መዝሙር 68
ዘርኢ መንግስቲ ኣምላኽ ዝራእ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
1. ሃየ ተሳተፍ ኣብቲ ዕዮ፡
የሱስ ሕድሪ ዝሃበካ።
ቃል ኣትዩ እዩ ኺመርሓካ፡
መገዱ ኼስተምህረካ።
እቲ ዘርኢ ሓቂ ይበቍል’ዩ፡
ቅኑዕ ኣብ ዝልቦም ሰባት።
ሃየ ተጊህካ ኣበርቲዕካ ዕየ፡
ምእንቲ ኸተድሕን ህይወት።
2. ኣብ ኣሳልጦ እቲ ዕዮ፡
ዓብዪ ጽልዋ’ዩ ዘሎካ።
እቶም ነቲ ቓል ዚምሃሩስ፡
ኬድልዮም እዩ ሓገዝካ።
ዚመጾም ዘበለ ዕንቅፋታት
መታን ኪሰግሩ ሓግዞም።
ሽዑ ትሕጐስ ልብኻ ይዓግብ፡
ሓቂ ምስ በቘለ ኣብ ልቦም።
(ማቴ. 13:19-23፣ 22:37 እውን ርአ።)