መጽናዕቲ ዓስቢ ኣለዎ
ሰባት ፍረታት ኪመርጹ ኸለዉ ርኢኻዶ ትፈልጥ፧ መብዛሕትኦም በሲሉ እንተ ዀይኑ ንምፍላጥ: ሕብሩን ግዝፉን ይርእዩ። ገሊኦም ከኣ ነቲ ፍረታት የሽትትዎ። ገሊኦምውን ብኢዶም ጽቕጥ ጽቕጥ የብልዎ። ኣየናይ ብዙሕ ማይ ከም ዘለዎ ንምግምጋም: ሓደ ብየማኖም ሓደ ብጸጋሞም ሒዞም ብኽብደቱ ኺግምግሙ ዚፍትኑ እውን ኣለዉ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ብዛዕባ እንታይ እዮም ዚሓስቡ፧ ዝርዝር ነገራት ይትንትኑ: ፍልልያት ይግምግሙ: ቅድሚ ሕጂ ዝገበርዎ ምርጫታት ይዝክሩ: ነቲ ሕጂ ዝረኣይዎ ምስቲ ኣቐዲሞም ዚፈልጥዎ ድማ የወዳድሩ። ኣብዚ ጕዳይ እዚ ተጠንቂቖም ብምትኳሮም: ጥዑም ዓስቢ ይረኽቡ እዮም።
ካብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዓስቢ: ኻብዚ ኣጸቢቑ ኸም ዚዓቢ ፍሉጥ እዩ። እዚ መጽናዕቲ እዚ ኣብ ህይወትና ኣገዳሲ ቦታ ምስ ዚሕዝ: እምነትና ትድልድል: ፍቕርና ይዓምቝ: ኣገልግሎትና ፍርያም ይኸውን: እቲ እንገብሮ ውሳነታት ከኣ ምስትውዓልን ጥበብ ኣምላኽን ከም ዘሎና የርኢ። ብዛዕባ እቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዓስቢ: ምሳሌ 3:15 “ኵሉ እቲ ሃረር እትብሎ ነገር እኳ ኣይመዐራረያን” ትብል። ከምዚ ዓይነት ዓስቢ ትረክብዶ ኣለኻ፧ ከምዚ ንምርካብ: እቲ እተጽንዓሉ መገዲ ግደ ኺህልዎ ይኽእል እዩ።—ቈሎ. 1:9, 10
ካብ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ምሉእ ብምሉእ ንምጥቃም: ልብኻ ኣዳሉ
መጽናዕቲ እንታይ እዩ፧ ላዕለ ላዕሊ ኻብ ምንባብ ንላዕሊ ዜጠቓልል እዩ። መጽናዕቲ ኽትገብር ከለኻ: ብዛዕባ ሓደ ርእሰ ነገር ንኣእምሮኻ ብጥንቃቐ ወይ ብዕምቈት ንምሕሳብ ክትጥቀመሉ ይግባእ። ነቲ ዘንበብካዮ ምትንታን: ምስቲ ኣቐዲምካ እትፈልጦ ምውድዳር: ነቲ ቐሪቡ ዘሎ ሓሳባት ዚወሃብ መረዳእታታት ምስትብሃል የጠቓልል። ከተጽንዕ ከለኻ: ብዛዕባ እቲ ዝረኸብካዮ ሓድሽ ሓሳባት ኣዕሚቝካ ሕሰብ። ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኸመይ ጌርካ ብዝያዳ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ኸም እትኽእል እውን ሕሰብ። ምስክር የሆዋ ስለ ዝዀንካ: ነቲ ዘጽናዕካዮ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ክትጥቀመሉ እትኽእል መገድታት እውን ትሓስብ ኢኻ። እምበኣር: መጽናዕቲ ኺበሃል ከሎ: ምስትንታን ከም ዜጠቓልል ንጹር እዩ።
ኣእምሮኻ ምድላው
ጥቕስታት ገንጺልካ ኣንብብ
