-
ዳግማይ ልደት ናብ ድሕነት ዚመርሕ መገዲ ድዩ፧ግምቢ ዘብዐኛ—2009 | 1 ሚያዝያ
-
-
ዳግማይ ልደት ናብ ድሕነት ዚመርሕ መገዲ ድዩ፧
“ዳግማይ ተወሊድካ ዲኻ፧” ንዚብል ሕቶ እንታይ ምላሽ ምሃብካ። ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኣመንቲ፡ “እወ!” ኢሎም እዮም ዚምልሱ። ኵሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዳግማይ ኪውለዱ ኸም ዘለዎምን ናብ ድሕነት ዚመርሕ ሓደ መገዲ እዚ ጥራይ ምዃኑን ይኣምኑ። ከምቲ፡ “ሓደ ሰብ ዳግማይ እንተ ዘይተወሊዱ፡ . . . ክርስትያን ኣይኰነን” ኢሉ እተዛረበ ሮበርት ቻርለስ ስፕራውል ዚበሃል ስነ-ሃይማኖተኛ ዘለዎ ዓይነት ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም።
ሓደ ኻብቶም ዳግማይ ልደት ናብ ድሕነት ዚመርሕ መገዲ ኸም ዝዀነ ዚኣምኑ ሰባት ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ዄንካ፡ ኣዝማድካን ፈተውትኻን ነታ መገዲ ኺረኽብዋን ብእኣ ምምልላስ ኪጅምሩን ከም እትደሊ ኣየጠራጥርን እዩ። ንሳቶም ከምኡ ንኺገብሩ ግን፡ ኣብ መንጎ እቲ ዳግማይ እተወልደን ዘይተወልደን ሰብ ዘሎ ፍልልይ ኪርድኡ ኣለዎም። ዳግማይ ልደት እንታይ ማለት ምዃኑ ብኸመይ ክትገልጸሎም ትኽእል፧
ብዙሓት ሰባት፡ እታ “ዳግማይ ልደት” እትብል መግለጺት፡ ንኣምላኽን ንክርስቶስን ኬገልግል መብጽዓ ንዝኣተወ እሞ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ካብቲ ብመንፈስ ምዉት ዝነበረሉ ዅነታት፡ ብመንፈስ ህያው ንዝዀነ ሰብ ከም እተመልክት ይኣምኑ። ሓደ መዝገበ-ቓላት እሞ ኸኣ፡ ዳግማይ እተወልደ ውልቀ-ሰብ፡ “ብፍላይ ድሕሪ ጽዑቕ ሃይማኖታዊ ተመክሮ፡ እምነት ዘሐደሰ ወይ ኪዳን ዘጽንዐ ክርስትያን” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ።—መሪያም-ወብስተርስ ኮልጀይት ዲክሽነሪ—ኢለቨንዝ ኢድሽን
መጽሓፍ ቅዱስ ምስዚ መብርሂ እዚ ኸም ዘይሰማማዕ ትፈልጥዶ፧ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ዳግማይ ልደት ብሓቂ እንታይ ከም ዚምህር ክትፈልጥ ትደሊዶ፧ ንዳግማይ ልደት ብልክዕ ምርዳእካ ንህይወትካን ንትጽቢታትካን ኪጸልዎ ስለ ዚኽእል፡ ነዚ ጕዳይ እዚ ብደቂቕ ምምርማርካ ብርግጽ ኪጠቕመካ እዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ ዚምህር፧
ንዳግማይ ልደት ዚምልከት ሓሳብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከበሉ ሓደ ቦታ፡ ኣብ ዮሃንስ 3:1-12 እዩ፣ ኣብኡ ኸኣ ኣብ መንጎ የሱስን ሓደ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ መራሒ ሃይማኖትን ኣገዳሲ ዝርርብ ከም እተገብረ ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻብ ብምሉኡ፡ ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ሳጹን ተጠቒሱ ኣሎ። ተጠንቂቕካ ኸተንብቦ ንዕድመካ።
ኣብቲ ጸብጻብ እቲ፡ የሱስ ንእተፈላለየ መዳያት “ሓድሽ ልደት” ኣጕሊሑ ኣሎ።a ካብቲ ምይይጡ ድማ ነዚ ዚስዕብ ሓሙሽተ ኣገዳሲ ሕቶታት ክንምልስ ንኽእል ኢና፦
◼ ሓድሽ ልደት ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧
◼ ሓድሽ ልደት ንምርካብ ባዕልና ኽንውስን ንኽእል ዲና፧
◼ ዕላማኡ እንታይ እዩ፧
◼ ሓደ ሰብ ዳግማይ ዚውለድ ብኸመይ እዩ፧
◼ እንታይ ለውጢ እዩ ዜምጽእ፧
ሕቶታት እዚ በብሓደ ንመርምሮ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a እታ “ሓድሽ ልደት” እትብል ስያመ ኣብ 1 ጴጥሮስ 1:3, 23 ትርከብ። (ትርጕም 1990) “ንዳግማይ ልደት” እተመልክት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ካልእ ስያመ እያ። ምንጪ ኽልቲአን ስያመታት፡ ገናኦ እትብል ናይ ግሪኽኛ ግሲ እያ።
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
“ካልኣይ ክትውለዱ ብግዲ እዩ”
