ከይበጻሕናዮም ከመይ ገይሮም ክሰምዑ ይኽእሉ ?
1 ምስቶም ቅቡኣት ተረፍ ወረስቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብምትሕግጋዝ ኣብ መንጎ እዞም ካብ 4, 000, 000 ዘይውሕዱ ህዝቢ ኤርትራ ከም ሓለውቲ ኾይንና ከነገልግል ሓላፍነትን መሰልን ኣሎና ። ዳርጋ ፍርቂ ሚልዮን ዝኾኑ ካብዚኣቶም ኣብታ ዋና ከተማ ኢዮም ዝቕመጡ ። ብዝከኣል መጠን ኩሎም ነዚ ብስራት እዝን ነቲ ዝወሃብ ስምዕታን ክሰምዕዎ ኣለዎም ። (ህዝ. 3 : 17 – 19 ፣ ሮሜ 10 : 14) ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ፈቐዶ ጎደናታትን ዕዳጋታትን ኣብ ስራሕን ኣብ ቤት ትምህርትን ኣብቲ ካልእ ናይ እግረ – መገዲ ምስክርነትን ዝንኣድ ጻዕሪ ናይ ስብከት ተገይሩ ኢዩ ። በዚ ዝተገብረ ጻዕሪ ብዙሓት ንኽሰምዑ ኣጋጣሚ ረኺቦም ኢዮም ብእኡ ድማ ክንቅጽል ኣሎና ። ግን ካልኦት መታን ክሰምዑ ግድን ኣብ ገዝኦም ክንከዶም ዘሎና ብዙሓት ሰባት ኣለዉ ። ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ሓምለ 1994 “ካብ ቤት ናብ ቤት ብዘይ ምቍራጽ ንምኻድ” ማዕጾ ተኸፊቱ ከም ዘሎ እተነግረልና ነዚ ኣፍራዪ ዝኾነ ዓይነት ኣገልግሎት እዚ ኩላትና መደብ ክንገብረሉ ዝግብኣና ኢዩ ።
2 ብዛዕባ እዚ ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድካ ዝግብር ዕዮ ኣብ ኣእምሮኻ ኣሉታዊ ዝኾነ ኣተሓሳስባ ክሰፍር ኣይተፍቅደሉ ። (መክ. 11 : 4) ርግጽ ኢዩ ሓድ ሓደ ተቓወምቲ የጓንፉና ኢዮም : ይኹን ድኣ እምበር ኣብ ጎደናታት ከነገልግል ከሎና እውን የጓንፉና ኢዮም ። ኣይኮነንዶ ? ኣብ ገለ እዋናት ገለ መዕገርገርቲ ጉጅለ ተኣኪቦም ከላግጹልና ይኽእሉ ኢዮም : እዚ እውን እንተኾነ ሳሕቲ ኣብ ጎደናታት የጋጥመና ኢዩ ። ነዚ ኵነታት እዚ ብኸመይ ከም እንዋጽኣሉ ክንመሃር ንኽእል ኢና።
3 በቲ ሓደ ኣወንታዊ ወገኑ ክርአ ከሎ ድማ ካብ ቤት ናብ ቤት ምኻድ ዘምጽኦ ጥቕሚ ንመልከት :-
1. ገለ ሰባት ካብ ገዝኦም ሳሕቲ ስለ ዝወጹ ነቶም ኣብ ካልእ ክንረኽቦም ዘይንኽእል ንበጽሖም አሎና ። 2. ናይቲ ተገዲሱ ዝሰምዓና ሰብ ኣድራሽኡ ብቐሊሉ ንረክብ ። 3. ካብ መገዲ ናብ መገዲ ክንከይድ ከሎና : ኣብ ምኻድን ምጽባይን ብዙሕ ግዜ ነሕልፍ : ካብ ቤት ናብ ቤት ግና ብዙሕ ምስክርነት ኢና ነቕርብ : 4. ኣብ ዕሙር ጎደናታት ንምዝውታሩ ቀሊል ዘይኮነ ኣብ ገዛ ግን መጽሓፍ ቅዱስን ካልኦት ጽሑፋትን ብጽቡቕ ክንጥቀም ንኽእል ። 