ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w94 1/11 ገጽ 17-21
  • እዮብ ተጸሚሙ—ንሕናውን ንኽእል ኢና!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እዮብ ተጸሚሙ—ንሕናውን ንኽእል ኢና!
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓደ ኣገዳሲ ክርክር
  • ሰይጣን መጥቃዕቲ ይጅምር
  • ዓቢ ሕሰም ይወርድ
  • እቲ ክርክር ኣጸቢቑ ይረስን
  • ሰለስተ ትዕቢተኛታት መታለልቲ
  • መጥቃዕቲ ወንጀልቲ እዮብ
  • ክንጽመም ንኽእል ኢና
  • “ንጽህናይ ኣይሓድግን እየ!”
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • እዮብ ንስም የሆዋ ልዕል ኣበለ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ካብ መጽሓፍ እዮብ ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • “ብየሆዋ ተስፋ ግበር”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
w94 1/11 ገጽ 17-21

እዮብ ተጸሚሙ​—⁠ንሕናውን ንኽእል ኢና!

“እንሆ: ነቶም [እተጸመሙ ‘ትሓዓ’] ብጹኣን እዮም ንብሎም አሎና። ”​—⁠ያእቆብ 5:⁠11

1. ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ክርስትያን ብዛዕባ ፈተናታቱ እንታይ በለ?

‘ድያብሎስ ተጠማሚቱኒ! ከምቲ እዮብ ዝስምዖ ዝነበረ ኢዩ ዝስምዓኒ ዘሎ!’ እቲ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረ ኤ. አች. ማክሚላን በዘን ቃላት እዚአን ገይሩ ንሓደ ቀረባ ዓርኩ ገለጸሉ። ሓው ማክሚላን ብ26 ነሓሰ 1966 ወዲ 89 ዓመት ምስ ኮነ ምድራዊ ህይወቱ ወድአ። ነቶም ከምኡ ዝበሉ ቅቡኣት ክርስትያን ዓስቢ እሙን ኣገልግሎቶም “ኪስዕቦም” ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። (ራእይ 14:​13) ንዘይመውት ህይወት ኣብ ሰማይ ትንሳኤ ብምርካብ እኳ ደኣ: ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብኡብኡ ክቕጽሉ ኢዮም። ሓው ማክሚላን ከምዚ ዝኣመሰለ ዓስቢ ብምርካቡ ኣዕሩኽቱ ተሓጒሶም ኢዮም። እንተኾነ ግን እተን ኣብ ምድሪ ዝነበረለን ናይ መወዳእታ ዓመታት: ሰይጣን ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘለዎ ተኣማንነት ንኸጥፍኣሉ ኢሉ ይፍትኖ ከም ዘሎ ዘረጋግጹ ዝተፈላለዩ ፈተናታት: ናይ ጥዕና ጸገማትውን ከይተረፈ ተጓኒፎምዎ ኢዮም።

2, 3. እዮብ መን ኢዩ ነይሩ?

2 ሓው ማክሚላን ከም እዮብ ተሰሚዑኒ ክብል ከሎ: ነቲ ዓበይቲ ፈተናታት ናይ እምነት እተጸመመ ሰብኣይ ኢዩ ዘመልክት ነይሩ። እዮብ ኣብ “ምድሪ ኡጽ” ኣብ ሰሜናዊ ዓረብ ዝነብር ኢዩ ነይሩ። ንየሆዋ ዘምልኽ: ካብ ዘርኢ ሴም ወዲ ኖህ ከኣ ነበረ። ናይ እዮብ ፈተናታት ኣብ መንጎ እቲ ዮሴፍ ዝሞተሉን ሙሴ ድማ ቅኑዕ ምዃኑ ዘመስከረሉ ግዜን እተፈጸመ ኢዩ ዝመስል። ኣብቲ እዋን እቲ ብኣምላኻዊ ተወፋይነት ምስ እዮብ ዝመዓራረ ኣይነበረን። የሆዋ ንእዮብ ኣበር ዘይብሉን ቅኑዕን ንኣምላኽ ዝፈርሕን ገይሩ ኢዩ ዝምልከቶ ነይሩ።​—⁠እዮብ 1:​1, 8

3 እዮብ “ኻብ ኵሎም ሰብ ምብራቕ ዚበልጽ ዓብዪ” ብምንባሩ ብዙሓት ኣገልገልትን 11,500 ማልን ነበርኦ። ንዕኡ ግን መንፈሳዊ ሃብቲ ኢዩ ዝበልጾ ነይሩ። ከምቶም ሎሚ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ኣቦታት: እዮብውን ነቶም ሾብዓተ ኣወዳት ደቁን ነተን ሰለስተ ኣዋልድ ደቁን ብዛዕባ የሆዋ ምሂርዎም ክኸውን ኣለዎ። ምስኡ ምንባር ምስ ገደፍዎውን ምናልባት ሓጢኦም ከይኮኑ ብምባል ከም ናይ ስድራቤት ካህን ብምዃን ኣብ ክንድኦም መስዋእቲ የቕርብ ነይሩ።​—⁠እዮብ 1:⁠2–5

4. (ሀ) እተሰጐጉ ክርስትያናት ንእዮብ ከስተውዕልሉ ዘለዎም ሰብ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ? (ለ) ብዛዕባ እዮብ እንታይ ሕቶታት ኢና እንሓስበሎም?

