ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • be መጽናዕቲ 8 ገጽ 107-ገጽ 110 ሕ.ጽ. 1
  • ተመጣጣኒ ድምጺ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ተመጣጣኒ ድምጺ
  • ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ድምጺ ምልውዋጥ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ምልውዋጥ ድምጺ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ንሰማዕቲ ምጥማት
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ንሰማዕትኻ ዜስተምህር
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
ዝያዳ ርአ
ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
be መጽናዕቲ 8 ገጽ 107-ገጽ 110 ሕ.ጽ. 1

መጽናዕቲ 8

ተመጣጣኒ ድምጺ

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

ብእኹል ዓውታ ወይ ኣትርር ኣቢልካ ተዛረብ። ተመጣጣኒ ዚበሃል ድምጺ ንምውሳን: (1) ብዝሕን ዓይነትን ሰማዕትኻ: (2) ዚርብሽ ደሃይ: (3) እቲ ዚቐርብ ዘሎ ትምህርቲ: ከምኡውን (4) ዕላማኻ ኣብ ግምት ኣእቱ።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ካልኦት ብቐሊሉ ኺሰምዑኻ እንተ ዘይክኢሎም: ሓሳባቶም ኪገይሽ: እቲ እተቕርቦ ሓበሬታ ድማ ከይንጽረሎም ይኽእል እዩ። እምብዛ ዓው እንተ ኢልካ: እዚ ንሰባት ኪጽልኦም: ሕሉፍ ሓሊፉውን ኣኽቢርካ ኸም ዘይትርእዮም ኪመስሎም ይኽእል እዩ።

ሓደ ህዝባዊ ተዛራባይ መጠን ድምጹ ትሑት እንተ ዀይኑ: ገሊኦም ሰማዕቱ ትኽስ ኪብሉ ይኽእሉ። ሓደ ኣስፋሒ ኣብ ኣገልግሎት ኣመና ቐስ ኢሉ ዚዛረብ እንተ ዀይኑ: ንኣቓልቦ እቲ ብዓል ቤት ከይስሕብ ይኽእል እዩ። ኣብ ኣኼባታት ዚወሃብ ሓሳባት ከኣ እኹል ድምጺ እንተ ዘይብሉ: እቶም ተኣከብቲ እቲ ዜድሊ ምትብባዕ ኣይረኽቡን እዮም። (እብ. 10:24, 25) በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ: ሓደ ተዛራባይ ኣብ ግጉይ እዋን ድምጹ እንተ ወሲኹ: እቶም ሰማዕቲ ደስ ኣይብሎምን: ካብኡ ሓሊፉውን ቅጭ ይመጾም ይኸውን።—ምሳ. 27:14

ንሰማዕትኻ ኣብ ግምት ኣእቱ። ንመን ኢኻ እትዛረብ ዘለኻ፧ ንሓደ ውልቀ-ሰብ ዲኻ፧ ንስድራቤት ዲኻ፧ ናብ ኣገልግሎት ንምኻድ ንእተኣከቡ ሒደት ሰባት ዘለውዎ ጕጅለ ዲኻ፧ ንምሉእ ጉባኤ ዲኻ፧ ወይስ ንዓብዪ ኣኼባ፧ ኣብ ገሊኡ ዅነታት ተመጣጣኒ ዚበሃል ድምጺ: ኣብ ካልእ ተመጣጣኒ ኸይከውን ይኽእል እዩ።

ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት: ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንብዙሓት ሰማዕቲ ተዛሪቦም እዮም። ብግዜ ሰሎሞን እታ ኣብ የሩሳሌም እትርከብ ቤተ መቕደስ ኣብ እተመረቐትሉ እዋን: መጕልሕ ድምጺ ኣይነበረን። ስለዚ: ሰሎሞን ኣብ በሪኽ መድረኽ ደው ኢሉ: ነቲ ህዝቢ “ዓው ኢሉ” መረቖ። (1 ነገ. 8:55፣ 2 ዜና 6:13) ድሕሪ ሓያሎ ዘመናት: ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. መንፈስ ቅዱስ ምስ ፈሰሰ: ገሊኦም ተገደስቲ: ገሊኦም ከኣ መላገጽቲ ዚርከብዎም ብዙሓት ሰባት ኣብ ዙርያ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሒደት ክርስትያናት ተኣከቡ። ጴጥሮስ “ተንሲኡ: ድምጹ ዓው ኣቢሉ” ተዛረቦም። (ግብ. 2:14) ሓያል ምስክርነት ከኣ ተዋህበ።

