መዝሙር 48
መዓልታዊ ምስ የሆዋ ምምልላስ
(ሚክያስ 6:8)
1. ንመላለስ ምስ ኣቦና፡
ብትሕትና ቓሉ ንሕሉ፣
መገዱ ንዜናድዩ፡
ይባርኾም የርእዮም ሳህሉ።
ኣምላኽ ኣዳልዩልና ኣሎ፡
ምስኡ ንኽንመላለስ፣
ርእስናውን ንኽንውፊ፡
ንፈጣሪና ’ቲ ንጉስ።
2. ኣብዚ እዋን ፍርዲ ሰባት፡
መወዳእታ ዝቐረበሉ፣
ተጻብኦ ይገጥመና፡
ንኼጃጁ፡ ’ወ ንኼሕለሉ።
የሆዋ ግን ይህብ ዕቝባ፡
ኣብኡ ’ተ ተወኪልና፣
ንዘልኣለም ክንውድሶ፡
ክንህቦ እውን ፍቕርና።
3. ኣምላኽ ኣዳልዩ ሓገዙ፡
ብመንፈሱ ድማ ብቓሉ፣
ብዙሕ እዩ ዚረድኣና፡
ብጉባኤ እውን ኣቢሉ።
ምስ የሆዋ ብምኻድና፡
ይምህረና ቕንዕና፣
ሕያውነት ነንጸባርቕ፡
ንመላለስ ብትሕትና።
(ዘፍ. 5:24፣ 6:9፣ 1 ነገ. 2:3, 4 እውን ርአ።)