ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኣገዳሲ ታሪኽ
    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016 | ቍ. 4
    • ገበር | መጽሓፍ ቅዱስ—ታሪኽ ዕቃበኡ

      ኣገዳሲ ታሪኽ

      ሓደ ሰብኣይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢዱ ሒዙ ብዓይኒ ጥርጣረ ይጥምት

      ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ኪወዳደር ዚኽእል ሃይማኖታዊ ጽሑፍ የልቦን። ከም መጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ ንነዊሕ እዋን እምነት ብዙሓት ሰባት ዝቐረጸ ኻልእ መጽሓፍ እውን የልቦን። ብኻልእ ሸነኽ ድማ ከም መጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ ደቂቕ ምርመራ እተገብረሉን ብዙሕ ነቐፌታ ዘጋጠሞን ካልእ መጽሓፍ የልቦን።

      ንኣብነት፡ ገሊኦም ምሁራት እዚ ሎሚ ዘሎ መጽሓፍ ቅዱሳት ዜተኣማምን ቅዳሓት እቲ በዅሪ ጽሑፋት እንተ ዀይኑ ይጠራጠሩ እዮም። ሓደ ፕሮፌሰር ሃይማኖታዊ መጽናዕትታት፡ “እቲ በዅሪ ጽሑፍ ብልክዕ ተቐዲሑ እንተ ዀይኑ ርግጸኛታት ክንከውን ኣይንኽእል ኢና” በለ። ቀጺሉ ኸኣ፡ “ጌጋታት ዝመልኦ ቕዳሓት ጥራይ እዩ ዘሎና፣ መብዛሕትኡ ድማ ካብቲ በዅሪ ጽሑፋት ዘመናት ጸኒሑ እተጻሕፈን ብብዙሕ መገድታት ካብኡ እተፈልየን እዩ” በለ።

      ካልኦት ድማ ብሰንኪ ሃይማኖታዊ ድሕረ ባይታኦም ንሓቅነት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሕቶ የእትውዎ እዮም። ንኣብነት፡ ፋይዛል ካብቶም ክርስትያናት ዘይኰኑ ስድራ ቤቱ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቅዱስ መጽሓፍ ከም ዝዀነ፡ ድሕሪ ግዜ ግና ከም እተቐየረ እዩ ተማሂሩ። ከምዚ ድማ ይብል፦ “ከም ውጽኢቱ ኸኣ ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኪዛረቡኒ ኺደልዩ ኸለዉ እጠራጠር ነበርኩ። ከመይሲ፡ እቲ በዅሪ መጽሓፍ ቅዱስ የብሎምን። ተቐይሩ እዩ።”

      መጽሓፍ ቅዱስ ተቐይሩ እንተ ዀይኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ ድዩ፧ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት እሞ ሕሰበሉ፦ እቲ ብዛዕባ መጻኢ ዚገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዜጸናንዕ መብጽዓታት፡ ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ ከም ዝነበረ ርግጸኛ እንተ ዘይኴንካ ኽትኣምኖ ትኽእልዶ፧ (ሮሜ 15:4) ኣብዚ ግዜና ዘሎ መጽሓፍ ቅዱሳት፡ ሰባት ዝጸሓፍዎ ጌጋታት ዝመልኦ ቕዳሓት ጥራይ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ንስራሕካ፡ ንስድራ ቤትካ ወይ ንኣምልኾኻ ዚምልከት ኣገዳሲ ውሳነታት ንኽትገብር ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምተጠቐምካዶ፧

