-
ምዕጋስ ዓስቢ የምጽእናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004 | ነሓሰ
-
-
ምዕጋስ ዓስቢ የምጽእ
1 “ንነፍስኹም ብትዕግስትኹም ከተጥርይዋ ኢኹም።” (ሉቃ. 21:19) እዘን ክርስቶስ ብዛዕባ “መወዳእታ ዓለም” እተዛረበን ቃላት: ንጽህናና ሓሊና ብምምልላስና ብዙሕ ፈተና ኸም ዜጋጥመና እየን ዜነጽራ። ይኹን እምበር: ነፍሲ ወከፍና ብሓይሊ የሆዋ ‘ኽሳዕ መወዳእታ ተዓጊስና ኽንድሕን’ ኢና።—ማቴ. 24:3, 13፣ ፊል. 4:13
2 ስደት: ናይ ጥዕና ጸገማት: ቍጠባዊ ሽግራት: ስምዒታዊ ጭንቀት መዓልታዊ ዜጋጥመና ፈተናታት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ሰይጣን ንየሆዋ ዘሎና ንጽህና ንምብልሻው ሒዅ ከም ዚብል ኣይንረስዕ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ነቦና እሙናት ኴንና እንተ ውዒልና: ነቲ ጸራፊ መልሲ ንምሃብ የኽእለና። ፈተና ኼጓንፈና ኸሎ ‘እንነብዖ ንብዓት’ ከም ዘይርሳዕ ምፍላጥናስ ኣየ ኽንደይ ኰን ዜተባብዕ እዩ! ንብዓትና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣዝዩ ኽቡር ዋጋ ኣለዎ: ንጽህናና ድማ ንልቡ የሐጕሶ እዩ።—መዝ. 56:8፣ ምሳ. 27:11
3 ፈተናታት ብሱላት ይገብረና:- ጸበባ: ሓደ ሰብ ዘለዎ ምጕዳል እምነትን ከም ትዕቢትን ዓቕሊ ምስኣን ዝኣመሰለ ሕማቕ ኣመልን የቃልዕ። ቅዱስ ጽሑፋዊ ደገፍ ብዘይብሉ መገዲ ኻብ ፈተና ንምህዳም ወይ ነቲ ፈተና ደው ንምባል ኣብ ክንዲ ንጽዕር: ነቲ ቓል ኣምላኽ “ብትዕግስቲ ክሳዕ መወዳእታ ጽንዑ” ኢሉ ዝሃበና ምኽሪ ነቕልበሉ። ከመይሲ: ኣብ ፈተና ብእምነት ምጽናዕና “ፍጹማትን ምሉኣትን” ይገብረና። (ያእ. 1:2-4 ትርጕም 1990) ኣብ ፈተና ምጽማም ከም ልእመት: ሓልዮት: ምሕረት ዝኣመሰለ ብዋጋ ዘይሽነን ባህሪ ኸነጥሪ ይሕግዘና።—ሮሜ 12:15
4 እተዀልዐት እምነት:- ኣብ ፈተና ምስ እንጸንዕ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣዝያ ዝኸበረት እተዀልዐት እምነት ኢና እነጥሪ። (1 ጴጥ. 1:6 7) ከምዚኣ ዝበለት እምነት ንመጻኢ ኣብ ዜጓንፈና ፈተናታት ተባዓት ኴንና ኽንዋጽኣሉ ትሕግዘና። ብተወሳኺ: ስምረት ኣምላኽ ንረክብ: እዚ ኸኣ ንተስፋና የደልድላ: ዝያዳ ህያው ድማ ይገብራ።—ሮሜ 5:3-5
5 ኣብ ያእቆብ 1:12 እቲ ብምዕጋስና እንረኽቦ ዝበለጸ ዓስቢ “ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ እሞ: እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ” ይብለና። እምበኣርከስ: የሆዋ “ነቶም ዜፍቅርዎ” ኣብዚሑ ኸም ዚባርኾም ብምትእምማን ክሳዕ መወዳእታ ንዕኡ ውፉያት ኴንና ንጽናዕ።
-
-
ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004 | ነሓሰ
-
-
ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ
2ይ ክፋል:- ነቲ መጽናዕቲ ንምምራሕ ምድላው
1 ጽቡቕ ጌርካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ: በቲ ንመጽናዕቲ ኢሉ እተዳለወ ጽሑፍ ጌርካ ምምይያጥን ኣብቲ ጽሑፍ ዘይተጠቕሱ ጥቕስታት ምንባብን ጥራይ ኣይኰነን ዜጠቓልል። የግዳስ: ነቲ ትምህርቲ ልቢ እቲ ተመሃራይ ከም ዚትንክፍ ጌርና ኸነቕርቦ ኣሎና። እዚ ድማ ብዛዕባ እቲ ተመሃራይ እናሓሰብካ ብግቡእ ምድላው ይሓትት።—ምሳ. 15:28
2 ብኸመይ ከም እትዳሎ:- ክትጅምር ከለኻ ብዛዕባ እቲ ተመሃራይን ብዛዕባ ዜድልዮ ነገራትን ናብ የሆዋ ጸሊ። ልቡ ንኽትንክፎ ኺሕግዘካ እውን ለምኖ። (ቈሎ. 1:9, 10) እቲ ቐንዲ ፍረ ነገር ብንጹር ምእንቲ ኺርደኣካ ነርእስቲ እቲ ምዕራፍ ወይ ትምህርቲ: ነቲ ንኡስ ኣርእስትታት: ከምኡውን ነቲ ተወሳኺ መብርሂታት ግዜ መዲብካ ኣተኵረሉ። ንርእስኻ ‘ናይዚ ጽሑፍ እዚ ቐንዲ ፍረ ነገር እንታይ እዩ፧’ ኢልካ ሕተት። እዚ ድማ መጽናዕቲ ኽትመርሕ ከለኻ: ቀንዲ ነጥብታት ከም እተጕልሕ ይገብረካ።
3 ንነፍሲ ወከፍ ሕጡብ ጽሑፍ ተዳለወሉ። ነቲ ኣገዳሲ ቓላትን ሓረጋትን ጥራይ ብምስማር: ንመልሲ እቲ ሕቶታት ምልክት ግበረሉ። እቲ ሓሳቡ ዘይተገልጸ ጥቕስታት ምስቲ ቐንዲ ሓሳብ እቲ ሕጡብ ጽሑፍ ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ ሕሰብ: ኣብቲ መጽናዕቲ እተንብብዎ ጥቕስታት ድማ ወስን። ኣብ ሕድጋት ሕጽር ዝበለ መዘኻኸሪ ጥቕስታት ምጽሓፍ ይሕግዘካ እዩ። እቲ ተመሃራይ እቲ ዚመሃሮ ዘሎ ነገር ካብ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ኺርድኦ ኣለዎ።—1 ተሰ. 2:13
4 ምስ ኵነታት እቲ ተመሃራይ ዚሰማማዕ:- ድሕሪኡ: እቲ ትምህርቲ ምስ ኵነታት እቲ ተማሃራይ ብኸመይ ከተሰማምዖ ኸም እትኽእል ሕሰብ። ነቲ ንምርዳእ ወይ ድማ ንምቕባል የጸግሞ ይኸውን እዩ እትብሎ ሕቶታትን ነጥብታትን ኣቐዲምካ ተዳለወሉ። ንርእስኻ ‘ብመንፈስ ዕቤት ንኺገብር እንታይ ኪርድኦ ኣለዎ ወይ ድማ ኣብ ምንታይ መዳያት ኬመሓይሽ ኣለዎ፧ ንልቡኸ ብኸመይ ክትንክፎ እኽእል፧’ ኢልካ ሕተት። ሽዑ ኣመሃህራኻ ነዚ ዚሰማማዕ ግበሮ። ሓድሓደ ግዜ እቲ ተማሃራይ ሓንቲ ጥቕሲ ወይ ሓሳብ እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ ምእንቲ ኺርድኦ መብርሂታት ወይ ድማ ተኸታታሊ ሕቶታት ከተዳሉ የድልየካ ይኸውን። (ነህ. 8:8) ነቲ ቐንዲ ፍረ ነገር ንምብራህ ኣበርክቶ ዘይገብር ሓሳባት ግን ኣይትወስኽ። ኣብ መወዳእታ እቲ መጽናዕቲ ሓጺር ድግማ ምግባር: እቲ ተማሃራይ ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ንኺዝክሮ ይሕግዞ።
5 ሓደስቲ ሰባት ፍረ ጽድቂ ኣፍርዮም ንየሆዋ ኼመስግኑ ኸለዉ ምርኣይሲ ኣየ ኽንደይ ኰን ዜሐጕስ እዩ! (ፊል. 1:11) ናብዚ ሸቶ እዚ ኺበጽሑ ንምሕጋዝ መጽናዕቲ ቕድሚ ምምራሕካ ብግቡእ ተዳሎ።
-