ፈተናታት እናሃለወ ብየሆዋ ምሕጓስ
ብጆርጅ ስኪፕዮ እተዘንተወ
ኣብ ታሕሳስ 1945 ብዘይካ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ምሉእ ኣካላተይ ብምልማሱ ኣብ ሆስፒታል ደቂሰ ነበርኩ። ድሕሪ ቑሩብ ግዜ ክሓዊ ኢየ ኢለ ሓሰብኩ: ካልኦት ግን ደጊም ብእግረይ ዝኸይድ ኰይኑ ኣይተራእዮምን። እዝስ ንሓደ ንጡፍ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ ከመይ ዝበለ ከቢድ ፈተና ኰን ኢዩ ነይሩ! ነቲ ኣይትጥዕን ኢኻ ዝብል ዘረባ ምቕባሉ ኣበኹዎ። ኣብታ ስዒባ ዝነበረት ዓመት ምስ ወሃብ ስርሐይ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምጕዓዝ ሓዊስካ ብዙሕ መደባት ነበረኒ።
ግዳይ ናይቲ ነታ ሰይንት ሄለና እትበሃል ምልእቲ ደሴትና ዘጥቅዐ ፖሊዮ ዝበሃል ተማሓላላፊ ሕማም ኰይነ ነበርኩ። እዚ ሕማም 11 ሰባት ቀተለ: ብዙሓት ድማ ኣሰንከለ። ሓሚመ ኣብ ዓራት ደቂሰ ከሎኹ: ብዛዕባ እታ ሓጻር ህይወተይን ብዛዕባ መጻኢየይን ንኽሓስብ እኹል ግዜ ነበረኒ። ከምኡ ኢለ ክሓስብ ከሎኹ: ሓሚመ እኳ እንተ ነበርኩ: ንኽሕጐስ ምኽንያት ከም ዝነበረኒ ግን ክግንዘብ ጀመርኩ።
ንእሽቶ ኣጀማምራ
ብ1933 ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ከሎኹ: እቲ ኣባል ፖሊስን ኣብ ናይ ባፕቲስት ቤተ-ክርስትያን ድያቆንን ዝነበረ ቶም ዝስሙ ኣቦይ: ካብ ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሒደት ጥሙራት መጻሕፍቲ ተቐበለ። እዚኣቶም ነታ ደሴት ንሓጺር ግዜ ክበጽሑዋ ዝመጹ ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላውያን ወይ ፓይነራት ነበሩ።
ሓንቲ ካብተን መጻሕፍቲ እታ ዘ ሃርፕ ኦቭ ጎድ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ነበረት። ኣቦይ ምስ ስድራቤትናን ምስ ሓያሎ ተገዳስነት ዘርኣዩ ውልቀ-ሰባትን ኰይኑ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ከሎ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ይጥቀመላ ነበረ። እታ መጽሓፍ ዓጺቕ ትሕዝቶ ስለ ዝነበራ: እተረዳእክዎ ትምህርቲ ዳርጋ ኣይነበረን። እንተዀነ ግን: ነቲ እንመያየጠሉ ዝነበርና ነፍሲ ወከፍ ጥቕሲ ኣብታ ናይ ብሕተይ መጽሓፍ ቅዱስ ምልክት እገብረሉ ከም ዝነበርኩ እዝክሮ ኢየ። ኣቦይ ነዊሕ ከይጸንሐ እቲ እነጽንዖ ዝነበርና ትምህርቲ ሓቂ ምዃኑ: ካብቲ ኣብ ናይ ባፕቲስት ቤተ-ክርስትያን ዝሰብኮ ዝነበረ ትምህርቲ ድማ እተፈልየ ምንባሩ ተገንዘበ። ንኻልኦት ብዛዕብኡ ክነግሮም: ከምኡውን ስላሴ: ገሃነም እሳት: ዘይትመውት ነፍሲ ዝበሃል ከም ዘየለ ኣብ መድረኽ ናይታ ቤተ-ክርስትያን ኰይኑ ክሰብኽ ጀመረ። እዚ ድማ ኣብቲ ቤተ-ክርስትያን መዛረቢ ኣርእስቲ ዀነ።