4 ዝተሰጐጉ ክርስትያናት ንገዛእ ርእሶም ብትዕግስቲ ዘለዎ ምጽማም ምእንቲ ከበርትዕዋ: እዮብ ከስተውዕልሉ ዘለዎም ሰብ ኢዩ። ወደ መዝሙር ያእቆብ “እንሆ: ነቶም [እተጸመሙ ትሓዓ ] ብጹኣን እዮም ንብሎም አሎና። ብዛዕባ [ምጽማም ትሓዓ ] እዮብ ሰሚዕኩም ኣሎኹም: እግዚኣብሄር ከኣ [ኣዝዩ ብለውሃት ዝፈቱን ምሓርን ትሓዓ ] እዩ ” ብምባል ጸሓፈ። (ያእቆብ 5:⁠11) ከም እዮብ እቶም ቅቡ⁠ኣት ሰዓብቲ የሱስን እዞም ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ “ዓቢ ጭፍራን”: ነቲ ናይ እምነት ፈተናታት ብዓወት ምእንቲ ክዋጽእሉ ምጽማም የድልዮም ኢዩ። (ራእይ 7:​1-9) ስለዚ እዮብ እንታይ ፈተናታት ኢዩ ዝተጸመመ? ስለምንታይ ተጓኒፎሞ? ካብቲ ተሞኵርኡኸ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል?

ሓደ ኣገዳሲ ክርክር

5. እዮብ ዘይፈልጦ ኣብ ሰማይ እንታይ ኢዩ ዝፍጸም ነይሩ?

5 እዮብ ዘይፈልጦ: ሓደ ዓቢ ክርክር ኣብ ሰማይ ናብ ምልዓል ገጹ ኢዩ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ “እቶም ደቂ ኣምላኽ መጺኦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቈሙ።” (እዮብ 1:⁠6) እቲ ቃል: ማለት እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽውን ኣብ ማእከሎም ነበረ። (ዮሃንስ 1:​1-3) እቶም ቅኑዓት መላእኽትን እቶም ዘይእዙዛት መላእኽቲ ‘ደቂ ኣምላኽ’ ከኣ ኣብኡ ነበሩ። (ዘፍጥረት 6:​1-3) ሰይጣንውን: ክሳዕ እታ መንግስቲ እትቖመሉ ግዜ ናይ 1914: እቲ ካብ ሰማይ ምስጓጉ ስለ ዘይፍጸም: ኣብኡ ነይሩ። (ራእይ 12:​1-12) ኣብ ግዜ እዮብ ሰይጣን ሓደ ኣገዳሲ ክርክር ኢዩ ዘልዕል ነይሩ። ብዛዕባ ቅንዕና ናይቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ኹሎም ፍጡራቱ ዘለዎ ሉዓላዊነት ኣብ ሕቶ ናብ ምእታዉ ገጹ ኢዩ ነይሩ።

6. ሰይጣን እንታይ ክገብር ኢዩ ዝፍትን ነይሩ: ንየሆዋ ዝጠቀኖኸ ብኸመይ ኢዩ?

