መዝሙር 43
ንቕሑ፡ ጽንዑ፡ ሰብኡት ኩኑ!
1. በርትዑ፡ ሰብኡትውን ኩኑ፡
ኣጆኹም ንቕሑ፡ ጽንዑ፡
ዓወትኩም ዘይተርፍ እዩ፡
ኣይትሸበሩ፡ ትብዑ፣
ትእዛዛት ክርስቶስ ንሕሉ፡
ኣብ ጐድኑ ኢና፡ ኣብ መትከሉ፣
(ኣዝማች)
በርትዑ፡ ንቕሑ፡ ሰብኡት ኩኑ!
ብትብዓትውን ወስኑ!
2. ብንቕሓት ተመላለሱ፡
ንበሩ ተጠንቂቕኩም፡
ስዓቡ መምርሒ የሱስ፡
ባርያኡ ዚህበኩም፣
ንሽማግለታትውን ስምዑ፡
ዚኣልዩ ነተን ኣባጊዑ፣
(ኣዝማች)
በርትዑ፡ ንቕሑ፡ ሰብኡት ኩኑ!
ብትብዓትውን ወስኑ!
3. ብንቕሓት ተመላለሱ፡
ንበሩ ብሓድነት፡
ጸላኢ እኳ እንተሎ፡
ስበኹ’ቲ ብስራት፣
ኣውጁ፡ ንምድሪ ምልእዋ፡
ቀሪባ መዓልቲ የሆዋ!
(ኣዝማች)
በርትዑ፡ ንቕሑ፡ ሰብኡት ኩኑ!
ብትብዓትውን ወስኑ!
(ማቴ. 24:13፣ እብ. 13:7, 17፣ 1 ጴጥ. 5:8 እውን ርአ።)