ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004 | ሕዳር
    • ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ

      3ይ ክፋል:- ንቕዱሳት ጽሑፋት ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ምጥቃም

      1. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከለና ስለምንታይ ኢና ንቕዱሳት ጽሑፋት ከነጕልሕ ዘሎና፧

      1 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከለና: ዕላማና ሰባት ንትምህርትታት ቃል ኣምላኽ ተረዲኦም ኪቕበልዎን ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎን ብምሕጋዝ ‘ደቀ መዛሙርቲ ምግባር’ እዩ። (ማቴ. 28:19, 20፣ 1 ተሰ. 2:13) ስለዚ: እቲ መጽናዕቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘተኰረ ኪኸውን ኣለዎ። ፈለማ: ነቶም ተመሃሮ ኻብ መጽሓፍ ቅዱሶም ከመይ ጌርካ ጥቕሲ ገንጺልካ ኸም ዚርከብ ምርኣይ ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብሩ ንምሕጋዝ ንቕዱሳት ጽሑፋት ብኸመይ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧

      2. ኣየናይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ ኽንበብን ምይይጥ ኪግበረሉን ከም ዘለዎ ብኸመይ ክንውስን ንኽእል፧

      2 ኪንበቡ ዘለዎም ጥቕስታት ምረጽ:- ክትዳሎ ኸለኻ: ነፍሲ ወከፍ ጥቕሲ ምስቲ ዚጽናዕ ዘሎ ሓሳባት ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝን ኣብ እዋን መጽናዕቲ ድማ ኣየናይ ጥቕሲ ኸም ዚንበብን ምይይጥ ከም ዚግበረሉን ኣቐዲምካ ወስን። ብሓፈሻኡ ኺርአ ኸሎ ነቲ መሰረት ናይ እምነትና ዝዀነ ጥቕስታት ምንባብ ተመራጺ እዩ። ነቲ ሓሳብ ንምርጓድ ተባሂሉ ዚኣቱ ጥቕስታት ምንባብ ግን ኣየድልን እዩ። ናይ ነፍሲ ወከፍ ተመሃራይ ድሌትን ኵነታትን ኣብ ግምት ኣእቱ።

      3. ሕቶታት ምጥቃም እንታይ ረብሓ ኣለዎ: ነዚኸ ብኸመይ ክንገብሮ ንኽእል፧

      3 ሕቶታት ተጠቐም:- ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ ባዕልኻ ኣብ ክንዲ እትገልጸሉ: እቲ ተመሃራይ ባዕሉ ከም ዚገልጾ ግበር። ሕቶታት ውሕሉል ብዝዀነ መገዲ ብምጥቃም ነቲ ተመሃራይ ከምዚ ኺገብር ከተለዓዕሎ ትኽእል ኢኻ። ኣወዓዕላ ናይታ ጥቕሲ ብሩህ እንተ ዀይኑ: እታ ጥቐሲ ነቲ ኣብቲ ሕጡብ ጽሑፍ ዘሎ ሓሳባት ብኸመይ ከም እትድግፍ ኪገልጽ ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ግን እቲ ተመሃራይ ባዕሉ ኣብ ግቡእ መደምደምታ ምእንቲ ኺበጽሕ ንጹር ሕቶታት ወይውን ተኸታታሊ ሕቶታት ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ተወሳኺ መግለጺታት ምሃብ ዜድሊ እንተደኣ ዀይኑ: እቲ ተመሃራይ ምስ መለሰ ኺወሃብ ይከኣል እዩ።

      4. እነንብቦም ጥቕስታት ክሳዕ ክንደይ ኢና ኸነብርሆም ዘሎና፧

      4 ቀሊል ግበሮ:- ሓደ ኽኢላ ወርዋር ፍላጻ ዕላማኡ ንምህራም ሓንቲ ፍላጻ ጥራይ እያ እተድልዮ። ብተመሳሳሊ: ሓደ ኽኢላ መምህር እውን ሓንቲ ነጥቢ ንምጕላሕ ብዙሕ ቃላት ምጥቃም ኣየድልዮን እዩ። ነቲ ሓሳባት ብልክዕን ቀሊልን ንጹርን ኣገባብ ገይሩ ኼመሓላልፎ ይኽእል እዩ። ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት ንሓንቲ ጥቕሲ ተረዲእካ ብልክዕ ንኽትገልጻ ኣብ ክርስትያናዊ ጽሑፋት ምርምር ምግባር የድልየካ ይኸውን። (2 ጢሞ. 2:15) እንተዀነ ግን መጽናዕቲ ኣብ እትገብረሉ ግዜ: ንነፍሲ ወከፍ ጥቕሲ ኣብ ከመይ ዝበለ መዳያት ከም እውዕል ክትገልጽ ኣይትፈትን። ነታ እትጽናዕ ዘላ ኣርእስቲ ኺገልጽ ዚኽእል ሓሳባት ጥራይ ጥቐስ።

