ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w15 1/10 ገጽ 9
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ብዘመን ንጉስ ሄሮድስ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ብመዓልቲ ልደት እተገብረ ቕትለት
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • “ቃል የሆዋ ድማ እናዓበየን እናተዘርግሐን ከደ”
    ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • ብኰዀብ እተመርሑ ሰባት
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
w15 1/10 ገጽ 9

ትፈልጥዶ፧

ሄሮድስ ነታ ቤተ መቕደስ የሩሳሌም ዳግም ኪሃንጻ ኸሎ እንታይ ብድሆታት እዩ ኣጋጢምዎ፧

ሰሎሞን ንቤተ መቕደስ የሩሳሌም ኣብ ኵድዅዶ እዩ ሃኒጽዋ፣ ኣብ ዙርያ እታ ቕድስቲ ህንጻ መደያይቦ ንምስራሕ ከኣ ብሸነኽ ምብራቕን ምዕራብን እቲ ዅድዅዶ ነዚ መደያይቦ እዚ ዚድግፍ መናድቕ ሃነጸ። ሄሮድስ፡ ካብታ ሰሎሞን ዝሃነጻ እትበልጽ ቤተ መቕደስ ኪሃንጽ ደለየ፣ ስለዚ ድማ ሓድሽ ንድፊ ኼውጽእን ንዓቐን እታ ዝነበረት ቤተ መቕደስ ኬግፍሖን ጀመረ።

ብሓደ ስነ ጥበበኛ እተሳእለት ቤተ መቕደስን ብዙርያኣ ዝነበረ መንደቕን

መሃንድሳት ሄሮድስ ነቲ መደያይቦታት ዝያዳ ኸም ዚዝርጋሕ ንምግባር፡ ብሸነኽ ሰሜን እታ ቤተ መቕደስ ንዝነበረ ጐልጐል ኣስፍሕዎ። ነቲ ብሸነኽ ደቡብ ዝነበረ ጐልጐል ድማ 32 ሜተር ወሰኹሉ። ነዚ ንምፍጻም፡ ብእምኒ እተሰርሐ ቐስታዊ ቕርጺ ዘለዎ ተኸታታሊ ሰንቀን ረጒድ ደጋፊ መንደቕን ተሃንጸ። ገሊኡ ኽፋል እዚ መንደቕ እዚ ኸኣ 50 ሜተር ዚኸውን ብራኸ ነበሮ።

ሄሮድስ፡ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዚቐርብ ዝነበረ ኣገልግሎትን መስዋእትታትን ከይተዓናቐፍ መሰናድዎ ብምግባር ንኣይሁዳውያን ከየቘጥዖም ጻዕርታት ገበረ። ሄሮድስ ብጀካ ኻህናት ካልኦት ሰባት ናብቲ ቕዱስ ቦታታት ምእንቲ ኸይኣትዉ፡ ወቐርቲ እምንን ጸረብትን ኰይኖም ዜገልግሉ ኣይሁዳውያን ካህናት ከም ዘሰልጠነ፡ ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ጆሰፈስ ጸሓፈ።

ሄሮድስ፡ እቲ ዝጀመሮ ፕሮጀክት ቅድሚ ምዝዛሙ ሞተ። ብ30 ድ.ክ.፡ እቲ ዳግመ ህንጸት ካብ ዚጅመር 46 ዓመት ሓሊፉ ነበረ። (ዮሃንስ 2:20) እቲ ዕዮ በቲ ወዲ ወዱ ንሄሮድስ ዝወለዶ ዳግማይ ኣግሪጳ፡ ኣብ መፋርቕ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ተዛዘመ።

ሰብ ማልታ ንሃዋርያ ጳውሎስ ከም ቀታሊ ገይሮም ዝረኣይዎ ስለምንታይ እዮም፧

ኣንስተይቲ ኣምላኽ ፍትሒ ንኣንስተይቲ ኣምላኽ ዘይፍትሓውነት ክትወቕዓ ኸላ

ኣንስተይቲ ኣምላኽ ፍትሒ (ጸጋም) ንኣንስተይቲ ኣምላኽ ዘይፍትሓውነት ክትወቕዓ ኸላ

ገሊኦም ሰብ ማልታ፡ በቲ ኣብ ሃይማኖት ግሪኽ ዝነበረ ኣረኣእያ ተጸልዮም ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ተመዝጊቡ ዚርከብ፡ እታ ጳውሎስ ዝነበራ መርከብ ኣብ ማልታ ተሰብረት፣ ድሕሪዚ እንታይ ከም ዘጋጠመ እሞ ርአ። ጳውሎስ ንመሞቚ እቶም መርከብ እተሰብረቶም መጓዕዝቱ ተባሂሉ ኣብ እተዳለወ ሓዊ ቐሸም ኬእቱ ኸሎ፡ ኣፍዑት ኣብ ኢዱ ተጣበቐ። ተቐማጦ እታ ደሴት ነዚ ምስ ረኣዩ፡ “እዚ ሰብ እዚ ብርግጽ ቀታሊ እዩ፣ ካብ ባሕሪ እኳ እንተ ደሓነ፡ ፍትሒ ግና ብህይወት ኪነብር ኣይሓደገቶን” በሉ።—ግብሪ ሃዋርያት 28:4።

ኣብዚ እታ “ፍትሒ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ዲከ” እያ። እዛ ቓል እዚኣ፡ ብተዘዋዋሪ መገዲ ንባህርይ ከተመልክት ትኽእል እያ። እንተዀነ ግና ኣብ ያታ ግሪኽ ዲከ ስም ናይታ ኣንስተይቲ ኣምላኽ ፍትሒ እዩ ነይሩ። ንሳ ንዅሉ ጕዳያት ደቂ ሰብ ከም እትከታተሎ፡ ገለ ብሕቡእ እተፈጸመ ዘይፍትሓዊ ተግባራት እንተ ኣልዩ ድማ እቲ ገበነኛ ምእንቲ ኪቕጻዕ ነቲ ዙስ ዚብሃል ኣምላኽ ግሪኽ ከም እትነግሮ ጌርካ እዩ ዚሕሰብ ነይሩ። ከምቲ ሓደ መወከሲ ዝገለጾ፡ ተቐማጦ ማልታ “ጳውሎስ ካብ ባሕሪ እኳ እንተ ደሓነ፡ ሕጂ ግና ዝፈጸሞ ገበን ስለ ዘለዎ እዩ ኣንስተይቲ ኣምላኽ ዲከ በዚ ኣፍዑት ገይራ ትቐጽዖ ዘላ” ብምባል ይሓስቡ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ጳውሎስ ምንም ከም ዘይተጐድአ ምስ ረኣዩ ግና ኣተሓሳስባኦም ቀየሩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