“ካብቶም ፈሪሳውያን ኒቆዲሞስ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ሓለቓ ኣይሁድ ነበረ። ንሱ ብለይቲ ናብ የሱስ መጺኡ፤ ረቢ፡ ብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝዀነ ሰብ፡ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ንስኻ መምህር ኴንካ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ፡ ንፈልጥ አሎና፡ በሎ። የሱስ ድማ፤ ካብ ላዕሊ [“ካልኣይ ጊዜ፡” ትርጕም 1990] እንተ ዘይተወልደ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከም ዜልቦ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ። ኒቆዲሞስ ከኣ፤ ንሰብከ ምስ አረገ፡ ኪውለድ ከመይ ኢሉ ይከአሎ፧ መሊሱ ናብ ከርሲ ኣዲኡ አትዩስ ኪውለድዶ ይከአሎ እዩ፧ በሎ። የሱስ መለሰ፤ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ካብ ማይን ካብ መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪአቱ ዚኽእል የልቦን። ካብ ስጋ እተወልደ ስጋ እዩ፡ ካብ መንፈስ እተወልደ ኸኣ መንፈስ እዩ። ካብ ላዕሊ [“ካልኣይ፡” ትርጕም 1990] ኽትውለዱ ብግዲ እዩ ስለ ዝበልኩኻ፡ ኣይትገረም። ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ፡ ደሃዩ ኸኣ ትሰምዕ፡ ካበይ ከም ዚመጽእ ናበይውን ከም ዚኸይድ ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ። እቲ ኻብ መንፈስ እተወልደ ዘበለ ድማ ከምኡ እዩ። ኒቆዲሞስ ከኣ፤ እዚ ደኣ ኸመይ ኢሉ ኪኸውን ይከአል፧ ኢሉ መለሰሉ። የሱስ ድማ መሊሱ በሎ፤ ንስኻ መምህር እስራኤል ኢኻ፡ እዚዶ ኣይትፈልጥን፧ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ እንፈልጦ ንዛረብ፡ ዝርኤናዮውን ንምስክር አሎና፡ ነቲ ምስክርና ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም። ናይ ምድሪ ነገር ነጊረኩም ካብ ዘይትአምኑስ፡ ናይ ሰማይ ነገር እንተ ነገርኩኹም ግዳ፡ ከመይ ጌርኩም ክትአምኑ፧”—ዮሃንስ 3:1-12።
-
-
ሓድሽ ልደት ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧ግምቢ ዘብዐኛ—2009 | 1 ሚያዝያ
-
-
ሓድሽ ልደት ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧
የሱስ ኣብቲ ምስ ኒቆዲሞስ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ሓድሽ ልደት ምርካብ ወይ ዳግማይ ክትውለድ ምኽኣል ዓብዪ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ኣጕልሐ። ነዚ ብኸመይ እዩ ንጹር ገይርዎ፧
የሱስ ኣብቲ ምስ ኒቆዲሞስ ዝገበሮ ምይይጥ፡ ንኣገዳስነት ሓድሽ ልደት ኬጕልሕ ከሎ እንታይ ከም ዝበለ ኣስተብህል፦ “ሰብ ካልኣይ ጊዜ እንተ ዘይተወልደ፥ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ኪርእያ ከቶ ከም ዘይክእል፥ ብሓቂ፥ ብሓቂ፥ እብለካ ኣሎኹ።” (ዮሃንስ 3:3 ትርጕም 1990) እተን “እንተ” ኸምኡውን “ዘይክእል” ዚብላ ቓላት፡ ኣድላይነት ሓድሽ ልደት የጕልሓ። ነዚ ብምሳሌ ንምርዳእ፦ ሓደ ሰብ፡ “ጸሓይ እንተ ዘይበሪቓ፡ ኪወግሕ ከም ዘይክእል እተረጋገጸ እዩ” ኢሉ እንተ ተዛሪቡ፡ ጸሓይ ንወጋሕታ ግድን ከም እተድሊ እዩ ዚዛረብ ዘሎ። ብተመሳሳሊ፡ የሱስ ንመንግስቲ ኣምላኽ ንምርኣይ፡ ግድን ዳግማይ ክትውለድ ከም ዜድሊ እዩ ገሊጹ።
ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ንዝዀነ ይኹን ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ዚለዓል ጥርጣረታት ንምውጋድ፡ “ካልኣይ ክትውለዱ ብግዲ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 3:7 ትርጕም 1990) እምበኣር፡ ሓደ ሰብ “ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪአቱ” እንተ ዀይኑ፡ ዳግማይ ኪውለድ ከም ዜድልዮ፡ የሱስ ንጹር ገይርዎ እዩ።—ዮሃንስ 3:5።
