ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 15/3 ገጽ 28-30
  • ቴዎፍሎስ በዓል ኣንጾክያ እንታዋይ ኢዩ ነይሩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቴዎፍሎስ በዓል ኣንጾክያ እንታዋይ ኢዩ ነይሩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብሕታዊ ታሪኽ
  • ነቲ ንሱ ዝጸሓፎ መጻሕፍቲ ምምርማር
  • ክቡር ዝዀነ መረጋገጺ
  • ሉቃስ ፍቑር መዓይይቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • “መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም”
    ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • ስደት ኣብ ኣንጾክያ ዕቤት ከም ዝህሉ ይገብር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ትዝክሮዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 15/3 ገጽ 28-30

ቴዎፍሎስ በዓል ኣንጾክያ እንታዋይ ኢዩ ነይሩ፧

“ልክዕ ሓደ ዘሕፍር ስም ከም ዝዀነ ገይርካ ብምውሳድ ክርስትያን ኢልካ ጸዊዕካኒ: በል ብኣይ ወገንሲ ንኣምላኽ ንምግልጋል ብቑዕ ክኸውን ተስፋ ብምግባር: ናይ ኣምላኽ ፍቑር ኰይነ ስሙ ምእንቲ ክጸውር ክርስትያን ምዃነይ አረጋግጸልካ።”

ቴዎፍሎስ ነታ ካብ ቴዎፍሎስ ናብ ኦታሌካስ ዘርእስታ ሰለስተ ክፍሊ ዘለዋ መጽሓፉ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ገይሩ ጀመራ። እዚ ነቲ ኣብ መበል ካልኣይ ክፈለ-ዘበን ዝነበረ ክሕደት ምክልኻል ዝጀመረሉ ዘረባ ኢዩ ነይሩ። ቴዎፍሎስ ብትብዓት ንገዛእ ርእሱ ከም ሰዓቢ ክርስቶስ ገይሩ ኣፍለጣ። ምስቲ ብቛንቋ ግሪኽ ስሙ ሒዝዎ ዘሎ ትርጕም ብምስምማዕ “ናይ ኣምላኽ ፍቑር” ንምዃን ዕዮታቱ ብግቡእ ንኽገብር ዝቘረጸ ኢዩ ዝመስል። ቴዎፍሎስ እንታዋይ ኢዩ ነይሩ፧ ኣበየናይ እዋን ኢዩ ዝነብር ነይሩ፧ እንታይከ ኢዩ ፈጺሙ፧

ብሕታዊ ታሪኽ

ብዛዕባ ናይ ቴዎፍሎስ ብሕታዊ ታሪኽ ብዙሕ ኣይፍለጥን ኢዩ። ክርስትያናት ዘይኰኑ ወለዲ ኢዮም ኣዕብዮምዎ። ቴዎፍሎስ ጽቡቕ ዝዀነ መጽናዕቲ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ምስ ገበረ ጸኒሑ ናብ ክርስትና ተለወጠ። ኣብ ሶርያ እትርከብ ኣንጾክያ ሎሚ ኣብ ቱርኪ እትርከብ ኣንታክያ ተባሂላ ኣብ እትጽዋዕ ከተማ ዝነበረት ጉባኤ ድማ ኣቡን ኰነ።

ምስቲ ናይ የሱስ ትእዛዝ ብምስምማዕ: እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ መንጎ ተቐማጦ ኣንጾክያ ኰይኖም ይሰብኩ ነበሩ። ነቲ ዝረኸብዎ ዓወት ድማ ሉቃስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል መዝጊብዎ ኣሎ:- “ኢድ እግዚኣብሄር ምሳታቶም ነበረት: ብዙሕ ዝቝጽሮም ሰብ ድማ አሚኖም ናብ ጐይታ ተመልሱ።” (ግብሪ ሃዋርያት 11:20, 21) ከምቲ ብመለኮታዊ መምርሒ እተዋህቦም መሰረት ድማ ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ክርስትያናት ተባሂሎም ተፈልጡ። እዛ ስያመ እዚኣ ኸኣ መጀመርያ ኣብ ናይ ሶርያ ኣንጾክያ ኢያ ኣብ ተግባር ውዒላ። (ግብሪ ሃዋርያት 11:26) ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​­ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሶርያ ኣንጾክያ ተጓዒዙ ነበረ: ንጕዕዞ ክኸይድ ከሎ ድማ መበገሲቱ ኰነት። ባርናባስን ጳውሎስን: ብዮሃንስ ማርቆስ ተሰንዮም ነቲ ናይ መጀመርያ ሚስዮናዊ ጕዕዝኦም ክገብሩ ክኸዱ ከለዉ ካብ ኣንጾክያ ኢዮም ተበጊሶም።

