ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ንስም የሆዋ ብግልጺ ኣውጁ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
    • ኢዩ: ምስ ወዳእኩም ድማ ምኽሩ ክልግሰልካ ኢዩ። — ምስ ገላትያ 6:​6 አነጻጽሮ።

      21 ከምዚ ዝኣመሰለ ካብ ናይ ግራት ኣገልግሎት ሕብረት ዝርከብ ፍቕራዊ ደገፍ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎካ ዕላማታት ንኽትበጽሕ ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ። እዚ ሓገዝ እዚ ከምኡ ድማ የሆዋ ኣብዚ ናይ መሰል ዕዮ እዚ ንኽትዓዪ ስለ ዘፍቀደልካ ኣብ ፍቕራዊ ሕያውነቱ ዘሎካ ዓሚቍ ሞሳን ኣብቲ ናይ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ንጥፈታትካ ዝያዳ መስለጢ ክትከውን ከኽእለካ ኢዩ። ከምኡውን ኵሉ ግዜ ብዛዕባኡ ጽቡቕ ብምዝራብን ስርዓታዊ ኰይንካ ንስሙ ኣብ ህዝቢ ክትእውጅ ብምኽኣልን ንየሆዋ ኽትባርኽ ተዋሂቡካ ዘሎ መሰል ሓብሒብካ እትሕዞ ይግበርካ። — መዝሙር 145:​1, 2, 9-13

      22. እቲ ዝቕጽል መጽናዕትና ንኸመይ ዝበሉ ሕቶታት ንኽንምልሽ ኢዩ ዝሕግዘና?

      22 ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን ኣብቲ ካብ ቤት ናብ ቤት እንገብሮ ኣገልግሎትና ዝተደጋገመ ተመላሊሰካ ምብጻሕ ንገብር ኢና። ብዙሓት ዓሚቍ ሞሳ ብምግላጽ ነቲ ብስራት ጽን ኢሎም ይሰምዕዎ ኣለዉ። ይኹን ድኣ እምበር ገሊኦም ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኸይሰምዑ የድሓርሕሩ ይኾኑ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት እንታይ ክንገብር ኢዩ ዝግብኣና? ኣብቲ የሆዋ ንህዝቡ ዝመደበሎም ዕዮ ብኸመይ ኢና ክንዕገስ እንኽእል? እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታት ኢዩ ክሕግዘና ወይ ክመርሓና ዝኽእል? እዘን ሕቶታት እዚኣተን ኣብቲ ቀጺሉ ዘሎ ዓንቀጽ ክምለሻልና ኢየን።

      ነዞም ነጥብታት ተረዲእኹምዎምዶ?

      ◻ ሆሴእን ሃዋርያ ጳውሎስን ክልቲኦም ብዛዕባ ናብ ኣምላኽ ዝቐርብ መስዋእትታት እንታይ ኢዮም ዝበሉ?

      ◻ ንህዝቅኤልን ንኣሞጽን ኽንበዩ ዝደረኾም እንታይ ኢዩ?

      ◻ ነቲ ናይ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዕዮና ብኸመይ ኢና ከንጥምቶ ዘሎና?

      ◻ ካብቲ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዝግበር ሕብረት እንታይ ረብሓታት ኢዩ ክርከብ ዝኽእል?

  • ነቶም ነብያት ኣምላኽ ከም ኣርኣያ ግበርዎም
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
    • ነቶም ነብያት ኣምላኽ ከም ኣርኣያ ግበርዎም

      “ኣቱም ኣሕዋተይ: ነቶም ብስም እግዚኣብሄር እተዛረቡ ነብያት: ኣርኣያ ሓሳረ መከራ ግበርዎም።” — ያእቆብ 5:​10

      1. ኣገልገልቲ የሆዋ ስደት ክበጽሖም ከሎ እውን ከይተረፈ ሕጉሳት ክኾኑ ዝሕግዞም እንታይ ኢዩ?

      ኣገልገልቲ የሆዋ: ዋላ እኳ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ተስፋ ዘቑርጽ ሃዋህው ኣስፋሕፊሑ እንተሎ ሓጐስ ኢዮም ዘንጸባርቑ። ምኽንያቱ ኸኣ ንኣምላኽ የሐጕሱ ከም ዘለዉ ስለ ዝፈልጡ ኢዩ። መሰኻኽር የሆዋ ኣብ ትሕቲ ስደትን ተጻራርነትን ክኾኑ ከለዉ እውን ምእንቲ ጽድቂ ኢሎም ይስደዱ ከም ዘለዉ ስለ ዝፈልጡ ነቲ ህዝባዊ ኣገልግሎቶም ጸኒዖም ኢዮም ዝድግፍዎ። የሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ ከምዚ ኢሉ ነገሮም:- “እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምን: ብጹኣን ኢኹም። ከምኡ ኸኣ ቅድሜኹም ንዝነበሩ ነብያት ሰጒጐምዎም እዮም እሞ: ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝኾነ: ተሐጐሱ ባህውን ይበልኩም።” (ማቴዎስ 5:​10-12) እወ: ኣገልገልቲ ኣምላኽ ናይ እምነት ፈተናታት ከጋጥሞም ከሎ ኵሉ ግዜ ከም ሓጐስ ኢዮም ዝወስድዎ።​—⁠ያእቆብ 1:​2, 3

      2. ብመሰረት ያእቆብ 5:​10: ትዕግስቲ ከነርኢ ክሕግዘና ዝኽእል እንታይ ኢዩ?