ኣብ መወዳእትኡ: ነቲ ጕዳይ ንምድቃስ ጻዕሪ ብምግባር ናይ ቤተ-ክርስትያን ኣኼባ ክግበር ተመደበ። “ንባፕቲስታውያን ዝጣበቕ መን ኢዩ፧” ዝብል ሕቶ ተሓትተ። መብዛሕትኦም ደገፍዎ። እቲ ዝቕጽል ሕቶ ድማ “ንየሆዋ ዝጣበቕ መን ኢዩ፧” ዝብል ነበረ። ዳርጋ 10 ወይ 12 ዝዀኑ ደገፍዎ። ነታ ቤተ-ክርስትያን ገዲፎማ ከም ዝወጹ ድማ ተገብረ።
ኣብ ሰይንት ሄለና እዚ ናይ ሓደ ሓድሽ ሃይማኖት ንእሽቶ ኣጀማምራ ነበረ። ኣቦይ ምስቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነበረ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ተራኸበ እሞ ኣብ ካሴት እተቐድሐ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርርባት ንህዝቢ ንኸስምዕ: እትመልእ መሳርሒት ክልእኽሉ ሓተተ። እታ መሳርሒት ዓባይ ብምዃና ናብ ሰይንት ሄለና ክትለኣኽ ከም ዘይከኣል ተነግሮ። ኣብ ክንድኣ ንእሽቶ ፎኖግራፍ ተላእከት: ድሕሪ ገለ ግዜ ድማ እቶም ኣሕዋት ካልእ ክልተ ክለኣኸሎም ሓተቱ። ነቲ መልእኽቲ ናብ ሰባት ንምብጻሕ: ኣብ ብምልእቲ እታ ደሴት ብእግሮምን ብኣድግን ተጓዕዙ።
እቲ መልእኽቲ ምስ ተዘርግሐ: ጐድኒ ጐድኑ ድማ ምጽራር ኣስፋሕፍሐ። ኣብቲ ዝማሃረሉ ቤት ትምህርቲ ዝነበሩ ቘልዑ “ይተኣከብ ኵሉ ሰብ: ነቲ ናይ ቶሚ ስኪፕዮ ናይ ግራማፎን ባንድ ንምስማዕ ይተኣከብ ኵሉ ሰብ!” ኢሎም ይዝምሩ ነበሩ። ብመዛኖይ ተቐባልነት ክረክብ ዝደሊ ተማሃራይ መንእሰይ ስለ ዝነበርኩ ድማ እዚ ከቢድ ፈተና ኰይኑኒ ነበረ። ንኽጽመም ዝሓገዘኒ ግን እንታይ ኢዩ፧
እታ ሽዱሽተ ቘልዑ ዝነበርዋ ዓባይ ስድራቤትና ስርዓታዊ ናይ ስድራቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ነበራ። ንግሆ ንግሆ ቅድሚ ቝርሲ ብሓባር ኴንና እውን መጽሓፍ ቅዱስ ነንብብ ነበርና። ስድራቤትና ንዓመታት ዝኣክል ኣብ ሓቂ ብተኣማንነት ንኽትቅጽል ዝሓገዛ እዚ ምንባሩ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ገና ንእሽቶ ከሎኹ ብብሕተይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንባብ ፍቕሪ ኣማዕቢለ ነበርኩ: ኣብ ኵሉ እዚ ዝሓለፈ ዓመታት ድማ ነቲ ስርዓታዊ ዄንካ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንባብ ልምዲ ዓቂበዮ ኢየ። (መዝሙር 1:1-3) ኣብቲ ወዲ 14 ዓመት ከሎኹ ትምህርቲ ዘቋረጽክሉ እዋን: ኣብ ሓቂ ጽኑዕ መሰረት ተኺለ ነበርኩ። ፍርሂ የሆዋ ድማ ኣብ ልበይ ሰሪጹ ነበረ። እዚ ፈተናታት እናሃለወ ብየሆዋ ንኽሕጐስ ኣኽኢሉኒ ኢዩ።
ተወሳኺ ፈተናታትን ሓጐስን
ሓሚመ ኣብ ዓራት ደቂሰ ብዛዕባ እተን ዘሕለፍክወን ዓመታተይን ብዛዕባ መጻኢ ተስፋታተይን ክሓስብ ከሎኹ: እዚ ሕማም እዚ ናይ ኣምላኽ ፈተና ወይ መቕጻዕቲ ከም ዘይነበረ ካብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕተይ ተረዲአ ነበርኩ። (ያእቆብ 1:12, 13) እንተዀነ ግን: ፖልዮ ከቢድ ፈተና ኢዩ ነይሩ: ሳዕቤናቱ ድማ ኣብቲ ዝተረፈ ህይወተይ ዝቕጽል ኢዩ ነይሩ።
