ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w14 15/7 ገጽ 3-6
  • ፈትዮም ይመጹ—ማይክሮነዥያ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ፈትዮም ይመጹ—ማይክሮነዥያ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንኽልተ ጸሎት ዚኸውን መልሲ
  • ንሰለስተ ብድሆታት ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ
  • ‘ብበረኸት ዕጸድ’
  • ንስኻኸ ኽትካፈል ትኽእልዶ፧
  • ተስፋ ኣይትቝረጽ!
    መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር
  • ብጸሎት ኣቢላ ልባ ናብ ኣምላኽ ኣፍሰሰት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ብጸሎት ልባ ናብ ኣምላኽ ኣፍሰሰት
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ፈትዮም ይመጹ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
w14 15/7 ገጽ 3-6
ዶሪስን ካትሪንን

ፈትዮም ይመጹ ማይክሮነዥያ

ካትሪን ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እያ ዓብያ፣ ጓል 16 ዓመት ከላ ድማ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይና ተጠምቀት። ንኣገልግሎት ኣርዚና ትርእዮ እኳ እንተ ነበረት፡ ኣብቲ እትሰብከሉ ዝነበረት ቦታ፡ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ጽቡቕ ምላሽ ዚህቡ ብዙሓት ሰባት ክትረክብ ኣይከኣለትን። ካትሪን፡ “ብዛዕባ እቶም ዚሕግዞም ሰብ ምእንቲ ኺልእከሎም ናብ ኣምላኽ ዝጸለዩ ሰባት ዚገልጽ ተመክሮ ኣንቢበ እየ። ከምኡ ዓይነት ሰብ ንኽረክብ ብዙሕ ሳዕ እምነ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ክረክብ ግና ኣይከኣልኩን” በለት።

ካትሪን ኣብቲ እትነብረሉ ኸባቢ ንዓመታት ድሕሪ ምስባኽ፡ ናብቲ ሰባት ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብዝያዳ ዚቕበሉሉ ቦታ ንኽትግዕዝ ክትሓስብ ጀመረት። ኰይኑ ግና፡ ትኽእሎ እንተ ዀይና ኣተሓሳሰባ። ሓደ እዋን ጥራይ እያ ኻብ ስድራ ቤታ ተፈልያ እትፈልጥ፡ ንሱ ድማ ንኽልተ ሰሙን ጥራይ እዩ ነይሩ፣ ኰይኑ ግና፡ መዓልታዊ ትናፍቖም ነበረት። ይኹን እምበር፡ ነቶም ንየሆዋ ዚደልይዎ ሰባት ብምሕጋዝ ንኽትሕጐስ ዝነበራ ልባዊ ባህጊ፡ ንናፍቖት ከም እትዋጽኣሉ ገበራ። ብዛዕባ ኽትከዶ እትኽእል ሓያሎ ቦታታት ምስ ሓሰበት ድማ፡ ናብቲ ኣብ ጓም ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ጸሓፈት፣ ዜድልያ ሓበሬታ ኸኣ ረኸበት። ኣብ ሓምለ 2007 ጓል 26 ዓመት ከላ፡ ናብታ ኻብቲ እትነብረሉ ሃገር 10,000 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ ፓሲፊክ ውቅያኖስ እትርከብ ደሴት ሳይፓን ገዓዘት። እሞኸ እንታይ ተመክሮ ረኸበት፧