እቶም ኣብ ኣንጾክያ ዝነበሩ ናይ መጀመርያ ክርስትያናት በቲ እቶም ሃዋርያት ዝገብርሎም ዝነበሩ ምብጻሕ ኣዝዮም ተተባቢዖም ክዀኑ ኣለዎም። ነቲ ናይ ቃል ኣምላኽ ሓቂ ዘርኣይዎ ውዕዉዕ መልሲ ብኸፊሉ ውጽኢት ናይቲ በቶም ናይ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​­ዘበን ወከልቲ ናይቲ ኣማሓዳሪ ኣካል ዝግበረሎም ዝነበረ: እምነት ዘበራትዕ ምብጻሓት ምንባሩ ኣየጠራጥርን ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 11:22, 23) ብዙሓት ተቐማጦ ኣንጾክያ ህይወቶም ንየሆዋ ኣምላኽ ክውፍዩ ክርእዩ ከለዉስ ክሳዕ ክንደይ ኣጸናኒዕዎም ክኸውን ኣለዎ! ይኹን እምበር: ልዕሊ 100 ዓመት ዝኸውን ጸኒሑ ኢዩ ቴዎፍሎስ ኣብ ኣንጾክያ ዝነብር ዝነበረ።

ካብ ግዜ ሃዋርያት ክርስቶስ ጀሚርካ ብምቝጻር: ቴዎፍሎስ መበል ሻድሻይ ናይ ኣንጾክያ ኣቡን ከም ዝነበረ ጸሓፍ ታሪኽ ዮሴቡስ ገሊጽዎ ኣሎ። ቴዎፍሎስ ኣንጻር ኑፋቔ እተገብረ ብዙሕ ናይ ቃል ምይይጥን መጐተን ጽሒፉ ኣሎ። ሓደ ካብቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ንእምነት እተጣበቑ ደርዘን ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝዀኑ ክርስትያናት ኢዩ ነይሩ።

ነቲ ንሱ ዝጸሓፎ መጻሕፍቲ ምምርማር

ነቲ ኣቐድም ኣቢልና ዝረኣናዮ ዝርርብ መልሲ ክህብ ከሎ: ቴዎፍሎስ ነቲ ኣረማዊ ዝነበረ ኦታሌካስ በዘን ዝስዕባ ናይ መኽፈቲ ቃላት ጸሓፈሉ:- “ልስሉስ መልሓስን ጨለ ኣዘራርባን ነቶም ሓሳቦም እተበላሸወ መከረኛታት ሰባት ከንቱ ባህታ ዘምጽእ ውዳሰ ዝህብ ኢዩ።” ቴዎፍሎስ ከምዚ ብምባል ነዚ የብርሆ:- “እቲ ሓቂ ዝፈቱ ሰብ ነቲ ናይ ሓቂ ቁም ነገር ናይቲ ዘረባ ይምርምሮ ደኣምበር ንእተቓመመ ዘረባ ዋጋ ኣይህበሉን ኢዩ። . . . በቶም ስርሓት ኢድ ሰብ ብምዃኖም ዘይርእዩን ዘይሰምዑን ካብ ዕንጨይትን እምንን እተሰርሑ: እተወቕሩን እተቐርጹን ጣኦታት ዝዀኑ ኣማልኽትኻ ተዓቢኻስ ብዘይረብሕ ቃላት ገይርካ ጸሪፍካኒ።”​—⁠ምስ መዝሙር 115:​4-8 ኣረኣእዮ።