ከተጽንዕ ክትዳሎ ኸለኻ: መጽሓፍ ቅዱስ: ክትጥቀመሉ ዝሓሰብካ ጽሑፋት: ርሳስ ወይ ቢሮ: ምናልባትውን መዘኻኸሪ እትጽሕፈሉ ደብተር ትቕርብ ትኸውን። እንተዀነ ግን: ልብኻ ተዳልዎ ዲኻ፧ መጽሓፍ ቅዱስ: “እዝራ ሕጊ እግዚኣብሄር ንምምርማርን ንምግባርን: ስርዓትን ፍርድን ከኣ ኣብ እስራኤል ኪምህርንሲ ልቡ ኣዳለወ” ይብለና። (እዝ. 7:10) ልቢ ምድላው ኪበሃል ከሎ እንታይ የጠቓልል፧
ጸሎት ንመጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ ብግቡእ ኣረኣእያ ንኽንሕዞ የኽእለና። ልብና ወይ ውሽጥና ነቲ የሆዋ ዚህበና ትምህርቲ ኪቕበሎ ንደሊ ኢና። ኣብ መጀመርታ ነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ: የሆዋ ብመንፈሱ ንኺሕግዘካ ለምኖ። (ሉቃ. 11:13) እቲ እተጽንዖ እንታይ ማለት ምዃኑ: ብኸመይ ምስ ዕላማታቱ ኸም ዚተሓሐዝ: ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብኸመይ ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእል: ስርዓታቱ ኣብ ህይወትካ ብኸመይ ከም እተውዕሎ: ከምኡውን ነቲ ምስኡ ዘሎካ ርክብ ብኸመይ ከም ዚጸልዎ ንኽትርዳእ ኪሕግዘካ ለምኖ። (ምሳ. 9:10) ከተጽንዕ ከለኻ: የሆዋ ጥበብ ኪህበካ ብቐጻሊ ‘ለምኖ።’ (ያእ. 1:5) የሆዋ ነቲ ግጉይ ሓሳባትካ ወይ ባህግታትካ ኼወግደልካ ኽትልምን ከለኻ: በቲ ዝፈለጥካዮ ጌርካ ብቕንዕና ንርእስኻ ገምግም። ንየሆዋ ስለቲ ዝገለጸልካ ነገር ወትሩ ኣማስዎ። (መዝ. 147:7) ንመጽናዕቲ ብጸሎት ምጅማርና: ብቓሉ ኣቢሉ ኺዛረበና ኸሎ ምላሽ ንኽንህብን ንኸነማስዎን ስለ ዚሕግዘና: ናብ የሆዋ እዩ ዜቕርበና።—መዝ. 145:18
ህዝቢ የሆዋ ኻብ ካልኦት ተመሃሮ ዚፈልዮም ነገር: ነቲ ዚመሃርዎ ዚዓዩሉ ምዃኖም እዩ። እቶም ንኣምላኽ ውፉያት ዘይኰኑ ሰባት: ወትሩ ነቲ እተጻሕፈ ነገር ይጠራጠርዎን ይነቕፍዎን እዮም። ንሕና ግን ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ የብልናን። ብየሆዋ ንእመን ኢና። (ምሳ. 3:5-7) ሓደ ነገር እንተ ዘይተረዲኡና: ብድፍረት ጌጋ ኸም ዝዀነ ጌርና ኣይንድምድምን ኢና። መልሲ ንምርካብ እናተመራመርናን እናዀዓትናን ንየሆዋ ብተስፋ ንጽበዮ ኢና። (ሚክ. 7:7) ከም እዝራ ነቲ እተመሃርናዮ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎን ንኻልኦት ክንምህሮምን ሓላፍነት ኣሎና። ከምዚ ዓይነት ልቢ እንተ ሒዝና: ካብ መጽናዕትና ብዙሕ ዓስቢ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።
ብኸመይ መጽናዕቲ ኸም እትገብር
