መዝሙር 69
ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንስበኽ!
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
1. ብዛዕባ ’ታ መንግስቲ ንስበኽ፡
ንዅሎም ዓሌት ሰባት።
ብፍቕሪ ሰባት ተደሪኽና፡
ንሓግዝ ንትሑታት።
ቃሉ ምስባኽ የሐጕሰና፣
ክቡር’ዩ ኣገልግሎትና።
ሃየ ነፍልጦም ስም ኣምላኽና፣
ወትሩ ንስበኽ ከየብኰርና።
(ኣዝማች)
ንስበኽ፡ መልእኽቲ መንግስቲ
ኣምላኽ ይብጻሕ ኣብ ኵሉ።
ንስበኽ፡ ብተኣማንነት ንዕየ
ንኣውጅ ቃሉ።
2. ካልኦት ኣባጊዕ ዘበልና፡
ሓቢርና ምስ ቅቡኣት፣
ንስበኽ፡ ብሓቂ ንመላለስ፡
ኣንስቲ ዀንና ሰብኡት።
ኵሉ ኺሰምዖ ዘለዎ’ዩ፡
ብስራት እታ መንግስቲ።
የሆዋ ይህበና ሓይሊ፡
ከነብጽሖ ’ቲ መልእኽቲ።
(ኣዝማች)
ንስበኽ፡ መልእኽቲ መንግስቲ
ኣምላኽ ይብጻሕ ኣብ ኵሉ።
ንስበኽ፡ ብተኣማንነት ንዕየ
ንኣውጅ ቃሉ።
(መዝ. 23:4፣ ግብ. 4:29, 31፣ 1 ጴጥ. 2:21 እውን ርአ።)