የሱስ ንሓድሽ ልደት ዓብዪ ኣገዳስነት ዘለዎ ጕዳይ ገይሩ ስለ ዝረኣዮ፡ ክርስትያናት ነዚ ጕዳይ እዚ ብልክዕ ኪርድእዎ ኣለዎም። ንኣብነት፡ ሓደ ክርስትያን ዳግማይ ንኺውለድ ኪመርጽ ይኽእል ድዩ፧
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“ጸሓይ እንተ ዘይበሪቓ፡ ኪወግሕ ከም ዘይክእል እተረጋገጸ እዩ”
-
-
ሓድሽ ልደት ብብሕቲ ዚግበር ውሳነ ድዩ፧ግምቢ ዘብዐኛ—2009 | 1 ሚያዝያ
-
-
ሓድሽ ልደት ብብሕቲ ዚግበር ውሳነ ድዩ፧
ንሰብ ሓድሽ ልደት ከም ዚረክብ ዚገብሮ መን እዩ፧ ገሊኦም ሰበኽቲ ንሰማዕቶም፡ ዳግማይ እተወልዱ ክርስትያናት ኪዀኑ ኺምሕጸንዎም ከለዉ፡ “ካልኣይ ክትውለዱ ብግዲ እዩ” ዚብል ቃላት የሱስ ይጠቕሱ። (ዮሃንስ 3:7 ትርጕም 1990) እዞም ሰበኽቲ እዚኣቶም፡ ነዘን ቃላት እዚኣተን ከም ትእዛዝ ገይሮም ይጥቀሙለን እዮም፣ ብኻልእ ኣበሃህላ “ዳግማይ ተወለዱ!” ኢሎም ይዛረቡ እዮም። ስለዚ፡ ነቲ የሱስ ዝሃቦ ትእዛዝ ምሕላውን ሓድሽ ልደት ንምርካብ ዜድሊ ስጕምትታት ምውሳድን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ዚምርኰስ ምዃኑ ይሰብኩ። ብመሰረት እዚ ኣተሓሳስባ እዚ፡ ሓድሽ ልደት ብብሕትኻ እትገብሮ ምርጫ እዩ። እዚ ግን ምስቲ የሱስ ንኒቆዶሞስ ዝነገሮ ነገር ዚሰማማዕ ድዩ፧
ቃላት የሱስ ተጠንቂቕና ምስ እነንብቦ፡ ሓደ ሰብ ዳግማይ ኪወለድ ወይ ከይውለድ ባዕሉ ኺመርጽ ከም ዘይክእል ይሕብረና። ከመይ ጌርና ኸምኡ ኽንብል ንኽእል፧ እታ፡ “ካልኣይ ጊዜ እንተ ዘይተወልደ” ኢላ እተተርጐመት ናይ ግሪኽኛ መግለጺት፡ “ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተወልደ” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ።a ስለዚ፡ ብመሰረት እዚ ኣተራጕማ እዚ፡ እቲ ሓድሽ ልደት “ካብ ላዕሊ፡” ማለት ካብ ሰማይ ወይ ‘ካብ ኣቦ’ እዩ ዚርከብ። (ዮሃንስ 19:11፣ ያእቆብ 1:17) እወ፡ ኣምላኽ እዩ ኻልኣይ ከም እትውለድ ዚገብር።—1 ዮሃንስ 3:9።
ነታ፡ “ካብ ላዕሊ” እትብል መግለጺት ኣብ ኣእምሮና እንተ ሒዝና፡ ሓደ ሰብ ባዕሉ ሓድሽ ልደት ኪረክብ ዘይክእለሉ ምኽንያት ንኽንርድኦ ኣይከብደናን እዩ። ብዛዕባ ስጋዊ ልደት እሞ ሕሰብ። ብምርጫኻ ዲኻ ተወሊድካ፧ ኣይኰነን! ሳላ ኣቦኻ ኢኻ ኽትውለድ ክኢልካ። ብተመሳሳሊ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ ኣምላኽ ሓድሽ ልደት ከም እንረክብ እንተ ዘይገይሩ፡ ዳግማይ ክንውለድ ኣይንኽእልን ኢና። (ዮሃንስ 1:13) ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ብብዝኂ ምሕረቱ ብሓድሽ ልደት ውሉድ ዝገበረና ኣምላኽ፥ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይመስገን” ኪብል እምበኣር ሓቁ እዩ።—1 ጴጥሮስ 1:3 ትርጕም 1990።
ትእዛዝ ድዩ፧
ገሊኦም ሰባት ግን፡ ‘ሓደ ሰብ ዳግማይ ንኺውለድ ባዕሉ ኺውስን ዘይክእል እንተ ዀይኑ፡ ስለምንታይ ደኣ እዩ የሱስ፡ “ካልኣይ ክትውለዱ ብግዲ እዩ” ዝበለ፧’ ኢሎም ይሓቱ ይዀኑ። እዚኣ ጽብቕቲ ሕቶ እያ። ቃላት የሱስ ትእዛዝ እንተ ዀይኑ፡ ካብ ቍጽጽርና ወጻኢ ዝዀነ ነገር ክንገብር ኣዚዙና ማለት ምዀነ። እዚ ርትዓዊ ኣይመስልን እዩ። ነተን፡ “ካልኣይ ክትውለዱ ብግዲ እዩ” ዚብላ ቓላት ደኣ እሞ ብኸመይ ኢና ኽንርድአን ዘሎና፧
ነታ ሓረግ በቲ በዅሪ እተጻሕፈትሉ ቛንቋ ተጠንቂቕና ምስ እንምርምራ፡ ብመልክዕ ትእዛዝ ከም ዘይተዘርበት ክንርኢ ንኽእል ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብመልክዕ መግለጺ እያ ተዘሪባ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ የሱስ፡ “ካልኣይ ክትውለዱ ብግዲ እዩ” ኺብል ከሎ፡ ሓደ ሓቂ እዩ ዚገልጽ ነይሩ ደኣ እምበር፡ ትእዛዝ ኣይኰነን ዚህብ ነይሩ። “ካብ ላዕሊ ኽትውለዱ ብግዲ እዩ” በለ።—ዮሃንስ 3:7።