ትኽ ኢልካ ኻብ ሕጡብ ጽሑፍ 1 ጀሚርካ ኽሳዕ መወዳእታ ኣብ ክንዲ እትኸይድ: ንብምልእታ እታ ዓንቀጽ ወይ ምዕራፍ ኣቐዲምካ ላዕለ ላዕላ ረኣያ። ንቓላት እቲ ኣርእስቲ ተንትኖ። እዚ ድማ ናይቲ ጽሑፍ ፍረ ነገር እዩ። ድሕሪኡ እቲ ንኡስ ኣርእስትታት ምስቲ ፍረ ነገር ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ ኣስተብህል። ኣብቲ ጽሑፍ ዝዀነ ይኹን ስእልታት: ሰሌዳታት: ወይ ካልእ መምሃሪ ሳጹናት እንተ ኣልዩ መርምር። ‘ብመሰረት እዚ ላዕለ ላዕሊ ዝገበርክዎ ምርምር: እንታይ ትምህርቲ ኽረክብ እየ ትጽቢት ዝገብር፧ ብኸመይከ ኽጠቕመኒ ይኽእል፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። እዚ ብዛዕባ መጽናዕትኻ ኣፋፍኖት ኪህበካ እዩ።
ግዜ ወሲድካ ኣስተንትን
ድሕርዚ ነቲ ሓቅታት ክትመሃር ጀምር። ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዚርከብ ዚጽናዕ ዓንቀጻትን ገሊኡ መጻሕፍትን ምስ ሕቶታቱ እዩ ዚዳሎ። ነፍሲ ወከፍ ሕጡብ ጽሑፍ ከተንብብ ከለኻ: መልሱ ምስ እተስምረሉ ይጠቕመካ እዩ። ንመጽናዕቲ ዚኸውን ሕቶታት እውን እንተ ዘይብሉ: ነቲ ኽትዝክሮ እትደሊ ኣገዳሲ ነጥብታት ከተስምረሉ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሓድሽ ሓሳብ እንተ ረኺብካ: ኣጸቢቕካ ምእንቲ ኽትርድኦ ኣብኡ ዝያዳ ግዜ ኣሕልፍ። ኣብ ኣገልግሎት ወይ ክፍሊ ኸተቕርብ ከለኻ ኽትጥቀመሉ እትኽእል ምሳሌታት ወይ መረድኢታት ክትረክብ ፈትን። ነቲ እተጽንዖ ዘለኻ ትምህርቲ ብምክፋል: እምነቶም ከተደልድለሎም እትኽእል ሰባት ሕሰብ። ነቲ ኽትጥቀመሉ እትደሊ ነጥብታት ኣስምረሉ: እቲ መጽናዕቲ ምስ ዛዘምካ ኸኣ ደጊምካ ርኣዮ።
ነቲ ጽሑፍ ከተጽንዖ ኸለኻ: ኣብኡ ዚርከብ እንታይ ከም ዚብል ዘይተገልጸ ጥቕስታት ገንጺልካ ኣንብቦ። ነፍሲ ወከፍ ጥቕሲ ምስ ፍረ ነገር እቲ ሕጡብ ጽሑፍ ብኸመይ ከም ዚዛመድ መርምር።
ብቐሊሉ ዘይትርድኦ ወይ ኣጸቢቕካ ኽትፈልጦ እትደሊ ነጥብታት የጓንፈካ ይኸውን። በዚ ሓሳብካ ኣብ ክንዲ ዚውሰድ: ጸኒሕካ ተወሳኺ ምርምር ንኽትገብረሉ መዝግቦ። መብዛሕትኡ መጽናዕትኻ ምስ እትቕጽል እቲ ዘይተረድኣካ ነጥብታት ይንጽር እዩ። እንተ ዘይነጺሩ: ተወሳኺ ምርምር ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ዓይነት ቈላሕታ ኺግበረሉ ዚግባእ እንታይ እዩ፧ ምናልባት ብንጹር ዘይተረዳእካዮ ጥቕሲ ተጠቒሱ ይኸውን። ወይ ምስቲ ዚግለጽ ዘሎ ርእሰ ነገር ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ ቀልጢፉ ኣይተረድኣካን ይኸውን። ምናልባት ገሊኡ ኣብቲ መጽናዕቲ ዝረኸብካዮ ሓሳብ ዋላ እኳ እንተ ተረድኣካ: ንኻልእ ሰብ ክትገልጸሉ ግን ዘይትኽእል ኰይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ስቕ ኢልካ ኣብ ክንዲ ምሕላፍ: ነቲ ዝጀመርካዮ መጽናዕቲ ድሕሪ ምዝዛምካ: ምርምር ምስ እትገብረሉ ጥበባዊ ይኸውን።
ነቲ ብቛንቋኻ ዚርከብ ንምርምር ዚሕግዝ ናውቲ ፍለጦ