      በዅሪ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ እኳ እንተ ጠፍአ፡ ነቲ ኣሽሓት ኢደ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ዜጠቓልል ጥንታዊ ቕዳሓት ክንውከስ ንኽእል ኢና። እዚ ኢደ ጽሑፋት እዚ፡ ከም ምምሽማሽ፡ ምጽራር ከምኡ እውን ኣብቲ ጽሑፍ ለውጢ ንምግባር እተገብረ ፈተነ ዝኣመሰለ ዕንቅፋታት እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ ክሳዕ ሎሚ እተዓቀበ ብኸመይ እዩ፧ ተዓቂቡ ምጽናሑኸ፡ ብዛዕባ ሓቅነት እቲ ሎሚ ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ንዘሎካ ምትእምማን ዜዕብዮ ብኸመይ እዩ፧ መልሲ እዘን ሕቶታት ኣብዘን ዚስዕባ ዓንቀጻት ርአ።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ብሰንኪ ምምሽማሽ ኣይጠፍአን
    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016 | ቍ. 4
    • ገበር | መጽሓፍ ቅዱስ—ታሪኽ ዕቃበኡ

      መጽሓፍ ቅዱስ ብሰንኪ ምምሽማሽ ኣይጠፍአን

      ዜስግእ ኵነታት፦ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስን ቀዳሕትን ንምጽሓፍ ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ቐንዲ ናውቲ ጳጲሮስን ብራናን እዩ ነይሩ።a (2 ጢሞቴዎስ 4:13) እዚ ናውቲ እዚ፡ ንዕቃበ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓደጋ ዘእተዎ ብኸመይ እዩ፧

      ጳጲሮስ ብቐሊሉ እዩ ዚቕደድን ሕብሩ ዚኸይድን ዚኣርግን። ብዛዕባ ጥንታዊት ግብጺ ዜጽንዑ ሪቻርድ ፓርኪንሶንን ስቲቨን ኵወርክን፡ “እዚ መጽሓፊ እዚ ድሕሪ ግዜ ኺምሽምሽ፡ ናብ ጽሕግን ዕማኾ ሓመድን ድማ ኪቕየር ይኽእል እዩ። ሓደ ጥቕላል ምስ ዚኽዘን፡ ሰበባ ኺገብር ወይ ብሰንኪ ጠሊ ኺምሽምሽ፡ ምስ ዚቕበር ከኣ ብቐርጠፍቲ እንስሳታት ወይ ብሓሳኹ ብፍላይ ድማ ብፍልሖ ኺብላዕ ይኽእል እዩ” በሉ። ገሊኡ እተረኽበ ጳጲሮስ፡ መጠኑ ንዝሓለፈ ብርሃን ጸሓይን ጠልን ስለ እተቓልዐ ቐልጢፉ ኺበላሾ ጀመረ።

      ብራና ኻብ ጳጲሮስ ዚድልድል እዩ፣ እንተዀነ ግና ብግቡእ እንተ ዘይተታሒዙ ወይ መጠኑ ንዝሓለፈ ሙቐትን ጠልን ብርሃን ጸሓይን እንተ ተቓሊዑ ኺበላሾ ይኽእል እዩ።b ብራና እውን ግዳይ ሓሸራ ይኸውን እዩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ ከምቲ ኤቭሪደይ ራይቲን ኢን ዘ ግሬኮ-ሮማን ኢስት እትብሃል መጽሓፍ ዝገለጸቶ፡ ጥንታዊ መዛግብቲ ተዓቂቡ ዚጸንሕ ሳሕቲ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ መሽሚሹ እንተ ዚተርፍ፡ መልእኽቱ እውን ምስኡ ምጠፍአ ነይሩ።

      መጽሓፍ ቅዱስ እተዓቀበሉ መገዲ፦ ብመሰረት ሕጊ ኣይሁድ ነፍሲ ወከፍ ንጉስ፡ ካብቲ ኣብተን ሓሙሽተ ቐዳሞት መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ‘ሕጊ ንዕኡ ዚኸውን ቀዲሑ ኣብ መጽሓፍ ኺጽሕፍ’ ነበሮ። (ዘዳግም 17:18) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ክኢላታት ቀዳሕቲ ብዙሕ ኢደ ጽሑፋት ስለ ዘዳለዉ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ መላእ እስራኤል ኣብ ዝነበራ ምኵራባትን ኣብ ርሑቕ መቄዶንያን እውን ከይተረፈ ኺርከብ ይከኣል ነበረ። (ሉቃስ 4:16, 17፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:11) ገሊኡ ኣዝዩ ጥንታዊ ኢደ ጽሕፋት ክሳዕ ሎሚ እተዓቀበ ደኣ ብኸመይ እዩ፧

