ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • bh ገጽ 199-ገጽ 201 ሕ.ጽ. 3
  • የሱስ ክርስቶስ—እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ክርስቶስ—እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መሲሓዊ ትንቢታት፡ የሱስ መሲሕ ምዃኑ የረጋግጽ ድዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ብዛዕባ እቲ መሲሕ እተነግረ ትንቢት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ንመሲሕ ተጸብዮምዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • የሱስ ክርስቶስ—ናብ ፍልጠት ኣምላኽ ዘእቱ መፍትሕ
    ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት
ዝያዳ ርአ
መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
bh ገጽ 199-ገጽ 201 ሕ.ጽ. 3

መመላእታ ጽሑፍ

የሱስ ክርስቶስ —እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ

የሆዋ ኣምላኽ ነቲ መሲሕ ምእንቲ ኸነለልዮ፡ ንሓያሎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ነብያት ብመንፈሱ ገይሩ ብዛዕባ ውልደትን ኣገልግሎትን ሞትን እቲ ተስፋ እተገብረሉ መድሓኒ ገለጸሎም። ኵሉ እዚ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ተፈጺሙ እዩ። ልክዕነቱን ደቂቕ ዝርዝራት ዝሓዘ ምዃኑን ድማ ኣዝዩ ዜደንቕ ይገብሮ። ገለ ኣብነታት ንምሃብ፡ ምስ ውልደትን ቍልዕነትን እቲ መሲሕ ዚተሓሓዝ ሒደት ትንቢታት ንርአ።

ነብዪ ኢሳይያስ እቲ መሲሕ ካብ ዘርኢ ንጉስ ዳዊት ከም ዚመጽእ ተነበየ። (ኢሳይያስ 9:7) የሱስ ብርግጽ ካብ ወለዶ ዳዊት እዩ ተወሊዱ።—ማቴዎስ 1:1, 6-17።

ሚክያስ ዚብሃል ካልእ ብኣምላኽ እተመዘዘ ነብዪ ኸኣ እቲ ዚውለድ ሕጻን ኣብ መወዳእታ ገዛኢ ኸም ዚኸውንን ኣብ “ቤት-ልሄም ኤፍራታ” ኸም ዚውለድን ተነበየ። (ሚክያስ 5:2) የሱስ ኣብ እተወልደሉ እዋን ኣብ እስራኤል ክልተ ቤት-ልሄም ተባሂለን ዚጽውዓ ኸተማታት ነበራ። እታ ሓንቲ ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ እቲ ሃገር ጥቓ ናዝሬት እትርከብ ኰይና፡ እታ ሓንቲ ድማ ኣብ ይሁዳ ጥቓ የሩሳሌም እያ እትርከብ ነይራ። እታ ጥቓ የሩሳሌም እትርከብ ቤት-ልሄም ኣቐዲማ ኤፍራታ ትብሃል ነበረት። የሱስ ከኣ ኣብታ ብትንቢት እተነግረላ ኸተማ እዩ ተወሊዱ።—ማቴዎስ 2:1።

ካልእ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ወዲ ኣምላኽ “ካብ ግብጺ” ኸም ዚጽዋዕ ይገልጽ። የሱስ ቈልዓ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናብ ግብጺ ተወስደ። ድሕሪ ሞት ሄሮድስ ግና ካብ ግብጺ ተመልሰ፣ እቲ ትንቢት ድማ ተፈጸመ።—ሆሴእ 11:1፣ ማቴዎስ 2:15።

ኣብታ “ብዛዕባ መሲሕ ዚገልጽ ትንቢታት” ዘርእስታ ሰሌዳ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ “ትንቢት” ዚብል ኣርእስቲ ዚርከብ ጥቕስታት፡ ብዛዕባ እቲ መሲሕ ዝርዝር ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ። ነዚ ምስቲ ኣብ ትሕቲ እቲ “ፍጻመ” ዚብል ኣርእስቲ ዚርከብ ጥቕስታት ኣነጻጽሮ። ከምዚ ምግባርካ ነቲ ኣብ ሓቅነት ቃል ኣምላኽ ዘሎካ እምነት ኬደልድለልካ እዩ።

ነዚ ጥቕስታት እዚ ኽትምርምር ከለኻ፡ እቲ ትንቢታት ካብቲ የሱስ እተወልደሉ ኣማእታት ዓመታት ኣቐዲሙ ኸም እተጻሕፈ ዘክር። የሱስ፡ ‘ኣብ ሕጊ ሙሴን ኣብ ነብያትን ኣብ መዝሙራትን ብዛዕባይ እተጻሕፈ ዅሉ ኺፍጸም ይግባእ’ ኢሉ ገሊጹ እዩ። (ሉቃስ 24:44) ኣብቲ እትጥቀመሉ ቕዳሕ መጽሓፍ ቅዱስ ከተረጋግጾ ኸም እትኽእል፡ ኵሉ እቲ ደቀቕቲ ዝርዝራት ተፈጺሙ እዩ!

ብዛዕባ መሲሕ ዚገልጽ ትንቢታት

ኵነት

ትንቢት

ፍጻመ

ካብ ነገድ ይሁዳ ተወልደ

ዘፍጥረት 49:10

ሉቃስ 3:23-33

ካብ ድንግል ተወልደ

ኢሳይያስ 7:14

ማቴዎስ 1:18-25

ካብ ዘርኢ ንጉስ ዳዊት ተወልደ

ኢሳይያስ 9:7

ማቴዎስ 1:1, 6-17

የሆዋ፡ ወዱ ምዃኑ ኣወጀሉ

መዝሙር 2:7

ማቴዎስ 3:17

ብዙሓት ብእኡ ኣይኣመኑን

ኢሳይያስ 53:1

ዮሃንስ 12:37, 38

ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ ናብ የሩሳሌም ኣተወ

ዘካርያስ 9:9

ማቴዎስ 21:1-9

ብናይ ቀረባ ፈታዊኡ ተኻሕደ

መዝሙር 41:9

ዮሃንስ 13:18, 21-30

ብ30 ብሩር ተኻሕደ

ዘካርያስ 11:12

ማቴዎስ 26:14-16

ኣብ ቅድሚ ኸሰስቱ ኣፉ ኣይከፈተን

ኢሳይያስ 53:7

ማቴዎስ 27:11-14

ንኽዳውንቱ ዕጭ ኣውደቑሉ

መዝሙር 22:18

ማቴዎስ 27:35

ኣብ ጕንዲ ተሰቒሉ ኸሎ ተጸርፈ

መዝሙር 22:7, 8

ማቴዎስ 27:39-43

ካብ ኣዕጽምቱ ሓንቲ እኳ ኣይተሰብረትን

መዝሙር 34:20

ዮሃንስ 19:33, 36

ምስ ሃብታማት ተቐብረ

ኢሳይያስ 53:9

ማቴዎስ 27:57-60

ስጋኡ ቕድሚ ምብስባሱ ወይ ቅድሚ ምጥፋኡ ተንስአ

መዝሙር 16:10

ግብሪ ሃዋርያት 2:24, 27

ናብ የማን ኣምላኽ ልዕል በለ

መዝሙር 110:1

ግብሪ ሃዋርያት 7:56

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