ማለት ኣይኰነን። ንኣብነት፡ እቲ ዶክተር እቲ፡ ቃንዛ ኣብ ናይ ምህዳእ ሞያ እዩ ሰልጢኑ። እዚ ኸኣ ነቲ ሕማም ብቐጥታ ኣብ ምጥቃዕ ወይ ህይወት ኣብ ምንዋሕ ዘተኰረ ሕክምና ዘይኰነስ፡ እቲ ሕሙም ብህይወት ክሳዕ ዘሎ፡ ምሽኡን ዜሐጕስን ህይወት ኬሕልፍ ዚሕግዝ ሕክምና እዩ። እዞም ሓኻይም እዚኣቶም፡ ከምዚ ዓይነት ሕክምና ነቶም ከቢድ ሕማም ዘለዎም ሰባት እውን ከይተረፈ፡ ሕጉሳት ኪገብሮም ከም ዚኽእል ኣጸቢቖም እዮም ዚኣምኑሉ። ተስፋ እዝን ዝያዳን ክትገብር ከም እትኽእል ዜርኢ እኹል መርትዖ ኣሎ።

      ተስፋ ዘለዋ ጥቕሚ

      ዶክተር ዳብሊው ጊፎርድ ጆንስ ዚብሃል ደረሲ መጽሔት ሕክምና፡ “ተስፋ ውጽኢታዊ መድሃኒት እዩ” በለ። እዚ ዶክተር እዚ፡ ከቢድ ሕማም ንዘለዎም ሰባት፡ ስምዒታዊ ደገፍ ምሃብ ብዛዕባ ዘለዎ ጥቕሚ እተገብረ እተፈላለየ መጽናዕትታት መርሚሩ እዩ። ከምዚ ዓይነት ደገፍ ንሰባት ዝያዳ ትስፍዉን ኣወንታውን ኣረኣእያ ንኺሕዙ ኸም ዚድግፎም እዩ ዚእመነሉ። ብ1989 እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ ከምዚ ዓይነት ደገፍ ዝረኸቡ ሕሙማት ነዊሕ ዕድመ ጸኒሖም እዮም። ኣብ ቀረባ ግዜ እተገብረ መጽናዕቲ ግና፡ እዚ ኽሳዕ ክንድቲ ውጽኢታዊ ኸም ዘይኰነ ይገልጽ። ይኹን እምበር፡ እቶም ስምዒታዊ ደገፍ ዝረኸቡ ሕሙማት ምስቶም ዘይረኸቡ ኺወዳደሩ ኸለዉ፡ ብዙሕ ጭንቀትን ቃንዛን ከም ዘይብሎም ተረጋጊጹ እዩ።

      ኣወንታውን ኣሉታውን ኣረኣእያ፡ ኣብ ሕማም ልቢ ብዛዕባ ዘለዎ ጽልዋ ዘተኰረ ኻልእ መጽናዕቲ ኸኣ ንርአ። ንልዕሊ 1300 ዝዀኑ ሰባት፡ ብዛዕባ ህይወት ኣወንታዊ ወይ ኣሉታዊ ኣረኣእያ እንተ ኣልይዎም፡ ብጥንቃቐ ምርምር ተገብረሎም። ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት እተገብረ ተኸታታሊ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ ኸኣ፡ ካባታቶም ልዕሊ 12 ሚእታዊት ዝዀኑ ሕማም ልቢ ነበሮም። እቶም ኣሉታዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ድማ ካብቶም ኣወንታዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ዳርጋ ብዕጽፊ እዮም ዚበልጹ። ኣብ ጥዕና ማእከል ቤት ትምህርቲ ሃርቫርድ፡ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ጥዕናን ማሕበራዊ ዅነታትን ዝዀነት ኩብዛንስኪ ኸምዚ በለት፡ “ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ንጥዕና ኸም ዚጠቅም ዚሕብር መብዛሕትኡ መርትዖታት ኣፋዊ እዩ ነይሩ። እዚ ኣብ ሕማም ልቢ እተገብረ መጽናዕቲ ግን እዚ ኣበሃህላ እዚ ቕኑዕ ምዃኑ ዚሕብር ሕክምናዊ መርትዖ እዩ።”

      ገሊኡ መጽናዕትታት ከም ዚሕብሮ፡ እቶም ብዛዕባ ጥዕናኦም ኣሉታዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ሕሙማት ካብቶም ኣወንታዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ሕሙማት፡ ድሕሪ መጥባሕቲ ቐልጢፎም ኣይሓውዩን። ነዊሕ ዕድመ እውን ከይተረፈ፡ ምስ ኣወንታዊ ኣረኣእያ እዩ ዚተሓሓዝ። ብዛዕባ እርጋን ኣወንታውን ኣሉታውን ኣረኣእያ፡ ንኣረጋውያን እንታይ ጽልዋ ኸም ዝገበረሎም መጽናዕቲ ተገይሩ እዩ። ኣረጋውያን ንእርጋን ምስ ጥበብን ተመክሮን ዜተሓሕዝ ቃላት ቀልጢፉ ዚሓልፈሉ ናይ ኮምፒዩተር ጸወታ ኸም ዚጻወቱ ተገብረ። ድሕሪ እቲ ጸወታ፡ እቶም ኣረጋውያን ቀጻሊ ዝዀነ ብርታዐን ሓይልን ከም ዝረኸቡ ተረጋጊጹ። እቲ እተራእየ ምምሕያሽ ማዕረ እቲ ብናይ ሰለስተ ወርሒ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዚርከብ ውጽኢት እዩ ነይሩ።