      1. ሳርማ፣ 2. ሓደ ኽፋል ጥቕላል ምዉት ባሕሪ

      ጥቕላላት ምዉት ባሕሪ ተባሂሉ ዚፍለጥ ኢደ ጽሑፋት፡ ደረቕ ኵነታት ኣየር ኣብ ዘለዎ ቦታታት፡ ኣብ በዓትታት ኣብ እተኸዘነ ሳርማታት ንዘመናት ተዓቂቡ ጸንሐ

      ገሊኡ ኢደ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ እተረኽቦ በዓቲ

      ምሁር ሓድሽ ኪዳን ዝዀነ ፊሊፕ ኮምፈርት፡ “ኣይሁድ፡ ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዝሓዘ ጥቕላላት ምእንቲ ኺዕቅብዎ ኣብ ዕትሮታት ወይ ሳርማታት የቐምጥዎ ነበሩ” በለ። ክርስትያናት ነዚ ልምዲ እዚ ኸም ዝቐጸልዎ ኣየጠራጥርን እዩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ ገሊኡ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሳርማታትን ብርሃን ጸሓይ ኣብ ዘይኣትዎ መኽዘናትን በዓትታትን ኣብ ኣዝዩ ደረቕ ከባቢታትን ተረኺቡ እዩ።

      እተረኽበ ውጽኢት፦ ኣሽሓት ክፋላት ኢደ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ሎሚ ተዓቂቡ ጸኒሑ እዩ፣ ገለ ኻብኡ ኸኣ ልዕሊ 2,000 ዓመት ዕድመ ኣለዎ። ቅድሚ ነዊሕ እዋን እተጻሕፈ ሓያሎ ኢደ ጽሑፋት ዘለዎ ኻልእ ጥንታዊ ጽሑፍ የልቦን።

      a ጳጲሮስ፡ ካብ ጳጲሮስ ዚብሃል ኣብ ማያት ዚበቍል ተኽሊ እተሰርሐ ናውቲ ጽሕፈት እዩ። ብራና ኸኣ ካብ ቈርበት እንስሳታት እዩ ዚስራሕ ነይሩ።

      b ንኣብነት፡ እቲ ወግዓዊ ኽታም ዝሓዘ ቕዳሕ ኣዋጅ ናጽነት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ብራና እዩ ተጻሒፉ። 250 ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ኣዝዩ ስለ ዝሃሰሰ ግና፡ ኣብዚ ግዜና ዳርጋ ኺንበብ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ብሰንኪ ምጽራር ኣይጠፍአን
    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016 | ቍ. 4
    • ገበር | መጽሓፍ ቅዱስ—ታሪኽ ዕቃበኡ

      መጽሓፍ ቅዱስ ብሰንኪ ምጽራር ኣይጠፍአን

      ዜስግእ ኵነታት፦ ሓያሎ ፖለቲካውያንን ሃይማኖታውያንን መራሕቲ፡ ኣንጻር መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዓለመ ሸቶታት ኣውጽኡ። ብዙሕ ግዜ ድማ ስልጣኖም ተጠቒሞም ንሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ንኸይውንኑን ከየሕትሙን ከይትርጉሙን ኪዓግትዎም ፈቲኖም እዮም። ክልተ ኣብነት እስከ ርአ፦

      • ከባቢ 167 ቅ.ክ.፦ እቲ ኣብ ኣይሁድ፡ ሃይማኖት ግሪኽ ኬተኣታቱ ዚደሊ ዝነበረ ኻብ ስርወ ንግስነት ሰሉከስ ዝዀነ ንጉስ ኣንቲቆስ ኢጲፋነስ፡ ኵሉ ቕዳሓት ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ንኺጠፍእ ኣዘዘ። ጸሓፍ ታሪኽ ሄንሪክ ግረትስ፡ እቶም ሰበ ስልጣኑ “ንዝረኸብዎ ዘበለ ጥቕላላት እቲ ሕጊ ቐደድዎን ኣንደድዎን፣ ነቶም ብርታዐን ምጽንናዕን ኪረኽቡ ኢሎም ነዚ ጽሑፋት እዚ ኺምርምሩ እተረኽቡ ድማ ቀተልዎም” ብምባል ጸሓፈ።