ሃዋርያ ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት ዝርዝር ነጥብታት ዝሓዘት ደብዳበ ኺጽሕፈሎም ከሎ: ኣብ መንጎ እቲ ጽሑፉ: “ኣውራ ነገሩ እዚ እዩ” በለ። (እብ. 8:1) ኣብ መጽናዕትኻ ጸጸኒሑ ኸምዚ ዝኣመሰለ መዘኻኸሪ ቓላት ኣብ ኣእምሮኻ ይመጸካ ድዩ፧ ጳውሎስ ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝገበረ እሞ ንርአ። ኣብታ መንፈስ ዝነፈሳ መልእኽቱ ዚርከባ ኣቐዲመን ዘለዋ ምዕራፋት: ክርስቶስ ከም ዓብዪ ሊቀ ኻህናት ኣምላኽ መጠን ናብ ሰማይ ከም ዝኣተወ ሓቢሩ ነይሩ። (እብ. 4:14-5:10፣ 6:20) እንተዀነ ግን: ኣብ መጀመርታ ምዕራፍ 8 ዚርከብ ቀንዲ ነጥቢ ብምፍላይን ብምጕላሕን: ንኣእምሮ እቶም ኣንበብቱ ብኸመይ ምስ ህይወቶም ከም ዚተኣሳሰር ኣዕሚቖም ኪሓስቡሉ እዩ ዜነቓቕሖም ነይሩ። ክርስቶስ ምእንታኦም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ዝቐረበን ናብታ ሰማያዊት “መቕደስ” ዚኣትዉሉ መገዲ ኸም ዝኸፈተሎምን ሓበሮም። (እብ. 9:24፣ 10:19-22) እዚ እተረጋገጸ ተስፋኦም ነቲ እታ መልእኽቲ ብዛዕባ እምነትን ትዕግስትን ክርስትያናዊ ኣኻይዳን ሒዛቶ እትርከብ ማዕዳ ንኺዓዩሉ ዚድርኾም እዩ ነይሩ። ንሕናውን መጽናዕቲ ኽንገብር ከለና: ኣብቲ ኣውራ ወይ ቀንዲ ነጥብታት ምትኳር እቲ ፍረ ነገር ብኸመይ ከም እተገልጸ ንኸነስተውዕል ይሕግዘና: ምስኡ ተሰማሚዕና ስጕምቲ ንኽንወስድ ከኣ ነቲ ቕኑዕ ምኽንያታት ኣብ ኣእምሮና ይቐርጾ።
ናይ ብሕቲ መጽናዕትኻ ስጕምቲ ንኽትወስድ ይድርኸካዶ እዩ፧ እዚ ኣገዳሲ ሕቶ እዩ። ሓደ ነገር ክትመሃር ከለኻ: ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት:- ‘እዚ ንኣረኣእያይን ንሸቶታተይን ብኸመይ እዩ ዚጸልዎ፧ ነዚ ትምህርቲ እዚ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ: ውሳነ ኣብ ምግባር: ወይ ሸቶይ ኣብ ምብጻሕ ብኸመይ ክጥቀመሉ እኽእል፧ ምስ ኣባላት ስድራቤተይ ኣብ ዘሎኒ ርክብ: ኣብ ኣገልግሎተይ: ከምኡውን ኣብ ጉባኤ ብኸመይ ክጥቀመሉ እኽእል፧’ ነዚ ነጥብታት እዚ ምስቲ ብሓቂ ዜጋጥመካ ዅነታት ብምትእስሳር ብጸሎት ሕሰበሉ።
ሓደ ምዕራፍ ወይ ሓንቲ ዓንቀጽ ምስ ዛዘምካ: ግዜ ወሲድካ ኣሕጽር ኣቢልካ ድገሞ። ነቲ ቐንዲ ነጥብታትን ንዕኡ ዚድግፍ መረዳእታታትን ክትዝክሮ ትኽእል እንተ ዄንካ ንርእስኻ ፈትን። እዚ ኸኣ ነቲ ሓበሬታ ንመጻኢ ንኽትጥቀመሉ ኺሕግዘካ እዩ።
እንታይ ከም እተጽንዕ