ነዚ ኣብ መንጎ ትእዛዝን መግለጽን ዘሎ ፍልልይ ንምብራህ፡ ነዚ ዚስዕብ ምሳሌ እሞ ሕሰበሉ። ንሓንቲ እተፈላለየ ኣብያተ-ትምህርቲ ዘለዋ ኸተማ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል። ሓንቲ ኻብተን ኣብያተ-ትምህርቲ ነቶም ካብታ ኸተማ ርሒቖም ዚነብሩ ደቀባት እትኸውን ቤት ትምህርቲ እያ። ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ኻብቶም ደቀባት ዘይኰነ መንእሰይ ንርእሰ-መምህራን እታ ቤት ትምህርቲ፡ “ኣብ ቤት ትምህርትኹም ክምዝገብ እደሊ እየ” በሎ። እቲ ርእሰ-መምህራን ከኣ፡ “ንኽትምዝገብ፡ ወደባት ክትከውን ኣሎካ” ኢሉ መለሰሉ። እዚ ርእሰ-መምህራን እዚ ትእዛዝ ኣይኰነን ዚህቦ ዘሎ። “ወደባት ኩን!” ኣይኰነን ዚብሎ ዘሎ። ናብታ ቤት ትምህርቲ ንኺኣቱ ዜድልዮ ብቕዓታት እዩ ዚገልጸሉ ዘሎ። ብተመሳሳሊ፡ የሱስ፡ “ካልኣይ ክትውለዱ ብግዲ እዩ” ኺብል ከሎ፡ ‘ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው’ ዜድሊ ብቕዓት ጥራይ እዩ ዚገልጽ ነይሩ።
መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ሓድሽ ልደት ትተኣሳሰር እያ። ‘ዕላማ ሓድሽ ልደት እንታይ እዩ፧’ ንዚብል ሕቶ ድማ መልሲ ትሕብር እያ። መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ምፍላጥና፡ ዳግማይ ልደት እንታይ ማለት ምዃኑ ብልክዕ ንኽንርድኦ ዚሕግዝ ወሳኒ ነገር እዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a እተፈላለየ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ንዮሃንስ 3:3 በዚ መገዲ እዚ ተርጒምዋ ኣሎ። ንኣብነት፡ ብ1956 እተሓትመ መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ፡ “ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተወልደ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከም ዜልቦ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ” ይብል።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ መንጎ ሓድሽ ልደትን ስጋዊ ልደትን እንታይ ምምስሳል ኣሎ፧
-
-
ሓድሽ ልደት ዕላማኡ እንታይ እዩ፧ግምቢ ዘብዐኛ—2009 | 1 ሚያዝያ
-
-
ሓድሽ ልደት ዕላማኡ እንታይ እዩ፧
ሓደ ሰብ ዘለኣለማዊ ድሕነት ንምርካብ ዳግማይ ኪውለድ ከም ዘለዎ ብዙሓት ይኣምኑ እዮም። የሱስ ግን ብዛዕባ ዕላማ ሓድሽ ልደት ኪዛረብ ከሎ፡ “ሰብ ካልኣይ ጊዜ እንተ ዘይተወልደ፥ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ኪርእያ ከቶ ከም ዘይክእል፥ ብሓቂ፥ ብሓቂ፥ እብለካ ኣሎኹ” ኸም ዝበለ ኣስተብህል። (ዮሃንስ 3:3 ትርጕም 1990) ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ድሕነት ንኺረክብ ዘይኰነስ፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ንኺኣቱ እዩ ዳግማይ ኪወለድ ዜድልዮ። ገሊኦም ግን፡ ‘ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታውን ድሕነት ምርካብን ሕደ ደይኰነን፧’ ይብሉ ይዀኑ። ከም ሓቂ፡ ሕደ ኣይኰነን። ኣብ መንጎ እዚ ኽልተ ነገራት ዘሎ ፍልልይ ንምርዳእ፡ ፈለማ ትርጕም እታ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ” እትብል መግለጺት ንርአ።
መንግስቲ፡ ሓደ ዓይነት ምምሕዳር እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ “መንግስቲ ኣምላኽ” ኪበሃል ከሎ፡ “ምምሕዳር ኣምላኽ” ማለት እዩ። እቲ “ወዲ ሰብ” ተባሂሉ እተጸውዐ የሱስ ክርስቶስ፡ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ምዃኑን ምስኡ ዚገዝኡ ኸም ዘለዉን መጽሓፍ ቅዱስ ይምህር እዩ። (ዳንኤል 7:1, 13, 14፣ ማቴዎስ 26:63, 64) ብተወሳኺ፡ እቶም መጋዝእቲ ክርስቶስ፡ “ካብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን” እተሓርዩ ሰባት ከም ዝዀኑን ‘ኣብ ምድሪ ኸም ዚነግሱን፡’ ሃዋርያ ዮሃንስ ብራእይ ርእዩ እዩ። (ራእይ 5:9, 10፣ 20:6) ብዘይካዚ፡ እቶም ነገስታት ኰይኖም ዚገዝኡ፡ “ካብ ምድሪ እተዐደጉ” 144,000 ዝቝጽሮም “ሒደት መጓሰ” ኸም ዜቝሙ፡ ቃል ኣምላኽ ይገልጽ እዩ።—ራእይ 14:1, 3፣ ሉቃስ 12:32።