      ከም ተስፋን ኣወንታዊ ኣረኣእያን ዝኣመሰለ ስምዒታት ንጥዕናና ኺጠቅም ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠትን ሓኻይምን፡ ብዛዕባ ኣእምሮን ኣካልን ወዲ ሰብ ርጉጽ ዝዀነ መልሲ ንምሃብ ዜኽእል እኹል ምርዳእ ዘይብሎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ነዚ ጕዳይ እዚ መጽናዕቲ ዚገብሩ ኽኢላታት፡ ኣብ ፍልጠት እተመርኰሰ ርእይቶ ኺህቡ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ሓደ ፕሮፌሰር ኒውሮሎጂ ኸምዚ በለ፦ “ሓጐስን ተስፋን ኺህልወካ ኸሎ ጽቡቕ ይስምዓካ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒት ጭንቀት ከም ዘይስምዓካን ኣካላትካ ኸም ዚሕደስን እዩ ዚገብር። እዚ ሓደ ኻብቲ ሰባት ጥዑያት ኰይኖም ምእንቲ ኪቕጽሉ ብወገኖም ኪገብርዎ ዚኽእሉ ነገር እዩ።”

      እዚ ሓሳብ እዚ፡ ንሓኻይም፡ ንሳይኮሎጀኛታት፡ ንተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ኪሕድሶም ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ኣይሕድሶምን እዩ። ዳርጋ 3000 ዓመት ይገብር፡ እቲ ጥበበኛ ዝነበረ ንጉስ ሰሎሞን ነዚ ሓሳብ እዚ፡ “ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ፣ ስቡር መንፈስ ግና ብርታዐ ይጽንቅቕ” ብምባል ኣብ ጽሑፍ ኣስፊርዎ ኣሎ። (ምሳሌ 17:22) ነቲ ኣብዚ ተንጸባሪቑ ዘሎ ሚዛናዊ ኣተሓሳስባ ኣስተብህለሉ። እታ ጥቕሲ፡ “ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት” ከም ዝዀነ ደኣ እምበር፡ ንዝዀነ ይኹን ሕማም ኬሕዊ ኸም ዚኽእል ኣይትገልጽን እያ።

      ስለዚ እምበኣር፡ ‘ተስፋ መድሃኒት እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ነዚ ዘይእዝዞ ሓኪም እሞ መን ኣሎ፧’ ኢልካ ምሕታት ርትዓዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ተስፋ ኻብ ጥዕና ንላዕሊ ኻልእ ብዙሕ ጥቕሚ እውን ኣለዋ።

      ኣወንታውን ኣሉታውን ኣተሓሳስባ ኣብ ህይወትካ ዘለዎ ጽልዋ

      ኣወንታዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት ብብዙሕ መገድታት ከም ዚጥቀሙ፡ ተመራመርቲ ብመጽናዕቲ ረኺቦምዎ እዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ኣብ ትምህርቲ፡ ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ስፖርት እውን ከይተረፈ ዝሓሸ ውጽኢት እዮም ዚረኽቡ። ንኣብነት፡ ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ዚሳተፋሉ ዓውዲ ስፖርት መጽናዕቲ ተገይሩ ነይሩ። እቶም ኣሰልጠንቲ፡ ብዛዕባ ኽእለት እተን ስፖርተኛታት ምሉእ ግምገማ ገይሮም ነይሮም። ምስኡ ኸኣ ኣብ ባህርያት እተን ኣንስቲ መጽናዕቲ ተገብረ፡ ደረጃ ተስፋአን ከኣ ብዕቱብ ተመርመረ። ውጽኢቱ ኸም ዚሕብሮ ኸኣ ምስጢር ዓወተን እቲ ብኣሰልጠንተን እተመዝገበ እተፈላለየ ደረጃ ኽእለተን ዘይኰነስ፡ ደረጃ ተስፋአን እዩ። ተስፋ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓያል ጽልዋ ዘለዋ ስለምንታይ እዩ፧

      ብዛዕባ እቲ ኣንጻር ኣወንታዊ ኣረኣእያ ዝዀነ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ብምጽናዕ ብዙሕ ፍልጠት ተረኺቡ እዩ። ብ1960ታት ብዛዕባ ባህርይ እንስሳታት ኣብ እተገብረ መጽናዕቲ፡ ትጽቢት ዘይተገብሮ ውጽኢት ተረኺቡ እዩ። ተመራመርቲ ኻብዚ መጽናዕቲ እዚ ተበጊሶም፡ ሰባት እውን ከይተረፈ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ብዜጋጥሞም ኵነታት ‘ዝገበርኩ እኳ እንተ ገበርኩ ኣይሰልጠንን እዩ’ ዚብል ስምዒት ኬሕድሩ ኸም ዚኽእሉ ገሊጾም እዮም። ንኣብነት፡ እዚ መጽናዕቲ እዚ እተገብረሎም ሰባት፡ ደስ ዘይብል ድምጺ ኸም ዚሰምዑ ተገብሩ እሞ፡ ኣብ መጠወቒታት ብምጥዋቕ ነቲ ድምጺ ደው ኬብልዎ ተነግሮም፡ ንሳቶም ከኣ ከምቲ እተባህለ ብምግባር ደው ኣበልዎ።

      ካልኣይ ጕጅለ ኸኣ ልክዕ ከምኡ ኺገብሩ ተነግሮም፡ ንሳቶም ግና ኣይተዓወቱን። ክትግምቶ ኸም እትኽእል፡ መብዛሕትኦም ኣባላት እቲ ኻልኣይ ጕጅለ፡ ተስፋ ቘሪጾም ነይሮም። ካልኣይ ዕድል ምስ ተዋህቦም ከኣ ኪፍትኑ እውን ኣይደለዩን። ዝገበሩ እኳ እንተ ገበሩ ምንም ለውጢ ኼምጽኡ ኸም ዘይክእሉ ዀይኑ ተሰሚዕዎም ነበረ። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ኻልኣይ ጕጅለ እውን ከይተረፈ፡ እቶም ኣወንታዊ ኣረኣእያ ዝነበሮም ሰባት ተስፋ ኣይቈረጹን።