ህዝቢ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን: እኹል ዚጽናዕ ጽሑፋት ኣሎና። እንተዀነ ግን: በየን ኢና ኽንጅምር ዘሎና፧ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኻብታ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር ዘርእስታ ጽሕፍቲ ሓንቲ ጥቕሲ ኽንምርምር ኣሎና። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ንእከብ: ነዚ ኣኼባታት ንምድላው እንገብሮ መጽናዕቲ ኸኣ ካብቲ ኣኼባታት ብዝያዳ ንኽንጥቀም ይሕግዘና። ኣብ ርእሲ እዚውን ገሊኦም ሓቂ ቕድሚ ምፍላጦም ዝነበረ ክርስትያናዊ ጽሑፋት ግዜ መዲቦም የጽንዑ እዮም። ገሊኦም ከኣ እተወሰነ ኽፋል ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ መሪጾም ኣብ ገሊኡ ጥቕስታት ዓሚቝ መጽናዕቲ ይገብሩ።
ኵነታትካ ንዅሉ እቲ ኣብ ሰሙናዊ ኣኼባታት ጉባኤ ዚውሰድ ትምህርቲ ተጠንቂቕካ ንኸተጽንዕ ዘይፈቕደልካ እንተ ዀነኸ፧ ንኽትሽፍኖ ጥራይ ኢልካ ሕልፍ ሕልፍ ኣይትበሎ: ወይ ከኣ ንዅሉ ኸተጽንዖ ብዘይምኽኣልካ መጽናዕቲ ምግባር ፈጺምካ ኣይትሕደጎ። ኣብ ክንዳኡስ ክንደይ ዚኣክል ግዜ ንመጽናዕቲ ኽትምድብ ከም እትኽእል ወስን እሞ: ነዚ ብዚግባእ ግበሮ። ኣብ ሰሰሙን መጽናዕቲ ግበር። ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን: ነዚ መጽናዕትኻ እናኣስፋሕካ ብምኻድ ነቲ ዝተረፈ ኣኼባታት ኣጠቓልል።
“ቤትካ ስራሕ”
ርእስታት ስድራቤት ንኣባላት ስድራቤቶም ዜድሊ ንኼማልኡ ኢሎም ኣበርቲዖም ከም ዚዓዩ የሆዋ ይፈልጥ እዩ። ምሳሌ 24:27 “ናይ ወጻኢ ዕዮኻ ኣሰናዱ: ኣብ ግራት ከኣ ንኣኻ ኣዳሉ” ትብል። እንተዀነ ግን: ንስድራቤትካ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልዮም ነገራት ዕሽሽ ኪበሃል የብሉን። ስለዚ: እታ ጥቕሲ ቐጺላ “ደሓር ቤትካ ስራሕ” ትብል። ሓደ ርእሲ ስድራቤት ከመይ ገይሩ እዩ ኸምዚ ኺገብር ዚኽእል፧ ምሳሌ 24:3 ‘ቤት ሳላ ምስትውዓል ይጸንዕ’ ትብል።
ምስትውዓል ንቤትካ ኺጠቕማ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ምስትውዓል ኪበሃል ከሎ: ክንየው እቲ ግሁድ ዝዀነ ነገር ናይ ምስትብሃል ኣእምሮኣዊ ኽእለት እዩ። ውጽኢታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር: ፈለማ ንኣባላት ስድራቤትካ ንባዕሎም ከተጽንዖም ኣሎካ። ኣባላት ስድራቤትካ ብመንፈስ እንታይ ዕቤት እዮም ዚገብሩ ነይሮም፧ ምሳታቶም ኣብ እትገብሮ ምይይጥ ተጠንቂቕካ ስማዕ። ዜማርሩ ወይ ዝጐሃዩ ድዮም፧ ደድሕሪ ስጋዊ ነገራት ምስዓብ ዓብዪ ቦታ ድዩ ሒዙ ዘሎ፧ ምስ ደቅኻ ኣብ ኣገልግሎት ምስ ወጻእካ: ንመዛኑኦም ከይተሰከፉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃኖም ይነግርዎም ድዮም፧ ነቲ ብስድራቤት እትገብርዎ ንባብን መጽናዕትን መጽሓፍ ቅዱስ ይፈትውዎ ድዮም፧ ብሓቂ ብመገድታት የሆዋ ድዮም ዚመላለሱ ዘለዉ፧ ተጠንቂቕካ እንተ ተዓዚብካ: ከም ርእሲ ስድራቤት መጠን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራቤትካ መንፈሳዊ ባህርይ ንምስራትን ንምህናጽን እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ኽትፈልጥ ኢኻ።