      • ኣብ ማእከላይ ዘመን፦ ገሊኦም መራሕቲ ካቶሊክ፡ ተራ ሰባት ኣብ ክንዲ ትምህርቲ ካቶሊክ፡ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይሰብኩ ስለ ዝነበሩ ተቘጥዑ፣ ብጀካ እታ ብቛንቋ ላቲን እተዳለወት መጽሓፍ መዝሙር፡ ካልእ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንዝሓዙ ተራ ሰባት ድማ ከም መናፍቓን ኪርእይዎም ጀመሩ። ሓደ ባይቶ ቤተ ክርስትያን፡ እቶም ሰቡ ‘ንኣባይቲ ዅሎም እቶም መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘለዎም ዚጥርጠሩ ሰባት ብምፍታሽ ንመናፍቓን ብትግሃትን ብተኣማንነትን ብቐጻልን ኪደልይዎም፡ መናፍቓን ንእተረኽቡዋ ቤት ድማ ኬዕንዉ’ ኣዘዘ።

      ተጻረርቲ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጥፋእ እንተ ዚዕወቱ ነይሮም፡ እቲ ሒዝዎ ዘሎ መልእኽቲ ኣይምተረኽበን።

      ሓደ ገጽ እቲ ዊልያም ቲንደል ብቛንቋ እንግሊዝኛ ዘዳለዎ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ

      እቲ ዊልያም ቲንደል ብቛንቋ እንግሊዝኛ ዘዳለዎ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ፡ እገዳን ምቅጻል መጽሓፍ ቅዱስን እናሃለወ፡ ብ1536 ድማ ዊልያም ቲንደል ተቐቲሉ ኽነሱ ተዓቂቡ ጸንሐ

      መጽሓፍ ቅዱስ እተዓቀበሉ መገዲ፦ ንጉስ ኣንቲቆስ ወፈራኡ ኣብ እስራኤል ዘተኰረ እዩ ነይሩ፣ ሕብረተ ሰብ ኣይሁድ ግና ኣብ ሓያሎ ኻልኦት ሃገራት እውን ይነብሩ ነይሮም እዮም። ምሁራት ከም ዚግምትዎ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ልዕሊ 60 ሚእታዊት ዝዀኑ ኣይሁድ ካብ እስራኤል ወጻኢ እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ኣይሁድ፡ ኣብ ምኵራባቶም ቅዳሓት ቅዱሳት ጽሑፋት ይዕቅቡ ነይሮም እዮም፣ እቶም ድሒሮም ዝመጹ፡ ክርስትያናት እውን ዚርከብዎም ወለዶታት ድማ ነዚ ቕዱሳት ጽሑፋት ይጥቀሙሉ ነበሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:21።

      ኣብ ማእከላይ ዘመን፡ ኣፍቀርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽራር እናኣጋጠሞም ክነሱ፡ ብትብዓት ንቕዱሳት ጽሑፋት ምትርጓምን ምቕዳሕን ቀጸሉ። ኣብ መፋርቕ 15 ዘመን፡ ገና ተንቀሳቓሲት ሓታሚት ማኪና ኸይተማህዘት ከላ እውን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብ33 ቋንቋ ኺርከብ ይከኣል ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ! ብድሕርዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚኡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ፍጥነት ተተርጒሙን ተሓቲሙን እዩ።