6 የሆዋ “ካበይ መጺእካ[?]” ኢሉ ሓተቶ። ሰይጣን ከኣ “ንምድሪ ዞይረያን ተመላሊሰያን መጻእኩ:” ኢሉ መለሰሉ። (እዮብ 1:⁠7) ዝውሕጦ ኢዩ ዝደሊ ነይሩ። (1 ጴጥሮስ 5:⁠8, 9) ሰይጣን ንንጽህና ናይቶም ንየሆዋ ዘገልግሉ ግለሰባት ብምብልሻው: ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ብፍቕሪ ተደሪኹ ዝእዘዝ ዋላ ሓደ ከም ዘየለ ከረጋግጽ ኢዩ ዝደሊ። ነዚ ክርክር እዚ ብምምልካት ኢዩ የሆዋ ንሰይጣን “ከም እዮብ ገይሩ ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፉእ ዚርሕቕን ፍጹምን ቅኑዕን ሰብ ኣብ ምድሪ የልቦን እሞ: ንባርያይ እዮብስ ኣስተብሂልካዮዶ[?]” ዝበሎ። (እዮብ 1:⁠8) እዮብ ነቲ ዘይፍጽምንኡ ኣብ ግምት ዘእቱ መለኮታዊ መለክዒ በቒዕዎ ኢዩ። (መዝሙር 103:​10-14) ሰይጣን ግን “እዮብ ንኣምላኽ ዚፈርሆስ ብኸምኡ ድዩ[?] ንስኻ ንእኡ ምስ ቤቱን ኣብ ዙርያኡ ዘለዎ [ኹ]ሉንዶ ሓጺርካዮ ኣየሎኻን[?] ንተግባር ኢዱ ባረኽካዮ: ጥሪቱ ድማ ንምድሪ መሊእዎ ኣሎ” ብምባል መለሰሉ። (እዮብ 1:​9, 10) ሰባት ንየሆዋ ዘምልኽዎን ዘፍቅርዎን: እንታይነቱ ተረዲኦም ዘይኮነስ: ምእንቲ ከገልግልዎ ኢሉ ጉቦ ስለ ዝህቦም ኢዮም ብምባል ጠቀኖ። ሰይጣን: እዮብ ንኣምላኽ ኣፍቂርዎ ዘይኮነስ ብስሱዕ ጥቕሚ ተደሪኹ ኢዩ ዘገልግሎ ብምባል ኣመኻነየ።

ሰይጣን መጥቃዕቲ ይጅምር

7. ድያብሎስ ንኣምላኽ ብድሆ ዘቕረበሉ በየናይ መገዲ ኢዩ: የሆዋኸ ብኸመይ መለሰሉ

7 “ግናኸ: ኣብታ ገጽካ እንተ ዘይክሒዱካስ: ኢድካ ዘርጊሕካደሞ ን[ኹ]ሉ ጥሪቱ ሃሰስ ኣይትብሎን” ኢሉ መለሰሉ። ንኸምዚ ዝበለ ጸርፊ ዝመልኦ ብድሆ: ኣምላኽ ከመይ ኢሉ ይምልሰሉ ይኸውን? የሆዋ ኸኣ ከምዚ ብምባል መለሰሉ:- “በል እስኪ: ሓንትስ ናብኡ ደኣ ኢድካ ኣይትዘርግሕ እምበር: ዘለዎ [ኹ]ሉ ኣብ ኢድካ ሂበካ እኔኹ።” ድያብሎስ: እዮብ ዘለዎ ኹሉ ከም ዝተባረኸ: ከም ዝሰሰነን ከም እተሓጽረን ኢዩ ዝተዛረበ። ኣካላቱ ክጉዳእ እኳ እንተዘይነበሮ: ኣምላኽ እዮብ ንኽሳቐ ኣፍቀደ። እከይ ንምግባር ተዓጢቑ ኸኣ ሰይጣን ካብቲ ኣኼባ ወጸ።​—⁠እዮብ 1:​11, 12

8. (ሀ) እዮብ እንታይ ናይ ንብረት ክሳራ ኢዩ ዘጋጠሞ? (ለ) ብዛዕባ እቲ “ናይ ኣምላኽ ሓዊ” እቲ ሓቂ እንታይ ኢዩ?

8 ቀልጢፉ ኸኣ እቲ ሰይጣናዊ መጥቃዕቲ ጀመረ። ሓደ ካብቶም ግዙኣት እዮብ ከምዚ ዝብል ሕማቕ ወረ ኣምጽኣሉ:- “እቶም ኣብዑር ይሕረሱ: እተን ኣእዱግ ድማ ኣብ ጥቓኣቶም ይበልዓ ነበራ: ሽዑ ሰብ ሳባ መጺኦም ዘሚቶምዎም። ነቶም ግዙኣት ብስሕለት ሴፍ ቀቲሎምዎም።” (እዮብ 1:​13-15) እቲ ኣብ ናይ እዮብ ንብረት ዝነበረ ሓጹር ኣልጊሱ ነበረ። ዳርጋ ብኡብኡ ብቐጥታ ጋኔናዊ ሓይሊ ክትግበር ጀሚሩ: ምኽንያቱ ካልእ: ግዙእ ከምዚ ኢሉ ጸብጻብ ኣቕረበ:- “ናይ ኣምላኽ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዳ: ነተን ጤለ በጊዕን ንግዙኣትን ኣንደደቶምን በልዓቶምን።” (እዮብ 1:⁠16) ኣብ ልዕሊ ኣገልጋሊኡውን ከይተረፈ ንኸምዚ ዝበለ መዓት: ኣምላኽ ሓላፊኡ ከም ዝኾነ ምምሳልሲ ከመይ ዝበለ ዲያብሎሳዊ ተግባር ኢዩ ነይሩ! በርቂ ካብ ሰማይ ስለ ዝኾነ የሆዋ ብቐሊሉ ክውቀስ ይኽእል ኢዩ: ብሓቂ ግን እቲ ሓዊ ጋኔናዊ ምንጪ ዝነበሮ ኢዩ።

9. ኤኮኖምያዊ ምብራስ ነቲ እዮብ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ርክብ ብኸመይ ነኽኦ?