5. ነቲ መጸዋዕታና ግቡእ መልሲ ስለ ዝሃብናሉ ንሕጐስ ። (ማቴ. 5 : 14 – 16) 6. ብዘይ ኣፈላላይ ነፍሲ ወከፍ ገዛ ጽሑፋዊ መልእኽቲ ክበጽሓ ኣጋጣሚ ትረክብ ። 7. የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ካብ ቤት ናብ ቤት ስለ ዝኸዱ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ምዃንና ነፍልጥ ። (1 ቈረ . 11 : 1) 8. ምስቶም ካብ ቤት ናብ ቤት ብምስባኽ ንጡፋትን ፍሉጣትን ዝኾኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ማለት ምስቲ ናይ ዓለምለኸ ሕውነታዊ ማሕበር ሕብረትና ነርኢ ። (1ጴጥ. 5 : 9) 9. እቲ ስርዓታውያን ኮይንና በብግዜኡ ነቲ ዞባና ንምዕማም ካብ ቤት ናብ ቤት ምግልጋልና ጥራይ ነቶም ዝርእዩና ዋላ ነቶም ካብ ማዕዶ ዝዕዘቡና ተጻረርትናውን እንተኾነ ንኹሎም ዝትንክፍ ምስክርነት ኢዩ ዝኾኖም ። (1 ቈረ . 4 : 9) 10. ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 20 : 20, 21, 26 ዝብሎ ግቡእ ምስክርነት ካብ ምሃብ ኣይተቖጠብናን : ካብ ደም ኩሉ ሰብ ከኣ ንጹሃት ኢና ክንብል ንኽእል ኢና ።
4 ናይ ወረዳ ተዓዘብቲ ብፍላይ ኣብቲ ብግቡእ እተመሓደረ ናይ ዞባ መደብ ዘለዎም ኣስፋሕቲ ክበጽሑ ከለዉ እቲ ናይ መጀመርታ ምብጻሕ ገዛውቲ ንኣስፋሕቲ ብዙሕ ከም ዘሐጕሶም ጸብጻብ ሂቦም ኢዮም ። እቶም ብግቡእ ካብ ቤት ናብ ቤት ዘገልግሉ ኣስፋሕቲ ፈረይቲ ኮይኖም ተረኺቦም ኢዮም ። ንኣብነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ብዙሓት ፓይነራት ዝበዝሕ ኣገልግሎቶም ካብ መገዲ ናብ መገዲ ዘሕለፍዎ ሓደ ወይ ክልተ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓዙ ዘለዉዋ: ሓደ ፓይነር ስለምንታይ ንሱ ካብ ኩሎም ብዝበለጸ 12 ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘለውዎ ምስ ተሓተ መልሱ :- “ካብ ቤት ናብ ቤት ብዙሕ እየ ዝዓዪ : ጽንዓታተይ ከኣ ኣብኡ እየ ዝረኽቦም” ዝብል ነበረ ። እወ : ካብ ቤት ናብ ቤት ምግልጋል ንሰባት ከም ዝሰምዑ ይገብሮም ። ፍረ የምጽእ ንዓና ድማ ኣብ ኣገልግሎትና ምስልካይ ወይ ምምናው ዝብል መንፈስ ካባና የርሕቐልና ። ንኽንምዕብል እውን ይሕግዙና ።
