መዝሙር 8
ድራር ጐይታ
1. ጐይታ የሆዋ ኣምላኽናየ፡
ቅድስቲ ምሸት’ያ ሎሚ!
ኣብዛ ወርሒ ኒሳን፡ ተራእየ ፍቕርኻ፡
ናትካ ፍትሒ፡ ጥበብ፡ ሓይሊ።
ገንሸል ፋስጋውን ተበልዐ፡
ሓራውን ወጸ እስራኤል፣
ዘመናት ጸኒሑ ደም ጐይታ ፈሰሰ፡
ትንቢት ኣብ ግብሪ ንኺውዕል።
2. ተኣኪብና’ለና ቕድሜኻ፡
ኢናውን ናትካ መጓሰ፣
ነታ ሓያል ፍቕሪ፡ ከነምጽእ ክብሪ፡
ንቕዱስ ስምካ ውዳሰ።
ነዚ በዓል ዝኽሪ ንዝክር፡
ብልብናን በእምሮናን፣
ወትሩ ንመላለስ፡ ብኣሰር ክርስቶስ፡
ሰብ ህይወት ዘልኣለም ክንከውን።
(ሉቃ. 22:14-20፣ 1 ቈረ. 11:23-26 እውን ርአ።)