ምስ ሓወኹ ድማ: ብእግሪ ምኻድ እንደገና ክማሃር ነበረኒ። ገለ ጭዋዳታት ምናተይ እውን ምስራሕ ኣቋሪጹ ነበረ። ኣብ መዓልቲ ክንደይ ዝኣክል ግዜ እወድቕ ከም ዝነበርኩ ክቘጽሮ ኣይክእልን ኢየ። እንተዀነ ግን: ልባዊ ጸሎትን ዘየቋርጽ ጻዕርን ብምግባር: ብ1947 ምርኵስ ገይረ ብእግረይ ክኸይድ ከኣልኩ።
ኣብቲ ግዜ እቲ: ከምቲ ናተይ ሃይማኖታዊ እምነት ዝነበራ ዶሪስ እትበሃል መንእሰይ ኣፍቀርኩ። ክልቴና ዕድሜና ንመርዓ ዘይኣኸለ ንኣሽቱ ኢና ነይርና: እንተዀነ ግን: ብእግሪ ንምኻድ ተወሳኺ ምዕባለ ንኽገብር ደረኸኒ። ደሞዘይ ንኽምርዖ ዘኽእለኒ ስለ ዘይነበረ እውን ካብቲ ዝነበርክዎ ስራሕ ወጻእኩ: ኣብተን ስዒበን ዝነበራ ክልተ ዓመታት ድማ ናይ ብሕተይ ናይ ስኒ ላቦራቶሪ ብምኽፋት ሰራሕኩ። ብ1950 ድማ ተመርዓና። ሽዑ ንእሽቶ ማኪና ንኽገዝእ ዘኽእለኒ ገንዘብ ረኺበ ነበርኩ። ስለዚ ድማ ነቶም ኣሕዋት ናብ ኣኼባን ናብ ግራት ኣገልግሎትን ክወስዶም እኽእል ነበርኩ።
ኣብታ ደሴት እተገብረ ቲኦክራሲያዊ ዕቤት
ብ1951 ማሕበር ንመጀመርታ ግዜ ንሓደ ወኪላ ናባና ለኣኸቶ። እዚ ድማ ዮኮቢስ ቫን ስታደን ዝስሙ መንእሰይ ወዲ ደቡብ ኣፍሪቃ ነበረ። ናብ ካልእ ገፊሕ ገዛ ግዒዝና ስለ ዝነበርና: ሓደ ዓመት ምሉእ ምሳና ክነብር ክኢሉ ኢዩ። ናይ ገዛእ ርእሰይ ስራሕ ስለ ዝነበረኒ: ኣብቲ ዕዮ ስብከት ብሓንሳእ ኴንና ብዙሕ ግዜ ኣሕሊፍና ኢና: ካብኡ ድማ ብዙሕ ጠቓሚ ልምምድ ረኸብኩ።
እቲ ኮስ ኢልና እንጽውዖ ዝነበርና ዮኮቢስ ስርዓታዊ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ክግበር ኣመሓደረ: ኵላትና ድማ ተሓጒስና ንካፈል ነበርና። ኣብ መንጎ እቶም ተገደስቲ ሰባት ማካይን ዝነበርኦም ክልተ ሰባት ጥራይ ብምንባሮም: ናይ መጓዓዝያ ጸገም ነበረና። እቲ መገዲ ሓባጥ ጐባጥን ዓቐበትን ዝመልኦ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ ጽቡቕ መገዲ ሒደት ጥራይ ነበረ። ስለዚ ኸኣ: ንዅሎም ኣኼባ ምውሳድ ርእሱ ዝኸኣለ ስራሕ ኢዩ ነይሩ። ገሊኦም ብንግሆኡ ብእግሮም ጕዕዞ ይጅምሩ። ኣነ ድማ ኣብታ ንእሽቶ ማኪናይ ሰለስተ ሰባት ጽዒነ እኸይድ: ገለ ርሕቐት ምስ ተጓዓዝና ድማ ኣብ መገዲ አውርዶም። ብእግሮም ድማ ይቕጽሉ። ንድሕሪት ተመሊሰ ካልኦት ሰለስተ ጽዒነ ገለ ርሕቐት እኸይድ: ኣብ መገዲ ኣውሪደዮም ከኣ ንድሕሪት እምለስ። ኣብ መወዳእትኡ: ከምዚ እናበሉ ኵሎም ናብ ኣኼባ ይኸዱ። እቲ ኣኼባ ምስ ተወድአ: ከምዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኣገባብ ገይረ ንዅሎም ነናብ ገዝኦም እመልሶም።
