መዝሙር 45
ንሰጕም!
1. ንሰጕም፡ ንሰጕም ናብ ብስለት ገጽና!
ክእለት ከነጥሪ እዩ ፍቓድ ኣምላኽና፣
ሃየ ኣመሓይሽ ኣገልግሎትካ፡
ኪባረኽ’ዩ ዕዮኻ።
’ዚ ዕዮ ኽፉት’ዩ ንዅሉ፡
ፈሊምዎ ክርስቶስ ባዕሉ፣
ኣብ ኣምላኽ ተጸጋዕ ክትሕዝ ንሓቂ፡
ንኽትጸንዕ ኣብ ጽድቂ።
2. ንሰጕም፡ ንሰጕም፡ ንስበኽ ብትብዓት!
ንዅሉ ሰብ ንስበኽ ናይ ዘልኣለም ብስራት፣
ንወድሶ ንያህ፡ ንሱ’ዩ ኣምላኽ፡
ኣብ በቤት ሃየ ንስበኽ።
ኬፍርሁ ይጽዕሩ እኩያት፡
ንሕና ግን ነፍልጦም ንሰባት፣
ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ነበስር፡
ንሰባት ሓቂ ንንገር።
3. ንሰጕም፡ ንሰጕም፡ ንዕየ ተጊህና፡
ክእለትና ነማዕብል ገና ብዙሕ ኣሎና፣
ብመንፈስ ኣምላኽናውን ንመላለስ፡
ንርከብ ልባዊ ሓጐስ።
ንሰባት ካብ ልቢ ኣፍቅሮም፡
ከይተሓለልካውን ብጽሓዮም፣
ሓግዞም ቀጻሊ መታን ኪዓብዩ፡
ብርሃን ሓቂ ኺርእዩ።