ቴዎፍሎስ ነቲ ንኣማልኽቲ ዝምልከት ዘይቅኑዕ መጎተ ኣቃሊዕዎ ኢዩ። በቲ ልሙድ ዝዀነ ኣጻሓሕፋኡ ገይሩ: ብተደጋጋሚ እኳ እንተዀነ ብኽእለት: ናይቲ ሓቀኛ ኣምላኽ መንነት ንምግላጽ ጽዒሩ ኢዩ። ከምዚ ብምባል የብርህ:- “ናይ ኣምላኽ ኣቃውማ ዕዙዝን ክግለጽ ዘይክኣልን ኢዩ: ብዓይኒ ሰብ ድማ ክርአ ኣይከኣልን ኢዩ። ምኽንያቱ ክብሩ ክትርድኦ ዘይትኽእል: ዕቤቱ ክብጻሕ ዘይከኣል: ርሕቐቱ ክሕሰብ ዘይከኣል: ብሓይሉ ዝወዳደሮ ዘይብሉ: ብጥበብ ዘርክቦ ዘይብሉ: ሰናይ ምዃኑ መማሳስልቲ ዘይብሉ: ሕያውነቱ እዚ ዘይብሃል ኢዩ።”

ነዚ ብዛዕባ ኣምላኽ እተዋህበ መግለጺ ብምውሳኽ ቴዎፍሎስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይቕጽል:- “ይኹን እምበር: ኣብ ልዕሊ ኣድማስ ዝገዝእ ብምዃኑ ንሱ ጐይታ ኢዩ፣ ቅድሚ ዅሉ ብምንባሩ ኣቦ ኢዩ፣ ናይ ኣድማስ ፈጣርን ሰራሕን ብምዃኑ ደኳንን ሰራሕን ኢዩ፣ ልዕሊ ዅሉ ብምዃኑ ዝለዓለ ኢዩ፣ ንዅሉ ዝገዝእን ዝሓቍፍን ብምዃኑ ኵሉ ዝኽእል ኢዩ።”

ቀጺሉ: በቲ ተሪርን ተደጋጋሚ ዝመስልን ኣገባብ ኣጸሓሕፋኡ ገይሩ ኣብቶም ኣምላኽ ዝፈጸሞም ፍሉያት ነገራት ብምትኳር “ሰማያት ተግባር ኢዱ ኢዩ: ምድሪ ፍጥረቱ: ባሕሪ ስራሓት ኢዱ ብምዃኑ፣ ሰብ ናቱ ቅርጽን ምስልን ብምዃኑ፣ ጸሓይ: ወርሒ: ከምኡውን ከዋኽብቲ ንሰብ ከም ምልክት: ንክፍሊ ዓመታት: ንመዓልትታት: ንዓመታት መፍለዪ ዘገልግላ ብምዃነን፣ ብስርሑ ኣቢሉ ዕቤቱ ምእንቲ ክዝርጋሕን ክፍለጥን ንዅሉ እዚ ሕጂ ዘሎ ነገራት ካብ ዘየሎ ነገር ከም ዝህሉ ገበረ” ይብል።

ነቲ ቴዎፍሎስ ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ዝገብሮ ዝነበረ መጥቃዕቲ ዘርኢ ኣብነት ድማ ኣብዘን ዝስዕባ ንኦታሌካስ ዝጸሓፈን ቃላት ተራእዩ ኣሎ:- “ኣስማት ናይቶም አምልኾም ኢየ ኢልካ እትዛረበሎም ኣማልኽቲ: ናይ ዝሞቱ ሰባት ኣስማት ኢዩ። . . . እንታይ ዓይነት ሰባትከ ኢዮም ነይሮም፧ ሳቱርን ደቁ ዘዕኑን ዝውሕጥን በላዕ ሰብዶ ኸይነበረ፧ እቲ ወዱ ዝነበረ ጁፒተር እንተጸዋዕካ እውን . . . ጤል ዘጥበወቶ ኢዩ ነይሩ . . . ካልእ ተግባራቱ ድማ ምስ ቀረባ ዘመዱ ጾታዊ ርክብ ዝፍጽም: ዘማዊ: ከምኡውን ህሩፍ ኢዩ ነይሩ።”

