ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ንመጽሓፍ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ ኣበርክታ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995 | ታሕሳስ
    • ንመጽሓፍ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ ኣበርክታ

       1 እታ ንዘለኣለም ምንባር እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ክትወጽእ ከላ ተሓጒስና ኢና! ኣብ ርጡብ ፍልጠት ናይ ሓቂ ክበጽሑ ንሰባት ንምሕጋዝ ኢያ ተዳልያ። ኣብ ታሕሳስ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ዞባና ክንዕድላ ተወሳኺ ኣጋጣሚ ክህልወና ኢዩ። ተገዳስነት ንምልዕዓል እንታይ ክንብል ንኽ​እ⁠ል፧

       2 ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ እምነት ዝደኸመ ሰብ ክስሕብ ዝኽእል ኣቀራርባ እንሆ:-

      ◼ “ብዙሓት ሰባት ኣብ ኣምላኽ እምነት ብምግባር ኢዮም ዓብዮም: ሕጂ ግን እምነቶም ከምቲ ሓደ ግዜ ዝነበሮ ከም ዘይኰነ ተገንዚቦምዎ ኣለዉ። ናይዚ ምኽንያት እንታይ ክኸውን ይኽእል ኢልካ ትሓስብ፧ [መልሲ ተጸበ።] ኣብ ኣምላኽ ዘሎና እምነት ነቲ ኣብ ኣድማስ ዘሎ ድንቅታት ብምሕሳብ ክሕይል ይኽእል ኢዩ። [ንመዝሙር 19:⁠1 ኣንብብ።] እቲ ነዞም ሰማያዊ ኣካላት ዝገዝእ ሕጊ ዝሃበ: ንዓናውን ዘድሊ ቍም ነገር ዘለዎ መምርሒ ሂቡና ኢዩ። [ንመዝሙር 19:​7-9 ኣንብብ።] እዞም ጥቕስታት እዚኣቶም ብዛዕባ ኣምላኽን ዕላማታቱን ብዝከኣለና መጠን ክንማሃር ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ከም ዝዀነ የጕልሑ። [ናብቲ ኣብ ገጽ 12 ከምኡውን 13 ዘሎ ስእላዊ መግለጺ ከም ዘቕልብ ግበሮ።] ካብዚ ፍሉይ ፍልጠት ክትጥቀም ትደሊ እንተድኣ ዄንካ: ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ክገድፈልካ ደስ ምበለኒ።”

       3 ሓደ ዘሕዝን ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዜና እተነግረ ፍጻሜ ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ: ከምዚ ክትብል ትኽእል:-

      ◼ “ብዛዕባ [ነቲ ፍጻመ ጥቐሶ] ሰሚዕካ ትኸውን። ብዛዕባ እዚ ኣብ ከባቢና እንርእዮ ወይ ድማ ኣባና ዝፍጸም ዘሎ ምጕዳል ፍትሕን ስቓይን ኣምላኽ ብሓቂ ይግደስ ኢዩ ኢልካ ሓቲትካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ከም ዘፍቅረናን ኣብ ግዜ ጸገም ድማ ከም ዝሕግዘናን የረጋግጸልና ኢዩ።” ገለ ክፋላት ናይ መዝሙር 72:​12-17 ኣንብብ። ኣብ ገጽ 99 ናይታ መጽሓፍ ገንጽል እሞ: እዛ መጽሓፍ እዚኣ እቲ ሚልዮናት ሰባት ኣምላኽ ንስቓይ ዘፍቀዶ ስለምታይ ኢዩ፧ ኢሎም ዝሓትዎ ሕቶ ከም እትምልስ ኣመልክት። “ናይዛ ሕቶ እዚኣ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ኣዝዩ ዘጸናንዕ ኰይኑ ክትረኽቦ ኢኻ። ብዛዕባ እዚ ባዕልኻ ምእንቲ ከተንብብ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ክገድፈልካ ምፈቶኹ።”

       4 ወላዲ እንተድኣ ኣጓኒፉካ ኣብ ስድራቤት ከተተኵር ትኽእል ኢኻ:-

      ◼ “ዝበዝሑ ወለዲ ሕጕስ ናብራ ስድራቤት ንኽትዕቅብ ክትፍትን ከሎኻ ብዙሕ ሽግራት ከም ዘጋጥመካ ይሰማምዑሉ ኢዮም። ቀንዲ ዓንቃፊ ዝኸውን እተዓዘብካዮ እንታይ ኣሎ፧ [መልሲ ተጸበ።] መብዛሕትና እቲ ዝከኣለና ንገብር ኢና: ይኹን እምበር ዝሓሸ ውጽኢት ክንረክብ ዝሕግዘና ደገፍ ምስ ዝህሉ ዝበዝሕ ግዜ ነማስወሉ ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ኣዝዩ ብሉጽ ምኽሪ ይህብ ኢዩ። [ገለ ክፋላት ናይ ቈሎሴ 3:​12, 18-21 ኣንብብ።] ከምዚ ኣብ ምዕራፍ 29 ናይዛ መጽሓፍ እዚ ኣብ ትሕቲ ‘ንናብራ ስድራቤትካ ዕዉት ምግባር’ ዝብል ኣርእስቲ ተሓቢሩ ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ ብዙሕ ዝብሎ ኣለዎ። ካብ ስጋዊ ጸቕጢ ብኸመይ ናጻ ከም እትኸውንን ደቅና ዘጋጥሞም ሽግራት ብኸመይ ከም እንዋጽኣሎምን ብምሕባር ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ምኽሪ ትትንትኖ ኢያ። ኣንቢብካ ከም እትሕጐሰላ ርግጸኛ ኢየ።”