9 ሰይጣን መጥቃዕቱ ክቕጽል ከሎ: ካልእ ግዙእ: ከለዳውያን ነተን ናይ እዮብ ኣግማል ከም ዝወሰድወንን ነቶም ግዙኣት ከኣ ከም ዝቐተልዎምን ነገሮ። (እዮብ 1:⁠17) እዮብ ዋላኳ ናይ ኤኮኖሚ ምብራስ እንተኣጋጠሞ: እዝስ ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብ ኣየጥፍኣሉን። ነቲ ኣብ የሆዋ ዘለካ ንጽህና ከየባላሸኻ: ንኸምዚ ዝበለ ዓቢ ናይ ንብረት ክሳራ ክትጽመሞ ምኽኣልካዶ?

ዓቢ ሕሰም ይወርድ

10, 11. (ሀ) እቶም ዓሰርተ ደቂ እዮብ እንታይ ኮኑ? (ለ) ድሕርቲ ሕሱም ኣማውታ ናይ ደቁ: እዮብ ንየሆዋ ብኸመይ ተመልከቶ?

10 ሰይጣን ንእዮብ ምጥቃዕ ኣይወድአን። ገና ኻልእ ግዙኡ መጺኡ ከምዚ ኢሉ ጸብጻብ የቕርብ:- “ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኣብ እንዳ እቲ ዓብዪ ሐዎም ይበልዑን ወይኒ ይሰትዩን ነበሩ: ሽዑ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ በረኻ መጺኡ: ነታ ቤት በርባዕተ መኣዝና ወቕዓ: ናብ ርእሲ እቶም ደቂ ድማ ወደቐት: ንሳቶም ከኣ ሞይቶም። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ነዚኣ ኽነግረካ ዘምለጥኩ።” (እዮብ 1:​18, 19) ግቡእ ሓበሬታ ዘይብሉ ሰብ እቲ ንፋስ ዘስዓቦ ጥፍኣት ‘ተግባር ኣምላኽ’ ኢዩ ነይሩ ክብል ይኽእል ኢዩ። ዝኾነ ኾይኑ እቲ ሓይሊ ናይ ኣጋንንቲ ንእዮብ ብኣዝዩ ተኣፋፊ ዝኾነ ነገር ኢዩ ተንኪፍዎ።

11 ብሓዘን ተዋሒጡ እዮብ ‘ኽዳኑ ቐደደ: ርእሱውን ላጸየ: ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ።’ ይኹን እምበር ንቓላቱ እሞ ስምዓዮ። “እግዚአብሄር ሀበ: እግዚአብሄር ድማ ወሰደ። ስም እግዚአብሄር ይባረኽ።” እቲ ጸብጻብ ከምዚ ኢሉ ይቕጽል:- “በዚ [ኹ]ሉ እዮብ ኣይበደለን: ንኣምላኽውን ኣይነቐፎን።” (እዮብ 1:​20-22) እንደገና ሰይጣን ካልኣይ ግዜ ተሳዕረ። ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ሓዘንን ጓህን እንተ በጽሓናኸ? ኣብ የሆዋ ዘሎና ስስዐ ዘይብሉ ተወፋይነትን ኣብኡ ዘሎና እምነትን ልክዕ ከም እዮብ ንጽህናና እንሕሉ ኴንና ንኽንጽመም ከኽእለና ኢዩ። እቶም ቅቡኣትን እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ብጾቶምን ካብዚ ናይ እዮብ ምጽማም ዝገልጽ ጸብጻብ ምጽንናዕን ሓይልን ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም።

እቲ ክርክር ኣጸቢቑ ይረስን

12, 13. ኣብቲ ኣብ ሰማይ እተገብረ ካልኣይ ኣኼባ ሰይጣን እንታይ ሓተተ: የሆዋኸ ብኸመይ መለሰሉ?