5 ትምዕብልዶ ኣሎኻ ? ካብቲ ሽግር ዝነበረሉ ግዜ ሕጂ ብፍልይ ዝበለ መንገዲዶ ትሰብኽ ኣሎኻ ? ንኣብነት ካብቲ ኣብ ዓበይቲ ኣሰምብሊታትን ኣኼባታትን ዝረኸብካዮም ሓሳባት ብምስዓብ እተፋላለየ ኣቀራርባን መእተውን ኣርእስትታትንዶ ትጥቀም ኣሎኻ ? ወይስ ፍቓዶም እንተድኣ ኮይኑስ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ መንግስቲ ኣምላኽ ክትዛረብ ከም እትደሊ ጥራይ ኢኻ እትሓትት ? መንግስቲ ኣገልግሎትና ወርሒ ወርሒ ብዘይምቍራጽ ብዛዕባ እዚ ጽቡቕ ሓሳባት ሒዙ ኢዩ ዝወጽእ ዘሎ : ነቶም ነዚ ዝወጽእ ሓሳባት ኣብ ግብሪ ዘውዕልዎ ምዕቡላት ከኣ የሆዋ ይባርኾም ኢዩ ። ካልእ ዝቐርብ ሕቶ ኸኣ ንምዕዳል ዝኸውን መጽሔታት ብብሕትኻ እትእዝዞ ኣሎካዶ? መዓልቲ ፈሊኻኸ ኣብ ምዕዳል መጽሔታትዶ ትዓዪ ? እዚውን ካልኦት ክሰምዕሉ ዝኽእሉ ካልእ መገዲ ኢዩ ። ካብ ቤት ናብ ቤት ክትከይድ ከሎኻ እትምዝግበሉ ቅጥዒዶ ኣሎካ ? እዚ ንተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ዝሕግዝ ኢዩ ። ነዚ ጠቓሚ ዝኾነ ሓሳባት ኣብ ተግባር ንምውዓል ግዜኡ ኣይኮነን እንብለሉ ምኽንያት የብልናን ። — 2 ቈረ . 6 : 1 – 3
6 ናዕቢ ከልዕሉ ዝፍትኑ ተቓወምቲ ምስ ዘጋጥሙናኸ እንታይ ክንገብር ንኽእል ? ፊልጲ 4 : 6, 7 ክንጭነቕ ዘይኮነስ ናይ ኣምላኸ ጥበብን ሰላምን ንምርካብ ክንጽሊ ከም ዝግብኣና ኢዩ ዘተባብዓና ። 2 ጢሞቴዎስ 2:24 ባእሲ ከነርሕቕ ኢዩ ዝሕብረና ። ብልዙብ መልሓስ ጌርና (ምሳ. 25 : 15) ነቲ ተቐዋሚ ጽቡቕ መዓልቲ ክውዕል ምንዮትና ምዃኑ ገሊጽና ሰላሕ ኢልና ንግደፎ ። (ምስ ምሳ. 26 : 20 ኣነጻጽርዎ።) ስርዓት ናይ ምሳሌ 22 : 3 ኣብ ተግባር ክውዕል ኣለዎ ። ካብቲ ሰባት ብሃይማኖታዊ ስምዒት ተደፊኦም ዘዕገርግርሉ ቦታታት ክንእለ ኣሎና ። ኣብ ብዙሕ ገዛውቲ ዘለዎ ካንሸሎ ድማ ኣብ መዓልቲ ሓንቲ ማዕጾ ጥራይ እንተ በጻሕና ጽቡቕ ኢዩ ። ሽዑ እውን እንተኾነ ሕጽር ዝበለ ምስክርነት ምሃብ ወይ መጽሔት ዓዲልካ ጥራይ ምኻድ ዝሓሸ ኢዩ ። ከምኡ ድማ ንሕና ኣብ ክንዲ ኣብቲ ቦታ ንምለስ ብኻልእ መዓልቲ ካልእ ኣስፋሒ ናብቲ ካንሸሎ ንኻልእ ገዛ ብኸምዚ እተጠቕሰ ኣገባብ ገይሩ ክምስክር ይከኣል ኢዩ ። ኣብዚ ኹሉ እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛብን ናይ ዞባ ኣገልጋልን ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ መራሕን ነቲ ዞባ ብግቡእ ብምድልዳል ክሕግዙ ይኽእሉ ኢዮም ።
7 ኩሉ ሰብ ምእንቲ ክሰምዕ : እተን ኣባጊዕ መሰል ከኣ ክርከባ ኩሉ ዓይነት መዳያት ናይ ኣገልግሎት ብምጥቃም ንዞባና ምሉእ ብምሉእ ንምዕማም ካብ ቤት ናብ ቤት ብምኻድ ሓጐስና ነዕቢ : በረኸትና ከኣ ነስፍሕ ። — 1 ጢሞ . 4 : 16