መዝሙር 17
ኣቱም መሰኻኽሩ፡ ኪዱ ሰጕሙ!
1. ኣገልገልቲ ያህ ጸኒዖም ይነብሩ፡
ድምብርጽ ኣይብሎም፡ ከቶ ኣይሽበሩ፣
ሰይጣን’ኳ ’ተ ኣለመ ውዲት፡
ሓይሊ ኣምላኽና የስንቐና ትብዓት።
(ኣዝማች)
ኣቱም መሰኻኽሩ፡ ኪዱ ሰጕሙ!
ዕዮ ኣምላኽ ከኣ ብታሕጓስ ፈጽሙ!
ገነት ምቕራባ ንዅሉ ሰብ ንገሩ!
በረኸቱ ንምድሪ ሓብሩ!
2. ወተሃደራት ያህ ምሾት ኣይደልዩን፡
ንዓለምን ገዛእታን ኣይምብርከኹን፣
ንጽህናኦም ይሕልዉ፡
ብርኽሰት ምእንቲ ኸይበላሸዉ።
(ኣዝማች)
ኣቱም መሰኻኽሩ፡ ኪዱ ሰጕሙ!
ዕዮ ኣምላኽ ከኣ ብታሕጓስ ፈጽሙ!
ገነት ምቕራባ ንዅሉ ሰብ ንገሩ!
በረኸቱ ንምድሪ ሓብሩ!
3. ናይ ኣምላኽ ተስፋ መላገጺ ዀይኑ፡
’ቲ ቕዱስ ስም ኣምላኽ ድማ ተጠቂኑ፣
ሃየ ንለዓል ንቐድሶ፡
ኣብ ቅድሚ ዅሎም ሰባት ንወድሶ።
(ኣዝማች)
ኣቱም መሰኻኽሩ፡ ኪዱ ሰጕሙ!
ዕዮ ኣምላኽ ከኣ ብታሕጓስ ፈጽሙ!
ገነት ምቕራባ ንዅሉ ሰብ ንገሩ!
በረኸቱ ንምድሪ ሓብሩ!
(ፊል. 1:7፣ 2 ጢሞ. 2:3, 4፣ ያእ. 1:27 እውን ርአ።)