ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
ሞት እቶም ንኣምላኽ እሙናት ዝዀኑ ሰባት ‘ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽቡር’ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧
▪ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞት ቅዱሳኑ [“እሙናቱ፡” NW] ኽቡር እዩ” ኢሉ ዘመረ። (መዝ. 116:15) ህይወት ነፍሲ ወከፍ ናይ ሓቂ ኣምላኺ የሆዋ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኽቡር እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብ መዝሙር 116 ዚርከብ ቃላት፡ ካብ ሞት ውልቀ ሰብ ንላዕሊ እዩ ዜመልክት።
ስለዚ፡ መደረ ቐብሪ ሓደ ክርስትያን ኪቐርብ ከሎ፡ ዋላ እኳ እቲ መዋቲ እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ እንተ ነበረ፡ ንመዝሙር 116:15 ምስኡ ብምትሕሓዝ ክትጥቀስ የብላን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ቃላት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝሰፍሐ ትርጕም እዩ ዘለዎ። እታ ጥቕሲ፡ ኣምላኽ ነቶም ንዕኡ እሙናት ዝዀኑ ሰባት ኣኽቢሩ ስለ ዚርእዮም፡ ብደረጃ ጕጅለ ብምሉኦም ኪሞቱ ኸም ዘይፈቅድ እያ እትሕብር።—መዝሙር 72:14፣ 116:8 ርአ።
መዝሙር 116:15፡ የሆዋ፡ እሙናት ኣገልገልቱ ብደረጃ ጕጅለ ኻብ ምድሪ ኺጠፍኡ ኸም ዘይፈቅድ ተረጋግጸልና እያ። ዘመናዊ ታሪኽና ኸም ዚሕብሮ፡ ብርቱዕ ፈተናታትን መስጐጕትን እኳ እንተ ኣጋጠመና፡ ክሳዕ ሕጂ ጸኒዕና ንቕጽል ኣለና፣ እዚ ኸኣ ኣምላኽ ፈጺምና ኽንጸንት ከም ዘይፈቅድ ዚሕብር ንጹር መርትዖ እዩ።
የሆዋ ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ ስለ ዘለዎን ዕላማኡ ብርግጽ ስለ ዚፍጸምን፡ ብደረጃ ጕጅለ ኽንጠፍእ ኣይፈቅድን እዩ። ከምኡ ኪኸውን እንተ ዚፈቅድ ነይሩ ግና፡ ጸላእቱ ኻብኡ ንላዕሊ ዝያዳ ሓያላት ምዀኑ ነይሮም። እቲ የሆዋ ነዛ ዓለም እዚኣ ንዕኡ እሙናት ብዝዀኑ ሰባት ኪመልኣ ዘውጽኦ ዕላማ እውን ከይተፈጸመ ምተረፈ፣ እዚ ዅሉ ኸኣ ፈጺሙ ኪኸውን ዘይክእል እዩ። (ኢሳ. 45:18፣ 55:10, 11) ኣብ ምድራዊ ኣጸድ እቲ ዓብዪ መንፈሳዊ ቤተ መቕደስ ዜገልግሉ ሰባት እንተ ጠፊኦም፡ ኣብ ምድሪ ንየሆዋ ዜገልግሎ ኣይህሉን እዩ። ኣብ ትሕቲ “ሓድሽ ሰማይ” ኰይኑ ነታ “ሓዳስ ምድሪ” ዜቕውም ጻድቕ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ እውን ኣብ ምድሪ ኣይህሉን። (ራእ. 21:1) ብዘይ ምድራውያን ተገዛእቲ ኸኣ፡ ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ ኪህሉ ኣይክእልን እዩ።—ራእ. 20:4, 5።
ጸላእቲ ኣምላኽ ንብምሉኦም ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ምድሪ ኼጥፍእዎም እንተ ዚኽእሉ ነይሮም፡ ስልጣንን ስምን ኣምላኽ ኣብ ሕቶ ምኣተወ ነይሩ። ነቲ የሆዋ ኸም ልዑላዊ ዅሉ ፍጥረት ዘለዎ መዓርግ ድማ፡ ኣበር ምተረኽቦ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ምእንቲ ገዛእ ርእሱን ምእንቲ ቕዱስ ስሙን ኢሉ፡ እሙናቱ ብደረጃ ጕጅለ ኺሞቱ ኣይኪፈቅድን እዩ። ብዘይካዚ፡ “ዓመጽ ዜብሉ ኣምላኽ” ስለ ዝዀነ፡ ነቶም ብተኣማንነት ዜገልግልዎ ጕጅለ ደቂ ሰብ ኬዕቍቦም እዩ። (ዘዳ. 32:4፣ ዘፍ. 18:25) ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ኣገልገልቱ ብደረጃ ጕጅለ ኺጸንቱ እንተ ፈቒዱ፡ ምስቲ፡ “እግዚኣብሄር ምእንቲ እቲ ዓብዪ ስሙ ኢሉ ንህዝቡ ኣይሐድጎን እዩ” ዚብል ቃሉ እዩ ዚጋጮ። (1 ሳሙ. 12:22) ስለዚ እምበኣር፡ “እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣይኪድርብዮን፡ ንርስቱ ኸኣ ኣይኪሐድጎን እዩ።”—መዝ. 94:14።
ህዝቢ የሆዋ ኻብ ምድሪ ኸቶ ኸም ዘይጠፍኡ ምፍላጥናስ ክሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ! ሃየ እምበኣር፡ ወትሩ ንኣምላኽ እሙናት ንኹን፣ በቲ ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል መብጽዓ ኸኣ ንተኣማመን፦ “ንኣኺ ኺወግኡሉ እተሰርሔ ኣጽዋር ኵሉ ኣይኪጠቅምን እዩ፡ ነቲ ንፍርዲ ዚትንስኣኪ ዅሉ ልሳን ድማ ክትረትዕዮ ኢኺ። እዚ እዩ ርስቲ ባሮት እግዚኣብሄር፡ ጽድቆምውን ካባይ እዩ።”—ኢሳ. 54:17።
[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ኣምላኽ፡ ህዝቡ ኺጸንቱ ኸቶ ኣይፈቅድን እዩ