12 የሆዋ ብቕልጡፍ ኣብ ሰማይ ካልኣይ ኣኼባ ገበረ። እዮብ ውሉድ ዘይብሉ: ድኻ: ብኣምላኽ ከም እተዋረደ ኢዩ ኾይኑ ነይሩ: ንጽህንኡ ግና ኣየበላሸወን። ርግጽ ኢዩ ሰይጣን እቲ ኣብ የሆዋን ኣብ እዮብን ዝነበሮ ኽሲ ሓሶት ኢዩ ኢሉ ኣይእመንን ኢዩ። የሆዋ ንሰይጣን ነቲ ክርክር ኣብ መወዳእታ ምዕራፉ ንኸብጽሖ ብሜላ ተጠቒምሉ ስለ ዝነበረ: ሕጂ እቶም ‘ደቂ ኣምላኽ’ ነቲ ዝግበር ክርክር ንኽሰምዑ ተቐረቡ።

13 ንሰይጣን ክጻባጸብ ብምጽዋዕ የሆዋ ከምዚ ኢሉ ይሓትት:- “ካበይ መጺእካ[?]” እቲ መልሲኸ እንታይ ነበረ? “ንምድሪ ዞይረያን ተመላሊሰያን መጻእኩ።” ሕጂውን እንተኾነ የሆዋ ኣብቲ ገና ንጽህንኡ ኣጽኒዑ ዝሓለወ: ኣበር ዘይብሉ: ቅኑዕን ንኣምላኽ ዝፈርህን ኣገልጋሊኡ እዮብ ኣትኵሮ ይገብር። ድያብሎስ ከኣ ከምዚ ኢሉ ይምልስ:- “ቈርበት ኣብ ክንዲ [ቈ]ርበት። ሰብ ኣብ ክንዲ ህይወቱ ዘለዎ [ኹ]ሉ ይህብ እዩ። ግናኸ: ኣብ ገጽካ እንተ ዘይክሒዱካስ: ኢድካ ዘርጊሕካ ደሞ ስጋኡን ዓጽሙን ሃሰስ ኣይትብሎን።” ስለዚ ኣምላኽ ከምዚ ኢሉ ይምልስ:- “ኣብ ኢድካ ሂበዮ እኔኹ: ንህይወቱ ግና ተጠንቀቕ[!]” (እዮብ 2:​2-6) ንኹሉ እቲ ናይ መዕቆቢ ሓጹር: የሆዋ ከም ዘየልዓሎ ብምዝራብ ሰይጣን ነዕጽምትን ንስጋን ናይ እዮብ ክጐድእ ደለየ። ድያብሎስ ንእዮብ ክቐትል ኣይተፈቕደሉን: እንተኾነ ግን ሰይጣን ኣካላዊ ሕማም ከቐንዝዎን ብምኽንያት ስዉር ሓጥያት ካብ ኣምላኽ ብዝወረዶ መቕጻዕቲ ይሳቐ ዘሎ ኰይኑ ክስምዖ ከም ዝኽእልን ይፈልጥ ኢዩ።

14. ሰይጣን ንእዮብ ብምንታይ ወቕዖ: ማንም ሰብ ካብቲ ስቓይ ዕረፍቲ ከምጽኣሉ ዘይክእልከ ስለምንታይ ኢዩ?

14 እቲ ኣኼባ ምስ ተወድአ ሰይጣን እከይ ንምግባር ባህ ኢልዎ ወጸ። ንእዮብ “ካብ ሸ[ኾ]ና እግሩ ሒዙ ኽሳዕ ቅርቅርቱ ብብርቱዕ ቁስለተ ስጋ ወቕዖ።” እዮብ ኣብ ሓሙኽስቲ ኾፍ ኢሉ ብገልዒ ገይሩ ኽሓክኽ ከሎስ ከመይ ዝበለ ስቓይ ኢዩ ተጸሚሙ! (እዮብ 2:​7, 8) ብሰይጣናዊ ሓይሊ እተፈጸመ ብምዃኑ: ካብዚ ኣዝዩ ዘቐንዙን ዝጽላእን ዘዋርድን ስቓይ እዚ ከድሕኖ ዝኽእል ሓኪም ካብ ደቂ ሰብ ዋላ ሓደኳ የለን። ንእዮብ ከሕውዮ ዝኽእል የሆዋ ጥራይ ኢዩ። ብሕማም እትሳቐ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እንተደኣ ኴንካ ኣምላኽ ንኽትጽመም ክሕግዘካ ከም ዝኽእልን ኣብ ሕማም ዘይብሉ ሓድሽ ምድሪውን ከንብረካ ከም ዝኽእል ፈጺምካ ኣይትረስዕ።​—⁠መዝሙር 41:​1-3፣ ኢሳይያስ 33:⁠24

15. ሰበይቲ እዮብ እንታይ ክገብር እያ ዝገደደቶ: ናቱ መልሲኸ እንታይ ነበረ?