ድምጽኻ ነቲ ዅነታት ዚመጣጠን ምዃኑ ብኸመይ ክትፈልጥ ትኽእል፧ ኣብ ሰማዕቲ እትርእዮ ነገር ሓደ ኻብቲ ዝበለጸ መለክዒ እዩ። ገሊኦም ንኺሰምዑ ኢሎም ኪጸናጸኑ እንተ ርኢኻ: መጠን ድምጽኻ ንኸተተዓራሪ ኽትጽዕር ኣሎካ።

ንሓደ ውልቀ-ሰብ ወይ ንጕጅለ ተዛረብ ብዘየገድስ: ሰማዕትኻ እንታይ ዓይነት ሰባት ምዃኖም ኣብ ግምት ምእታው ኣገዳሲ እዩ። ንሓደ ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎ ሰብ ትዛረብ እንተ ኣሊኻ: ዓው ክትብል የድልየካ ይኸውን። ነቶም ብሰንኪ እርጋን ቀልጢፎም ምላሽ ዘየርእዩ ሰባት ምጭዳር ግን ጽቡቕ ኣይኰነን። አረ ኸም ስድነት ጌርካ እውን ኪውሰድ ይከኣል እዩ። ኣብ ገሊኡ ባህልታት: ካብ መጠን ንላዕሊ ዓው ምባል ናይ ሕርቃን ወይ ዓቕሊ ናይ ዘይምግባር ምልክት ጌርካ ኺርአ ይከኣል እዩ።

ዚርብሽ ደሃይ ኣብ ግምት ኣእቱ። ኣብ ኣገልግሎት ክትጽመድ ከለኻ: እቲ ዜጋጥመካ ዅነታት ነቲ ምስክርነት ንምሃብ እትጥቀመሉ መጠን ድምጺ ኸም ዚጸልዎ እተረጋገጸ እዩ። ድምጺ ዚሓልፋ ማካይን: ጫውጫው ዚብሉ ቘልዑ: ዚነብሑ ኣኽላባት: ዓው ዝበለ ሙዚቃ: ወይ ጭድርታ ተለቪዥን ስለ ዚርብሸካ: ምስዚ ኽትቃለስ የድልየካ ይኸውን። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ: ኣብቲ ኣመና ተቐራሪቡ እተሰርሐ ኣባይቲ: ነቲ ብዓል ቤት ዓው ኢልካ ብምዝራብ ኣቓልቦ ጐረባብቱ እንተ ስሒብካ ተሕፍሮ ትኸውን።

ኣብ ጉባኤ ወይ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት መደረ ዜቕርቡ ኣሕዋት: ምስ እተፈላለየ ዅነታት ኪተዓጻጸፉ ኣለዎም። ኣብ ግዳም ንእተቐመጡ ሰማዕቲ ምዝራብ: ካብቲ ኣብ ውሽጢ ጽቡቕ ኣዳራሽ ንእተቐመጡ ዚወሃብ መደረ እተፈልየ እዩ። ኣብ ላቲን ኣመሪካ ኽልተ ሚስዮናውያን ኣብ ካንሸሎ ሓደ ተገዳሲ ሰብ ከለዉ ኣብ ጥቓኦም ኣብ ዚርከብ ኣደባባይ ገምበል ወይ ሪችት ናብ ሰማይ ይትኰስን ሓደ ኣርሓ ደርሆ ብተደጋጋሚ ይንቁን እኳ እንተ ነበረ: ህዝባዊ መደረ ኺህቡ ኽኢሎም እዮም።

ኣብ መንጎ እቲ መደረ: እቲ ዚርብሽ ደሃይ ክሳዕ ዚንኪ ሓንሳእ ደው ክትብል ወይ ብዝያዳ ዓው ክትብል ዜገድደካ ዅነታት ይፍጠር ይኸውን። ንኣብነት: ብዚንጎ ጥራይ እተሰርሐ ናሕሲ ኣብ ዘለዎ ኣዳራሽ ኣኼባ ይግበር እንተ ኣልዩ: ሃንደበት ብርቱዕ ማይ ምስ ዚወቅዕ እቶም ሰማዕቲ ነቲ ተዛራባይ ኪሰምዕዎ ኣይክእሉን ይዀኑ። ሓደ ዚበኪ ቘልዓ ወይ ደንጕዮም ዝመጹ ሰባት ዚገብርዎ ረብሻ: ብሓቂ በዳሂ ዅነታት ይፈጥር እዩ። ሰማዕትኻ ኻብቲ እተቕርበሎም ሓበሬታ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺጥቀሙ: ነቲ ዚርብሽ ደሃይ ብዚዕብልል ድምጺ ተዛረብ።

መጕልሕ ድምጺ እንተ ኣልዩ: ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ኣብቲ ኣድላዪ ዝዀነሉ ዅነታት እቲ ተዛራባይ ዓው ካብ ምባል ግን ምሉእ ብምሉእ ዜናግፎ ኣይኰነን። ኣብቲ ብብዝሒ ኤለክትሪክ ዜቋርጸሉ ቦታታት: ተዛረብቲ ብዘይ ሓገዝ መጕልሕ ድምጺ: መደረኦም ኪቕጽሉ ይግደዱ እዮም።

