ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • sn መዝሙር 48
  • መዓልታዊ ምስ የሆዋ ምምልላስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መዓልታዊ ምስ የሆዋ ምምልላስ
  • ንየሆዋ ዘምሩሉ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምስ የሆዋ ንመላለስ
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • ምስ ኣምላኽ ክትመላለስ ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ተመላለስ ምስ ኣምላኽካ!
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • ነቲ እተቐበልካዮ ጸጋ ኣምላኽ ኣማስወሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
ዝያዳ ርአ
ንየሆዋ ዘምሩሉ
sn መዝሙር 48

መዝሙር 48

መዓልታዊ ምስ የሆዋ ምምልላስ

(ሚክያስ 6:8)

1. ንመላለስ ምስ ኣቦና፡

ብትሕትና ቓሉ ንሕሉ፣

መገዱ ንዜናድዩ፡

ይባርኾም የርእዮም ሳህሉ።

ኣምላኽ ኣዳልዩልና ኣሎ፡

ምስኡ ንኽንመላለስ፣

ርእስናውን ንኽንውፊ፡

ንፈጣሪና ’ቲ ንጉስ።

2. ኣብዚ እዋን ፍርዲ ሰባት፡

መወዳእታ ዝቐረበሉ፣

ተጻብኦ ይገጥመና፡

ንኼጃጁ፡ ’ወ ንኼሕለሉ።

የሆዋ ግን ይህብ ዕቝባ፡

ኣብኡ ’ተ ተወኪልና፣

ንዘልኣለም ክንውድሶ፡

ክንህቦ እውን ፍቕርና።

3. ኣምላኽ ኣዳልዩ ሓገዙ፡

ብመንፈሱ ድማ ብቓሉ፣

ብዙሕ እዩ ዚረድኣና፡

ብጉባኤ እውን ኣቢሉ።

ምስ የሆዋ ብምኻድና፡

ይምህረና ቕንዕና፣

ሕያውነት ነንጸባርቕ፡

ንመላለስ ብትሕትና።

(ዘፍ. 5:24፣ 6:9፣ 1 ነገ. 2:3, 4 እውን ርአ።)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