መዝሙር 6
ጸሎት ኣገልጋሊ ኣምላኽ
1. ልዑላዊ የሆዋ ኣቦ፡
ዓብዪ ስምካ ኽብሪ ይወሃቦ፣
ክንደይ ሰፊሕ እዩ ምሕረትካ፡
ዝጸብጸብካ’ኳ ’ተ ጸብጸብካ፣
ብዙሕ’ኳ ’ተ ጸብጸብካ፡
ሰፊሕ’ዩ ’ቲ ምሕረትካ።
2. ፍቕሪ ሓቂ ንኸነሕድር፡
ሓግዘና ፍቓድካ ኽንገብር፣
ንኽንሕሉውን ትእዛዛትካ፡
ንኽንምግበን ነባጊዕካ፣
ንኽንምግብ በጊዕካ፡
ክንሕሉ ትእዛዛትካ።
3. ነእምሮና ጥበብ ምልኣዮ፡
ንልብና ብፍቕሪ ኣርውዮ፣
ፍቕርን ምሕረትን ከነርእዮም፡
ንዅሎም ሰባት ክንሕግዞም፣
ንሰባት ክንሕግዞም፡
ፍቕርና ኸነርእዮም።
(መዝ. 143:10፣ ዮሃ. 21:15-17፣ ያእ. 1:5 እውን ርአ።)