      እተረኽበ ውጽኢት፦ ሽሕ እኳ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ሓያላት ነገስታትን ብጌጋ ኻብ እተመርሑ ኣቕሽሽትን ምጽራር እንተ ኣጋጠሞ፡ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ እቲ ልዕሊ ዅሉ እተተርጐመን እተዘርግሐን መጽሓፍ እዩ። ንሕግን ቋንቋን ገሊአን ሃገራት፡ ከምኡ እውን ንህይወት ሚልዮናት ሰባት ድማ ጸልዩ እዩ።

  • መጽሓፍ ቅዱስ፡ መልእኽቱ ንምጥዋይ ብእተገብረ ፈተነ ኣይጠፍአን
    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016 | ቍ. 4
    • ሓደ ቐዳሒ መጽሓፍ ቅዱስ ይጽሕፍ

      ማሶራውያን ንቕዱሳት ጽሑፋት ተጠንቂቖም ቀድሕዎ

      ገበር | መጽሓፍ ቅዱስ—ታሪኽ ዕቃበኡ

      መጽሓፍ ቅዱስ፡ መልእኽቱ ንምጥዋይ ብእተገብረ ፈተነ ኣይጠፍአን

      ዜስግእ ኵነታት፦ ከም ምምሽማሽን ምጽራርን ዝኣመሰለ ብግዳም ዚመጽእ ኣስጋኢ ነገራት ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣየጥፍኦን። ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ቀዳሕትን ተርጐምትን ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጠውይዎ ፈቲኖም እዮም። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ክንዲ ንሰረተ እምነቶም ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዜሰማምዕዎ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ምስ ሰረተ እምነቶም ከም ዚሰማማዕ ገይሮም ኪጠውይዎ ፈቲኖም እዮም። ገለ ኣብነታት እስከ ርአ፦

      • ቦታ ኣምልኾ፦ ካብ ራብዓይ ክሳዕ ካልኣይ ዘመን ቅ.ክ. ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ጸሓፍቲ ጰንጠጤቝ (ኦሪት) ሳምራውያን ኣብ ዘጸኣት 20፡17፡ “ኣብ ኣርጌሪዚም። ኣብኡ እውን መሰውኢ ስራሕ” ዚብላ ቓላት ወሰኹ። በዚ ኸምዚ፡ ሳምራውያን ነቲ ኣብ “ኣርጌሪዚም” ወይ “ከረን ጌሪዚም” ዝሃነጽዎ ቤተ መቕደስ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ዚድግፎ ገይሮም ኬቕርብዎ ፈተኑ።

      • ሰረተ እምነት ስላሴ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ኻብ ዚውዳእ 300 ዓመት ጸኒሑ፡ ሓደ ኣብ ስላሴ ዚኣምን ጸሓፊ ንቐዳማይ ዮሃንስ 5:7፡ “ኣብ ሰማይ፡ ኣቦን ቃልን መንፈስ ቅዱስን ኣለዉ፣ ሰለስቲኦም እውን ሓደ እዮም” ዚብላ ቓላት ወሰኸላ። እዚ ሓሳባት እዚ ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ ኣይነበረን። ብሩስ ሚትስገር ዚብሃል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ከም ዝሓበሮ፡ እዘን ቃላት እዚአን “ካብ ሻድሻይ ዘመን ንደሓር፡ ኣብ ኢደ ጽሑፋት ላቲንን [ናይ ላቲን] ቩልጌትን ብተደጋጋሚ ኺርከባ ጀመራ።”

      • መለኮታዊ ስም፦ ብዙሓት ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ማሪታዊ እምነት ኣይሁድ ተመርኲሶም፡ ንመለኮታዊ ስም ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ሓኺኾም ኬውጽእዎ ወሲኖም እዮም። ነዚ ስም እዚ ድማ ብኸም “ኣምላኽ” ወይ “ጐይታ” ዚብል መዓርጋት ተክእዎ፣ እዚ መግለጺታት ግና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንፈጣሪ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሰባት፡ ንናይ ሓሶት ኣምልኾ ዚውክሉ ነገራት፡ ንድያብሎስ እውን ከይተረፈ ንምጽዋዕ ይዕየየሉ እዩ።—ዮሃንስ 10:34, 35፣ 1 ቈረንቶስ 8:5, 6፣ 2 ቈረንቶስ 4:4።a