       5 ሕጽር ዝበለ መእተዊ እንተድኣ ደሊኻ: ነዚ ክትፍትን ትኽእል ኢኻ:-

      ◼ “ስለምንታይ ከም እንኣርግን ከም እንመውትን ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ ገጽ 74 ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ምኽንያት ናይ ሞትን ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዘልግሶን ትገልጽ ኢያ። መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ነቶም ዘፍቅርዎ ዘለኣለማዊ ህይወት ተመባጺዑሎም ከም ዘሎ ይነግረና ኢዩ። [ንዮሃንስ 17:⁠3 ኣንብብ።] ብዛዕባ እዚ ከተንብብ ትደሊ እንተድኣ ኴንካ: እዛ መጽሓፍ እዚኣ ፍልጠት እትህብ ኰይና ክትረኽባ ኢኻ።”

       6 ጽቡቕ ገይርና እንተድኣ ተዳሊና: ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ንኻልኦት ዓቢ ሓጐስ ከምጽእ ብዝኽእል መገዲ ነቲ ‘ቅዱስ ጽሑፋት ንኸተብርሃሎም’ ክንጥቀመላ ንኽእል ንኸውን!​—⁠ሉቃ. 24:⁠32 ትሓዓ

  • ነቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ተመለስዎም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995 | ታሕሳስ
    • ነቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ተመለስዎም

       1 ብዛዕባ ተመላሊስካ ምብጻሕ ዝመጸ ጥንቁቕ ምዃን ናይቲ ንየሆዋን ንብጾትና ሰባትን ዘሎና ፍቕሪ መግለጺ ኢዩ። ከምኡውን ናይቲ ኣብ ማቴዎስ 28:​19, 20 ተመዝጊቡ ዘሎ: ደቀ-መዛሙርቲ ክንገብርን ንሰባት ክንምህርን ዝነግር ናይ የሱስ ትእዛዝ ከም እንፍጽም መርኣያ ኢዩ። እዚ: ናይቲ ህይወት ኣድሕን ዕዮና ኣገዳሲ መቐጸልታ ኢዩ። (በጃኻ ንምሳሌ 24:​11, 12 ኣንብባ።) ብዛዕባ ተመላሊስካ ምብጻሕ ዝመጸ እተመሓደርካ ምዃን: ንድያብሎስ ነቲ ኣብ ናይ መጀመርታ ምብጻሕ እተዘርአ ከይምንቍሶ ይኽልክሎ ኢዩ። (ማቴ. 13:19) ናይ ተገዳስነት ጽቡቕ መዘኻኸሪ ትሕዝዶ ኢኻ፧ ንተመላሊስካ ምብጻሕ ስርዓታዊ ኴንካ ግዜ ትምድብዶ ኢኻ፧ ነዚኸ ተጠንቂቕካ ትምዝግቦን ጸብጻብ ተቕርበሉንዶ ኢኻ፧ እንደገና ኣብዚ ንቐሊል ተመላሊስካ ምብጻሕ ዝኸውን ገለ ሓሳባት እንሆ። እቲ ኣብነታት ነቲ በዓል ቤት ሰላም ከም ዝበልካዮን ኣብቲ ግቡእ ዝዀነ ድማ ብዛዕባ ጥዕንኡ ከም ዝሓተትካዮን ኰይኑ’ዩ ቀሪቡ ዘሎ።

       2 ምስ ሓደ ኣብ ኣምላኽ እምነት ዘጥፍአ እሞ ጌና ገለ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ ተዘራሪብካ እንተድኣ ነይርካ: ነታ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 12ን 13ን ዘሎ ስእላዊ መግለጺ ገንጺልካ ከምዚ ብምባል ክትጅምር ትኽእል ትኸውን:-