መንግስቲ ኣምላኽ ኣበይ ኰይና እያ እትገዝእ፧ “መንግስቲ ኣምላኽ፡” “መንግስተ ሰማያት” ተባሂላ እውን ትጽዋዕ እያ፣ እዚ ኸኣ የሱስን ምስኡ ዚገዝኡ ነገስታትን ካብ ሰማይ ከም ዚገዝኡ ይሕብር። (ሉቃስ 8:10፣ ማቴዎስ 13:11) እምበኣር፡ መንግስቲ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስን ካብ ደቂ ሰብ ብእተሓርዩ መጋዝእቱን ዝቘመት ሰማያዊት መንግስቲ እያ።
የሱስ ደኣ እሞ፡ ሓደ ሰብ ናብ “መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ” እንተ ዀይኑ፡ ዳግማይ ኪውለድ ከም ዘለዎ ኺገልጽ ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧ ሓደ ሰብ ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ገዛኢ ኪኸውን እንተ ዀይኑ፡ ዳግማይ ኪውለድ ከም ዜድልዮ እዩ ዚሕብር ነይሩ። ብሓጺሩ፡ ዕላማ ሓድሽ ልደት፡ ንእተወሰኑ ጕጅለ ሰባት ኣብ ሰማይ ኰይኖም ንኺገዝኡ ንምድላው እዩ።
ክሳዕ ኣብዚ፡ ሓድሽ ልደት ዓብዪ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ፡ ብኣምላኽ ከም ዚግበር፡ ንሓደ ጕጅለ ሰባት ኣብ ሰማይ ኰይኖም ንኺገዝኡ ኸም ዜዳልዎም ርኢና። ከም ሓቂ ግን፡ ብኸመይ እዩ ሓድሽ ልደት ዚግበር፧
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ዕላማ ሓድሽ ልደት፡ ንእተወሰኑ ጕጅለ ሰባት ኣብ ሰማይ ኰይኖም ንኺግዝኡ ንምድላው እዩ
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ ክርስቶስን ካብ ደቂ ሰብ እተሓርዩ ሓደ ጕጅለ መጋዝእቱን፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ የቝሙ
-
-
ሓድሽ ልደት ብኸመይ እዩ ዚግበር፧ግምቢ ዘብዐኛ—2009 | 1 ሚያዝያ
-
-
ሓድሽ ልደት ብኸመይ እዩ ዚግበር፧
የሱስ ምስ ኒቆዲሞስ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ሓድሽ ልደትን ብመን ከም ዚግበርን ብዛዕባ ዕላማኡን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሓድሽ ልደት ዚግበረሉ መገዲ እውን ገሊጹ እዩ። “ካብ ማይን ካብ መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪአቱ ዚኽእል የልቦን” በለ። (ዮሃንስ 3:5) ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ብማይን ብመንፈስን እዩ ዳግማይ ዚውለድ። ‘ማይን መንፈስን’ ዚብል ቃላት ግን ንምንታይ የመልክት፧
‘ማይን መንፈስን’ እንታይ እዩ፧
ኒቆዲሞስ ምሁር ሃይማኖት ኣይሁድ ስለ ዝነበረ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ነቲ “መንፈስ ኣምላኽ” ዚብል መጸውዒ ዚጥቀመሉ መገዲ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ምንባሩ ኣየጠራጥርን እዩ፣ “መንፈስ ኣምላኽ፡” ንሰባት ዜደንቕ ተግባር ንኺገብሩ ጽልዋ ኺገብረሎም ዚኽእል ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ እዩ። (ዘፍጥረት 41:38፣ ዘጸኣት 31:3፣ 1 ሳሙኤል 10:6) ስለዚ፡ የሱስ ነታ “መንፈስ” እትብል ቃል ኪጥቀም ከሎ፡ ነቲ ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ከም ዜመልክት ገይሩ፡ ኒቆዲሞስ ተረዲእዎ ኪኸውን ኣለዎ።
የሱስ ንማይ ኪጠቅስ ከሎኸ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ቀቅድሚ እቲ ምስ ኒቆዲሞስ እተገብረ ዝርርብን ደድሕሪኡን ተመዝጊቡ ዘሎ ፍጻመታት እሞ ንርአ። ዮሃንስ መጥምቕን ደቀ መዛሙርቲ የሱስን ብማይ የጥምቑ ኸም ዝነበሩ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። (ዮሃንስ 1:19, 31፣ 3:22፣ 4:1-3) እዚ ተግባር እዚ ኣብ የሩሳሌም ኣጸቢቑ ይፍለጥ ነበረ። ስለዚ፡ የሱስ ብዛዕባ ማይ ኪዛረብ ከሎ፡ ብዛዕባ ማይ ብሓፈሻ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ማይ ጥምቀት ይዛረብ ምንባሩ፡ ኒቆዲሞስ ኣስተውዒሉ ኪኸውን ኣለዎ።a