      ነዚ ፈተነ እዚ ዘዳለወ ዶክተር ማርቲን ሰልግማን፡ ብዛዕባ ኣወንታዊ ኣረኣእያን ኣሉታዊ ኣረኣእያን መጽናዕቲ ኺገብር ተደረኸ። ንኣተሓሳስባ እቶም ዓቕሚ ኸም ዘይብሎም ገይሮም ዚሓስቡ ሰባት ኣድቂቑ ኺምርምር ጀመረ። እቲ ዶክተር ከምዚ ዓይነት ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ንቡር ዝዀነ መዓልታዊ ንጥፈታት ህይወት ንምምራሕ እውን ከይተረፈ ኸም ዚኸብዶም ደምዲሙ እዩ። ብዛዕባ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባን ዘለዎ ጽልዋን ከኣ ከምዚ ብምባል ጸሚቑ ኣቕሪብዎ ኣሎ፦ “ንዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ዝገበርክዎ መጽናዕቲ፡ ከምቶም ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት፡ መከራ ዚበጽሓና ብጕድለትና ምዃኑ፡ ቀጻሊ ምዃኑ፡ ንዅሉ እንገብሮ ነገር ከኣ ከም ዚቈጻጸሮ ዀይኑ ወትሩ ዚስምዓና እንተ ዀይኑ፡ ከምቲ ዝሓሰብናዮ ኸም ዚኸውን ኣእሚኑኒ እዩ።”

      ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳባት፡ ሎሚ ንገሊኦም ሓድሽ ይዀኖም ይኸውን። ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ሓድሽ ኣይኰነን። ነዚ ምሳሌ እዚ ኣቕልበሉ፦ “ብመዓልቲ ጭንቂ ተስፋ እንተ ቘሪጽካ፡ ሓይልኻ ቝሩብ ይኸውን።” (ምሳሌ 24:10) እወ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ምቝራጽን ኣሉታዊ ኣተሓሳስባን ንሓይልኻ ምሉእ ብምሉእ ከም ዚጽንቅቖ እዩ ብንጹር ዚገልጽ። እሞኸ፡ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኣወጊድካ ኣወንታዊ ኣተሓሳስባን ተስፋን ከተማዕብል እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

      [ስእሊ]

      ተስፋ ዓብዪ ግደ ኣለዋ

  • ንኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኸተሰንፎ ትኽእል ኢኻ
    ንቕሑ!—2004
    • ንኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኸተሰንፎ ትኽእል ኢኻ

      ንዜጋጥመካ ጸገማት ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ፧ ብዙሓት ክኢላታት፡ እቲ ነዛ ሕቶ እዚኣ እትህቦ መልሲ፡ ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ወይ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ዘለካ ምዃኑ ኸም ዚሕብር ይኣምኑ እዮም። ኵላትና፡ ኣብ ህይወትና ኸቢድ ጸገማት የጋጥመና እዩ። ናይ ገሌና ኸኣ ካብ ናይ ካልኦት ሓለፍ ዝበለ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገሊኦም፡ ጸገማት ምስ ኣጋጠሞም፡ ጸገማቶም ክኢሎም ናብራኦም ኪመርሑ ኸለዉ፡ ገሊኦም ግና ብተዛማዲ ናኣሽቱ ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎ ተስፋ ዚቘርጹ ስለምንታይ እዮም፧

      ንኣብነት፡ ስራሕ ትደሊ ኣለኻ ንበል። ቃለ መጠይቕ ትገብር ግናኸ ተቐባልነት ኣይረኸብካን። ድሕሪኡ እንታይ እዩ ዚስምዓካ፧ ፈጺምካ ኸም ዘይትድለን ኵነታትካ ፍታሕ ከም ዘይብሉን ጌርካ ብምሕሳብ፡ ‘ማንም ሰብ ኣይቈጽረንን እዩ፣ ስራሕ ክረክብ ኣይኰነለይን እዩ’ ኢልካ ትድምድም ትኸውን። ሕሉፍ ሓሊፍካ እውን፡ ብሰንኪ እዚ ኣብ ህይወትካ ዘጋጠመካ ሓደ ዅነት ንዅሉ መዳያት ህይወትካ ኸም ዚጸልዎ ጌርካ ብምሕሳብ፡ ‘በቃ ዋጋ የብለይን፡ ንማንም ሰብ ኣይጠቅምን እየ’ ኢልካ ትድምድም ትኸውን። እዚ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ እዩ።

      ንኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ተቓለሶ

      ብኸመይ ኢኻ ኽትቃለሶ እትኽእል፧ መጀመርታ ነቲ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኣለልዮ። ቀጺልካ ኸኣ ተቓለሶ። ስለምንታይ ከም ዘይሰለጠካ ርትዓዊ ዝዀነ ምኽንያት ድለ። ንኣብነት፡ ዘይሰለጠካ ብሓቂዶ ማንም ሰብ ኪቘጽረካ ስለ ዘይደለየ እዩ፧ ወይስ እቲ ወሃብ ካልእ ብቕዓታት ዘለዎ ሰብ ኪቘጽር ስለ ዝደለየ እዩ፧

      ኣብ ከምዚ ዝበለ ሓቅነት ዘለዎ ነገራት ምስ እትሓስብ፡ እቲ ተሰሚዑካ ዝነበረ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ፡ ስምዒታዊ ጥራይ ከም ዝነበረ ኺርድኣካ እዩ። ኣብ ሓደ ዅነታት ተቐባልነት ዘይምርካብካ፡ ፈጺምካ ዘይትረብሕ ኢኻ ማለት ድዩ፧ ክትዕወተሉ እትኽእል ካልእ መዳያት ህይወት ክትሓስብ ትኽእልዶ፧ ንኣብነት፡ ከም መንፈሳዊ ንጥፈታት፡ ምስ ስድራ ቤትካ ዘሎካ ርክብ፡ ወይ ምሕዝነት ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። ነቲ ዚመጸካ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ መዕነዊ ጥራይ ከም ዝዀነ ጌርካ ብምሕሳብ ከተወግዶ ጽዓር። ደሓር ከኣ፡ ፈጺምካ ስራሕ ከም ዘይትረክብ እንታይ መረጋገጺ ኣሎካ፧ ንኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ንምውጋድ ክትገብሮ እትኽእል ካልእ ነገር እውን ኣሎ።