ንኽልተ ጸሎት ዚኸውን መልሲ

ካትሪን ኣብታ ሓዳስ ጉባኤኣ ምስ በጽሐት ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ምስታ ኣብ መፋርቕ 40ታት ዕድሚኣ ዝነበረት ዶሪስ ተራኸበት፣ ዶሪስ ድማ ምስ ካትሪን መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ተሰማምዐት። ነተን ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ዚርከባ ሰለስተ ምዕራፍ ምስ ኣጽንዓ፡ ሓደ ጕዳይ ንካትሪን ኬተሓሳስባ ጀመረ። ከምዚ በለት፦ “ዶሪስ ንፍዕቲ ተመሃሪት ስለ ዝነበረት፡ ብገለ መገዲ ኸይጋገ ፈራህኩ። ቅድሚኡ ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መሪሐ ስለ ዘይፈልጥ፡ ንዶሪስ ዝያዳ ተመክሮ ዘለዋ፡ ምናልባት እውን መሰታኣ ዝዀነት ሓብቲ እተድልያ ዀይኑ ተሰምዓኒ።” በዚ ምኽንያት እዚ፡ ካትሪን ንየሆዋ፡ ንመጽናዕታ ጽቡቕ ገይራ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዓ እትኽእል ንፍዕቲ ሓብቲ ንኽትረክብ ምእንቲ ኺሕግዛ ብጸሎት ለመነቶ። ድሕሪኡ፡ ብዛዕባ እቲ ዝሓሰበቶ ለውጢ ንዶሪስ ክትነግራ ወሰነት።

ካትሪን ከምዚ በለት፦ “ገና ነቲ ጕዳይ ከየበገስክዎ ኸለኹ፡ ዶሪስ ብዛዕባ ሓደ ጸገም ከተዘራርበኒ ኸም እትደሊ ነገረትኒ። ነቲ ኽትነግረኒ ዝደለየት ጸገም ምስ ሰማዕክዎ፡ የሆዋ ንተመሳሳሊ ዅነታት ንኽጻወሮ ብኸመይ ከም ዝሓገዘኒ ሓበርኩዋ። ንሳ ድማ ኣመስገነትኒ።” ድሕሪኡ ዶሪስ ንካትሪን፡ “የሆዋ ብኣኺ ተጠቒሙ ሓጊዙኒ እዩ። ኣብታ ንመጀመርታ እዋን ናብ ቤተይ ዝመጻእክላ መዓልቲ፡ ንነዊሕ ሰዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢበ እየ። እናበኸኹ ድማ ንኣምላኽ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ንኽርድኦ ዚሕግዘኒ ሰብ ኪልእከለይ ለመንክዎ። ሽዑ ንስኺ ኣብ ገዛይ ኳሕኲሕኪ። የሆዋ ንጸሎተይ መሊስዎ እዩ” በለታ። ካትሪን ነዚ ዛንታ እዚ ኸተዘንቱ ኸላ፡ ኣዒንታ እዩ ቕጽርጽር ዚብላ። “ቃላት ዶሪስ፡ መልሲ ጸሎተይ እዩ ነይሩ። የሆዋ፡ ነቲ መጽናዕቲ ባዕለይ ክመርሖ ኸም ዝኽእል ኣርኣየኒ” ድማ በለት።

ዶሪስ ብ2010 ተጠምቀት፣ ሎሚ ኸኣ ሓያሎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሕ ኣላ። ካትሪን፡ “እቲ ንነዊሕ እዋን ዝነበረኒ፡ ንሓደ ሰብ ኣገልጋሊ የሆዋ ንኪኸውን ናይ ምሕጋዝ ባህገይ ስለ እተፈጸመ፡ ኣዝየ እየ ዘመስግን” በለት። ሎሚ ካትሪን ኣብታ ኮስራኤ እትብሃል ደሴት ፓሲፊክ፡ ፍልይቲ ፈላሚት ኰይና ተሓጒሳ ተገልግል ኣላ።