ምስቲ እትደልዮ ርእሰ ነገር ተተሓሒዙ ዝወጸ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ተወከስ። ድሕሪኡ ኣባላት ስድራቤትካ ነቲ ትምህርቲ እቲ ምእንቲ ኺሓስቡሉ: ኣቐዲምካ እንታይ መጽናዕቲ ኸም ዚግበር ንገሮም። ኣብ እዋን እቲ መጽናዕቲ ፍቕሪ ኸም ዚሰፍን ግበር። ንዋላ ሓደ ኣባል ስድራቤት ከይጐዳእካ ወይ ከየሕፈርካ እቲ ዚጽናዕ ትምህርቲ ነታ ስድራቤት ብፍላይ ብኸመይ ከም ዜድልያ ብምግላጽ ንኣገዳስነቱ ኣጕልሕ። ነፍሲ ወከፍ ኣባል እታ ስድራቤት ከም ዚሳተፍ ግበር። ንነፍሲ ወከፎም ቃል የሆዋ ኣብ ህይወት ዜድሊ ነገር ብምምላእ ብኸመይ “ፍጹም” ከም ዝዀነ ኣረድኣዮም።—መዝ. 19:7
ዓስቢ ምርካብ
መንፈሳዊ ግንዛበ ዘይብሎም መስተብሃልቲ ሰባት ብዛዕባ ዩኒቨርስ: ኣብ ዓለም ብዛዕባ ዘሎ ፍጻመታት: ካብኡ ሓሊፎም እውን ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም መጽናዕቲ ኺገብሩ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ: ናይ ሓቂ ኣገዳስነት እቲ ዚርእይዎ ነገራት ግን ኣይርድኦምን እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: እቶም ኣዘውቲሮም ቃል ኣምላኽ ዜጽንዑ ሰባት ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ኣብዚ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ነገራት: ግብርታት የሆዋ: ፍጻመታት ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ: ከምኡውን ኣምላኽ ንእዙዛት ደቅሰብ ንኺባርኽ ዘለዎ ዕላማ ኼስተውዕሉ ይኽእሉ እዮም።—ማር. 13:4-29፣ ሮሜ 1:20፣ ራእ. 12:12
እዚ ዜደንቕ እኳ እንተ ዀነ: ከም እንዕበ ግን ኪገብረና የብሉን። ኣብ ክንዳኡስ: መዓልታዊ ቓል ኣምላኽ ምምርማርና ትሑታት ንኽንከውን እዩ ዚሕግዘና። (ዘዳ. 17:18-20) ቃል ኣምላኽ ኣብ ልብና ህያው ኪኸውን ከሎ: ሓጢኣት ዜቕርበልና መህረሪ ኽንጻወሮ ስለ እንኽእል: ካብቲ ‘ዜዐሹ ሓጢኣት’ ዕቝባ ይዀነና። (እብ. 2:1፣ 3:13፣ ቈሎ. 3:5-10) እምበኣር: ‘ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ: ፍረ እናፈረና: ብዅሉ ንየሆዋ ባህ ከነብሎ ንእኡ ብቑዓት ኴንና ኽንመላለስ’ ኢና። (ቈሎ. 1:10) ቃል ኣምላኽ ከነጽንዕ ከለና ነዚ ዕላማ እዚ ኢና እንገብሮ: ነዚ ምፍጻምና ኸኣ ዓብዪ ዓስቢ የምጽኣልና።