ነቲ ዚቐርብ ዘሎ ትምህርቲ ኣብ ግምት ኣእቱ። ኣብ መደረኻ ዚቐርብ ትምህርቲ እውን ኣብ መጠን ድምጽኻ ጽልዋ ኣለዎ። እቲ ትምህርቲ ብርቱዕ ድምጺ ዚሓትት እንተ ዀይኑ: ቀስ ኢልካ ብምዝራብ ንኣቀራርባኻ ኣይተዳኽሞ። ንኣብነት: ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ኵነኔታት ከተንብብ ከለኻ: ካብቲ ፍቕሪ ብዛዕባ ምርኣይ እተዋህበ ምኽሪ ኸተነብብ ከለኻ ዚብርትዕ መጠን ድምጺ ኽትጥቀም ኣሎካ። መጠን ድምጽኻ ኸከም እቲ ዚቐርብ ትምህርቲ ቐያይሮ: ነዚ ግን ናብ ርእስኻ ኣቓልቦ ብዚስሕብ መገዲ ንኸይትገብሮ ተጠንቀቕ።

ዕላማኻ ኣብ ግምት ኣእቱ። ንሰማዕትኻ ብቕንኣት ንኺንቀሳቐሱ ኸተነቓቕሖም እንተ ደሊኻ: ዝበርትዐ ድምጺ ኽትጥቀም የድልየካ ይኸውን። ኣተሓሳስባኦም ክትቅይር እንተ ደሊኻ: ኣመና ብርቱዕ ድምጺ ብምጥቃም ካባኻ ኸም ዚርሕቁ ኣይትግበሮም። ከተጸናንዕ ትጽዕር እንተ ደኣ ኣሊኻ: መብዛሕትኡ ግዜ ልዙብ ድምጺ እዩ ዝሓሸ ዚኸውን።

ድምጺ ብውጽኢታዊ መገዲ ምውሳኽ። ሓደ ትሑዝ ሰብ ኣቓልቦ ኺህበካ እንተ ደሊኻ: መብዛሕትኡ ግዜ ዓው ምባል ይሕግዘካ እዩ። ወለዲ ነዚ ስለ ዚፈልጡ: ንደቆም ካብ ጸወታ ናብ ቤት ኪኣትዉ ኺደሃይዎም ከለዉ ዓው እዮም ዚብሉ። ሓደ ኣቦ መንበር: ኣኼባ ጉባኤ ወይ ዓብዪ ኣኼባ ኼጀምር ከሎ እውን መጠን ድምጹ ኺውስኽ የድልዮ ይኸውን። ኣስፋሕቲ ኣብ ኣገልግሎት ኪካፈሉ ኸለዉ: ናብቶም ኣብ ግዳም ኪዓዩ ዚረኽብዎም ሰባት ኣብ ዚቐርቡሉ እዋን ዓው ኢሎም ሰላምታ ኺህብዎም የድሊ ይኸውን።

ኣቓልቦ እቲ እትደልዮ ሰብ ምስ ረኸብካ እውን: እኹል መጠን ድምጺ ኺህልወካ ኣለዎ። ኣመና ቐስ ምባል: እቲ ተዛራባይ ከም ዘይተዳለወ ወይ ኣጸቢቑ ኸም ዘይኣምነሉ እዩ ዜምስል።

ትእዛዝ ኣብ ዚወሃበሉ እዋን: ዓው ምባል ንሰባት ስጕምቲ ንኺወስዱ ኼንቀሳቕሶም ይኽእል እዩ። (ግብ. 14:9, 10) ብተመሳሳሊውን: ብጭድርታ ዚወሃብ ትእዛዝ ካብ ሓደጋ ኼድሕን ይኽእል እዩ። ኣብ ፊልጲ ሓደ ሓላው እሱራት: እቶም እሱራቱ ዘምለጡ ስለ ዝመሰሎ ርእሱ ኪቐትል ሓሰበ። “ጳውሎስ ግና፤ ኵላትና ኣብዚ አሎና እሞ: ኣብ ርእስኻ እከይ ኣይትግበር: እናበለ ዓው ኢሉ ጨደረ።” በዚ ኸምዚ ኸኣ እቲ ሰብኣይ ርእሱ ኻብ ምቕታል ተመልሰ። ድሕሪኡ ጳውሎስን ሲላስን ነቲ ሓላው እሱራትን ንቤተሰቡን መስከሩሎም: ኵላቶም ድማ ሓቂ ተቐበሉ።—ግብ. 16:27-33