15 ኣብ መወዳእትኡ ኸኣ ሰበይቲ እዮብ “ገናዶ [ንጽህናኻ ኣጽኒዕካ ሒዝካ ኣሎኻ? ትሓዓ ] ንኣምላኽ ግዳ ኽሓዶ እሞ ሙት[!]” በለቶ። ‘ንጽህና’ ኣበር ዘይብሉ ወፈያ ኢዩ ዘመልክት: ሰበይቱ ኸኣ ብምሕጫጭ ንኣምላኽ ከም ዝረግም ንኽትገብሮ ተዛሪባ ትኸውን። ንሱ ግን “ኣዘራርባ ዓሻ ሰበይቲ ትዛረቢ ኣሎኺ። ካብ ኢድ ኣምላኽ ሰናይ ተቐቢልናስ: ነቲ እኩይከ ኣይንቕበሎንዶ[?]” በላ። “እዮብ በዚ [ኹ]ሉ ነገር ብኸናፍሩ ኣይሐጥኤን” ስለ ዝብለና: ንሰይጣን እዛ ብልሓት እዚኣውን እንተኾነት ኣይዓየየትሉን። (እዮብ 2:​9, 10) ዝቃወሙ ኣባላት ስድራቤትና: ንገዛእ ርእስና ብዕሽነት ኣብ ክርስትያናዊ ዕዮታት ነድክማ ከም ዘሎና ብምግላጽ: ንየሆዋ ኣምላኽ ክንሓድጎ ይግድዱና ኣለዉ ንበል። ንየሆዋ ነፍቅሮ ስለ ዝኾንናን እቲ ቅዱስ ስሙ ክውደስ ስለ እንደልን ከም እዮብ ንሕናውን ንኸምዚ ዝበለ ፈተና ክንጽመሞ ንኽእል ኢና።​—⁠መዝሙር 145:​1, 2፣ እብራውያን 13:⁠15

ሰለስተ ትዕቢተኛታት መታለልቲ

16. ከጸናንዑ ብምባል መን ኢዮም ዝመጹ: ሰይጣን ግን ብሜላ እተጠቕመሎም ከመይ ኢሉ ኢዩ?

16 ካልእ ናይ ሰይጣን ብልሓት ኮይኑ እተረኽበ ኸኣ: ሰለስተ “ፈተውቲ”: ንእዮብ ከጸናንዕዎ ብምባል መጹ። ሓደ ካባታቶም ምናልባት ብኤሳው ኣቢሉ ዘርኢ ኣብርሃም ዝኾነ ኤሊፋዝ ኢዩ ነይሩ። ኤሊፋዝ ኣብቲ ዘረባ ቀዳምነት ስለ ዝነበሮ ዝዓበየ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ቢልዳድውን ዘርኢ ሹኣሕ: ሓደ ካብቶም ቄጡራ ዝወለደቶም ደቂ ኣብርሃም: ኣብኡ ነይሩ ኢዩ። እቲ ሳልሳይ ሰብኣይ ሶፋር ኢዩ: ዘርኡ ወይ ዝመጸሉ ከባቢ ንምፍላይ ናዕማዊ ተባሂሉ ኣሎ: ምናልባት ካብ ሰሜናዊ–ምዕራብ ዓረብ ይኸውን። (እዮብ 2:​11፣ ዘፍጥረት 25:​1, 2፣ 36:​4, 11) ልክዕ ከምቶም ሎሚ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣምላኽ ከም ዝሓድግዎ ክገብርዎም ዝፍትኑ ሰባት: እዞም ሰለስተ ሰባት እዚኣቶም ከኣ ብሰይጣን ተመሪሖም እዮብ በቲ ናይ ሓሶት ክሲ በደለኛ ምዃኑ ክእመን እሞ ንጽህንኡ ኸኣ ከጥፍእ ጽዓሩ።

17. እቶም ክበጽሑ ዝመጹ ሰለስተ እንታይ ኢዮም ዝገበሩ: ንሾብዓተ መዓልትን ለይትንከ እንታይ ኢዮም ዘይገበሩ?

17 እዞም ሰለስተ እዚኣቶም ብምብካይን ክዳውንቶም ብምቕዳድን ኣብ ርእሶም ሓመድ ብምንስናስን ዓቢ ናይ ጃህራ ርህራሀ ኣርእዮም። ብድሕሪኡ ግን ሓንቲ እኳ ትኹን እተጸናንዕ ቃል ከይተዛረቡ ንሾብዓተ መዓልትን ንሾብዓተ ለይትን ምስ እዮብ ተቐመጡ። (እዮብ 2:​12, 13፣ ሉቃስ 18:​10–14) እዞም ሰለስተ ትዕቢተኛታት መታለልቲ እዚኣቶም መንፈሳውነት ዝጐደሎም ስለ ዝነበሩ ብዛዕባ የሆዋን ተስፋታቱን ክዛረብዎ ዝኽእሉ ምንም ዘጸናንዕ ነገር ኣይነበሮምን። ነቲ ልምዳዊ ናይ ሓዘን ስርዓት ድሕሪ ምፍጻሞም: ነቲ ዝገበርዎ ጌጋ ዝኾነ መደምደምታታት ኣንጻር እዮብ ንኽጥቀሙሉ ይቕረቡ ነበሩ። ክስትብሃሎ ዝግባእ ኸኣ: እተን ሾብዓተ መዓልቲ ናይ ስቕታ ከይተወድኣ ኸለዋ: ኤሊሁ እቲ መንእሰይ: ኣብ ክሰምዓሉ ዝኽእል ቦታ ተቐመጠ።

18. እዮብ ብሞት ክዓርፍ ዝደለየ ስለምንታይ ኢዩ?

