-
መዓልቲ ፍርዲ እንታይ እያ፧መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
-
-
መዓልቲ ፍርዲ ብቢልዮናት ንዚቝጸሩ ሰባት ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽ ኪምሃሩን ምስኡ ተሰማሚዖም ኪነብሩን ኣጋጣሚ ኽትከፍተሎም እያ። እዚ ድማ ዓብዪ ትምህርታዊ ዕዮ ኸም ዚህሉ እዩ ዜመልክት። እወ፡ “ነበርቲ እታ ምድሪ ብዛዕባ ጽድቂ [ኺ]ምሃሩ እዮም።” (ኢሳይያስ 26:9) ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ኵሎም ሰባት ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዖም ኪነብሩ ይደልዩ እዮም ማለት ኣይኰነን። ኢሳይያስ 26:10፡ “እኩይሲ ሞገስ እኳ እንተ ተገብረሉ፡ ጽድቂ ኣይምሃርን። ኣብ ሃገር ቅንዕና እኳ እከይ ይገብር፡ ግርማ የሆዋ እውን ኣይርእን” ትብል። እዞም ረሲኣን እዚኦም ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ንዘለኣለም ኪሞቱ እዮም።—ኢሳይያስ 65:20።
መዓልቲ ፍርዲ ኣብ እትውድኣሉ እዋን፡ እቶም ሽዑ ዚተርፉ ደቂ ሰብ ፍጹማት ሰባት ኰይኖም ምሉእ ብምሉእ “ህያዋን” ኪዀኑ እዮም። (ራእይ 20:5) በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ፡ ደቂ ሰብ ናብቲ ናይ ፈለማ ፍጽምና ኺበጽሑ እዮም። (1 ቈረንቶስ 15:24-28) ድሕሪኡ፡ ናይ መወዳእታ ፈተና ኺህሉ እዩ። ሰይጣን ካብ ማእሰርቱ ንእተወሰነ ግዜ ኺፍታሕ፡ ንመወዳእታ ግዜ ኸኣ ንሰባት ኬስሕት ኪፍቀደሉ እዩ። (ራእይ 20:3, 7-10) እቶም ዚጻረርዎ እቲ “ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ዚብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተስፋ ኺፍጸም ከሎ ኺርእዩ እዮም። (መዝሙር 37:29) እወ፡ መዓልቲ ፍርዲ ንዅሎም እሙናት ደቂ ሰብ በረኸት ከተምጽኣሎም እያ!
-
-
1914—ኣብ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳሲት ዓመትመጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
-
-
መመላእታ ጽሑፍ
1914—ኣብ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳሲት ዓመት
ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርብዓ ዓመት ዚኸውን ኣቐዲሞም ኣብ 1914 ኣገዳሲ ፍጻመታት ከም ዚህሉ ኣዊጆም ነይሮም። እዚ ፍጻመታት እዚ እንታይ እዩ፧ 1914 ኣገዳሲት ዓመት ምዃና ዚሕብርከ እንታይ መርትዖታት ኣሎ፧
ኣብ ሉቃስ 21:24 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ የሱስ፡ “ምዱብ ግዜያት ኣህዛብ ክሳዕ ዚፍጸም፡ የሩሳሌም ብኣህዛብ ክትርገጽ እያ” በለ። የሩሳሌም ርእሰ ኸተማ ኣይሁድን እቶም ካብ ቤት ንጉስ ዳዊት ዚወጹ መስመር ነገስታት ዚቕመጡላ ኸተማን እያ ነይራ። (መዝሙር 48:1, 2) ይኹን እምበር፡ እዞም ነገስታት እዚኦም ካብ ካልኦት መራሕቲ ኣህዛብ እተፈልዩ እዮም ነይሮም። ከመይሲ፡ ተወከልቲ ኣምላኽ ስለ ዝዀኑ፡ ኣብ “ዝፋን የሆዋ” እዮም ዚቕመጡ ነይሮም። (1 ዜና መዋእል 29:23) እምበኣር፡ የሩሳሌም ንግዝኣት የሆዋ እያ እተመልክት ነይራ።