“ብመንፈስ ቅዱስ” እተጠምቁ
‘ካብ ማይ ክትውለድ’ ኪበሃል ከሎ፡ ብማይ ምስ ምጥማቕ ዚተሓሓዝ እንተ ዀይኑ፡ ‘ካብ መንፈስ ክትውለድ’ ኪበሃል ከሎኸ እንታይ የመልክት፧ ቅድሚ እቲ ኒቆዲሞስ ምስ የሱስ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ማይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ መንፈስ እውን ኣብ ጥምቀት ግደ ኸም ዚህልዎ፡ ዮሃንስ መጥምቕ ሓቢሩ ነይሩ። “ኣነ ብማይ ኤጥምቐኩም አሎኹ፡ ንሱ [የሱስ] ግና ብመንፈስ ቅዱስ ኬጥምቐኩም እዩ” በለ። (ማርቆስ 1:7, 8) እቲ ወንጌል ዝጸሓፈ ማርቆስ፡ ንፈለማ ግዜ ኸምዚ ዓይነት ጥምቀት እተገብረሉ ኣጋጣሚ ገሊጹ ኣሎ። “በቲ ቕነ እቲ ዀነ፡ የሱስ ካብ ናዝሬት ናይ ገሊላ መጸ፡ ብዮሃንስ ከኣ ኣብ ዮርዳኖስ ተጠምቀ። ካብ ማይ ምስ ወጸ፡ ብኡብኡ ሰማያት ኪኽፈታ፡ መንፈስ ድማ ከም ርግቢ ኺወርድ ከሎ ረአየ።” (ማርቆስ 1:9, 10) የሱስ ኣብ ዮርዳኖስ ምስ ጠለቐ፡ ብማይ እዩ ተጠሚቑ። ካብ ሰማይ መንፈስ ምስ ተዋህቦ ድማ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተጠሚቑ።
የሱስ ካብታ እተጠምቀላ ዕለት ሰለስተ ዓመት ዚኣክል ጸኒሑ፡ “ድሕሪ ቕሩብ መዓልቲ ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም” ኢሉ ንደቀ መዛሙርቱ ኣረጋገጸሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 1:5) እዚ መዓስ ተፈጺሙ፧
ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ.፡ 120 ዚኣኽሉ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብ ሓንቲ ኣብ የሩሳሌም እትርከብ ቤት ተኣኪቦም ነበሩ። “ብድንገት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ደሃይ መጸ፡ ነታ ኣብኣ ተቐሚጦም ዘለውዋ ቤትውን ንብዘላ መልኣ። እተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ድማ ተራእዮም፡ . . . ኵሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም።” (ግብሪ ሃዋርያት 2:1-4) በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ካልኦት ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሰባት ብማይ ኪጥመቑ ምሕጽንታ ተዋህቦም። ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ሰባት፡ “ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም” በሎም። ንሳቶምከ እንታይ ገበሩ፧ “እቶም ሽዑ ዘረባኡ ባህ ኢልዎም እተቐበሉ ተጠምቁ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ነፍሳት ናብታ ማሕበር ተወሰኻ።”—ግብሪ ሃዋርያት 2:38, 41።
ክልተ ኽፋል ዘለዎ መስርሕ
እዚ ጥምቀታት እዚ ብዛዕባ ሓድሽ ልደት እንታይ እዩ ዚገልጽ፧ ሓድሽ ልደት ብኽልተ ኽፋል ዘለዎ መስርሕ ከም ዚግበር እዩ ዚሕብር። የሱስ ፈለማ ብማይ እዩ ተጠሚቑ። ድሕሪኡ መንፈስ ቅዱስ ተዋሂብዎ። እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ እውን ፈለማ ብማይ ተጠሚቖም (ንገሊኣቶም ዮሃንስ መጥምቕ ኣጥሚቕዎም)፡ ድሕሪኡ መንፈስ ቅዱስ ተዋሂብዎም። (ዮሃንስ 1:26-36) ብተመሳሳሊ፡ እቶም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ዝዀኑ 3,000 ሰባት፡ ፈለማ ብማይ ተጠሚቖም፡ ድሕሪኡ መንፈስ ቅዱስ ተዋሂብዎም።
ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. እተገብረ ጥምቀታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሎሚ ሓድሽ ልደት ብኸመይ ኪግበር ኢና ኽንጽበ ዘሎና፧ ከምቲ ሃዋርያት የሱስን ቀዳሞት ደቀ መዛሙርትን ዳግማይ እተወልዱሉ መገዲ ኪኸውን ኢና እንጽበ። ፈለማ፡ ሓደ ሰብ ሓጢኣቱ ይንሳሕ፡ ካብ ግጉይ መገዱ ይምለስ፡ ህይወቱ ንየሆዋ ንኼምልኾን ንኼገልግሎን ይውፊ፡ ወፈያኡ ድማ ብማይ ጥምቀት ንሰባት የርኢ። ድሕሪኡ፡ ኣምላኽ ኣብ መንግስቱ ገዛኢ ኪኸውን እንተ ሓርይዎ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ይቐብኦ። እቲ ቐዳማይ ክፋል እዚ መስርሕ እዚ፡ (ብማይ ምጥማቕ) ብተበግሶ እቲ ውልቀ-ሰብ እዩ ዚግበር፣ እቲ ኻልኣይ ክፋል ግን (ብመንፈስ ቅዱስ ምጥማቕ) ብተበግሶ ኣምላኽ እዩ ዚግበር። ሓደ ሰብ ብኽልቲኡ ጥምቀት ምስ ሓለፈ፡ ሓድሽ ልደት ረኺቡ ማለት እዩ።
የሱስ ኣብቲ ምስ ኒቆዲሞስ ዝገበሮ ዝርርብ፡ “ካብ ማይን ካብ መንፈስን እንተ ዘይተወልደ” ዝበለ ግን ስለምንታይ እዩ፧ እቶም ብማይን ብመንፈስን ዚጥመቑ፡ ጕሉሕ ለውጢ ኸም ዚገብሩ ንምሕባር እዩ። እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ፡ ነዚ መዳይ ሓድሽ ልደት ክትገልጾ እያ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብተመሳሳሊ፡ ሓደ ግዜ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ጥምቀት ኣብ ዚካየደሉ እዋን፡ “ማይ ኪኽልክሎም ዚኽእል ደኣ መን እዩ፧” ኢሉ ተዛሪቡ ነይሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:47።
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
ዮሃንስ ንእተነስሑ እስራኤላውያን ብማይ ኣጥመቐ
-
-
ሓድሽ ልደት እንታይ እዩ ዚዓምም፧ግምቢ ዘብዐኛ—2009 | 1 ሚያዝያ
-
-
ሓድሽ ልደት እንታይ እዩ ዚዓምም፧
የሱስ ብዛዕባ ብመንፈስ ቅዱስ ዚግበር ጥምቀት ኪዛረብ ከሎ፡ ‘ካብ መንፈስ ክትውለድ’ ከም ዜድሊ እተዛረበ ስለምንታይ እዩ፧ (ዮሃንስ 3:5) ብስእላዊ ዘረባ፡ እታ “ልደት” እትብል ቃል፡ “መጀመርታ” ማለት እያ። ስለዚ፡ እታ “ሓድሽ ልደት” እትብል ስያመ፡ “ሓድሽ ጅመራ” ማለት እያ። እምበኣር፡ እዚ ምስ ‘ውልደት’ ከምኡውን ምስ “ሓድሽ ልደት” ዚተሓሓዝ ስእላዊ ዘረባ፡ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ኣብ መንጎ እቶም ብመንፈስ ቅዱስ ዚጥመቑን ብዛዕባ ዚፍጠር ርክብ ሓድሽ ጅመራ ኸም ዘሎ እዩ ዚሕብር። እዚ ነገር እዚ፡ ኣብቲ ርክቦም ምሉእ ብምሉእ ለውጢ ዚገብር ብኸመይ እዩ፧
ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ኣምላኽ ንሰባት ኣብ ሰማይ ኰይኖም ንኺገዝኡ ብኸመይ ከም ዜዳልዎም ኪገልጽ ከሎ፡ ካብ ናብራ ስድራ ቤት እተወስደ ምሳሌ ተጠቕመ። ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ርዕመት” ከም ዚረኽቡ፡ በዚ ኸምዚ ድማ ኣምላኽ “ከም ውሉድ ገይሩ” ኸም ዚርእዮም ገሊጹ ኣሎ። (ገላትያ 4:5 NW፣ እብራውያን 12:7) ርዕመት ወይ ከም ውሉድ ጌርካ ምቕባል፡ ነቲ ሓደ ውልቀ-ሰብ ብመንፈስ ቅዱስ ዚጥመቐሉ ኣጋጣሚ ንኽንርድኦ ብኸመይ ከም ዚሕግዝ ንምግንዛብ፡ ነቲ ኣቐዲምና ብዛዕባ እቲ ንደቀባት ኣብ እተዳለወ ቤት ትምህርቲ ኺምዝገብ ዝደለየ መንእሰይ ዝረኣናዮ ምሳሌ ንመርምር።
ብርዕመት ዚፍጠር ለውጢ
ኣብቲ ምሳሌ፡ እቲ መንእሰይ ወደባት ስለ ዘይኰነ፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ኺኣቱ ኣይከኣለን። ሓደ መዓልቲ ግን፡ ዓብዪ ለውጢ ተፈጥረ። ሓደ ኻብቶም ደቀባት ዝዀነ ኣቦ ብሕጋዊ መገዲ ረዓሞ ወይ ከም ውላዱ ተቐበሎ። እዚ ነቲ መንእሰይ ብኸመይ ይጸልዎ፧ ከም ውሉድ ኰይኑ ስለ እተራዕመ፡ ማዕረ ኻልኦት መንእሰያት ደቀባት መሰላት ኪህልዎ ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ኣብታ ቤት ትምህርቲ ንኺምዝገብ ዘለዎ መሰል እውን የጠቓልል። እቲ ርዕመት ንመጻኢኡ ምሉእ ብምሉእ ቀዪርዎ እዩ።
እዚ ምሳሌ እዚ፡ ነቶም ሓድሽ ልደት ዚረኽቡ ብዝዓበየ መገዲ እንታይ ከም ዜጋጥሞም የርእየና። እተወሰነ ምምስሳላት ንርአ። እቲ ኣብቲ ምሳሌ እተጠቕሰ መንእሰይ፡ ተቐባልነት ንኺረክብ ዜኽእሎ ብቕዓት እንተ ረኺቡ፡ ማለት ካብ ደቀባት እንተ ዀይኑ ጥራይ እዩ ኣብታ ቤት ትምህርቲ ኺኣቱ ዚኽእል። ኰይኑ ግን፡ ብርእሱ ነቲ ብቕዓት ኬማልእ ኣይክእልን እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ገሊኦም ሰባት ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ቦታ ዚወሃቦም፡ ንኺኣትዉ ዜኽእሎም ብቕዓት እንተ ኣማሊኦም፡ ማለት ዳግማይ እንተ ተወሊዶም ጥራይ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ሓድሽ ልደት ኣብ ኣምላኽ ስለ ዚምርኰስ፡ ብርእሶም ነዚ ብቕዓት እዚ ኼማልእዎ ኣይክእሉን እዮም።