      መጽሓፍ ቅዱስ እተዓቀበሉ መገዲ፦ ቀዳማይ፡ ገሊኦም ቀዳሕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሸለልተኛታት፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን መታለልቲ እኳ እንተ ነበሩ፡ ብዙሓት ካልኦት ግና ኣዝዮም ክኢላታትን ጥንቁቓትን እዮም ነይሮም። ማሶራውያን ካብ ሻድሻይ ክሳዕ ዓስራይ ዘመን ድ.ክ. ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ንቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ናብቲ ጽሑፍ ማሶራውያን ተባሂሉ ዚፍለጥ ጽሑፍ ቀድሕዎ። ዝዀነ ይኹን ጌጋ ኸም ዘይተገብረ ንምርግጋጽ ነቲ ቓላትን ፊደላትን ይቘጽርዎ ኸም ዝነበሩ እዩ ዚንገር። ኣብ ገሊኡ ኽፋል እቲ ኸም መሰረት እተጠቕሙሉ ጽሑፍ ጌጋታት ከም ዘሎ እንተ ኣጠራጢርዎም ድማ ኣብ ሕድጋት እቲ ጽሑፎም ምልክት ይገብሩሉ ነበሩ። ማሶራውያን ንጽሑፍ መጽሓፍ ቅዱስ ብኢደ ዋኒኖም ኪተናኽፍዎ ኣይደለዩን። ሞሸ ጐሸን ጎተስቲን ዚብሃል ፕሮፌሰር፡ “ኣብቲ ጽሑፍ ኰነ ኢልካ ለውጢ ምግባር፡ እቲ ዝኸፍአ ገበን ከም ምፍጻም ገይሮም እዮም ዚርእይዎ ነይሮም” በለ።

      ካልኣይ፡ እቲ ሎሚ ዘሎ ሓያሎ ኢደ ጽሑፋት፡ ንምሁራት መጽሓፍ ቅዱስ ጌጋታት ንኸለልዩ ይሕግዞም እዩ። ንኣብነት፡ ንዘመናት ዚኣክል፡ መራሕቲ ሃይማኖት እቲ ብላቲን እተዳለወ ቕዳሓቶም፡ ሓቅነቱ እተረጋገጸ ጽሑፍ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝዀነ እዮም ዚምህሩ ነይሮም። እንተዀነ ግና፡ ኣብ 1 ዮሃንስ 5:7፡ ነቲ ኣብዛ ዓንቀጽ ኣቐዲሙ እተገልጸ ሓቅነት ዘይብሉ ቓላት ወሰኹሉ። እዚ ጌጋ እዚ፡ ኣብቲ ጸላዊ ዝዀነ ኪንግ ጄምስ ቨርሽን ዚብሃል ትርጉም እንግሊዝኛ እውን ሰሊኹ ኣትዩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ካልእ ርኽበታት ኢደ ጽሑፋት እንታይ እዩ ዚገልጽ፧ ብሩስ ሚትስገር፡ “እቲ [ኣብ 1 ዮሃንስ 5:7 ዚርከብ] ጽሑፍ፡ ኣብ ላቲን ጥራይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣብ ኵሉ እቲ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት (ሱርስት፡ ቁብጥኛ፡ ኣርመንኛ፡ ግእዝ፡ ዓረብኛ፡ ስላቭኛ) ኣይርከብን እዩ” ብምባል ጸሓፈ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እተኸለሰ ሕታማት ኪንግ ጄምስ ቨርሽን ኰነ ኻልእ መጽሓፍ ቅዱሳት ነዚ ሓቅነት ዘይብሉ ሓረግ ኣውጺኦምዎ እዮም።

      ቸስተር ቢቲ P46፡ ኣብ ከባቢ 200 ድ.ክ. ናይ እተጻሕፈ ኢደ ጽሑፋት ጳጲሮስ

      ቸስተር ቢቲ P46፡ ኣብ ከባቢ 200 ድ.ክ. ናይ እተጻሕፈ ኢደ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ጳጲሮስ

      ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት፡ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እተዓቀበ ዜርኢ መርትዖ የቕርብ ድዩ፧ ጥቕላላት ምዉት ባሕሪ ብ1947 ምስ ተረኽበ፡ ምሁራት ንጽሑፋት እብራይስጢ ማሶራውያን ምስቲ ልዕሊ ሽሕ ዓመት ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ጥቕላላት መጽሓፍ ቅዱስ ኬወዳድርዎ ኽኢሎም እዮም። ሓደ ኣባል ኣሰናዳእቲ ጥቕላላት ምዉት ባሕሪ፡ ሓንቲ ጥቕላል፡ “እቲ ልዕሊ ሽሕ ዓመት ኣቐዲሙ ብኢድ ኣይሁድ ቀዳሕቲ እተመሓላለፈ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፍ፡ ኣዝዩ ዜተኣማምንን ብጥንቃቐ እተቐድሐን ከም ዝዀነ፡ ኣሉ ዘይብሃሎ መርትዖ እያ እተቕርብ” ብምባል ደምደመ።

      እቲ ኣብ ዱብሊን፡ ኣየርላንድ፡ ዚርከብ ቤተ መጻሕፍቲ ቸስተር ቢቲ፡ ነቲ ኣብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ.፡ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ኻብ ዚውዳእ 100 ዓመት ጥራይ ጸኒሑ እተጻሕፈ ኢደ ጽሑፋት ዜጠቓልል፡ ዳርጋ ንዅሉ መጻሕፍቲ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ዚውክል እኩብ ጳጲሮስ የቕርብ እዩ። ዘ ኣንከር ባይብል ዲክሽነሪ፡ “እዚ ጳጲሮስ ብዙሕ ሓድሽ ሓበሬታ ዜቕርብ እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ለውጢ ኸም ዘይነበረ እውን ኣርእዩ እዩ” በለ።

      “ኣዝዩ ልክዕ ብዝዀነ መገዲ እተመሓላለፈ ኻልእ ጥንታዊ ጽሑፍ የልቦን ኪብሃል ይከኣል እዩ”

      እተረኽበ ውጽኢት፦ ዕድመን ብዝሕን ኢደ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ክንዲ ዜበላሽዎ፡ ዝያዳ ኸም ዚመሓየሽ እዩ ገይርዎ። ሰር ፍረደሪክ ከንዮን ዚብሃል ምሁር ብዛዕባ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ “ከምዚ መጽሓፍ እዚ ዝበለ ንጽሑፉ ዚድግፍ ኣዝዩ ብዙሕ ጥንታዊ ምስክርነት ዘለዎ ኻልእ መጽሓፍ የልቦን። ዝዀነ ምሁር ነዚ ናባና በጺሑ ዘሎ ጽሑፍ ብዘይ ዝዀነ ይኹን ጽልዋ ኺርእዮ ኸሎ፡ ጐደሎ ዘይብሉ ኸም ዝዀነ ኣይክሕድን እዩ” በለ። ዊልያም ግሪን ዚብሃል ምሁር ድማ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ሓሳብ ኪህብ ከሎ፡ “ኣዝዩ ልክዕ ብዝዀነ መገዲ እተመሓላለፈ ኻልእ ጥንታዊ ጽሑፍ የልቦን ኪብሃል ይከኣል እዩ” በለ።

      a ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ኣብ መመላእታ ጽሑፍ ሀ4ን ሀ5ን ርአ፣ ኣብ www.pr418.com/ti እውን ይርከብ እዩ።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ኪዕቀብ ዝኸኣለሉ ምኽንያት
    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016 | ቍ. 4
    • ሓደ ሰብኣይ መጽሓፍ ቅዱስ የንብብ

