መዝሙር 61
ኣቱም መሰኻኽሩ፡ ኪዱ ሰጕሙ!
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
1. ኣገልገልቲ ያህ ጸኒዖም ይነብሩ፣
ድምብርጽ ኣይብሎም፡ ከቶ ኣይሽበሩ።
ሰይጣን’ኳ ’ተ ኣለመ ውዲት፡
ሓይሊ የሆዋ የስንቖም’ዩ ትብዓት።
(ኣዝማች)
ኣቱም መሰኻኽሩ፡ ኪዱ ሰጕሙ!
ዕዮ ኣምላኽ ድማ ብታሕጓስ ፈጽሙ!
ገነት ምቕራባ ንዅሉ ሰብ ንገሩ!
በረኸቱ ንምድሪ ሓብሩ!
2. ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምሾት ኣይደልዩን፣
ንዓለምን ገዛእታን ኣይምብርከኹን።
ንጽህናኦም ይሕልዉ፣
ብርኽሰት ምእንቲ ኸይበላሸዉ።
(ኣዝማች)
ኣቱም መሰኻኽሩ፡ ኪዱ ሰጕሙ!
ዕዮ ኣምላኽ ድማ ብታሕጓስ ፈጽሙ!
ገነት ምቕራባ ንዅሉ ሰብ ንገሩ!
በረኸቱ ንምድሪ ሓብሩ!
3. የሆዋ ኣምላኽ መላገጺ ዀይኑ፣
እቲ ቕዱስ ስሙ ድማ ተጠቂኑ።
ሃየ ንለዓል ንቐድሶ፣
ኣብ ቅድሚ ዅሎም ሰባት ንወድሶ።
(ኣዝማች)
ኣቱም መሰኻኽሩ፡ ኪዱ ሰጕሙ!
ዕዮ ኣምላኽ ድማ ብታሕጓስ ፈጽሙ!
ገነት ምቕራባ ንዅሉ ሰብ ንገሩ!
በረኸቱ ንምድሪ ሓብሩ!
(ዘጸ. 9:16፣ ፊል. 1:7፣ 2 ጢሞ. 2:3, 4፣ ያእ. 1:27 እውን ርአ።)