ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኣብ ኣፍ ቤትን ብተሌፎንን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማር
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005 | ነሓሰ
    • ኣብ ኣፍ ቤትን ብተሌፎንን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማር

      1, 2. ነቶም ብስራሕ ትሑዛት ዝዀኑ ሰባት ንምሕጋዝ: ናይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መደብና ብኸመይ ከነተዓራርዮ ንኽእል፧

      1 ሎሚ ሰባት ብስራሕ ትሑዛት እኳ እንተዀኑ: ብዙሓት ግን ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ይግደሱ እዮም። ስለዚ: መንፈሳዊ ድሌቶም ንምዕጋብ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧ (ማቴ. 5:3) ብዙሓት ኣስፋሕቲ ኣብ ኣፍ ቤት: ብተሌፎን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሑ ኽኢሎም እዮም። በዚ ኸምዚ ኣገልግሎትካ ኸተስፍሕ ምኸኣልካዶ፧

      2 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር: ኣጋጣሚ ኣብ ዝረኸብናሉ እዋን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ ድሉዋት ክንከውን ኣሎና። ነዚ ኣበይን ብኸመይን ክንገብሮ ንኽእል፧

      3. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ናይ ፈለማ ምብጻሕና ኽንጅምር ዘሎና ስለምንታይ እዩ: ከምዚ ኽንገብር እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

      3 ኣብ ኣፍ ቤት:- ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኪዘራረብ ፍቓደኛ ዝዀነ ሰብ ምስ እትረክብ: ብቐጥታ ነቲ ኣቐዲምካ ተዳሊኻሉ ዝጸናሕካ ሕጡብ ጽሑፍ: ከም ኣብ ብሮሹር ብቕዓት ትምህርቲ 1 ቝጽሪ 1 ዝኣመሰለ: ብምግንጻል ዘረባኻ ጀምር። ነቲ ሕጡብ ጽሑፍ ኣንቢብካ ነታ ሕቶ ተመያየጡላ: ካብቲ ኣብኡ ተጠቒሱ ዘሎ ሓደ ወይ ክልተ ጥቕስታት እውን ተዘራረቡሉ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ ሓሙሽተ ኽሳዕ ዓሰርተ ደቒቕ ብምውሳድ ኣብ ኣፍ ቤት ኴንካ ኺግበር ይከኣል እዩ። እቲ ሰብ ነቲ ምይይጥ ኪቕጽሎ እንተደኣ ደልዩ: ነቲ ቐጺሉ ዘሎ ሕጡብ ጽሑፋት ካልኣይ ግዜ ተመሊስካ ኽትመያየጠሉ ቘጸራ ግበር።—መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ዚሕግዝ ተወሳኺ ቐጥታዊ ኣቀራርባ ኣብ ናይ ጥሪ 2002 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 6 ኺርከብ ይከኣል እዩ።

      4. ተመላሊስካ ምብጻሕ ክንገብር ከሎና: ኣብ ኣፍ ቤት ኴንና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከነጀምር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

      4 ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከለኻ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር እውን ተመሳሳሊ ኣቀራርባ ኽትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት: ምስ ብሮሹር ብቕዓት ብምልላይ ንትምህርቲ 2 ኻብ ቍጽሪ 1-2 ዘሎ ሓሳባት ተጠቒምካ ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ክትመያየጥ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ዚቕጽል ምብጻሕካ: ቝጽሪ 3-4 ተጠቒምካ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ እንታይ ከም ዚብል ክትዘራረበሉ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ዚቕጽል ዝርርብኩም ንቝጽሪ 5-6 ክትመያየጡለን ትኽእሉ ኢኹም: ነቲ ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ ተጠቒምካ እውን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምግባር ብዛዕባ የሆዋ ብዙሕ ንኽትፈልጥ ብኸመይ ከም ዚሕግዝ ኣጕልሓሉ። እዚ ዅሉ ኣብ ኣፍ ቤቶም ደው ኢልካ ኸለኻ ኽትገብሮ ትኽእል ኢኻ።

      5, 6. (ሀ) ገለ ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብተሌፎን ኪምርሓሎም ዚደልዩ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) ንሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብተሌፎን ኪገብሩ ኽንሓቶም ከሎና: ከመይ ዝበለ ኣቀራርባ ኽንጥቀም ንኽእል፧