      ገበር | መጽሓፍ ቅዱስ—ታሪኽ ዕቃበኡ

      መጽሓፍ ቅዱስ ኪዕቀብ ዝኸኣለሉ ምኽንያት

      መጽሓፍ ቅዱስ ኪዕቀብ ክኢሉ እዩ፣ ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ሎሚ ናትካ ቕዳሕ ኪህልወካን ከተንብቦን ትኽእል ኢኻ። ጽቡቕ ትርጉም ቅዱሳት ጽሑፋት ምስ እትመርጽ ድማ ዜተኣማምን ቅዳሕ እቲ በዅሪ ጽሑፍ ተንብብ ከም ዘለኻ ኸተረጋግጽ ትኽእል ኢኻ።a ይኹን እምበር፡ ባህርያዊ ምምሽማሽን ብርቱዕ ምጽራርን ኰነ ኢልካ ንመልእኽቱ ንምጥዋይ ዚግበር ፈተነን እናኣጋጠሞ ኽነሱ፡ ብዜደንቕ መገዲ ኺዕቀብ ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧ ነዚ መጽሓፍ እዚ ፍሉይ ዚገብሮኸ እንታይ እዩ፧

      “ሕጂ እዚ ኣብ ኢደይ ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ውህበት ኣምላኽ ከም ዝዀነ እየ ዝኣምን”

      ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ . . . እዩ” ብምባል ጽሒፉ ነይሩ እዩ፣ ብዙሓት ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኣብዚ መደምደምታ እዚ እዮም በጺሖም። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) መጽሓፍ ቅዱስ ኪዕቀብ ዝኸኣለ፡ ቃል ኣምላኽ ስለ ዝዀነን ኣምላኽ ክሳዕ ሎሚ ስለ ዝዓቀቦን ምዃኑ እዮም ዚኣምኑ። እቲ ኣብ መእተዊ እዘን ተኸታተልቲ ዓንቀጻት እተጠቕሰ ፋይዛል፡ ድሕሪ ግዜ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ ነቲ ብዛዕባኡ ዚብሃል ነገራት ሓቂ እንተ ዀይኑ ኺምርምር ወሰነ። እቲ ዝረኸቦ ሓበሬታ ኸኣ ኣገረሞ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ብዙሕ ኣብ ህዝበ ክርስትያን ዘሎ ልሙድ ትምህርትታት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይርከብ ተማህረ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ በቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተገሊጹ ዘሎ፡ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ልቡ ተተንከፈ።

      ፋይዛል ከምዚ ይብል፦ “ሕጂ እዚ ኣብ ኢደይ ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ውህበት ኣምላኽ ከም ዝዀነ እየ ዝኣምን፣ ደሓር ከኣ፡ ኣምላኽ ዩኒቨርስ ኪፈጥር ካብ ከኣለ፡ መጽሓፍ ኪህበናን ንዓና ኢሉ ኺዕቅቦን ዜኽእሎ ሓይሊ ኺህልዎ ኣይክእልንዶ፧ ከም ዘይክእል ምዝራብ እሞ ንሓይሊ እቲ ዅሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ ከም ምድራት እዩ ዚርአ! ንሓይሊ ኣምላኽ ዝድርቶስ፡ ኣነ መን እየ፧”—ኢሳይያስ 40:8።

      a ኣብ ናይ 1 ግንቦት 2008 ሕታም እዛ መጽሔት እዚኣ ዝወጸት፡ “ጽቡቕ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ክትመርጽ ትኽእል፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

      መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምዃኑ ኸነረጋግጽ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

      እዘን ተኸታተልቲ ዓንቀጻት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እተዓቀበ ገሊጸን እየን። ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ጽውጽዋያትን ኣፈ ታሪኽን ዝሓዘ መጽሓፍ ዘይኰነስ፡ ብሓቂ “ቓል ኣምላኽ” ምዃኑ ብኸመይ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል፧ (1 ተሰሎንቄ 2:13) ነታ ኣብ www.pr418.com እትርከብ “መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓቂ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧” ዘርእስታ ሓጻር ቪድዮ ርኣያ። (ብእንግሊዝኛ ዚርከብ። ኣብ ትሕቲ PUBLICATIONS > VIDEOS ርአ)

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