18 ኣብ መወዳእታ ኸኣ እዮብ ነቲ ጸጥታ የቋርጾ። ካብቶም ክበጽሕዎ ዝመጹ ሰለስተ ምንም ምጽንናዕ ስለ ዘይረኸበ ኸኣ: ነታ እተወልደላ መዓልቲ ይረግም: እዛ ሽግር ዝመልኣ ህይወቱ ስለምንታይ ትቕጽል ብምባል ከኣ ይዛረብ። እንደገና ቅድሚ ምሟቱ ብሓቂ ክሕጐስ ከም ዝኽእል ብዘይምሕሳብ ከኣ: ካብቲ ነድይዎን በሪስዎን ብብርቱዕ ሓሚምዎን ዝነበረ ኵነታት ብሞት ሰላም ክረክብ ደለየ። አምላኽ ግን እዮብ ክሳዕ ዝመውት ክጕዳእ ኣይገድፎን ኢዩ።​—⁠እዮብ 3:​1–26

መጥቃዕቲ ወንጀልቲ እዮብ

19. ኤሊፋዝ ንእዮብ ብሓሶት ዝወንጀሎ በየናይ መገድታት ኢዩ?

19 ኤሊፋዝ ኣብተን ንተኣማንነት እዮብ ኣጸቢቐን ዝፈተና ሰለስተ ዙርያ ክትዕ ቀዳማይ ተዛራባይ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ናይ መጀመርታ ዘረባኡ ኤሊፋዝ “ቅኑዕውን ከም እተደምሰሰዶ ርኢኻ ትፈልጥ[?]” ኢሉ ሓተቶ። እዮብ ገለ እከይ ስለ ዝገበረ ካብ ኣምላኽ መቕጻዕቲ ከም እተቐበለ ገይሩ ኸኣ ደምደመ። (እዮብ: ምዕራፍ 4, 5) ኣብቲ ካልኣይ ዘረባኡ ኤሊፋዝ ንጥበብ ናይ እዮብ ብምንኣስ ከምዚ ኢሉ ይሓትት:- “ንሕና ዘይንፈልጦኸ ንስኻ እንታይ ትፈልጥ[?]” ኤሊፋዝ እዮብ ንገዛእ ርእሱ ልዕሊ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ከርኢ ይፍትን ከም ዝነበረ ኣመተ። ነቲ ካልኣይ መጥቃዕቱ ክውድእ ከሎ ኸኣ እዮብ ናይ ኽሕደትን ጉቦን ምትላልን በደል ከም ዘለዎ ገይሩ ተዛረበሉ። (እዮብ: ምዕራፍ 15) ኣብቲ ናይ መወዳእታ ዘረባኡ ኸኣ ኤሊፋዝ እዮብ ከም ምዝማት: ንድኻታት እንጌራን ማይን ምኽላእን ንመበለታትን ንዘኽታማትን ምጭቋንን ዝኣመሰለ ብዙሕ ገበናት ከም ዘለዎ ገይሩ ብሓሶት ወንጀሎ።​—⁠እዮብ: ምዕራፍ 22

20. እቲ ቢልዳድ ኣብ እዮብ ዝገብሮ ዝነበረ መጥቃዕቲ እንታይ ዝዓይነቱ ኢዩ ነይሩ?

20 ኣብተን ሰለስተ ዙርያ ክትዕ ካልኣይ ብምዃን ከኣ ቢልዳድ ነቲ ኤሊፋዝ ዝሃቦ ሓፈሻዊ ኣርእስቲ ሰዓበ። ናይ ቢልዳድ ዘረባ ሓጺር እኳ እንተኾነ ዝያዳ ዘሕምም ኢዩ ነይሩ። ንደቂ እዮብውን እከይ ከም ዝገበሩ እሞ ሞት ከኣ ይግብኦም ከም ዝኾነ ብምባል ወንጀሎም። ብግጉይ ዝኾነ ምርዳእ ከኣ ከምዚ ዝብል ምሳሌ ተጠቕመ:- ከምቲ ሰልሰላን ሰትን ብዘይ ማይ ዝሞቱ እቶም “ንኣምላኽ ዝርስዕዎ [ኹ]ሎም” ከኣ ከምኡ ኢዮም። እዚ ሓሳብ እዚ ልክዕ ኢዩ ነይሩ እንተኾነ ግና ኣብ እዮብ ኣይውዕልን ኢዩ ነይሩ። (እዮብ: ምዕራፍ 8) ቢልዳድ ነቲ ናይ እዮብ ስቓይ ልክዕ ከምቲ ነቶም እኩያት ዝወርዶም ገይሩ ሓሰቦ። (እዮብ: ምዕራፍ 18) ኣብታ ሓጻር ሳልሰይቲ ዘረባኡ ሰብ “ሓሰኻ” ከምኡውን “እብእብ” ከም ዝኾነ እሞ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጹህ ከም ዘይኮነ ተዛረበ።​—⁠እዮብ: ምዕራፍ 25