      5 ብተሌፎን:- ገለ ሰባት ኣብ ክንዲ ብኣካል ብተሌፎን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓሎም ይመርጹ እዮም። እዚ ዚስዕብ ተመክሮ ርአ:- ሓንቲ ሓብቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት እናሰበኸት ከላ: ሓንቲ ብስራሕ ትሕዝቲ ዝዀነት ኣደ ረኸበት። እታ ሓብቲ ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ገዛኣ ኽትረኽባ ስለ ዘይከኣለት ተሌፎን ክትድውለላ ወሰነት። እታ ሰበይቲ: ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመያየጥ ግዜ ኸም ዘይብላ ነታ ሓብቲ ገለጸትላ። እታ ሓብቲ ድማ “ብተሌፎን እውን ከይተረፈ: ኣብ ውሽጢ 10 ወይ 15 ደቒቕ ሓድሽ ነገር ክትመሃሪ ትኽእሊ ኢኺ” በለታ። እታ ሰበይቲ: “ብተሌፎን ዚከኣል እንተዀይኑ ደኣ ሕራይ!” በለት። ነዊሕ ከይጸንሓ ብተሌፎን ስርዓታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመራ።

      6 ተመላሊስካ ምብጻሕ እትገብረሎም ወይ እትፈልጦም ሰባት ብተሌፎን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብሩ ይደልዩዶ ይዀኑ፧ ነቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣቀራርባ ኽትፍትኖ ወይ ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ:- “እንተደኣ ደሊኻ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብተሌፎን ክንዘራረብ ንኽእል ኢና። ከምኡዶ ምሓሸካ፧” ነቲ ናይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መደብና ምስ ናይ ካልኦት ኵነታት ብምስምማዕ: ሰባት ‘ንምፍላጥ ኣምላኽ ኪረኽብዎ’ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና።—ምሳ. 2:5፣ 1 ቈረ. 9:23

  • መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005 | ነሓሰ
    • መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል

      ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሰነ

      “ኵሉ ሰብ ብዛዕባ ሰላም እኳ እንተ ተዛረበ: ሓድነት ዓለም ኪመጽእ ግን ኣይከኣለን። ሰላም ኪብጻሕ ዘይክእል ሕልሚ ጥራይ ኰይኑዶ ይስምዓካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ንዓለም ከተሕብራ ብዛዕባ እትኽእል መንግስቲ ትገልጽ እያ።” መዝሙር 72:7, 8 ኣንቢብካ እዚ ብኸመይ ከም ዚፍጸም ንምምይያጥ ተመሊስካ ኽትበጽሖ ቘጸራ ግበር።

      Awake: June 8

      “ንብዙሓት ሰባት እቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ናይ ቈርበት መንሽሮ ኸም ዜተሓሳስቦም ኣስተብሂልካዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ሎሚ ኣብ ሓደገኛ ግዜ ዘለናሉ ምኽንያትን ካብዚ ሕማም እዚ ንምክልኻል ድማ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእልን ትገልጽ።” ነቲ ኣብ እዮብ 33:25 ዘሎ ዜጸናንዕ መብጽዓ ብምክፋል ዛዝም።

      ግምቢ ዘብዐኛ 15 ሰነ

      “መብዛሕትና ዚበዝሕ ዕድሜና ኣብ ስራሕ ኢና እነሕልፎ። ገሊኦም ነዚ ኸም በረኸት ኪርእይዎ ኸለዉ ኻልኦት ግን ከም መርገም እዮም ዚርእይዎ። ንስኻኸ እንታይ ምበልካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ መክብብ 2:24 ኣንብብ] እዛ መጽሔት እዚኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ስራሕ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ንኺህልወና ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ትገልጽ። ነቲ ምስ ስራሕ ተተሓሒዙ ዚመጽእ ጸቕጥታት ብኸመይ ክንዋጽኣሉ ኸም እንኽእል እውን ትገልጽ እያ።”

      Awake! June 22

      “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ ግብሪ እንተ ዜውዕለን: እዚ እንነብረሉ ዘለና ማሕበረሰብ ዚመሓየሽዶ ይመስለካ፧ [ኤፌሶን 4:28 ኣንብብ። ድሕሪኡ መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: ብዛዕባ እቲ ነፍሲ ወከፍና ብሰንኪ እቲ ኣብ ድኳናት ዚርአ ስርቂ እንኸፍሎ ዝያዳ ገንዘብ ትገልጽ። ካብ ድኳናት ምስራቕ ይኹን ካልእ ኵሉ ገበን ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኺጠፍእ ምዃኑ እውን ትገልጽ እያ።”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