ንሰለስተ ብድሆታት ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ

ልዕሊ ሚእቲ ዚዀኑ ኻብ 19 ኽሳዕ 79 ዝዕድሚኦም ወጻእተኛታት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ኣብ ማይክሮነዥያ ኣብቲ ዝያዳ ሓገዝ ዜድልየሉ ኸባቢታት ኣገልጊሎም እዮም። እታ ብ2006 ጓል 19 ዓመት ከላ ናብ ጓም ዝገዓዘት ኤሪካ፡ ንስምዒት እቶም ቀናኣት ዓየይቲ ብዚግባእ ገሊጻቶ ኣላ። ከምዚ በለት፦ “ጽምኢ ሓቂ ዘለዎም ሰባት ኣብ ዚነብሩሉ ኽሊ ፈላሚ ዄንካ ምግልጋል፡ ኣዝዩ ዜሐጕስ እዩ። የሆዋ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ንኽጅምሮ ስለ ዝሓገዘኒ፡ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ። እዚ ዝበለጸ መገዲ ህይወት እዩ።” ሎሚ ኤሪካ ፍልይቲ ፈላሚት ኰይና ኣብታ ኣብ ደሴታት ማርሻል እትርከብ ኢባይ ተገልግል ኣላ። ሓቂ እዩ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ምግልጋል፡ ናቱ ብድሆታት ኣለዎ። ቀጺልና እስከ ብዛዕባ ሰለስተ ብድሆታትን እቶም ናብ ማይክሮነዥያ ዝገዓዙ ኣሕዋት ብኸመይ ከም ዚዋጽኡሉን ንርአ።

ኤሪካ

ኤሪካ

ናብራ። እቲ ወዲ 22 ዓመት ዝዀነ ሳይመን ብ2007 ኣብ ደሴት ፓላው ምስ በጽሐ፡ ካብቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከሎ ዚረኽቦ ዝነበረ ዚውሕድ ኣታዊ ኸም ዚረክብ ተገንዘበ። “ዝደለኽዎ ነገር ክዕድግ ከም ዘይክእል ክመሃር ነይሩኒ። ዝዕድጎ ምግቢ ብጥንቃቐ እየ ዝመርጽ፣ ብተመጣጣኒ ዋጋ ምእንቲ ኽዕድግ ድማ፡ ኣብ ብዙሕ ቦታታት እሓትት እየ። ገለ ነገር ኪስበረኒ ኸሎ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ ኣቕሓ ዓዲገ፡ ንኸዐርዮ ዚሕግዘኒ ሰብ አናዲ” በለ። ቀሊል ናብራ ምንባር ብኸመይ ጸልይዎ፧ ከምዚ በለ፦ “ኣብ ህይወት ብሓቂ ዜገድስ እንታይ ምዃኑን ብኸመይ ብሒደት ኣታዊ ኽናበር ከም ዝኽእልን ንኽመሃር ሓጊዙኒ እዩ። የሆዋ እውን ኣብ ሓያሎ ኣጋጣሚታት ተኸናኺኑኒ እዩ። ኣብተን ኣብዚ ዝጸናሕኩለን ሸውዓተ ዓመታት፡ ዝበልዖ ምግብን ዝድቅሰሉ ቦታን ስኢነ ኣይፈልጥን እየ።” ብሓቂ እምበኣር፡ የሆዋ ነቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ንምሃብ ኢሎም ቀሊል ናብራ ዚነብሩ ሰባት ይድግፎም እዩ።—ማቴ. 6:32, 33።

ናፍቖት። ኤሪካ፡ “ምስ ስድራ ቤተይ ኣዚና ስለ እንቀራረብ፡ ናፍቖት ንኣገልግሎተይ ብኣሉታዊ መገዲ ዚጸልዎ ዀይኑ ተሰሚዑኒ ነይሩ” በለት። እሞኸ ንገዛእ ርእሳ ንኸተዳሉ እንታይ ገይራ፧ ከምዚ በለት፦ “ቅድሚ ምግዓዘይ፡ ብዛዕባ ናፍቖት ዚገልጽ ዓንቀጻት ግምቢ ዘብዐኛ ኣንበብኩ። እዚ ኸኣ ነቲ ብድሆ ምእንቲ ኽዋጽኣሉ፡ ንልበይ ኣዳልይዎ እዩ። ኣብ ሓንቲ ዓንቀጽ፡ ሓንቲ ኣደ ንጓላ፡ የሆዋ ኸም ዚኣልያ ኽትገልጸላ ኸላ፡ ‘ካባይ ንላዕሊ፡ የሆዋ ኺከናኸነኪ እዩ’ ኢላ ኣጸናንዓታ። እዚ ኸኣ ብሓቂ ኣበራቲዑኒ እዩ።” ሃናን ፓትሪክን ዚብሃሉ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ኣብታ ኣብ ደሴታት ማርሻል እትርከብ ማጁሮ ኣገልጊሎም እዮም። ሃና ኣብቶም ኣብ ጉባኤኣ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ብምትኳር እያ ንናፍቖታ ኽትዋጽኣሉ እትጽዕር። ከምዚ በለት፦ “የሆዋ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ስለ ዝሃበና፡ ወትሩ እየ ዘመስግኖ፣ ንሳቶም እውን እንተ ዀኑ ስድራ ቤትና እዮም። ብዘይ ፍቕራዊ ደገፎም ድማ፡ ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታ ኸገልግል ኣይምኸኣልኩን ነይረ።”