      2 ወዲ መዝሙር ያእቆብ ከምዚ ክብል ጸሓፈ:- “ኣቱም ኣሕዋተይ: ነቶም ብስም እግዚኣብሄር እተዛረቡ ነብያት: ኣርኣያ ሓሳረ መከራን ትዕግስትን ግበርዎም።” (ያእቆብ 5:10) ዳቭልዩ ኤፍ ኣርነት ከምኡውን ኤፍ ዳቭልዩ ጊንግሪች ነታ ኣብዚ “ኣርኣያ” (ሃይፖዴይግማ ) ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ከም “ኣብነት፣ ሞዴል፣ ኣርኣያ ብሰናይ መገዲ ንኽትቀድሖ ዘለዓዕለካ ወይ ከለዓዕለካ ዝግባእ ነገር ኢዩ” ኢሉ ይገልጻ። ከምቲ ኣብ ዮሃንስ 13 : 15 ተመልኪቱ ዘሎ “እዚ ካብ ኣብነት ንላዕሊ ኢዩ። ሓደ ፍሉይ ቅድመ–መርኣያ ኢዩ።” (ቲኦሎጂካል ዲክሸነሪ ኦቭ ዘ ኒው ተስታመንት) ስለዚ እምበኣር ዘመናውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዛዕባ “ሓሳረ መከራን” ብዛዕባ “ትዕግስትን” ዝምልከት ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ ከም ኣርኣያ ክገብርዎም ይኽእሉ ኢዮም። ንናብራኦም ክንምርምሮ ከሎና እንታይ ካልእ ኢና ከነስተውዕሎ እንኽእል? እዚኸ ከመይ ገይሩ ኢዩ ኣብቲ ናይ ሰብከት ንጥፈትና ክሕግዘና ዝኽእል?

      ሓሳረ መከራ ረኸቡ

      3, 4. ነብዪ ኣሞጽ ነቲ ካብ ኣማስያ ዝመጾ ዝነበረ ተጻራርነት ብኸመይ ኢዩ መሊሽሉ?

      3 ነብያት ኣምላኽ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ልዕሊኦም ሓሳረ መከራ ወይ ጭከና ይፍጸም ነበረ። ንኣብነት ኣብ ታሽዓይ ክፍለ ዘበን ቅድሚ ኣቆጻጽራ ዘበንና: እቲ ንምራኽ ዘምልኽ ዝነበረ ካህን ኣማስያ ንነብዪ ኣሞጽ ብረሲእነት ተጻረሮ። ኣማስያ ብሓሶት ተላዒሉ ኣሞጽስ ያኢ ንጉስ ብሴፍ ክቕተል ዮሩሳሌም ድማ ክትማረኽ ኢያ ኢሉ ብምንባይ ንዳግማዊ የሮብዓም ከም እተመሓሓለሉ ገይሩ ተዛረበ። ኣማስያ ንኣሞጽ ብምቍንጻብ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ:- “ኣታ ነብዪ: ኪድ: ናብ ሃገር ይሁዳ ህደም: ኣብኣ ኸኣ እንጌራኻ ብላዕ: ኣብኣውን ተነበ: ቤት–ኤል ግና መቕደስ ንጉሰን ቤት መንግስትን እያ እሞ: ደጊም ድሕርዚ ኣብኣ ኣይትነበ።” በዚ ናይ ዘለፋ ቃላት እዚ ዕጅብ ከይበሎ ኣሞጽ ከምዚ ኢሉ መለሰ:- “ኣነስ ጓሳ ኣሓን ኣራይ ዳዕሮን ነበርኩ እምበር: ነብዪ ወይስ ወዲ ነብዪ ኣይኰንኩን። መጓሰ ኣባጊዕ ክኽብክብ ከሎኹ: እግዚኣብሄር ወሰደኒ: እግዚኣብሄርውን: ኪድ እሞ ንህዝበይ እስራኤል ተነበየሉ: በለኒ።”​—⁠ኣሞጽ 7:​10-15

      4 መንፈስ የሆዋ ንኣሞጽ ብትብዓት ንኽንበ ስልጣን ሂብዎ ኢዩ። ኣሞጽ ከምዚ ዝስዕብ ክብሎ ኸሎ ኣማስያ ዝተሰምዖ እሞ ገምቶ:- “ቓል እግዚኣብሄር ስማዕ: ንስኻ: ኣንጻር እስራኤል ኣይትነበ: ኣንጻር ቤት ይስሃቅውን ኣይተንጠብጥብ: ትብል አሎኻ። ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፤ ሰበይትኻ ኣብታ ኸተማ ኣመንዝራ ኽትከውን እያ: ኣወዳትካን ኣዋልድካን ከኣ ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም: ምድርኻ ድማ ብገመድ ክትምቀል እያ: ንስኻውን ኣብ ርኽስቲ ሃገር ክትመውት ኢኻ: እስራኤል ከኣ ብርግጽ ካብ ሃገሩ ኺማረኽ እዩ።” እቲ ትንቢት እቲ ተፈጺሙ ኢዩ። (ኣሞጽ 7:​16, 17)

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