መዝሙር 129
ክንጻወር ኢና
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
	- 1. የሱስ ሓዲጉ - ኣብነት ተጻዋርነት፣ - ዚሓይሽ ርእዩ፡ - ፈተና ጾይሩ ብጽንዓት፡ - ናብ ፍትሒ የሆዋ፡ - ወሲኑ ኺጥምት። - (ኣዝማች) - ጠሪስና ኣይንሓድጋን፡ - እምነትና ኽትስበር፣ - ሸቶና ትምኒትና’ዩ፡ - ክሳዕ መወዳእታ ኽንጻወር። 
- 2. ኣብዚ ግዜ’ኳ - ’ተ ’ሎና ስቓይ ምስ ሓዘን፡ - ስግር ’ቲ ንብዓት - ኪመጽእ’ዩ ሰናይ ዘመን። - ክንርእዮ፡ ክንነብሮ፡ - ንሓልን፡ ንወስን። - (ኣዝማች) - ጠሪስና ኣይንሓድጋን፡ - እምነትና ኽትስበር፣ - ሸቶና ትምኒትና’ዩ፡ - ክሳዕ መወዳእታ ኽንጻወር። 
- 3. ኣይንሕለልን፡ - ከቶ ኣይንጠራጠርን፡ - ክንጸንዕ ኢና፡ - ክንፈሪ ትዕግስትን ዓቕልን። - ንጻወር፡ ንጸመም፡ - ክሳዕ ምዱብ እዋን። - (ኣዝማች) - ጠሪስና ኣይንሓድጋን፡ - እምነትና ኽትስበር፣ - ሸቶና ትምኒትና’ዩ፡ - ክሳዕ መወዳእታ ኽንጻወር። 
(ግብ. 20:19, 20፣ ያእ. 1:12፣ 1 ጴጥ. 4:12-14 እውን ርአ።)