      ኣብ ሸቶታት ዘተኰረ ኣወንታዊ ኣረኣእያ

      ኣብቲ ቐረባ ዓመታት፡ ተመራመርቲ ብዛዕባ ተስፋ ባህ ዜብል ግናኸ እተቐየደ መግለጺ ሂቦም እዮም። ተስፋ ሸቶታትካ ኽትወቅዕ ዚሕግዘካ እምነት ከም ዝዀነ እዮም ዚሓስቡ። እታ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ከም እትሕብሮ፡ ተስፋ ኻልእ ብዙሕ ነገራት እውን ትሓቍፍ እያ። ኰይኑ ግና፡ እዚ መግለጺ እዚ፡ ብብዙሕ መገድታት ጠቓሚ እዩ። ኣብዚ መዳይ ተስፋ እዚ ምትኳርና፡ ሸቶታት ብምውጻእ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኸነማዕብል ኪሕግዘና እዩ።

      ሸቶታትና ኽንወቅዕ ከም እንኽእል ምእንቲ ኽንኣምን ሸቶታት ከነውጽእን ክንወቕዖ ኽንዕርን ኣሎና። ከምዚ ዓይነት ተመክሮ ዘይብልካ እንተ ዄንካ፡ ብዛዕባ እቲ እተውጽኦ ሸቶታት ኣርዚንካ ኽትሓስበሉ ጠቓሚ እዩ። እሞኸ፡ ሸቶ ኣለካዶ፧ ብመዓልታዊ ናብራና ኣዚና ትሑዛት ስለ እንኸውን፡ ኣብ ህይወትና ብሓቂ እንደልዮን ዝያዳ ዜገድሰናን እንታይ ምዃኑ ኸይሓሰብና ስቕ ኢልና ኽንነብር ቀሊል እዩ። እቲ ነዊሕ ዓመታት ይገብር እተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ እዚ ኣብ ህይወትካ ቐዳምነት ምስራዕ ዚምልከት ግብራዊ መሰረታዊ ስርዓት፡ ‘እቲ ዚሓይሽ መርምሩ’ ብምባል የተባብዕ።—ፊልጲ 1:10።

      ቀዳምነት እንህቦ ነገራት እንተ ሰሪዕና፡ ኣብ እተፈላለየ መዳያት ህይወትና፡ ንኣብነት፡ ኣብ መንፈሳውነትና፡ ኣብ ስድራ ቤትና፡ ኣብ ዓለማዊ ስራሕና ሸቶታት ከነውጽእ ቀሊል እዩ ዚኸውን። ይኹን እምበር፡ ኣብ መጀመርታ ብሓንሳእ ብዙሕ ሸቶታት ኣብ ክንዲ እነውጽእ፡ ክንበጽሖ እንኽእል ቀሊል ሸቶታት እንተ ኣውጻእና ዝሓሸ እዩ። ሓደ ሸቶ ኽትወቕዖ ኣዝዩ ኣሸጋሪ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ኬጨንቐካን ተስፋ ኼቍርጸካን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ብነዊሕ ግዜ ዚብጻሕ ዓበይቲ ሸቶታት፡ ብሓጺር ግዜ ናብ ዚብጻሕ ናኣሽቱ ሸቶታት ክትመቓቅሎ ዝሓሸ እዩ።

      ጻዕሪ እንተ ኣልዩ፡ ዓወት ኣይተርፍን እዩ። ንጹር ዝዀነ ሸቶታት እንተ ኣውጺእና፡ ነቲ ሸቶታት ንምውቃዕ ባህግን ቈራጽነትን ኪህልወና ኣለዎ። ብዛዕባ እቲ ሸቶታት ዘለዎ ጥቕምን ምስ ወቓዕናዮ እንረኽቦ በረኸትን ብምስትንታን ቈራጽነትና ኸነደልድል ንኽእል ኢና። ዕንቅፋታት ኬጋጥመና ኸም ዚኽእል ፍሉጥ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ነዚ ኺስገር ከም ዚኽእል ብድሆታት ጌርና ደኣ እምበር፡ ከም መሐንኰሊና ጌርና ኽንርእዮ የብልናን።

      ይኹን እምበር፡ ሸቶታትና ንምውቃዕ ዚሕግዘና ግብራዊ መገድታት እውን ክንሓስብ ኣሎና። ተስፋ ብዛዕባ ዘለዋ ጥቕሚ ሰፊሕ መጽናዕቲ ዝገበረ ደራሲ ሲ ሪክ ሲንደር፡ ሸቶታትካ እትወቕዓሉ እተፈላለየ መገድታት ምሕሳብ፡ ኣገዳሲ ምዃኑ ርእይቶ ሂቡ ኣሎ። ስለዚ፡ ሓደ መገዲ እንተ ዘየዋጺኡ ኻልኣይ፡ ሳልሳይ፡ ራብዓይ እናበልና ንፍትን።

      ብዘይካዚ፡ ሲንደር ንሓደ ሸቶ ብኻልእ ሸቶ ምትካእ ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ርእይቶ ሂቡ ኣሎ። ንሓደ ሸቶ ኽንወቅዖ እንተ ዘይክኢልና፡ ብዛዕባኡ ምስቍርቋር ተስፋ ጥራይ እዩ ዜቝርጸና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኪብጻሕ ብዚኽእል ካልእ ሸቶ ምትካኡ ተስፋ ይህበና እዩ።

      መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዜብርህ ኣብነት ይህበና እዩ። ንጉስ ዳዊት ንኣምላኹ ንየሆዋ ቤተ መቅደስ ኪሃንጸሎ ባህ ዜብል ሸቶ ኣውጺኡ ነይሩ እዩ። ኣምላኽ ግና ንዳዊት እቲ መሰል እቲ እተዋህቦ ንወዱ ሰሎሞን ምዃኑ ነገሮ። ዳዊት በዚ ተስፋ ዜቝርጽ ኵነታት እናስቈርቈረ ኻብ ዚነብር ሸቶኡ ኪቕይር መረጸ። ንወዱ ነቲ ፕሮጀክት ህንጸት ኣብ ምዝዛም ምእንቲ ኺሕግዞ፡ ንዋትን ካልእ ንህንጸት ዜድሊ ነገራትን ኣብ ምእካብ እዩ ኣተኲሩ።—1 ነገስት 8:17-19፣ 1 ዜና መዋእል 29:3-7።

      ንኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ብምስናፍ፡ ኣብ ሸቶ ዘተኰረ ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ኸኣ ብምምዕባል ንደረጃ ተስፋና ኽብ እኳ እንተ ኣበልናዮ፡ ኣብ ተስፋና ዓብዪ ሃጓፍ ኪህሉ ይኽእል እዩ። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ ምኽንያቱ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ መብዛሕትኡ ተስፋ ዜቝርጽ ኵነታት ካብ ቍጽጽርና ወጻኢ እዩ። ነዚ ንደቂ ሰብ ዓብሊልዎም ዘሎ ኸም ድኽነትን ውግእን ዘይፍትሓውነትን እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ኸቢድ ሕማምን ሞትን ክንሓስበሉ ኸለና፡ ብኸመይ ኢና እሞ ተስፋና ኽንዕቅብ እንኽእል፧

      [ስእሊ]

      ዝደለኻዮ ስራሕ እንተ ዘይረኺብካ፡ ስራሕ ፈጺምካ ኸም ዘይትረክብ ኰይኑ ድዩ ዚስምዓካ፧

      [ስእሊ]

      ንጉስ ዳዊት ኣብ ሸቶታቱ ተዓጻጻፍነት ኣርእዩ እዩ

  • ናይ ሓቂ ተስፋ ኣበይ ትርከብ፧
    ንቕሑ!—2004
    • ናይ ሓቂ ተስፋ ኣበይ ትርከብ፧

      ሰዓትካ፡ ተበላሽያ ምስራሕ ኣቋሪጻ ንበል። ከተዓርያ ኽትሓስብ ከለኻ ድማ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ከም ዘሎ ትፈልጥ። ብዛዕባ ሰዓት ምዕራይ ብዙሕ መወዓውዒ ይቐርብ። ኵሉ እቲ መወዓውዒ ኸኣ ጽቡቕ ተስፋ ዚህብ እኳ እንተዀነ፡ ገሊኡ ንሓድሕዱ ዚጋጮ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንሰዓትካ ዝነደፋ ሓደ ኻብቶም ጐረባብትኻ ኸም ዝዀነ እንተ ትሰምዕከ፧ ወረግ ብናጻ ኸዓርየልካ ኸም ዚደሊ እውን ትፈልጥ። መሸም እንታይ ከም እትመርጽ ንጹር እዩ።

      ነታ ሰዓት፡ ምስቲ ተስፋ ንምግባር ዘሎካ ብቕዓት ኣነጻጽሮ። ኣብዛ ሽግር ዝመልኣ ዓለም ብዙሓት ሰባት ተስፋ የብሎምን። ንስኻ እውን ሓደ ኻባታቶም እንተ ዄንካ፡ ካበይ ኢኻ ሓገዝ ክትረክብ እትኽእል፧ ነዚ ጸገም እዚ ኺፈትሕዎ ኸም ዚኽእሉ ዚዛረቡ ሓያሎ ሰባት ኣለዉ። እቲ ዚህብዎ ማእለያ ዘይብሉ ርእይቶታት ግና፡ ዜደናግርን ንሓድሕዱ ዚጋጮን እዩ። ስለዚ፡ ብቐዳምነት ናብቲ ምንጪ ተስፋን ነዳፊ ደቂ ሰብን ዝዀነ ፈጣሪ ቝሊሕ ዘይትብል፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ” ምዃኑን ኪሕግዘና ኸኣ፡ ኣዝዩ ኸም ዚደልን ይገልጽ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:27፣ 1 ጴጥሮስ 5:7።

      ዝሰፍሐ ትርጉም ተስፋ

      መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ተስፋ ዚህቦ ትርጉም፡ ካብቲ ሎሚ ሓኻይምን ተመራመርቲ ስነ ፍልጠትን ሳይኮሎጀኛታትን ዚህብዎ ትርጉም ዝሰፍሐ እዩ። ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እተን “ተስፋ” ተባሂለን ዚትርጐማ ቓላት ብሃንቀውታ ምጽባይን ጽቡቕ ምጽባይን ዚብል ትርጉም እዩ ዘለወን። ብመሰረቱ፡ እታ ተስፋ እትብል ቃል፡ ክልተ ሓሳባት ዝሓቘፈት እያ። ንጽቡቕ ነገር ምብሃግን እቲ ጽቡቕ ነገር ከም ዚመጽእ ንዘሎካ እምነት ዚኸውን መሰረትን ዝሓቘፈት እያ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተዋሂቡ ዘሎ ተስፋ፡ ትምኒት ጥራይ ኣይኰነን። ኣብ ጭቡጥ ነገርን ኣብ መርትዖን እተመርኰሰ ድልዱል መሰረት ኣለዎ።

      በዚ መዳይ እዚ፡ ተስፋ ምስታ ኣብ ብዓይኒ ዕሙተይ ዘይኰነስ፡ ኣብ መርትዖ እተመስረተት እምነት ትመሳሰል እያ። (እብራውያን 11:1) ምስናይዚ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንእምነትን ተስፋን ፈላልዩ ይጠቕሰን እዩ።—1 ቈረንቶስ 13:13።