ቴዎፍሎስ ብምውሳኽ ነቲ ኣንጻር ኣረማዊ ናይ ጣኦት ኣምልኾ ዝነበሮ መትከል ኣበርትዖ። ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:- “ብተወሳኺኸ ብዛዕባ እቶም ብግብጻውያን ዝምለኹ: ለመምታን: ኣሓን: ናይ በረኻ ኣራዊትን: ኣዕዋፍን: ናይ ቀላይ ዓሳታትን ዘጠቓልሉ ኣእላፋት እንስሳታት ክጽብጽብዶ ኢየ። . . . ግሪኻውያንን ካልኦት ህዝብታትን ኣእማንን ዕንጨይትን ከምኡውን ካልኦት ቍሳዊ ነገራትን የምልኹ።” “ኣነ ግን ንኣምላኽ: ነቲ ህያውን ሓቀኛን ኣምላኽ ኢየ ዘምልኽ” በለ።​—⁠ምስ 2 ሳሙኤል 22:47፣ ግብሪ ሃዋርያት 14:15፣ ሮሜ 1:​22, 23 ኣረኣእዮ።

ክቡር ዝዀነ መረጋገጺ

ኣብቲ ቴዎፍሎስ ኣንጻር ኦታሌካስ ዝጸሓፎ ሰለስተ ክፍሊ ዘለዎ ጽሑፍ ዘሎ ማዕዳን መዘኻኸርን ብዙሕ ገጻትን ዝርዝራትን ዘለዎ ኢዩ። ካልኦት ጽሑፋት ናይ ቴዎፍሎስ ከኣ ኣንጻር ሄርሞጄኔዝን ማርስዮን እተጻሕፉ ኢዮም። ኣብቲ ወንጌላት ሓሳባት ብምሃብ ድማ መምርሕን ንእምነት ዘጽንዕን ሓሳባት ዝሓዘ መጻሕፍቲ ኣዳለወ። ይኹን እምበር: እታ ናብ ኦታሌካስ ዝጻሓፋ ሰለስተ ክፍሊ ዘለዋ ሓንቲ ኢደ⁠-​­ጽሑፍ ጥራይ ኢያ ተዓቂባ ጸኒሓ።

እታ ናይ መጀመርያ መጽሓፍ ንሃይማኖት ክርስትና ንምክልኻል ናብ ኦታሌካስ ዝጻሓፋ ነቲ እምነት እትጣባቐ ጽሕፍቲ ኢያ። እታ ናብ ኦታሌካስ ዝጸሓፋ ካልኣይቲ መጽሓፍ ድማ ነቲ ልሙድ ዝነበረ ዘይቅኑዕ ሃይማኖት: ኣተሓሳስባታት: ፍልስፍናታት: ከምኡውን ነቶም ደረስቲ ግጥምታት እትቃወም ኢያ ነይራ። ኣብታ ናይ ቴዎፍሎስ ሳልሰይቲ መጽሓፍ ድማ ዘይቅኑዕ ስነ-ጽሑፍ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ተወዳዲሩ ኣሎ።

እታ ናይ ቴዎፍሎስ ሳልሰይቲ መጽሓፍ መጀመርያ ክትወጽእ ከላ: ኦታሌካስ ጌና ንቓል ኣምላኽ ከም ሓደ ዘይረብሕ ጽውጽዋይ ገይሩ ይሓስቦ ከም ዝነበረ ፍሉጥ ኢዩ። ቴዎፍሎስ ንኦታሌካስ “ንዓያሱ ተሓጒስካ ትጽመሞም። እንተዘይከውን ነይሩስ ንገዛእ ርእስኻ በዚ ናይ ዓያሱ ሰባት ረብሓ ዘይብሉ ቃላት ክትጽሎ: ከምኡውን ነቲ ልሙድ ቤላቤለው ክትኣምን ኣይመፍቀድካን ነይርካ” ብምባል ወቐሶ።