ኮስ ነቶም ሰብ ቤት ኣብ ገዝኦም ምስ ረኸብናዮም እንጥቀመሉ ኣስላጢ ዝዀነ ኣቀራርባታት እውን ምሂሩና ኢዩ። ብዙሕ ጽቡቕ ተመክሮታት ረኺብና ኢና። ሒደት ሕማቕ ተመክሮ እውን ኣጋጢሙና ኢዩ። እቲ ኣብ ግራት ኣገልግሎት እንረኽቦ ዝነበርና ሓጐስ ግን ካብ ኵሉ እቲ በቶም ንዕዮ ስብከትና ዝቃወሙ ሰባት ዝለዓል ዝነበረ ፈተናታት ዝበልጽ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ንግሆ ምስ ኮስ አገልግል ነበርኩ። ኣብ ሓንቲ ማዕጾ ምስ ቀረብና ድማ: ኣብ ውሽጢ ናይ ሰብ ድምጺ ሰማዕና። ሓደ ሰብኣይ ዓው ኢሉ መጽሓፍ ቅዱስ የንብብ ነበረ። ነተን ዘንብበን ዝነበረ ፍሉጣት ናይ ኢሳይያስ ምዕራፍ 2 ቃላት ብንጹር ክንሰምዐን ከኣልና። ቍጽሪ 4 ምስ በጽሐ ድማ ኳሕኳሕና። እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ምቕሉል ሰብኣይ ክንኣቱ ዓደመና: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንገልጸሉ ድማ ኢሳይያስ 2:4 ተጠቐምና። ኣብ ርሑቕ ቦታ ይነብር እኳ እንተ ነበረ: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ግን ጀመርናሉ። ናብ ገዝኡ ንምኻድ ቍልቍለት ክንወርድ: ኣእማን እናረገጽና ውሕጅ ክንሰግር: ካልእ ዓቐበት ክንድይብ: ድሕርዚ ቝልቍለት ክንወርድ ነበረና። ጻዕርና ግን ከንቱ ኣይነበረን። እዚ ህዱእ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ እዚ ሓቂ ተቐበለ: ተጠምቀ ድማ። ናብ ኣኼባታት ምእንቲ ክኸይድ ከኣ: በተን ክልተ ምርኵሱ ገይሩ እተወሰነ መገዲ ምስ መጸ ነቲ ዝተረፈ መገዲ ብማኪናይ እወስዶ ነበርኩ። ክሳዕ እታ ዝሞተላ መዓልቲ ድማ እሙን ምስክር ነበረ።
ሓደ ናይ ፖሊስ ኮሚሽነር ነቲ ዕዮና ተቓወሞ: ካብ ሃገር ክትባረር ኢኻ እናበለ ድማ ንኮስ ብተደጋጋሚ ኣፈራርሆ። ንኽሓቶ ኸኣ ሓንሳእ ኣብ ወርሒ ይጽውዖ ነበረ። ኮስ ኵሉ ግዜ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጥቃስ ይምልሰሉ ስለ ዝነበረ ኸኣ ዝያዳ ከም ዝንድር ገበሮ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ንኮስ ስብከት ከተቋርጽ ኣሎካ ብምባል የጠንቅቖ ነበረ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዋን ግን ምስክርነት ተዋሂብዎ ኢዩ። ኮስ ካብ ሰይንት ሄለና ምስ ወጸ እውን ከይተረፈ ነቲ ዕዮ ምቅዋም ቀጸለ። ብድሕርዚ እቲ ገዚፍን ድልዱልን ዝነበረ ኮሚሽነር ሃንደበት ሓመመ እሞ ኣዝዩ ቀጠነ። ሓካይም እንታይ ከም ዝዀነ ክርድኦም ኣይከኣለን። ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ: ካብታ ደሴት ወጸ።
ጥምቀትን ዘየቋርጽ ዕቤትን
ኮስ ኣብታ ደሴት ሰለስተ ወርሒ ምስ ገበረ: ናይ ጥምቀት ስነ-ስርዓት ክካየድ ግቡእ ኰይኑ ተሰምዖ። ምቹእ መሐንበሲ ጋብላ ክርከብ ኣይተኻእለን። ዓቢ ጕድጓድ ኵዒትና ብስሚንቶ ገይርና ቶኖኮ ክንወቕዖ እሞ: ድሕርዚ ድማ ማይ ክንመልኦ ወሰንና። ኣብታ ድሮ መዓልቲ ጥምቀት ዝነበረት ለይቲ ዝናም ዘነመ: ንጽብሒቱ ንግሆ እቲ ጕድጓድ ክሳዕ ኣፉ ማይ መሊኡ ምስ ጸንሓና ድማ ተሓጐስና።