      ንመረዳእታ፡ ንሓደ እትኣምኖ ፈታዊኻ ሓደ ነገር ኪገብረልካ ትሓትቶ ንበል፣ ከም ዚገብረልካ ኸኣ ተስፋ ትገብር ኢኻ። ተስፋኻ መሰረት ዘይብላ ኣይኰነትን። ከመይሲ፡ ኣብ ፈታዊኻ እምነት ኣሎካ፣ ኣጸቢቕካ ድማ ትፈልጦ ኢኻ። ኣብ ዝሓለፈ ንዝገበሮ ለውሃትን ልግስን ከኣ ርኢኻ ኢኻ። ስለዚ፡ እምነትን ተስፋን ንሓድሕደን ኣጸቢቐን እተኣሳሰራ እየን። ግናኸ፡ ፍልልይ እውን ኣለወን። እሞኸ፡ ኣብ ኣምላኽ ከምዚ ዓይነት ተስፋ ኺህልወካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

      መሰረት ተስፋ

      ምንጪ ናይ ሓቂ ተስፋ ኣምላኽ እዩ። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ “ተስፋ እስራኤል” ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ። (ኤርምያስ 14:8) ኵሉ እቲ ህዝቡ ዝነበሮም ዜተኣማምን ተስፋ፡ ካብኡ እዩ ዚመጾም ነይሩ። ስለዚ፡ ተስፋኦም እዩ ነይሩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተስፋ፡ ትምኒት ጥራይ ኣይነበረን። ኣምላኽ ንተስፋኦም ድልዱል መሰረት ሂብዎም እዩ። ንዘመናት ዚኣክል ምስኦም ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ብዙሕ ተስፋታት ሂብዎም፡ ኵሉ ተስፋታቱ ኸኣ ፈጺሙ እዩ። እቲ ንእስራኤላውያን ዚመርሖም ዝነበረ እያሱ ኸምዚ በሎም፦ “ካብ ኵሉ እቲ የሆዋ ኣምላኽኩም እተዛረበኩም ጽቡቕ ተስፋታት፡ ሓንቲ ቓል እኳ ኸም ዘይወደቐት፡ . . . ኣጸቢቕኩም ትፈልጡ ኢኹም።”—እያሱ 23:14።

      ድሕሪ ኣሽሓት ዓመታት እውን እንተ ዀነ፡ እቲ ጸብጻብ እቲ ሓቅነቱ ኣይተቐየረን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ጕሉሕ ተስፋታትን ብልክዕ ከም እተፈጸመ ዚገልጽ ታሪኻዊ ጸብጻብን ሒዙ ኣሎ። እቲ ትንቢታዊ ተስፋታቱ ኸም ዚፍጸም ርግጽ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ገሊኡ ጸብጻባት ከም እተፈጸመ ዀይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

      በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኢና ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም መጽሓፍ ተስፋ ጌርና እንዛረበሉ። ንጸብጻብ እቲ ኣምላኽ ምስ ደቂ ሰብ ዝገበሮ ርክብ ከተጽንዕ ከለኻ፡ ኣብኡ ዘሎካ ተስፋ እናደልደለ እዩ ዚኸይድ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ብተጻዋርነትናን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዚርከብ መጸናንዕን ተስፋ ምእንቲ ኺህልወናስ፡ እቲ ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ፡ ንትምህርትና እዩ እተጻሕፈ” በለ።—ሮሜ 15:4።

      ኣምላኽ እንታይ ተስፋ እዩ ሂቡና፧

      ተስፋ ብፍላይ ዜድልየና መዓስ እዩ፧ ምስ ሞት እተተሓሓዘ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎዶ ኣይኰነን፧ መብዛሕትኦም ሰባት ግና፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ንኣብነት፡ ሰቦም ኪሞቶም ከሎ ተስፋኦም ይጽልምት እዩ። ደሓር ከኣ፡ ካብ ሞት ንላዕሊ ተስፋ ኬቝርጽ ዚኽእል እሞ እንታይ ኣሎ፧ ሞት ንዅላትና ይሃድነና እዩ። ካብኡ ኸነምልጥ ከኣ ኣይንኽእልን ኢና። ክንትንስእ እውን ሓይሊ የብልናን። መጽሓፍ ቅዱስ ንሞት፡ “ናይ መወዳእታ ጸላኢ” ኺብሎ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።—1 ቈረንቶስ 15:26።

      እሞ ደኣ ምስ ሞት እተተሓሓዘ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ብኸመይ ኢና ተስፋ ኽንረክብ እንኽእል፧ እታ ንሞት ናይ መወዳእታ ጸላኢ ኢላ እትጠቕሶ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሞት ከም “ዚሰዓር” እውን ትገልጽ እያ። የሆዋ ኣምላኽ ካብ ሞት ይሕይል እዩ። ነዚ ኸኣ፡ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣርእይዎ እዩ። ብኸመይ፧ ንምዉታት ብምትንሳእ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ሓይሉ ተጠቒሙ ምዉታት ከም ዘተንስአ ዚገልጽ፡ ትሸዓተ እተፈላለየ ጸብጻባት ተመዝጊቡ ኣሎ።

      ኣብ ሓደ ፍልይ ዝበለ ኣጋጣሚ፡ የሆዋ ንወዱ የሱስ ነቲ ኻብ ዚመውት ኣርባዕተ መዓልቲ ገይሩ ዝነበረ ዜፍቅሮ ፈታዊኡ ኣልኣዛር ካብ ምዉታት ምእንቲ ኼተንስኦ፡ ሓይሊ ሂብዎ እዩ። የሱስ ነዚ ብሕቡእ ዘይኰነስ፡ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ሰባት ብጋህዲ እዩ ገይርዎ።—ዮሃንስ 11:38-48, 53፣ 12:9, 10።

      ‘ሰባት ዝተንስኡ ስለምንታይ እዮም፧ ኣሪጎም እንደገና ሞይቶም ደይኰኑን፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። እወ ሞይቶም እዮም። ይኹን እምበር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዜተኣማምን ጸብጻብ ተስፋ ትንሳኤ ስለ ዘሎና፡ ብሞት እተፈለዩና እነፍቅሮም ሰብና ኺትንስኡ ንብህግ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከም ዚትንስኡ ዜእምን ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ናይ ሓቂ ተስፋ ኣሎና።