መጠን ድምጽኻ ብኸመይ ከም እተመሓይሽ። ገሊኦም እተመጣጠነ ድምጺ ንኺጥቀሙ: ዝያዳ ጻዕሪ እዩ ዜድልዮም። ሓደ ሰብ ብተፈጥሮኡ ድኹም ድምጺ ስለ ዘለዎ: ኪዛረብ ከሎ እኹል ድምጺ ኣይህልዎን ይኸውን። ይኹን እምበር: ዋላ እውን ድኹም ድምጺ ይሃልዎ: ጻዕሪ እንተ ገይሩ: ኪመሓየሽ ይኽእል ይኸውን። ንኣተነፋፍሳኻን ኣቃውማኻን ኣተኵረሉ። ኮፍ ክትብል ከለኻ ዀነ ደው ክትብል ከለኻ ትኽ በል። መንኩባትካ ቕንዕ ኣብሎ: ኣዕሚቝካ ድማ ኣስተንፍስ። እቲ ታሕተዋይ ክፋል ሳናቡእካ ኣየር ከም ዚመልእ ግበር። ነዚ ኣየር እዚ ብዚግባእ ምስ እትጥቀመሉ: ክትዛረብ ከለኻ ንመጠን ድምጽኻ ንኽትቈጻጸሮ ኬኽእለካ እዩ።

ገሊኦም ከኣ ኣመና ዓው ናይ ምባል ሽግር ኣለዎም። ምናልባት ኣብ ደገ ወይ ጫውጫው ኣብ ዝበዝሖ ኸባቢ ስለ ዚሰርሑ እዮም ነዚ ኣመል እዚ ኣጥርዮም። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ: ኵሉ ሰብ ዓው ኢሉን ንኻልእ እናዀለፈን ካብ ዚዛረበሉ ኸባቢ መጺኦም ይዀኑ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ምስ ሰባት ኣብ ዚግበር ዝርርብ ኪካፈሉ ዚኽእሉ ዓው ኢሎም እንተ ተዛሪቦም ይመስሎም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ነቲ “ምሕረት ልቢ: ለውሃት: ትሕትና: ዓቕሊ: ትዕግስቲ” ኺለብሱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተዋህቦም ምኽሪ በብቝሩብ ምስ ዓየዩሉ: ምስ ካልኦት ኪዘራረቡ ኸለዉ ዚጥቀሙሉ መጠን ድምጺ የዐርዩ እዮም።—ቈሎ. 3:12

ጽቡቕ ምድላው: ኣዘውቲርካ ኣብ ኣገልግሎት ብምስታፍ ዚርከብ ተመክሮ: ከምኡውን ናብ የሆዋ ምጽላይ: ብተመጣጠኒ ድምጺ ንኽትዛረብ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። እትዛረቦ ዘረባ ኻብ መድረኽ ይኹን ወይ ኣብ ኣገልግሎት ንእትረኽቦ ውልቀ-ሰብ: እቲ ሰብ ነቲ እትብሎ ብምስማዕ ከመይ ገይሩ ኺሕገዝ ከም ዚከኣል ኣተኵረሉ።—ምሳ. 18:21

ብዝያዳ ዓው ክትብለሉ ዜድሊ መዓስ ምዃኑ

  • ኣቓልቦ ብዙሓት ሰማዕቲ ንምሓዝ።

  • ዚርብሽ ደሃይ ንምዕብላል።

  • ኣገዳሲ ነገር ክትዛረብ ከለኻ ኣቓልቦ ንምርካብ።

  • ንተግባር ንምልዕዓል።

  • ኣቓልቦ ሓደ ውልቀ-ሰብ ወይ ጕጅለ ንምርካብ።

ብኸመይ ከም እተመሓይሾ

  • ነቶም እትዛረቦም ዘለኻ ዘርእይዎ ምላሽ ነቒሕካ ተዓዘብ፣ ባህ ኢልዎም ንኺሰምዑኻ ተመጣጣኒ ድምጺ ተጠቐም።

  • ከተስተንፍስ ከለኻ ታሕተዋይ ክፋል ሳናቡእካ ብኣየር ምልኣዮ።

መላመዲ:- ፈለማ ግብሪ ሃዋርያት 19:13-41 ኣንብብ: ነዚ ኽትገብር ከለኻ ድማ ነቲ ኣብቲ ዛንታ እተጠቕሰ ዅነታት ኣብ ግምት ኣእቱ። መን ይዛረብ ከም ዘሎን እቲ ዚንጸባረቕ ጠባይን ኣስተብህለሉ። ድሕሪኡ ንነፍሲ ወከፍ እቲ ኽፋል ብዚሰማማዕ ተመጣጣኒ ድምጺ ጌርካ: ዓው ኢልካ ኣንብቦ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