ሳይመን

ሳይመን

ዕርክነት። ሳይመን፡ “ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዘይትፈልጦ ሓድሽ ሃገር ምስ መጻእካ፡ ኵሉ ነገር እተፈልየ እዩ ዚዀነካ። ሓድሓደ ሳዕ፡ ነቲ ዝዛረቦ ዋዛ ምሉእ ብምሉእ ዚርድኦ ሰብ ክረክብ እህንጠ እየ” በለ። ኤሪካ እውን፡ “ኣብ መጀመርታ፡ ንበይነይ እተገለልኩ ዀይኑ እኳ እንተ ተሰምዓኒ፡ ንምንታይ ከም ዝገዓዝኩ ንኽሓስብ ግና ሓጊዙኒ እዩ። ንውልቃዊ ጥቕመይ ኢለ ዘይኰንኩስ፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ንኸገልግሎ ኢለ እየ መጺአ” በለት። ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ “ድሕሪ ግዜ፡ ኣዝየ ዘኽብሮ ባህ ዜብል ምሕዝነት ክምስርት ከኣልኩ” በለት። ሳይመን፡ ፓላውኛ ንኺዛረብ ኣበርቲዑ ጸዓረ፣ እዚ ኸኣ፡ ነቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ‘ልቡ ንኼርሑ’ ሓገዞ። (2 ቈረ. 6:13) ነቲ ቛንቋ ንኺመልኮ ዚገብሮ ዝነበረ ጻዕሪ፡ በቶም ኣሕዋት ከም ዚፍቶ ገበሮ። እወ፡ ኣጋይሽን ደቂ ዓድን ብሓባር ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ኪዓይዩ ኸለዉ፡ ኣብ መንጎኦም ድልዱል ምሕዝነት ስለ ዚምስርቱ፡ ሕጉሳት እዮም ዚዀኑ። እቶም ናብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታታት ከይዶም ብምግልጋል ፈትዮም ዚመጹ ሰባት፡ እንታይ ካልእ ዓስቢ እዮም ዚረኽቡ፧

‘ብበረኸት ዕጸድ’

ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “እቲ ብበረኸት ዚዘርእ . . . ብበረኸት ይዓጽድ” በለ። (2 ቈረ. 9:6) እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ኣብቶም ንኣገልግሎቶም ዜስፍሑ ኣሕዋትን ኣሓትን እውን ትውዕል እያ። እሞኸ እቶም ኣብ ማይክሮነዥያ ዘለዉ እንታይ ‘በረኸት ይዓጽዱ’ ኣለዉ፧