ንዅነታት እቲ መንእሰይ ዝቐየሮ እንታይ እዩ፧ እቲ ሕጋዊ መስርሕ ርዕመት እዩ። ልክዕ እዩ፡ እቲ መስርሕ ንተፈጥሮ እቲ መንእሰይ ኣይቀየሮን። ድሕሪ ርዕመቱ እውን መንነቱ ኣይተቐየረን። ይኹን እምበር፡ ንርዕመት ዜድሊ ሕጋዊ ብቕዓታት ምስ ተማልአ፡ እቲ መንእሰይ ሓድሽ ኵነታት ኪህልዎ ኸኣለ። እወ፡ ንዕኡ ሓድሽ ጅመራ፡ ወይ ብምሳሌያዊ ኣዘራርባ ሓድሽ ልደት እዩ ነይሩ። ውሉድ ኰነ፣ እዚ ድማ ኣብታ ቤት ትምህርቲ ንኺኣቱን ኣባል ስድራ እቲ ኸም ውሉዱ እተቐበሎ ኣቦ ኪኸውንን ኣኽኣሎ።
ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ብተበግሶኡ ንጕጅለ ዘይፍጹማት ሰባት ከም ውሉዳቱ ገይሩ ዚቕበለሉ ሕጋዊ መስርሕ ብምሕላፍ፡ ንዅነታቶም ቀየሮ። ሓደ ኻብቶም ጕጅለ ዝዀነ ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ፡ “ንስኻትኩምሲ ነቲ ብእኡ ጌርና ኣባ፡ ኣቦ፡ ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ኢኹም እተቐበልኩም . . . ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ኸኣ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዚምስክር” በሎም። (ሮሜ 8:15, 16) እወ፡ ብመስርሕ ርዕመት፡ እቶም ክርስትያናት እቲኣቶም ኣባላት ስድራ ቤት ኣምላኽ፡ ወይ “ውሉድ ኣምላኽ” ኰይኖም እዮም።—1 ዮሃንስ 3:1፣ 2 ቈረንቶስ 6:18።
ልክዕ እዩ፡ ከም ውሉድ ጌርካ ተቐባልነት ምርካቦም፡ ንተፈጥሮ እቶም እተራዕሙ ኣይቀየሮን፣ ከመይሲ፡ ድሕሪኡ እውን ዘይፍጽምናኦም ቀጺሉ እዩ። (1 ዮሃንስ 1:8) ይኹን እምበር፡ ከምቲ ጳውሎስ ቀጺሉ ዝገለጾ፡ እቲ ንርዕመት ዜድሊ ሕጋዊ ብቕዓታት ምስ ተማልአ፡ ሓድሽ ኵነታት እዩ ኺህልዎም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣብቶም ከም ውሉድ ተቐባልነት ዝረኸቡ ሰባት፡ ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ከም ዚነብሩ እምነት የሕድረሎም። (1 ዮሃንስ 3:2) እቲ መንፈስ ቅዱስ ዜሕድረሎም ንጹር እምነት፡ ኣብ ህይወቶም ሓድሽ ኣመለኻኽታ ኸም ዚህልዎም ይገብር። (2 ቈረንቶስ 1:21, 22) እወ፡ ሓድሽ ጅመራ፡ ወይ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ሓድሽ ልደት እዮም ረኺቦም።
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ከም ውሉድ ተቐባልነት ዝረኸቡ ውሉዳት ኣምላኽ ኪገልጽ ከሎ፡ “ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን ካህናት ኪዀኑ፡ ምስኡውን ሽሕ ዓመት ኪነግሱ እዮም” ይብል። (ራእይ 20:6) እቶም ውሉዳት ኣምላኽ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ሰማያዊት መንግስቲ፡ ነገስታት ኪዀኑ እዮም። ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ እቲ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ዚቕበልዎ ነገር፡ “ዘይሐልፍን ዘይረክስን ዘይጽምሉን ኣብ ሰማያት ተአርኒቡልኩም ዘሎ ርስቲ” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 1:3, 4) ብርግጽ ክቡር ርስቲ እዩ!
ይኹን እምበር፡ እዚ ንግዝኣት ዚምልከት ጕዳይ፡ ካልእ ሕቶ የበግስ እዩ። እቶም ዳግማይ እተወልዱ ኣብ ሰማይ ከም ነገስታት ዚገዝኡ እንተ ዀይኖም፡ ኣብ ልዕሊ መን እዮም ኪገዝኡ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንርእያ ኢና።
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ጳውሎስ ብዛዕባ ርዕመት እንታይ በለ፧
-