ግዝኣት ኣምላኽ ‘ብኣህዛብ ኪርገጽ’ ዝጀመረ ደኣ እሞ መዓስን ብኸመይን እዩ፧ እዚ የሩሳሌም ብ607 ቅ.ክ. ብባቢሎናውያን ምስ ተወረረት እዩ ተፈጺሙ። ድሕሪኡ ዋላ ሓደ ኣብ “ዝፋን የሆዋ” ኣይነበረን፣ እቲ ኻብ ዳዊት ኣትሒዙ ዚቕጽል ዝነበረ መስመር ነገስታት ድማ ተቛረጸ። (2 ነገስት 25:1-26) እዚ ‘ምርጋጽ’ እዚ ንሓዋሩ ዚቕጽል ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን፡ ትንቢት ህዝቅኤል ብዛዕባ እቲ ናይ መወዳእታ ንጉስ የሩሳሌም ዝነበረ ጼዴቅያስ፡ “መጠምጠምያ ቐንጥጥ፣ ዘውዲ ኣውጽእ። . . . እቲ ሕጋዊ መሰል ዘለዎ ኽሳዕ ዚመጽእ ድማ፡ ናይ ሓደ እኳ ኣይክትከውንን እያ፣ ኣነ እውን ንዕኡ ኽህቦ እየ” በለ። (ህዝቅኤል 21:26, 27) እቲ ዘውዲ ዳዊት ንምድፋእ “ሕጋዊ መሰል ዘለዎ” ተባሂሉ ዘሎ ክርስቶስ የሱስ እዩ። (ሉቃስ 1:32, 33) ስለዚ፡ የሱስ ንጉስ ምስ ኰነ እቲ ‘ምርጋጽ’ ኬብቅዕ ነበሮ።
እዚ ኣገዳሲ ፍጻመ እዚ መዓስ እዩ ተፈጺሙ፧ የሱስ እቶም ኣህዛብ ንእተወሰነ እዋን ከም ዚገዝኡ ሓቢሩ ነይሩ። ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 4 ዚርከብ ጸብጻብ፡ እቲ ግዜ እቲ ንውሓቱ ኽንደይ ምዃኑ ኽንፈልጥ ዚሕግዝ ኣገዳሲ ሓበሬታ ይህበና እዩ። እዛ ምዕራፍ እዚኣ ብዛዕባ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ዝሓለሞ ትንቢታዊ ሕልሚ እያ እተዘንቱ። እቲ ንጉስ ሓንቲ ዓባይ ኦም ክትቍረጽ ከላ ረኣየ። እቲ ዝተረፈ ጕንዳ ብሓጺንን ብነሓስን ስለ እተኣስረ፡ ኪዓቢ ኣይከኣለን። ሓደ መልኣኽ ድማ፡ “ሸውዓተ ግዜያት . . . ይሕለፎ” ኢሉ ኣወጀ።—ዳንኤል 4:10-16።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓድሓደ ግዜ ኣእዋም ንግዝኣታት ንምምልካት የገልግል እዩ። (ህዝቅኤል 17:22-24፣ 31:2-5) ስለዚ፡ ምቝራጽ እታ ምሳልያዊት ኦም፡ እቲ ኣብ የሩሳሌም ብዚርከቡ ነገስታት ዚምሰል ግዝኣት ኣምላኽ ብኸመይ ከም እተቛረጸ እዩ ዜመልክት። ይኹን እምበር፡ እቲ ራእይ ‘የሩሳሌም እትርገጸሉ’ እዋን እተወሰነ፡ ማለት “ሸውዓተ ግዜያት” ምዃኑ ሓበረ። እዚ ንውሓት እዚ ኽንደይ እዩ፧
ራእይ 12:6, 14 ሰለስተ ዘመናትን ፈረቓን ወይ “1,260 መዓልቲ” ምዃኑ ይሕብር። እምበኣር፡ “ሸውዓተ ግዜያት” ኪብሃል ከሎ ዕጽፊ ናይዚ፡ ማለት 2,520 መዓልቲ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ኣህዛብ ካብቲ የሩሳሌም ዝወደቐትሉ 2,520 መዓልቲ እውን ጸኒሖም ንግዝኣት ኣምላኽ ካብ ‘ምርጋጽ’ ኣየቋረጹን። እዚ ትንቢት እዚ እምበኣር ዝነውሐ ግዜ ዚሽፍን ኪኸውን ኣለዎ። ብመሰረት እተን “ሓንቲ መዓልቲ ኽንዲ ሓንቲ ዓመት” ዚብል መምርሒ ዚርከበን ዘሁልቍ 14:34፣ ህዝቅኤል 4:6 እተን “ሸውዓት ግዜያት” 2,520 ዓመት እየን ዚሽፍና።
እተን 2,520 ዓመት ኣብ ጥቅምቲ 607 ቅ.ክ. የሩሳሌም ብባቢሎናውያን ምስ ወደቐትን እቲ ኻብ ዘርኢ ዳዊት ዝነበረ ንጉስ ካብ ዝፋኑ ምስ ወረደን እየን ጀሚረን። ኣብ ጥቅምቲ 1914 ድማ ኣብቅዓ። ኣብቲ ግዜ እቲ “ምዱብ ግዜያት ኣህዛብ” ተወድአ፡ የሱስ ክርስቶስ ድማ ንጉስ እታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኰነ።a—መዝሙር 2:1-6፣ ዳንኤል 7:13, 14።
ከምቲ የሱስ እተነበዮ ሰማያዊ ንጉስ ኰይኑ ‘ኣብዚ ምህላዉ’ ዚሕብር ኣብ ዓለም ከም ውግእ፡ ጥሜት፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ለበዳ ዝኣመሰለ ዓበይቲ ለውጥታት ተራእዩ እዩ። (ማቴዎስ 24:3-8፣ ሉቃስ 21:11) ከምዚ ዝኣመሰለ ፍጻመታት 1914 ብርግጽ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዝቘመትሉን “ዳሕሮት መዓልትታት” እዚ ስርዓት እዚ ዝጀመራሉን እዋን ምዃኑ ሓያል መረጋገጺ ይኸውን እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5።