ፓትሪክን ሃናን

ፓትሪክን ሃናን

ኣብ ማይክሮነዥያ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምርን እቶም ንሓቅታት ቃል ኣምላኽ ተማሂሮም ዚትግብርዎ ውልቀ ሰባት ብኸመይ መንፈሳዊ ዕቤት ከም ዚገብሩ ንኽትርእን ዜኽእል ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣሎ። ፓትሪክን ሃናን ኣብታ 320 ተቐማጦ ዘለውዋ ንእሽቶ ደሴት ኣንጋውር እውን ኣገልጊሎም እዮም። ኣብኡ ንኽልተ ወርሒ ምስ ሰበኹ፡ ምስ ሓንቲ ንጽል ኣደ ተራኸቡ። እታ ኣደ ብኡብኡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ተሰማምዐት፣ ንሓቂ ብህንጥዮት ስለ እተቐበለታ ድማ፡ ኣብ ህይወታ ዓብዪ ለውጢ ገበረት። ሃና ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “ደድሕሪ ነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ፡ ካብ ቤታ ብብሽክለታ ኽንከይድ ከለና፡ ንሓድሕድና ንጠማመት እሞ፡ ‘የሆዋ ነመስግነካ’ ንብል” በለት። ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ “የሆዋ ነታ ሰበይቲ ብኻልእ መገዲ ገይሩ እውን ናብኡ ኺስሕባ ኸም ዚኽእል እፈልጥ እየ፣ ኰይኑ ግና፡ ነዛ በጊዕ የሆዋ እዚኣ ኽንረኽባን ንየሆዋ ንኽትፈልጦ ኽንሕግዛን ዝኸኣልና፡ ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታ ስለ እነገልግል ኢና። እዚ ኣብ ህይወትና ኣዝዩ ዜሐጕሰና ተመክሮ እዩ” በለት። ከምቲ ኤሪካ ዝገለጸቶ፡ “ንሓደ ሰብ ንየሆዋ ኺፈልጦ ኽትሕግዞ ኸለኻ፡ ብቓላት ኪግለጽ ዘይክእል ሓጐስ ኢኻ እትረክብ።”

ንስኻኸ ኽትካፈል ትኽእልዶ፧

ኣብ ብዙሓት ሃገራት፡ ዝያዳ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ የድልዩ እዮም። እሞኸ ንስኻ ሓደ ኻባታቶም ክትከውን ትኽእልዶ፧ ነቲ ንኣገልግሎትካ ንኸተስፍሕ ዘሎካ ባህጊ ምእንቲ ኼደልድሎ፡ ንየሆዋ ብጸሎት ለምኖ። ነዚ ጕዳይ እዚ ምስ ሽማግለታት ጉባኤኻ፡ ምስ ሓላው ወረዳኻ፡ ወይ ከኣ ምስቶም ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታታት ናይ ምግልጋል ፍሉይ መሰል ዝረኸቡ ሰባት ተዘራረበሉ። መደባትካ ቕርጺ ምስ ሓዘ፡ ናብቲ ኼድካ ኸተገልግለሉ እትደሊ ኽሊ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ጽሓፍ፣ ዝያዳ ሓበሬታ ድማ ሕተት።a ምናልባት ንስኻ እውን ነቶም ዓበይትን ንኣሽቱን ንጽልን ምርዑዋትን ዜጠቓልሉ፡ ፈትዮም ዝመጹን ‘ብበረኸት ብምዕጻድ’ ዚሕጐሱ ዘለዉን ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ክትሓብሮም ትኽእል ትኸውን።

a ነታ ኣብ ናይ ነሓሰ 2011 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝወጸት፡ “‘ናብ መቄዶንያ ኽትሓልፍ’ ትኽእልዶ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

ብኸመይ ከም እተሰልጥን

እቶም ናብ ወጻኢ ሃገራት ዚግዕዙ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ንመጓሰ ኣምላኽ ብምክንኻን ዝመጸ ናይ ብዙሕ ዓመት ተመክሮ ዘለዎም ክርስትያን ሽማግለታት ዜጠቓልሉ እዮም። እዞም ኣሕዋት እዚኦም ኣብ ጉባኤታት ኬሰልጥኑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

ሪቻርድን ጆኤልን

ሪቻርድን ጆኤልን

ወዲ 65 ዓመት ዝዀነ ሪቻርድ፡ ብ2010 እዩ ኻብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ናብ ጓም ግዒዙ። ሓደ ኻብቲ ስልጠና እትህበሉ ኣገዳሲ መዳይ፡ ካብ ልቢ ምንኣድ ምዃኑ ድማ ገለጸ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ንኻልኦት ከተሰልጥነሉ እትኽእል ጽቡቕ መገዲ፡ ምሳታቶም ኣብ ወፍሪ ኣገልግሎት ምዕያይ እዩ። እቶም ኣሕዋት፡ ብዛዕባ የሆዋ ብኸመይ ከም እትምህር ኪርእዩን ኪሰምዑን ይኽእሉ እዮም። ኣብ ርእሲኡ ኸኣ፡ ብሓባር ኴንካ ምዕያይ፡ ኣብ ፍቕርን ሓድነትን እተመስረተ ርክብ ንኽትምስርት ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ” በለ።