      የሱስ፡ “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ” በለ። (ዮሃንስ 11:25) ብደረጃ ዓለምለኸ፡ ምዉታት ኬተንስእ ካብ የሆዋ ሓይሊ ዚቕበል ንሱ እዩ። የሱስ፡ “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ [ድምጺ ክርስቶስ] ዚሰምዑላ ሰዓት ትመጽእ ኣላ . . . ሽዑ . . . ኺወጹ እዮም” በለ። (ዮሃንስ 5:28, 29) እወ፡ ኵሎም እቶም ኣብ መቓብር ደቂሶም ዘለዉ ሰባት፡ ተንሲኦም ኣብ ምድራዊት ገነት ናይ ምንባር ተስፋ ኣለዎም።

      ነብዪ ኢሳይያስ፡ ንትንሳኤ በዚ ዚስዕብ ማራኺ ስእላዊ ቓላት ገሊጽዎ ኣሎ፦ “ምዉታትካ ብህይወት ኪነብሩ እዮም። ሬሳታተይ ኪትንስኡ እዮም። ኣቱም ኣብ ሓመድ እትነብሩ፡ ንቕሑ፡ እልል እውን በሉ! ኣውልኻስ ኣውሊ ንግሆ እዩ፣ ምድሪ ድማ ነቶም ብሞት እተሰነፉ፡ ህያዋን ኪዀኑ ኽትሓድጎም እያ።”—ኢሳይያስ 26:19።

      እዝስ ዜጸናንዕዶ ኣይኰነን! ልክዕ ከምቲ ሓደ ሕጻን ኣብ ማሕጸን ኣዲኡ ዚዕቈብ፡ ምዉታት እውን ኣብ ውሑስ ቦታ ተዓቚቦም እዮም ዘለዉ። እወ፡ እቶም ኣብ መቓብር ኣዕሪፎም ዘለዉ ምዉታት፡ ኣብ ተዘክሮ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ተዓቂቦም እዮም ዘለዉ። (ሉቃስ 20:37, 38) ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኸኣ፡ ልክዕ ከምቲ ሓንቲ ፈቃር ስድራ ቤት ንሓደ ዚውለድ ሕጻን እትቕበሎ፡ ሕጉሳትን ፈቃራትን ሰባት ነቶም ዚትንስኡ ሓንጐፋይ ኢሎም ኪቕበልዎም እዮም። ስለዚ፡ ምስ ሞት እተተሓሓዘ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ እውን፡ ተስፋ ኣሎ።

      ተስፋ ብኸመይ እያ እትጠቕመካ፧

      ጳውሎስ፡ ተስፋ ብዛዕባ ዘለዋ ጥቕሚ ይምህረና እዩ። ንተስፋ ኸም ቍራዕ ርእሲ ማለት፡ ኣገዳሲ ኽፋል መንፈሳዊ ኣጽዋር ገይሩ ጠቒስዋ ኣሎ። (1 ተሰሎንቄ 5:8) ከምኡ ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ወተሃደር ኣብ ውግእ ቍራዕ ርእሲ ይገብር ነይሩ እዩ። እቲ ቖብዕ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ውሽጡ ጸምሪ ወይ ቈርበት እተለበጦ ብረት እዩ ነይሩ። እቲ ቝራዕ ናብቲ ርእሲ ንዚውርወር ኵሉ ፍላጻታት ነጢሩ ኸም ዚምለስ ይገብሮ። በዚ ኸምዚ፡ እቲ ወተሃደር ካብ ሞት ኬምልጥ ይኽእል። ጳውሎስ እንታይ እዩ ኼጕልሕ ደልዩ፧ ልክዕ ከምቲ ቝራዕ ርእሲ ንርእሲ ዚከላኸለሉ፡ ተስፋ እውን፡ ንኣእምሮና ወይ ንኣተሓሳስባና ይከላኸለሉ እዩ። ምስ ዕላማታት ኣምላኽ ዚተሓሓዝ ድልዱል ተስፋ እንተ ኣልዩካ፡ ጸገማት ኬጋጥመካ ኸሎ ናይ ኣእምሮ ሰላምካ ኣይኪናወጽን እዩ። ከምዚ ዓይነት ቍራዕ ርእሲ ዘየድልዮ እሞ መን ኣሎ፧

      ጳውሎስ፡ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ንዚተሓሓዝ ተስፋ ዜብርህ ካልእ ህያው መብርሂ ሂቡ ኣሎ። “እዛ ዘላትና ተስፋ እዚኣ ኸም መልህቕ ነፍሲ፡ ርግጽን ጽንዕትን እያ” በለ። (እብራውያን 6:19) ጳውሎስ ኣብ እተፈላለየ ግዜ ምስባር መርከብ ኣጋጢምዎ ስለ ዝነበረ፡ መልህቕ ብዛዕባ ዘለዎ ጥቕሚ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ባሕረኛታት ዜናውጽ ማዕበል ኬጋጥሞም ከሎ፡ ንመልህቕ እታ መርከብ ንታሕቲ የውርድዎ እዮም። እቲ መልህቕ ኣብ ባይታ እቲ ባሕሪ እንተ ተሸኺቱ ኸኣ፡ እታ መርከብ በቲ ማዕበል እናተደፍአት ምስ ኣኻውሕ ከይትጋጮ ይሕግዛ።