ኣብታ ሰንበት ንግሆ እቲኣ ኮስ ናይ ጥምቀት ዝርርብ ሃበ። እቶም ናይ ጥምቀት ሕጹያት ደው ክብሉ ምስ ሓተተ: ነቲ ኣብ ጥምቀት ዝቐርብ ልሙድ ሕቶታት ንምምላስ 26 ሰባት ደው በልና። ኣብታ ደሴት እቲኣ ናይ መጀመርታ ጥሙቓት መሰኻኽር ናይ ምዃን መሰል ድማ ረኸብና። ከይተጠመቕኩ ኣርማጌዶን ክትመጽእ ኢያ ኢለ ኵሉ ግዜ እጭነቕ ስለ ዝነበርኩ: እዚኣ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ህይወተይ እታ ኣዝያ እተሓጐስኩላ መዓልቲ ነበረት።
ጸኒሐን ክልተ ጉባኤታት ተመስረታ: ሓንቲ ኣብ ለቨልዉድ ሓንቲ ድማ ኣብ ጀምስታውን። ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ካባና ቀዳም ምሸት ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርትን ናይ ኣገልግሎት ኣኼባን ንምምራሕ 13 ኪሎ ሜተር ተጓዒዞም ናብታ ሓንቲ ጉባኤ ይኸዱ ነበሩ። ሰንበት ንግሆ ካብ ግራት ኣገልግሎት ምስ ተመለስና ኸኣ ናብ ቦታና ንኸይድ እሞ ኣብታ ጉባኤና ኣብ ድሕሪ ቐትርን ምሸትን ከምዚ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ክልተ ኣኼባ ከምኡውን ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ንገብር ነበርና። በዚ ኸምዚ ቀዳመ-ሰናብትና ብዘሐጕስ ቲኦክራሲያዊ ንጥፈታት ዝመልአ ነበረ። ኣብቲ ዕዮ ስብከት ምሉእ ግዜይ ክካፈል ሃረር እብል ነበርኩ: ዝእለዩ ስድራቤት ግን ነበሩኒ። ስለዚ ብ1952 ኣብ ናይ መንግስቲ ስራሕ ቀዋሚ ሓኪም ስኒ ዀይነ ተቘጸርኩ።
ብ1955 ገየሽቲ ወኪላት ናይ ማሕበር ዝዀኑ ናይ ወረዳ ተዓዘብቲ ነታ ደሴት ዓመት-ዓመት ክበጽሕዋ ጀመሩ: ኣብ እዋን እቲ ምብጽሖም ድማ ኣብ ቤተይ የዕርፉ ነበሩ። ኣብ ስድራቤትና ኣወንታዊ ጽልዋ ኣሕዲሮም ኢዮም። ዳርጋ ኣብቲ ግዜ እቲ: ሰለስተ ናይ ማሕበር ፊልምታት ንብምልእቲ እታ ደሴት ከርኢ እውን መሰል ረኺበ ነበርኩ።
መለኮታዊ ፍቓድ ዘርእስቱ ዘሐጕስ ኣሰምብሊ
ብ1958 ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ እተኻየደ መለኮታዊ ፍቓድ ዘርእስቱ ኣህጕራዊ ኣሰምብሊ ምእንቲ ኽካፈል: እንደገና ካብ ናይ መንግስቲ ስራሕ ብድሌተይ ተሰናበትኩ። እቲ ኣሰምብሊ እቲ ብየሆዋ ንኽሕጐስ ብዙሕ ምኽንያት ዝሃበኒ ኣጋጣሚ: እወ ኣብ ህይወተይ ኣገዳሲ ፍጻመ ነበረ። ሕጽረት ስርዓታዊ መጓዓዝያ ስለ ዝነበረ: ካብታ ደሴት ሓሙሽተ ወርሕን ፈረቓን ተፈሊና ነበርና። እቲ ኣሰምብሊ ንሸሞንተ መዓልቲ ጸንሐ: እቲ ትምህርቲ ድማ ካብ ንግሆ ሰዓት ትሽዓተ ክሳዕ ምሸት ሰዓት ትሽዓተ ይቕጽል ነበረ። ፈጺመ ግን ኣይደኸምኩን: ነቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣኼባ ድማ ብሃንቀውታ እጽበዮ ነበርኩ። ኣብቲ ፕሮግራም ንሰይንት ሄለና ወኪለ ንኽልተ ደቒቕ ክዛረብ መሰል ረኺበ ነበርኩ። ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ያንኪ ስታድየምን ኣብ ፖሎ ግራውንድስን ዝነበረ ብዙሕ ህዝቢ ኴንካ ምዝራብ ዘፍርሕ ነበረ።