      5, 6. ተመሃሮና ንቓል ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ንኼውዕልዎ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል: እንታይ ኢና ግን ከነወግድ ዘሎና፧

      5 ኣብ ግብሪ ኺውዕለሉ ዚኽእል መገዲ ግለጽ:- ኣድላዪ ምስ ዚኸውን: እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ነቲ ተመሃራይ ብብሕቱ ብኸመይ ከም ዚትንክፎ ንኺርዳእ ሓግዞ። ንኣብነት: ንእብራውያን 10:24, 25 ምስ ሓደ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምክፋል ዘይጀመረ ተመሃራይ ክትዘራረበላ ኸለኻ: ንሓንቲ ኻብ ኣኼባታትና ኣልዒልካ ብምምይያጥ ኣብኡ ኺካፈል ክትዕድሞ ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር: ከተገድዶ የብልካን። ንየሆዋ ንምሕጓስ እቲ ዜድሊ ስጕምቲ ንኺወስድ ቃል ኣምላኽ ይደርኮ።—እብ. 4:12

      6 ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር መዝነትና ኣብ እንፍጽመሉ ግዜ: ንቕዱሳት ጽሑፋት ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ብምጥቃም ሰባት “ኣሚኖም ምእንቲ ኺእዘዝዎ” ንሓግዞም።—ሮሜ 16:25 ትርጕም 1990

  • ናይ ነሓሰ ጸብጻብ ኣገልግሎት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004 | ሕዳር
    • ናይ ነሓሰ ጸብጻብ ኣገልግሎት

      ገም. ገም. ገም. ገም.

      ቊጽሪ:- ሰዓ. መጽሔ. ተ.ም. መ.መ/ቅ

      ፍሉ. ፓይ. 222 125.1 20.8 85.3 6.7

      ፓይ. 718 58.2 6.9 26.7 2.1

      ሓገ. ፓይ. 500 54.2 5.2 18.7 1.2

      አስ. 5,829 13.2 1.9 5.4 0.4

      ድምር 7,269

  • መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004 | ሕዳር
    • መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል

      ግምቢ ዘብዐኛ 1 መስ.

      “ኵላትና ሕጕሳት ክንከውን ንደሊ ኢና። ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ነገራት ሓቀኛ ሓጐስ ዜምጽእዶ ይመስለካ፧ [ማቴዎስ 5:4, 6, 10 ኣንብብ። ድሕሪኡ መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ነዘን ካብቲ ውሩይ ዝዀነ ናይ ከረን ስብከት እተወስዳ ቓላት እትገልጽ ኰይና ኣብ ርእሲኡ ድማ ሕጉስ ንኽትከውን እንታይ ምግባር ከም ዜድሊ ትገልጽ።”

      Awake! Sep. 8

      “ካብ 4 ሰባት 1 ኣብ ህይወቱ ናይ ኣእምሮ ሕማም ከም ዜጋጥሞ ይግመት። መብዛሕትና ናይ ኣእምሮ ሕማም ዘለዎ ሰብ ንፈልጥ ኢና። [ነታ ዓንቀጽ ገንጽላ] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ሓደ እነፍቅሮ ሰብ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ምስ ዚርከብ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ዚሕግዝ ሓሳባት ኣለዋ።”

      ግምቢ ዘብዐኛ 15 መስ.

      “ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ነዘን ፍሉጣት ቃላት እዚኣተን ኣብ ጸሎቶም ይጠቕስወን እዮም። [ማቴዎስ 6:10 ኣንብብ።] ፍቓድ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ምድሪ እንተ ዚኸውን: ህይወት ከመይ ምመሰለት ትብል፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ነዘን ሕጂ ዘንበብናየን ቃላት ሓዊስካ ንትርጕም ናይ ነፍሲ ወከፍ ክፋል ናይታ ኣቡነ-ዘበሰማያት እትብል ጸሎት ትገልጽ እያ።”

      Awake! Sept. 22

      “ብዙሓት ሰባት በቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ኣብ መንእሰያት ዚርአ ኻብ መጠን ንላዕሊ ኣልኮላዊ መስተ ናይ ምስታይ ባህሪ ብዙሕ እዮም ዚሻቐሉ። ብዛዕባ እዚ ሰሚዕካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ምሳሌ 20:1 ኣንብብ።] ካብ መጠን ንላዕሊ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ንመንእሰያት ኣብ ብዙሕ ሓደጋታት እዩ ዜውድቖም። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ መንእሰያት ኣልኮላዊ መስተ ኻብ መጠን ንላዕሊ ኺሰትዩ ንዚግበረሎም ጸቕጢ ብኸመይ ኪዋጽእሉ ኸም ዚኽእሉ ዚገልጽ ሓሳባት ሒዛ ኣላ።”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