እዚ “ልሙድ ቤላቤለው” እዚ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ቴዎፍሎስ ናይዚ ምንጪ እንታይ ምዃኑ ይገልጾ። መካፋእቲ ሰባት “ነዞም ክርስትያናት ተባሂልና እንጽዋዕ ኣምለኽቲ ኣምላኽ: ኣንስትና ኵለን ናይ ሓባር ምዃነን: ጽዩፍ ጾታዊ ርክብ ከም እንገብር፣ ምስ ኣሓትና ከይተረፈ ጾታዊ ርክብ ከም እንፍጽም: ካብ ኵሉ ዝኸፍአን ናይ ጭከናን ዝዀነ ድማ ናይ ሰብ ስጋ ከም እንበልዕ ብምዝራብ ኣምላኻዊ ብዘይኰነ ኣዘራርባ ብሓሶት ይኸሱና።” ቴዎፍሎስ ነቲ በቶም ኣብ ካልኣይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ስመ ክርስትያን እተገልጸ ኣረማዊ ኣረኣእያ ንምቅላስ ኣበርቲዑ ጽዒሩ ኢዩ። ነቲ ኣብቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቃል ዘሎ ናይ ብርሃን ሓቂ ድማ ይጥቀም ነበረ።​—⁠ማቴዎስ 5:​11, 12

ቴዎፍሎስ ምስ ቃል ኣምላኽ ይፋለጥ ከም ዝነበረ ዘረጋግጽ ድማ ብቀጻሊ ካብ ናይ እብራይስጥን ግሪኽን መጽሓፍ ቅዱሳት ምጥቃሱ ኢዩ። ሓደ ካብቶም ብዛዕባ ወንጌላት ርእይቶ ዝሃቡ ናይ መጀመርያ ሰባት ኢዩ ነይሩ። ቴዎፍሎስ ብዙሕ ግዜ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ምጥቃሱ ነቲ ኣብ ግዜኡ ዝነበረ ልሙድ ዝዀነ ኣተሓሳስባ ብዙሕ ፍልጠት ከመሓላልፍ ኣኽኢልዎ ኢዩ። ነቲ ብዛዕባ እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጽሑፋት ዝነበሮ ፍልጠት: ቅዱሳት ጽሑፋት ልዕሊ እቲ ኣረማዊ ፍልስፍናታት ምዃኑ ንምቅላዕ ተጠቒምሉ ኢዩ።

እቲ ኣሰራርዓ ናይ ጽሑፉ: ኣገባብ ኣገላልጻኡ: ከምኡውን ናይ ምድግጋም ኣገባቡ ንገለ ሰባት ተቐባልነት ዘይብሉ ዀይኑ ክስምዖም ይኽእል ኢዩ። እቲ ኣቐዲሙ እተነግረሉ ክሕደት ነቲ ልክዕ ኣረኣእያኡ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝጸለዎ ሕጂ እዚ’ዩ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። (2 ተሰሎንቄ 2:​3-​12) ዝዀነ ዀይኑ ግን: ኣብ ከባቢ 182 ከ.ኣ.ዘ. ክመውት ከሎ ቴዎፍሎስ እቲ ዝጽሕፎ ዝነበረ ጽሑፋት ነዞም ኣብዚ ዘመናዊ ግዜና ዘለዉ ሓቀኛታት ክርስትያናት ዘገድስ: ምእንቲ እምነት ንምቅላስ ዘይሕለል ዝነበረ ሰብ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ቴዎፍሎስ ነቲ ናይ ኦታሌካስ ክትዕ ብትብዓት ነጺግዎ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

ኣብ ገጽ 28 ከምኡውን 30 ዘሎ መብርሂ ካብዚ ዝስዕብ እተወሰደ ኢዩ:- Illustrirte Pracht-Bibel/Heilige Schrift des Alten und Neuen Testaments, nach der deutschen Uebersetzung D. Martin Luther’s

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