      ብተመሳሳሊ፡ ንሕና እውን ኣብ ተስፋታት ኣምላኽ “ርግጽን ጽንዕትን” ተስፋ እንተ ኣልያትና፡ እዛ ተስፋ እዚኣ፡ ነዚ ዜናውጽ እዋናት እዚ ኽንሰግሮ ኽትሕግዘና እያ። የሆዋ፡ ደቂ ሰብ ካብ ውግእን ገበንን ሓዘንን ካብ ሞት እውን ከይተረፈ፡ ኣብዚ ቐረባ እዋን ሓራ ዝወጽሉ ግዜ ኸም ዚመጽእ የተስፉ እዩ። (ኣብ ገጽ 10 ዘላ ሳጹን ርአ።) ነዛ ተስፋ እዚኣ ዓትዒትና ምሓዝና፡ ብስርዓታት ኣምላኽ እናተመራሕና፡ ካብዚ ሎሚ ኣብ ዓለም ገኒኑ ዘሎ ርኹስ መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ ኽንሕሎ ኺሕግዘና እዩ።

      እቲ የሆዋ ዚህቦ ተስፋ፡ ንዓኻ እውን ይምልከት እዩ። ንህይወት ከምቲ ዝዓለሞ ጌርካ ኸተስተማቕራ የድልየካ እዩ። “ኵሉ ዓይነት ሰብ ኪድሕን” እዩ ዚደሊ። እዚ ብኸመይ እዩ ዚከኣል፧ መጀመርታ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ “ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽእ” ኣለዎ። (1 ጢሞቴዎስ 2:4) ኣሕተምቲ እዛ ሕታም እዚኣ፡ ብዛዕባ ሓቂ ቓል ኣምላኽ፡ ህይወት ዚህብ ፍልጠት ክትቀስም የተባብዑኻ እዮም። እቲ ኣምላኽ ዚህበካ ተስፋ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኽትረኽቦ እትኽእል ተስፋ ኣዝዩ ጸብለል ዝበለ እዩ።

      እዛ ተስፋ እዚኣ እንተ ደኣ ኣልያትካ፡ ፈጺምካ ተስፋ ኣይክትቈርጽን ኢኻ። ከመይሲ፡ ኣምላኽ ምስ ፍቓዱ ዚሰማማዕ ንዘውጻእካዮ ሸቶታት ክትወቅዕ፡ ዜድልየካ ሓይሊ ኺህበካ ይኽእል እዩ። (2 ቈረንቶስ 4:7፣ ፊልጲ 4:13) ከምዛ ዓይነት ተስፋ ደይኰነትን እተድልየካ፧ ስለዚ እምበኣር፡ ተስፋ ተድልየካ እንተ ዀይና፡ ትደልያ እንተ ደኣ ኔርካ፡ ኣጆኻ ኣብ ኢድካ እያ ዘላ፣ ክትረኽባ ትኽእል ኢኻ!

      [ስእልታት]

      ተስፋ እንገብረሉ ምኽንያት

      እዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት እዚ ንተስፋኻ የደልድሎ እዩ፦

      ◼ ኣምላኽ ዜሐጕስ መጻኢ ኣተስፍዩ ኣሎ።

      ቃሉ፡ ምድሪ ገነት ከም እትኸውንን ብሕጉሳትን ሓድነት ብዘለዎምን ስድራ ቤት ከኣ ከም እትመልእን ይገልጽ እዩ።—መዝሙር 37:11, 29፣ ኢሳይያስ 25:8፣ ራእይ 21:3, 4።

      ◼ ኣምላኽ ኪሕሱ ኣይክእልን እዩ።

      ንሱ ንዅሉ ዓይነት ሓሶት ይጸልእ እዩ። የሆዋ ኣዝዩ ቕዱስ ወይ ንጹህ ስለ ዝዀነ ኺሕሱ ኣይክእልን እዩ።—ምሳሌ 6:16-19፣ ኢሳይያስ 6:2, 3፣ ቲቶስ 1:2፣ እብራውያን 6:18።

      ◼ ኣምላኽ ደረት ዘይብሉ ሓይሊ ኣለዎ።

      የሆዋ ጥራይ እዩ ዅሉ ዚኽእል። ተስፋታቱ ኸይፍጽም ኪኽልክሎ ዚኽእል ዋላ ሓደ የለን።—ዘጸኣት 15:11፣ ኢሳይያስ 40:25, 26።

      ◼ ኣምላኽ ንዘለኣለም ክትነብር ይደልየካ እዩ።

      ​—ዮሃንስ 3:16፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4።

      ◼ ኣምላኽ ብኣና ተስፋ ይገብር እዩ።

      ኣብ ጕድለትናን ድኽመትናን ዘይኰነስ፡ ኣብ ጽቡቕ ባህርያትናን ጻዕርታትናን እዩ ዜተኵር። (መዝሙር 103:12-14፣ 130:3፣ እብራውያን 6:10) ቅኑዕ ዘበለ ኽንገብር ተስፋ ይገብር እዩ፣ ክንገብሮ ኸለና ኸኣ ይሕጐስ እዩ።—ምሳሌ 27:11።

      ◼ ኣምላኽ ምስ ዕላማኡ ብዚተሓሓዝ ኣብ እተውጽኦ ሸቶታት ከም ዚሕግዘካ ኣተስፍዩ እዩ።

      ኣገልገልቱ ተስፋ ኪቘርጹ ኣየድልዮምን እዩ። ኣምላኽ ምእንቲ ኺሕግዘና፡ ብልግሲ ኻብ ኵሉ ዝበርትዐ ሓይሊ፡ ማለት መንፈስ ቅዱሱ ይህበና እዩ።—ፊልጲ 4:13።

      ◼ ኣብ ኣምላኽ ተስፋ ምግባር ዓስቢ ዘይብሉ ኣይኰነን።

      ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ክትውከሎ እትኽእልን እሙንን ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኣይኬሕፍረካን እዩ።—መዝሙር 25:3።

      [ስእሊ]

      ከምቲ ቝራዕ ርእሲ ንርእሲ ዚከላኸለሉ፡ ተስፋ እውን ነእምሮ ትከላኸለሉ እያ

      [ስእሊ]

      ልክዕ ከም መልህቕ፡ ድልድልቲ ተስፋ እውን ከተጽንዓና ትኽእል እያ

      [ምንጪ ስእሊ]

      Courtesy René Seindal/Su concessione del Museo Archeologico Regionale A. Salinas di Palermo

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