መዝሙር 51
ናብ የሆዋ ንለግብ
(እያሱ 23:8)
1. ኣምላኽና የሆዋ ብንጹር ኣመስኪሩ፡
ፍትሓዊ ምዃኑ ብዘሎ ’ቲ ተግባሩ፣
ቃሉ እሙን እዩ፡ ዘይወድቕ ኣብ ባይታ፡
ንለግብ ናብ ኣምላኽ ክሳዕ መወዳእታ፡
ተገዛእቱ ምዃን የምጽእ እፎይታ።
2. ኣብ ሓቅን ፍትሕን’ዩ ዝፋኑ ተነቢሩ፡
ክብሩውን ይመልኦ፡ ነቲ ቕዱስ ማሕደሩ፣
ናብኡ’ዮም ዚውሕዙ ናይ ምድሪ ትሑታት፡
ናብኡ’ና ንለግብ፡ ናብቲ ወሃብ ህይወት፡
ክንህቦ ይግባእ ኣምልኾ፡ ኣኽብሮት።
3. ኪሕዞ ኣይክእልን እዚ ዅሉ ሰማያት፡
የብሉን ዚዓግቶ፡ ዜሸግሮ ዕንቅፋት፣
ኪፍጽሞ እዩ መብጽዓኡ ዅሉ፡
ናብኡ’ና ንለግብ ንእዘዝ ንቓሉ፡
ኵሉ ሳዕ ንጽዕር ቃልና ንኽንሕሉ።
(ዘዳ. 4:4፣ 30:20፣ 2 ነገ. 18:6፣ መዝ. 89:14 እውን ርአ።)