ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lff ትምህርቲ 32
  • መንግስቲ ኣምላኽ ሕጂ ትገዝእ ኣላ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መንግስቲ ኣምላኽ ሕጂ ትገዝእ ኣላ!
  • ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣዕሚቝካ ዅዓት
  • ጽማቝ
  • ዳህስስ
  • መስርዕ ፍጻመታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዓመተ 1914 እንታይ ይሕብር፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ እያ ኽትገዝእ ጀሚራ፧ (2ይ ክፋል)
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • መንግስቲ ኣምላኽ ግዝኣታ ትጅምር
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • መንግስቲ ኣምላኽ ብዅሉ መዳያታ ብልጽቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
ዝያዳ ርአ
ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
lff ትምህርቲ 32
ትምህርቲ 32. ሰማያዊ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዘንጊ ሒዙ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ይገዝእ።

ትምህርቲ 32

መንግስቲ ኣምላኽ ሕጂ ትገዝእ ኣላ!

ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ

መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ኣብ ሰማይ ክትገዝእ ጀሚራ ኣላ። ናይ ሰብኣዊ ግዝኣት ዳሕሮት መዓልትታት እውን ሽዑ እዩ ጀሚሩ። ከምኡ ምዃኑ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስን ካብ 1914 ኣትሒዙ ዚርአ ዘሎ ዅነታትን ጠባያትን እስከ ንመርምር።

1. ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይሕብር፧

ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ዳንኤል፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መወዳእታ “ሸውዓተ ግዜያት” ምግዛእ ከም እትጅምር ተገሊጹ ኣሎ። (ዳንኤል 4:16, 17) ድሕሪ ዘመናት ከኣ፡ የሱስ ነቲ ግዜያት እቲ፡ “ምዱብ ግዜያት ኣህዛብ” ኢሉ ጸዊዕዎ እዩ፣ ሽዑ ገና ዘይተወድአ ምንባሩ እውን ምሂሩ እዩ። (ሉቃስ 21:24) ቀጺልና ኸም እንርእዮ፡ እቲ ሸውዓተ ግዜያት ብ1914 እዩ ተወዲኡ።

2. ካብ 1914 ኣትሒዙ እንታይ ኵነታትን ጠባያትን እዩ ብግሁድ ዚርአ ዘሎ፧

ሓደ ግዜ፡ የሱስ ካብ ደቀ መዛሙርቱ፡ “ምልክት እቲ ኣብዚ እትህልወሉ እዋንን መደምደምታ እቲ ስርዓትንከ እንታይ እዩ፧” ዚብል ሕቶ ቐረበሉ። (ማቴዎስ 24:3) ንሱ ድማ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ኣብ ሰማይ ምግዛእ ድሕሪ ምጅማሩ ዚኸውን ብዙሕ ነገራት ነገሮም። ገለ ኻብኡ ውግእን ጥሜትን ምንቅጥቃጥ ምድርን እዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 24:7 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ጠባይ ሰባት ስለ ዚበላሾ፡ “ጽንኩር ግዜ” ኸም ዚኸውን መጽሓፍ ቅዱስ ተነብዩ ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) እዚ ዅነታትን ጠባያትን፡ ምናዳ ኻብ 1914 ኣትሒዙ ብግሁድ ይርአ ኣሎ።

3. መንግስቲ ኣምላኽ ክትገዝእ ካብ እትጅምር ኣትሒዙ፡ ኵነታት ዓለም ኣመና ዚኸፍእ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

የሱስ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ደድሕሪ ምዃኑ፡ ምስ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ተዋግአ። ኣብቲ ውግእ ከኣ፡ ሰይጣን ተሳዕረ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “[ሰይጣን] ናብ ምድሪ ተደርበየ፡ መላእኽቱ እውን ምስኡ ተደርበዩ” ይብል። (ራእይ 12:9, 10, 12) ሰይጣን ከም ዚጠፍእ ስለ ዚፈልጥ፡ ኣመና ተቘጢዑ እዩ ዘሎ። ስለዚ፡ ኣብ ምድሪ ስቓይን መከራን ይወርድ ኣሎ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ዅነታት ዓለም ኣመና ኸፊኡ ዘሎ! መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ እዚ ጸገማት ከተዐርዮ እያ።