a ካብ ጥቅምቲ 607 ቅ.ክ. ክሳዕ ጥቅምቲ 1 ቅ.ክ. 606 ዓመት እዩ። ዜሮ ዓመት ዚብሃል ስለ ዘየለ፡ ካብ ጥቅምቲ 1 ቅ.ክ. ክሳዕ ጥቅምቲ 1914 ድ.ክ. 1914 ዓመት እዩ። 606 ምስ 1,914 ዓመት ብምድማር 2,520 ዓመት ንረክብ። የሩሳሌም ብ607 ቅ.ክ. ብዛዕባ ምውዳቓ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ (እንግሊዝኛ) “መስርዕ ፍጻመታት” (“Chronology”) ኣብ ትሕቲ ዚብል ዓንቀጽ ተወከስ።
-
-
ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ መን እዩ፧መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
-
-
መመላእታ ጽሑፍ
ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ መን እዩ፧
እቲ ሚካኤል ተባሂሉ ዚጽዋዕ መንፈሳዊ ፍጡር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ሳዕ ተጠቒሱ ኣይርከብን እዩ። እንተዀነ ግና፡ ሓደ ተግባር ብንጥፈት ኣብ ዚፍጸመሉ እዋናት እዩ ተጠቒሱ ዚርከብ። ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል፡ ሚካኤል ምስ እኩያት መላእኽቲ ኺቃለስ ከሎ፣ ኣብ መልእኽቲ ይሁዳ፡ ምስ ሰይጣን ኪማጐት ከሎ፣ ኣብ ራእይ ከኣ፡ ምስ ድያብሎስን ኣጋንንቱን ኪዋጋእ ከሎ ተጠቒሱ ይርከብ። ሚካኤል ንግዝኣት ኣምላኽ ብምጥባቕን ምስ ጸላእቲ ኣምላኽ ብምቅላስን፡ ምስቲ “መን ከም ኣምላኽ፧” ዚብል ትርጉም ስሙ ተሰማሚዑ እዩ ዚነብር። ሚካኤል ግና መን እዩ፧
ሓድሓደ ግዜ ውልቀ ሰባት ልዕሊ ሓደ ስም ይውሃቦም ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ያእቆብ እንተ ወሲድና፡ እስራኤል ተባሂሉ ይፍለጥ ነበረ፣ ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ስምኦን ይብሃል ነበረ። (ዘፍጥረት 49:1, 2፣ ማቴዎስ 10:2) እቲ ሚካኤል ዚብል ስም እውን የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡን ድሕሪኡን ኣብ ዝነበሮ ህይወት ዚጽውዓሉ ኻልእ ስሙ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብረና። ናብዚ መደምደምታ እዚ ኼብጽሓና ዚኽእል ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያታት እስከ ንርአ።
ሊቀ መላእኽቲ። ቃል ኣምላኽ ንሚካኤል “እቲ ሊቀ መላእኽቲ” እዩ ዚብሎ። (ይሁዳ 9) ሚካኤል ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ እቲ ሊቀ መላእኽቲ ተባሂሉ ኸም እተጸውዐ ኣስተብህል። እዚ ኸኣ ከምዚ ዝኣመሰለ ስልጣን ዘለዎ ሓደ መልኣኽ ጥራይ ከም ዘሎ ይሕብር። እታ “ሊቀ መላእኽቲ” እትብል ቃል እውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጽል ደኣ እምበር፡ ንብዙሕ ብዜመልክት ኣገባብ ኣይተጠቕሰትን። ብዘይካዚ፡ የሱስ ምስ መዓርግ ሊቀ መላእኽቲ ተተሓሒዙ ተጠቒሱ ኣሎ። ኣብ 1 ተሰሎንቄ 4:16 ብዛዕባ እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ “ጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጻውዒት፡ ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ” ተባሂሉ ኣሎ።
-