መዝሙር 29
ብንጽህና ምምልላስ
(መዝሙር 26)
1. ዎ የሆዋ ጐይታይ ፍረደለይ፡
ተወኪለ ’ባኻ፡ ሓልየ ንጽህናይ።
ውሽጢ ልበይ ሃየ መርምረኒ፡
ነፍሰይ ክትባረኽ፡ ኰታ ኣንጽሃኒ።
(ኣዝማች)
ቈሪጸ’የ፡ ኣንቂደ ኻብ ልበይ፡
ክመላለስ እየ፡ ሓልየ ንጽህናይ።
2. ምስ ሓሰውቲ ኸቶ ኣይቅመጥን፡
ካብ ልበይ እጸልኦ፡ ንማሕበር ረሲኣን፡
ምስ እኩያት ኣይትለክመኒ፡
ንነፍሰይ ሓልዋ፡ ካብኦም ኣድሕነኒ።
(ኣዝማች)
ቈሪጸ’የ፡ ኣንቂደ ኻብ ልበይ፡
ክመላለስ እየ፡ ሓልየ ንጽህናይ።
3. ኣፍቂረዮ ነቲ ቤት ማሕደርካ፡
ካብ ልበይ ፈትየዮ ንጹህ ኣምልኾኻ፣
ክዞሮ’የ ንመሰውኢኻ፡
ብዓውታ ኸዘንቱ ዅሉ ተግባራትካ።
(ኣዝማች)
ቈሪጸ’የ፡ ኣንቂደ ኻብ ልበይ፡
ክመላለስ እየ፡ ሓልየ ንጽህናይ።
(መዝ. 25:2 እውን ርአ።)