እቲ ኣሰምብሊ ነቲ ፓይነር ክኸውን ዝገበርክዎ ውሳነ ኣሐየለለይ። ብፍላይ እቲ “መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ—መወዳእታ ዓለም ቀሪቡ ድዩ፧” ዘርእስቱ ህዝባዊ ዝርርብ ዘተባብዕ ነበረ። እቲ ኣሰምብሊ ምስ ተወድአ: ነቲ ኣብ ብሩክሊን ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ማሕበርን ነቲ ፋብሪካን በጻሕናዮ። ነቲ ሽዑ ፕረዚደንት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዝነበረ ሓው ኖር ብዛዕባ ዕቤት ናይቲ ኣብ ሰይንት ሄለና ዝግበር ዝነበረ ዕዮ ነገርክዎ። ሓደ መዓልቲ ነታ ደሴት ክበጽሓ ባህጊ ከም ዘለዎ ገለጸለይ። ንስድራቤትናን ኣዕሩኽናን ምእንቲ ኸነካፍሎም ድማ ኵሉ ናይቲ ኣሰምብሊ ዝርርባት እተመልአ ካሴታትን ብዙሕ ተንቀሳቓሲ ፊልምታትን ሒዝና ተመለስና።
ነቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ሸቶ በጻሕክዎ
ናብታ ደሴት ምስ ተመለስኩ ድማ: ኣብታ ደሴት ሓኪም ስኒ ዝበሃል ስለ ዘይነበረ ናብቲ ናይ ቅድም ስርሐይ ክምለስ ተጸዋዕኩ። ይኹን እምበር: ኣብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክኣቱ ከም ዝሓሰብኩ ገለጽኩሎም። ድሕሪ ብዙሕ ዘተ: ኣብ ሰሙን ሰለስተ መዓልቲ ጥራይ ክሰርሕ ተሰማማዕና: ደሞዘይ ድማ ካብቲ ኣብ ሰሙን ሽዱሽተ መዓልቲ ሰሪሐ ዝረኽቦ ዝነበርኩ ንላዕሊ ገበሩለይ። እተን “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ: እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም” ዝብላ ቃላት የሱስ ሓቂ ምዃነን ተረጋገጸ። (ማቴዎስ 6:33) በተን ዝደኸማ ኣእጋረይ ገይረ በቲ ዓቐበትን ቍልቍለትን ዝመልኦ መገዲ ናይታ ደሴት ክጓዓዝ ወትሩ ቐሊል ኣይነበረን። እቲ ኵነታት ከምዚ እኳ እንተ ነበረ: ን14 ዓመታት ፓይነር ኰይነ ኣገልገልኩ: ንብዙሓት ነበርቲ እታ ደሴት ሓቂ ንኽማሃሩ ክሕግዞም ከኣ ክኢለ ኢየ: እዚ ድማ ብዙሕ ሓጐስ ከም ዘምጽኣለይ እተረጋገጸ ኢዩ።
ብ1961 ምሉእ ብምሉእ ብቑዕ ሓኪም ስኒ ምእንቲ ክኸውን ናይ ክልተ ዓመት ናጻ ናይ ልምምድ ኮርስ ክወስድ መንግስቲ ናብ ደሴታት ፊጂ ክሰደኒ ደለየ። ንስድራቤተይ እውን ምሳይ ክሰድዎም ምዃኖም ዕድመ ኣቕረቡለይ። እዚ ዕድመ እዚ ፈታኒ እኳ እንተ ነበረ: ኣርዚነ ምስ ሓሰብኩሉ ግን ነጺገዮ ኢየ። ነቶም ኣሕዋት ንኽንድዚ ዝኣክል ነዊሕ ግዜ ገዲፈዮም ክኸይድ ከምኡውን ነቲ ዝነበረኒ ምሳታቶም ኴንካ ናይ ምግልጋል መሰል ከቋርጾ ኣይደለኹን። እቲ ነቲ ጕዕዞ ኣዳልይዎ ዝነበረ ዝለዓለ ናይ ሕክምና በዓል ስልጣን ኣዝዩ ጐሃየ። “መወዳእታ ኣዝዩ ቀሪቡ ኢዩ ኢልካ ትሓስብ እውን እንተ ዀንካ: ነቲ ክሳዕ ሽዑ እትረኽቦ ገንዘብ ገና ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ” ኸኣ በለኒ። ኣነ ግን ኣብ ኣቕዋመይ ጸናዕኩ።
ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ዓመት: ናብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝግበር ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ—ንናይ ጉባኤ ተዓዘብቲ ዝዋሃብ ንሓደ ወርሒ ዝጸንሕ ናይ ልምምድ ኮርስ—ክካፈል ተዓደምኩ። ነቲ ናይ ጉባኤ መዝነታትና ዝያዳ ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ንኽንፍጽሞ ዝሓገዘና ጠቓሚ ትምህርቲ ረኸብና። እቲ ቤት ትምህርቲ ምስ ተወድአ: ምስ ሓደ ገያሺ ተዓዛቢ ኰይነ ብምዕያይ ተወሳኺ ልምምድ ረኸብኩ። ድሕርዚ ኣብተን ኣብ ሰይንት ሄለና ዝርከባ ክልተ ጉባኤታት ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ከም ተተካኢ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ኰይነ ኣገልገልኩ። ድሕሪ ግዜ ድማ: ካልኦት ብቑዓት ኣሕዋት ተረኽቡ: በብተራ ድማ ነገልግል ነበርና።
ኣብ መንጕኡ ካብ ጀምስታውን ናብቲ ዝያዳ ዝድለየሉ ለቨልዉድ ገዓዝና: ኣብኡ ድማ ዓሰርተ ዓመት ተቐመጥና። ኣብዚ ግዜ እዚ ፓይነር ኰይነ አገልግል: ኣብ ናይ መንግስቲ ስራሕ ኣብ ሰሙን ሰለስተ መዓልቲ እሰርሕ: ከምኡውን ንእሽቶ ግሮሰሪ እውንን ስለ ዝነበርኩ ዕረፍቲ ዝበሃል ኣይነበረንን። ብተወሳኺውን: ናይ ጉባኤ ጕዳያት እዕዘብ ነበርኩ። ኣነን በዓልቲ ቤተይን ድማ ኣርባዕተ ዝዓብዩ ቈልዑ ዘለዉዋ ስድራቤት ንኣሊ ነበርና። ዕረፍቲ ንምርካብ: ነቲ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ስርሐይ ኣቋረጽኩ ንድኳነይ እውን ሸጥኩ ስድራቤተይ ሒዘ ድማ ሰለስተ ወርሒ ንምዕራፍ ናብ ኬፕ ታውን: ደቡብ ኣፍሪቃ ከድኩ። ድሕርዚ ናብ ደሴት ኣሰንቺን ከድና: ኣብኡ ድማ ዓመት ተቐመጥና። ኣብቲ ግዜ እቲ: ብዙሓት ሰባት ርጡብ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽረኽቡ ክንሕግዞም ክኢልና ኢና።
ናብ ሰይንት ሄለና ምስ ተመለስና: እንደገና ናብ ጀምስታውን መጻእና። ነቲ ኣብ ጐድኒ እቲ ኣደራሽ መንግስቲ ዝነበረ ገዛ ኣተዓራረናዮ። ስጋዊ ነገራት ንምምእራር ድማ ኣነን ወደይ ጆንን ነታ ፎርድ ዝዓይነታ ማኪና ሸፊንና መሸጢ ጀላቶ ገበርናያ: ኣብተን ስዒበን ዝነበራ ሓሙሽተ ዓመታት ድማ ጀላቶ ንሸይጥ ነበርና። ነዚ ንግዲ እዚ ምስ ጀመርክዎ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ግን እታ ማኪና ተጋጨወት። ምስ ተገልበጠት ድማ ኣእጋረይ ተጸቕጠ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ: እቲ ካብ ኣብራኸይ ንታሕቲ ዘሎ መትንታተይ ደንዘዘ: ንኽሓዊ ኸኣ ሰለስተ ወርሒ ወሰደለይ።
ናይ ዝሓለፈን መጻእን ብዙሕ በረኸታት
ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት: ንኽንሕጐስ ተወሳኺ ምኽንያት ዝዀነና ብዙሕ በረኸታት ረኺብና ኢና። ሓደ ካብዚ ድማ ኣብቲ ብ1985 ብሃገር ደረጃ እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ንምክፋልን ነቲ ገና ዝህነጽ ዝነበረ ሓድሽ ናይ ቤትኤል መንበሪ ንምብጻሕን ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝገበርናዮ ጕዕዞ ኢዩ። ካልእ ድማ እቲ ምስ ወደይ ጆን ኰይነ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ጀምስታውን ምልኩዕ ናይ ኣሰምብሊ ኣደራሽ ንምህናጽ ዘበርከትክዎ ንእሽቶ ግደ ኢዩ። ሰለስቲኦም ደቅና ሽማግለታት ኰይኖም የገልግሉ ብምህላዎም: ሓደ ወዲ ወድና ድማ ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ቤትኤል የገልግል ብምህላዉ እውን ሕጉሳት ኢና። ብዙሓት ሰባት ርጡብ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ክረኽቡ ብምሕጋዝና ኸኣ ብርግጽ ብዙሕ ሓጐስን ዕግበትን ኣምጺኡልና ኢዩ።
እቲ ኣገልግሎትና እንፍጽመሉ ግራት ዳርጋ 5,000 ዝዀኑ ሰባት ጥራይ ዘለዉዎ ቦታ ስለ ዝዀነ ዕዮና ድሩት ኢዩ። ነዚ ዞባ እዚ ብተደጋጋሚ ምዕያዩ ግን ጽቡቕ ውጽኢታት ኣፍርዩ ኢዩ። ዘሸግሩና ሰባት ኣዝዮም ሒደት ኢዮም። ሰይንት ሄለና ብናይ ሰባት ምሕዝነት ፍልጥቲ ኢያ። ኣብ ዝኸድካ ኺድ—ብእግርኻ ምስ እትጓዓዝ ወይ ብማኪና ምስ እትኸይድ—ኵሉ ሰብ ኢዩ ሰላም ዝብለካ። ንሰባት ብዝያዳ ምስ እትፈልጦም ንኽትምስክረሎም ኣዝዩ ዝቐለለ ከም ዝኸውን ተመኪረዮ ኢየ። ብዙሓት ናብ ወጻኢ ሃገር እኳ እንተ ኸዱ: ሕጂ 150 ኣስፋሕቲ ኣለዉና።
ኵሎም ደቅና ዓብዮም ናብ ካልእ ቦታ ስለ ዝገዓዙ: ኣነን በዓልቲ ቤተይን ድሕሪ ናይ 48 ዓመታት ሓዳር እንደገና ክልቴና ጥራይ ኢና ተሪፍና። እቲ በዓልቲ ቤተይ ዘርኣየትኒ እሙን ፍቕርን ደገፍን ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ፈተናታት እናሃለወ ንየሆዋ ብሓጐስ ምግልጋል ንኽቕጽል ሓጊዙኒ ኢዩ። ኣካላዊ ሓይልና እናደኸመ ይኸይድ እኳ እንተ ሃለወ: መንፈሳዊ ሓይልና ግን ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ ኣሎ። (2 ቈረንቶስ 4:16) ኣነን ስድራቤተይን ኣዕሩኸይን ብሓባር ካብቲ ወዲ 17 ዓመት ከሎኹ ዝነበረኒ ጥዕና ዝበልጽ ዝረኽበሉ ዘገርም መጻኢ ብተስፋ ኢና እንጽበ። እቲ ዝበለጸ ድሌተይ ምሉእ ብምሉእ ፍጽምና ምስትምቓር: ልዕሊ ዅሉ ድማ ነቲ ፈቃርን ሓላይን ኣምላኽና የሆዋን ነቲ ዝገዝእ ዘሎ ንጉስ የሱስ ክርስቶስን ንዘለኣለም ምግልጋል ኢዩ።—ነህምያ 8:10
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ጆርጅ ስኪፕዮን እቶም ሽማግለታት ኰይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ሰለስተ ደቁን
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]
ጆርጅ ስኪፕዮ ምስ በዓልቲ ቤቱ ዶሪስ