ኣዕሚቝካ ዅዓት

መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ክትገዝእ ምጅማራ ኸመይ ጌርና ኸም እንፈልጥን እዚ ንዓና እንታይ ትርጉም ኪህልዎ ኸም ዚግባእን መርምር።

4. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ መስርዕ ግዜ፡ ናብ 1914 የመልክተና

ቪድዮ ኣጻውት።

ቪድዮ፦ ብ1914 መንግስቲ ኣምላኽ ክትገዝእ ጀሚራ (5:02)

ኣምላኽ ንነቡካድነጻር ንጉስ ጥንታዊት ባቢሎን፡ ትንቢታዊ ሕልሚ ኣርኣዮ። እቲ ሕልምን ዳንኤል ዝሃቦ ትርጉምን ድማ፡ ንግዝኣት ነቡካድነጻርን ንመንግስቲ ኣምላኽን ዚምልከት ከም ዝዀነ ይሕብር እዩ።—ዳንኤል 4:17 ኣንብብ።a

ዳንኤል 4:20-26 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሰሌዳ ጌርካ ነዚ ሕቶታት መልስ፦

  • (ሀ) ነቡካድነጻር ኣብ ሕልሙ እንታይ እዩ ርእዩ፧—ፍቕዲ 20ን 21ን ርአ።

  • (ለ) ድሕሪኡ እታ ኦም እንታይ ኰይና፧—ፍቕዲ 23 ርአ።

  • (ሐ) ኣብ መወዳእታ እቲ “ሸውዓተ ግዜያት” እንታይ እዩ ዚኸውን፧—ፍቕዲ 26 ርአ።

እታ ብሕልሚ እተራእየት ኦም ምስ መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ትዛመድ፧

ትንቢት (ዳንኤል 4:20-36)

ግዝኣት

(ሀ) ነዋሕ ኦም

ነዊሕ ዝቝመታ ኦም።

ግዝኣት ይቋረጽ

(ለ) “ነታ ኦም ቍረጽዋ፡” “ሸውዓተ ግዜያት” ይሕለፋ

ብሓጺንን ብነሓስን እተኣስረ ጕርማጽ።

ግዝኣት ይምለስ

(ሐ) “መንግስትኻ መሊሳ ናትካ ኽትከውን እያ”

ነዊሕ ዝቝመታ ኦም።

ኣብ ቀዳማይ ፍጻመ እዚ ትንቢት . . .

  • (መ) እታ ኦም ንመን ተመልክት፧—ፍቕዲ 22 ርአ።

  • (ረ) ግዝኣቱ ብኸመይ ተቛሪጹ፧—ዳንኤል 4:29-33 ኣንብብ።

  • (ሰ) ኣብ መወዳእታ እቲ “ሸውዓተ ግዜያት፡” ነቡካድነጻር እንታይ ኰይኑ፧—ዳንኤል 4:34-36 ኣንብብ።

ቀዳማይ ፍጻመ

ግዝኣት

(መ) ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን

ንጉስ ነቡካድነጻር ብዅርዓት ደው ኢሉ ይርአ።

ግዝኣት ይቋረጽ

(ረ) ድሕሪ 606 ቅ.ክ.፡ ነቡካድነጻር ኣእምሮኡ ይስሕት፣ በዚ ኸምዚ፡ ቃል ብቓሉ ንሸውዓተ ዓመት ኪገዝእ ኣይክእልን

ነቡካድነጻር ከም እንስሳ ኣብ ምድሪ ተምበርኪኹ ሳዕሪ ይበልዕ።

ግዝኣት ይምለስ

(ሰ) ነቡካድነጻር ናብ ኣእምሮኡ ይምለስ፡ ዳግም እውን ኪገዝእ ይጅምር

ንጉስ ነቡካድነጻር ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ኣልዒሉ ኣንቃዕሪሩ ይጥምት።

ኣብ ካልኣይ ፍጻመ እዚ ትንቢት . . .

