ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w10 1/11 ገጽ 22-23
  • ሓደ ለምጻም ሓወየ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓደ ለምጻም ሓወየ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጥፍኣት ሶዶምን ጎሞራን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • የሱስ ንዘጋጠሞ ፈተና ተቓወመ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • የሱስ ብተኣምር ኣሕወየ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • የሱስ ንሰማዕቱ ኣገረመ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
w10 1/11 ገጽ 22-23

ንመንእሰያት

ሓደ ለምጻም ሓወየ

መምርሒታት፦ ነዚ መላመዲ ኣብ ጸጥ ዝበለ ቦታ ዄንካ ዕየዮ። ነቲ ጥቕስታት ከተንብቦ ኸለኻ፡ ንርእስኻ ኣብቲ ፍጻመ እትውቲ ኸም ዝዀነት ጌርካ ሕሰብ። ነቲ ፍጻመ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ነቲ ድምጽታት ስምዓዮ። ስምዒታት እቶም ቀንዲ ገጸ-ባህርያት ይሰማዕካ። ነቲ ዛንታ ህያው ጌርካ ርኣዮ።

ቀንዲ ገጸ-ባህርያት፦ ንእማን፡ ኤልሳእ፡ ስማ ዘይተረቝሐ እስራኤላዊት ጓል

ጽማቝ፦ ሓንቲ እስራኤላዊት ጓል ነቲ ሓለቓ ሰራዊት ሶርያ ዝነበረ ንእማን፡ ናብ ኤልሳእ ኪኸይድ ሓሳብ ሃበቶ፣ ንሱ ኸምኡ ምስ ገበረ ኸኣ፡ ካብቲ ዜፈንፍን ሕማሙ ሓወየ።

1 ነቲ ፍጻመ መርምሮ።—2 ነገስት 5:1-19 ኣንብብ።

እታ ንእሽቶ እስራኤላዊት ጓል፡ ፍርሃት ኣምላኽ ካብ ዝነበሮም ወለዳ እተወስደት ብምንባራ፡ ምስ እንታይ ስምዒታት ትቃለስ ነይራ ኽትከውን ትኽእል፧

․․․․․

እቲ ጅግና ዝነበረ ንእማን በቲ ዜማስን ሕማም ይጥቃዕ ብምንባሩ፡ ከመይ ዓይነት ብስጭት ዝነበሮ ይመስለካ፧

․․․․․

ኣብቲ ኻብ ቍጽሪ 11 ኽሳብ 13 ዚርከብ ንእማን ምስ ገላዉኡ ዝገበሮ ዝርርብ እንታይ ስምዒታት እተንጸባረቐ ይመስለካ፧

․․․․․

ካብ ቍጽሪ 15 ኣትሒዙ፡ ንእማን ኣብ ኣረኣእያኡ እንታይ ለውጢ እዩ ገይሩ፧

․․․․․

2 ዝያዳ ምርምር ግበር።

ንዅርዓት ንእማን ኣበርክቶ ዝገበረ እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ (ቍጽሪ 1 ደጊምካ ኣንብብ።)

․․․․․

በቲ ኽትረኽቦ እትኽእል ንምርምር ዚሕግዝ ናውቲ ጌርካ፡ ብዛዕባ እቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ለምጺ ዚገልጽ ሓበሬታ ርኸብ።a (ንኣብነት፡ እቲ ሕማም ክሳዕ ክንደይ እዩ ኸቢድ ነይሩ፧ ተላጋቢ ድዩ ነይሩ፧ እንታይ ዓይነት ሕክምና ነይርዎ፧)

․․․․․

ንእማን ካብ ሕማሙ ምሕዋዩ፡ ኣብታ ንእሽቶ እስራኤላዊት ጓል እንታይ ጽልዋ ዝነበሮ ይመስለካ፧

․․․․․

ኤልሳእ ዝሃቦ መምርሒ ንንእማን ዝፈተኖ ብኸመይ ኪኸውን ይኽእል፧ (ቍጽሪ 10 ርአ።)

․․․․․

3 ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እንታይ ከም እተመሃርካ ጽሓፍ፦

ሓደገኛነት ኵርዓት።

․․․․․

ብዛዕባ እምነትካ ንምዝራብ ዘሎካ ትብዓት።

․․․․․

የሆዋ፡ ሕማም ንምሕዋይ ዘለዎ ሓይሊ።

․․․․․

4 ካብዚ ጸብጻብ እዚ ዝያዳ ዝተንከፈካ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

․․․․․

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኻልእ ጽሑፋት ንምርካብ፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትሓቶም፡ ወይ ኣብ www.watchtower.org ከተንብብ ትኽእል ኢኻ

[እግረ-ጽሑፍ]

a እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ለምጺ ተባሂሉ ዘሎ ሕማም ቈርበት፡ ሕጂ ደዌ ወይ ሕማም ሃንሰን ተባሂሉ ዚፍለጥ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