21. ሶፋር ንእዮብ ብዛዕባ እንታይ ኢዩ ዝወንጀሎ?

21 ኣብቲ ክርክር ሳልሳይ ተዛራባይ ሶፋር ኢዩ ነይሩ። ብሓፈሻ እቲ ዘረባኡ ነቲ ናይ ኤሊፋዝን ናይ ቢልዳድን ኢዩ ዝመስል ነይሩ። ሶፋር ንእዮብ ብእከይ ወንጀሎ: ከምኡውን ነቲ ሓጥእ ልምድታቱ ክገድፎ ተማሕጸኖ። (እዮብ: ምዕራፍ 11, 20) ድሕሪ ክልተ ዙርያ ሶፋር ምዝራብ ኣቋረጸ። ኣብቲ ሳልሳይ ዙርያ ዝውሰኽ ኣይነበሮን። እንተኾነ ግና: እዮብ ኣብ ብምሉኡ እቲ ክርክር ነቶም ወንጀልቱ ብትብዓት መለሰሎም። ንኣብነት ኣብ ሓደ ነጥቢ ከምዚ በለ:- ‘ንስኻትኩም ኵሉኹም ዘይትጠቕሙ መጸናናዕቲ ኢኹም። እዚ ንፋስ ዝኾነ ዘረባስ ተወዲኡዶ?’​—⁠እዮብ 16:​2, 3

ክንጽመም ንኽእል ኢና

22, 23. (ሀ) ከምቲ ናይ እዮብ ነቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና ተኣማንነት ምእንቲ ከቋርጽ ሰይጣን ብኸመይ ክፍትን ይኽእል? (ለ) ዋላኳ እዮብ ነቲ ዝተፈላለየ ፈተናታት ይጽመሞ እንተነበረ ብዛዕባ ኣረኣእይኡ እንታይ ክንሓትት ንኽእል?

22 ከም እዮብ: ኣብ ሓደ ግዜ: ካብ ሓደ ንላዕሊ ፈተና ይጋጠመና ይኸውን: ሰይጣንውን ኣብቲ ንጽህናና ንምብልሻው ዝገብሮ ጻዕሪ ምጅጃው ወይ ከኣ ካልእ መገድታት ይጥቀም ይኸውን። ኤኮኖምያዊ ጸገማት ምስ ዝህልወና ኣንጻር የሆዋ ከም እንኸይድ ክገብረና ይፍትን ይኸውን። እነፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት ወይ ምስ እንሓምም ሰይጣን ንኣምላኽ ከም እንወቕሶ ክገብረና ይፍትን ይኸውን። ከምቶም ፈተውቲ እዮብውን ገለ ሰብ ብሓሶት ይውንጅለና ይኸውን። ከምቲ ሓው ማክሚላን ዝበሎ ሰይጣን ‘ይጠማመተና’ ይኸውን: ክንጽመም ግን ንኽእል ኢና።

23 ክሳዕ ሕጂ ርኢናዮ ከም ዘሎና እዮብ ነቲ ዝተፈላለየ ፈተናታት ይጽመሞ ነይሩ ኢዩ። ዝኾነ ኾይኑ ግን እዮብ ብዘይ ገለ ድዩ ዝጽመም ነይሩ? ብሓቅስ ስቡር መንፈስ ድዩ ነይርዎ? እዮብ ኵሉ ተስፋኡ ኣጥፊኡ እንተ ነይሩስ እስከ ንርአ።

ብኸመይ ምመለስኩም?

◻ ሰይጣን ኣብ ግዜ እዮብ እንታይ ዓቢ ክርክር ኢዩ ዘልዓለ?

◻ እዮብ ክሳብ እቲ ዝለዓለ ደረጃ እተፈተነ በየናይ መገድታት ኢዩ?

◻ እቶም ሰለስተ “ፈተውቲ:” ንእዮብ ብዛዕባ እንታይ ኢዮም ወንጂሎሞ?

◻ ከምቲ ናይ እዮብ ነቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና ተኣማንነት ምእንቲ ከቋርጽ ሰይጣን ብኸመይ ክፍትን ይኽእል?

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ኤ. ኤች. ማክሚላን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