  • (ሸ) እታ ኦም ንመን ተመልክት፧—1 ዜና መዋእል 29:23 ኣንብብ።

  • (ቀ) ግዝኣቶም እተቛረጸ ብኸመይ እዩ፧ የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ገና ተቛሪጹ ምንባሩ ብኸመይ ንፈልጥ፧—ሉቃስ 21:24 ኣንብብ።

  • (በ) እቲ ግዝኣት መዓስን ኣበይን እዩ ተመሊሱ፧

ካልኣይ ፍጻመ

ግዝኣት

(ሸ) ንግዝኣት ኣምላኽ ዚውክሉ ነገስታት እስራኤል

በብተራ ኣብ ዝፋን እተቐመጡ እስራኤላውያን ነገስታት። ጸዳል ብርሃን ኣብ ልዕሊኦም ይበርህ።

ግዝኣት ይቋረጽ

(ቀ) የሩሳሌም ምስ ጠፍአት፡ እቲ መስመር ነገስታት እስራኤል ን2,520 ዓመት ተቛሪጹ

ብ607 ቅ.ክ. ጥንታዊት የሩሳሌም ብሓዊ ትነድድ። ድሕሪኡ 2,520 ዓመት ይሓልፍ።

ግዝኣት ይምለስ

(በ) የሱስ ኣብ ሰማይ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ኺገዝእ ጀሚሩ

ካብ 1914 ድ.ክ. ጀሚሩ የሱስ ኣብ ሰማያዊ ዝፋኑ ዀይኑ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ይገዝእ። ካብኡ ጸዳል ብርሃን ይበርህ።

ንውሓት ሸውዓተ ግዜያት ክንደይ እዩ፧

ገሊኡ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልእ ክፋላት ክንርዳእ ይሕግዘና እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መጽሓፍ ራእይ፡ ሰለስተ ግዜን ፈረቓን ምስ 1,260 መዓልቲ ማዕረ ምዃኑ ይሕብረና እዩ። (ራእይ 12:6, 14) ሸውዓተ ግዜያት ዕጽፉ፡ ማለት 2,520 መዓልቲ እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መዓልቲ ንዓመት ተመልክት እያ። (ህዝቅኤል 4:6) ስለዚ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ተጠቒሱ ዘሎ ሸውዓተ ግዜያት፡ 2,520 ዓመት የመልክት።

5. ካብ 1914 ንደሓር ዓለም ተለዊጣ

ቪድዮ ኣጻውት።

ቪድዮ፦ ካብ 1914 ንደሓር ዓለም ተለዊጣ (1:10)

የሱስ፡ ንሱ ንጉስ ምስ ኰነ ኣብ ኵነታት ዓለም ብዛዕባ ዚርአ ነገራት ተነብዩ ነይሩ እዩ። ሉቃስ 21:9-11 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ካብዚ ዅነታት ነየናይ ተዓዚብካ ወይ ብዛዕባ እንታይ ወረ ሰሚዕካ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ሰብኣዊ ግዝኣት፡ ሰባት እንታይ ጠባያት ከም ዚህልዎም ገሊጹ እዩ። 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ካብዚ ጠባያት እዚ ሎሚ ኣብ ሰባት ነየናይ ተዓዚብካ፧

ስእልታት፦ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ኣብ ዓለም ዚርአ ዅነታትን ጠባያትን። 1. ወተሃደራዊ መራሒ ኣብ ኣትራኖስ ኰይኑ ኢዱ ሓፍ ኣቢሉ ይጭርሕ። 2. ብምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝዓነወ ህንጻታት። 3. ነፈርቲ ውግእ። 4. ማስኬራ ዝገበሩ ህዝቢ ኣብ ጐደናታት ብእግሮም ይኸዱ። 5. ኣብ ኒው ዮርክ ዝነበረ ቲዊን ታወርስ ድሕሪ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ይባራዕ። 6. ሓደ ሰብ ሓሽሽ ይወስድ። 7. ሓደ ሰብኣይ ንሰበይቱ እናተቛየቛ ኺወቕዓ ኢዱ የልዕለላ። 8. በበይኑ ዓይነት ሓሽሽን ኣልኮላዊ መስተን። 9. ክልተ ኣንስቲ ፋሽን ዘምጽኦ ኽዳውንትን ስልማትን ገይረን ስእሊ ይስኣላ። 10. ሓደ ዲ.ጀይ. ኣብ ኮንሰርት ንእተኣከቡ ህዝቢ የሳዕስዖም። 11. ሓደ ናዕበኛ እተሰንዐ ቦምብ ይድርቢ።

6. ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ንተግባር ኬለዓዕለና ይግባእ

ማቴዎስ 24:3, 14 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ከም ዘላ ዚሕብር እንታይ ኣገዳሲ ዕዮ ይዕየ ኣሎ፧

  • ንስኻ ኣብዚ ዕዮ እዚ ብኸመይ ክትሳተፍ ትኽእል፧

መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ፣ ንምድሪ ምሉእ ብምሉእ እትቈጻጸረላ መዓልቲ እውን ቀሪባ ኣላ። እብራውያን 10:24, 25 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • “እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ” ኽንርኢ ኸለና፡ ነፍሲ ወከፍና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

ስእልታት፦ 1. ሓንቲ ተምሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ትእከብ። 2. እታ ተምሃሪት እቲኣ ንእትፈልጣ ሰብ ትሰብከላ።

ንሰባት ኪሕግዞምን ኬድሕኖምን ዚኽእል ነገር እንተ ትፈልጥ፡ እንታይ ክትገብር ኢኻ እትለዓዓል፧

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ 1914 ብዙሕ ዚዛረቡ ስለምንታይ እዮም፧”

  • እንታይ ምበልካ፧

ጽማቝ

ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስን መስርዕ ግዜን ኵነታት ዓለምን፡ መንግስቲ ኣምላኽ ሕጂ ትገዝእ ከም ዘላ ይሕብር። ብዛዕባኣ ብምስባኽን ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ብምእካብን፡ ነዚ ኸም እንኣምነሉ ኸነርኢ ንኽእል።

ክለሳ

  • ኣብ መወዳእታ እቲ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል እተጠቕሰ ሸውዓተ ግዜያት እንታይ እዩ ዀይኑ፧

  • መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ክትገዝእ ከም ዝጀመረት ዘእመነካ እንታይ እዩ፧

  • ‘መንግስቲ ኣምላኽ ሕጂ ትገዝእ ኣላ’ ኢልካ ኸም እትኣምን ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧

ሸቶ

ዳህስስ

ጸሓፍቲ ታሪኽን ካልኦትን ብዛዕባ እቲ ኻብ 1914 ኣትሒዙ ዝመጸ ለውጥታት እንታይ ከም ዝበሉ ርአ።

“ስነ ምግባር ሃንደበት ዘንቈልቈለሉ እዋን” (ንቕሑ!፡ ሚያዝያ 2007)

ኣብ ማቴዎስ 24:14 ዚርከብ ትንቢት ንህይወት ሓደ ሰብኣይ ብኸመይ ከም ዝጸለዎ ኣንብብ።

“ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ነገር በይዝ ቦል እፈቱ ነይረ!” (ግምቢ ዘብዐኛ ቍ. 3 2017)

ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 4 ዚርከብ ትንቢት ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚምልከት ብኸመይ ንፈልጥ፧

“መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ እያ ኽትገዝእ ጀሚራ፧ (1ይ ክፋል)” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 ጥቅምቲ 2014)

እቲ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 4 እተጠቕሰ “ሸውዓተ ግዜያት” ብ1914 ከም እተወድአ ዚሕብር እንታይ እዩ፧

“መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ እያ ኽትገዝእ ጀሚራ፧ (2ይ ክፋል)” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 ሕዳር 2014)

a ኣብቲ ዳህስስ ዚብል ክፋል ዚርከባ ናይ መወዳእታ ኽልተ ዓንቀጻት ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