ባይራንን ግሬግን

ባይራንን ግሬግን

ወዲ 60 ዓመት ዝዀነ ግሬግ፡ ካብ 2010 ኣትሒዙ ኣብ ሳይፓን እዩ ዚነብር። ንሱ፡ “እቶም ናብዚ ዝገዓዙ ሽማግለታት፡ ነቶም ደቂ ዓዲ ዝዀኑ ኣሕዋት ብደረጃ ውልቀ ሰብ እዮም ትዅረት ዚገብሩሎም። ምስቶም ደቂ ዓዲ ዝዀኑ ኣሕዋት ድማ፡ ድልዱል ምሕዝነት ክንምስርት ክኢልና ኢና፣ ኣብ መንጎና ኸኣ ምትእምማንን ኣኽብሮትን ኣሎ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ስልጠና ልክዕ ከምቲ ናብ ሓደ ሸነኽ ጥራይ ዚወስድ ጐደና ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ንሕና እውን ካብቶም ኣብዚ ዓዲ ዚነብሩ ኣሕዋት እንመሃሮ ብዙሕ ነገራት ኣሎ” በለ።

ማይክን ኣሊስን

ማይክን ኣሊስን

ወዲ 60 ዓመት ዝዀነ ማይክን ኣሊስ ሰበይቱን፡ ኣብ ከባቢ ፓሲፊክ ንልዕሊ 20 ዓመት ኣገልጊሎም እዮም። እሞኸ ማይክ ንኻልኦት ብኸመይ እዩ ዜሰልጥኖም፧ ከምዚ በለ፦ “ነቲ ኻብ ውድብ የሆዋ ዚመጽእ መምርሒ ብምስዓብ፡ ጽቡቕ ኣብነት ክዀኖም እፍትን እየ። ነቶም ዘሰልጥኖም እውን፡ መምርሒ ምስዓብ ንዘለዎ ኣገዳስነት ከረድኦም እጽዕር እየ። ነቲ ዝብሎ ንኽትግብሮን ዓቕሊ ንኽገብርን ንኻልኦት ንኽንእድን ከኣ ዝከኣለኒ እየ ዝገብር” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ናብ ካልእ ቦታ እንተ ግዒዝካ፡ ሓደ ነገር መብዛሕትኡ እዋን ብእተፈላለየ መገዲ ኺስራሕ ከም ዚኽእል ዘክር” በለ።

እቶም ኣብ ማይክሮነዥያ ዝዓበዩኸ ብዛዕባ እቲ ዚረኽብዎ ዘለዉ ስልጠና እንታይ ይስምዖም፧ እቲ ኣብ ጓም ዚነብር ወዲ 21 ዓመት ዝዀነ ጆኤል፡ “ሽማግለታት ሓላፍነት ብምሃብ፡ ብኣይ ከም ዚተኣማመኑ የርእዩ እዮም። እዚ ኸኣ፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ገለ ኽቡር ነገር ክገብር ከም ዝኽእል ንኽግንዘብ ሓጊዙኒ እዩ” በለ። ኣብ ሳይፓን ዚነብር ወዲ 31 ዓመት ዝዀነ ባይራን፡ “ሽማግለታት ኣብ ኣገልግሎት ዘለዎም ቅንኣትን ንኣባጊዕ ዘለዎም ፍቕርን፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ሃብቲ፡ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ንኸተኵር ሓጊዙኒ እዩ” በለ። ወሲኹ እውን፡ “እዞም ምኩራት ኣሕዋት እዚኦም ኣብ መንጎና ብምህላዎም ተባሪኽና ኢና” በለ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