      ◼ “ኣብ ዝሓለፈ መጺአ ከሎኹ: ነዚ ስእላዊ መግለጺ ናይዚ ደስ ዘብል ጽቡቕ ከባቢ ርኢናዮ ነይርና። ‘ነዚ ክትሕጐሰሉ እንታይ ክትገብር ይግብኣካ፧’ ዝብል ሕቶ ይመጽእ። ነዚ ብኸመይ ምመለስካሉ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ካብቲ መሰረታዊ ብቕዓታት ኣነጺሩ ይገልጽ ኢዩ። [ንዮሃንስ 17:⁠3 ኣንብባ።] ነቲ ናብ ኣምላኽ ዘሎና እምነት ፍልጠት ኣድላዪ ኢዩ። ነቲ ዘድልየና ክንፈልጥ እንመሃረሉ እቲ ኣዝዩ ዝበለጸ መገዲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብብልሓት ምጽናዕ ኢዩ።” ናብ ምዕራፍ 1 ብምግንጻል ገለ ካብቶም ኣብ ቍጽሪ 1 ክሳዕ 3 ዘለዉ ዘተባብዑ ሓሳባት ኣመልክት። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዝምራሕ ግለጸሉ: ንዝያዳ ምይይጥ ከም እትምለስ ድማ ንገሮ።

       3 ነቲ ኣምላኽ ስቓይ ክቕጽል ስለምንታይ ኣፍቀዶ ዝብል ክትቅጽል እንተድኣ ተመሊስካ: ከምዚ ክትብል ትኽአል:-

      ◼ “ኣብ ዝሓለፈ ግዜ መጺአ ከሎኹ ብዛዕባ [ዝዀነ እተፈጸመ ፍጻመ ጥቐስ] ተዘራሪብና ነይርና። ኣምላኽ ኣብ ዓለም ክንድዚ ዝኣክል ስቓይ ክህሉ ዘፍቅድ ስለምንታይ ኢዩ ዝብል ሕቶ ይመጽእ ኢዩ። ኣብ እንታይ መደምደምታ ኢኻ በጺሕካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ንኸምዚ ዝበለ ዘጨንቕ ኵነታት ኣምላኽ ተሓታቲ ከም ዘይኰነ ምፍላጥ ዘተባብዕ ኢዩ።” ናብ ገጽ 99 ከምኡውን 100 ናይ መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር [እንግሊዝኛ] ብምግንጻል ነቶም ኣብዚ ቍጽርታት እዚ ዘለዉ ገለ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት ተመያየጠሎም። ነዚ ኣምላኽ ክቕጽል ፈቒድዎ ዘሎ ስቅያት ቀልጢፉ ክውዳእ ምዃኑ ስለምንታይ ርግጸኛታት ክንከውን ከም እንኽእል ክትገልጸሉ ከም እትምለስ ንገሮ።

       4 ናብ ሓደ ብዛዕባ ናይ ስድራቤት ሽግራት ዝግደስ ወላዲ ክትበጽሖ ትምለስ እንተድኣ ኣሊኻ: ከምዚ ክትብል ትኽእል ትኸውን:-

      ◼ “ንስኹም ከም ወላዲ መጠን ንደቅኹም እቲ ዝበለጸ ከም እትምነይሎም እፈልጥ ኢየ። ካብ ዝዀነ ይኹን ሕማቕ ነገራት ክትከላኸለሎም ዘይክኣል ስለ ዝዀነ: ነቲ ናይ ህይወት ሽግራት ክዋጽእሉ ክትምህሮም ይግባእ። እዚ ብኸመይ ክግበር ይከኣል ምበልኩም፧ [መልሲ ተጸበ።] ሓደ ካብቶም ወላዲ ክገብሮም ዝኽእል ኣዝዮም ኣገደስቲ ነገራት ልምምድ ምሃብ ኢዩ።” ናብ መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ገጽ 245-6 ብምኻድ ኣገዳስነቱን ምስዓቡ ብኸመይ በረኸት ከም ዘለዎን ብምጕላሕ ናብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተግባራዊ ምኽርታት ከም ዘተኵሩ ግበር። ሕጕስ ናብራ ስድራቤት ንኽህልዎም ብኸመይ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ከም ዝጥቀሙላ ከተርእዮም ተመሊስካ ከም እትመጽእ ሓብሮም።

       5 ናብቲ ሓጺር ኣቀራርባ እተጠቐምካሉ ትበጽሕ እንተድኣ ኣሊኻ: ከምዚ ክትብል ትኽእል:-

      ◼ “ክንኣርግን ክንመውትን ፈጺሙ ዕላማ ኣምላኽ ኣይነበረን። ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ክንነብር ኢዩ ሓሊኑ ነይሩ።” ነቲ ኣብ ገጽ 162 ዘሎ ስእላዊ መግለጺ ኣርእዮ። ነቲ ኣብ ገጽ 74 ቍጽሪ 16-18 ዘሎ ሓሳባት ኣንብቦ። ንኻልእ ተመላሊስካ ምብጻሕ ምትዕርራይ ግበር።

       6 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብርግጽ ነቲ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዝግበር ዘሎ ናይ ምእካብ ዕዮ ‘ንምቅልጣፍ’ እትሕግዝ ናይ የሆዋ ምድላው ኢያ። (ኢሳ. 60:22) ብስሉጥ መገዲ እንተድኣ ተጠቒምናላ: ንሓደ ሰብ ዘለኣለማዊ ህይወት ንኽረክብ ክንሕግዝ ንኽእል ኢና።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