መዝሙር 18
ሳህልን ፍቕርን ኣምላኽና
1. ፍቕሪ’ዩ ኣምላኽና፣
ንድሰት ነዚ ምፍላጥና፣
ንወዱ ልኢኹልና፡
በጃ ንኪዀነና፣
ንኽንረክብውን ህይወት፡
ኣብታ ውቅብቲ ገነት።
(ኣዝማች)
ማይ ዝጸማእኩም ዲኹም፧
ንዑ ’ንሀ ስተዩ፣
ኣምላኽ’ዩ ኣዳልይዎ፡
ሳህሉውን ርኣዩ።
2. ፍቕሪ’ዩ ኣምላኽና፣
ዕዮኡ ነዚ የርእየና፣
’ታ ፍቕሩ ገሊጹልና፡
ንወዱ ኣንጊሱልና፣
ክንርኢ በረኸቱ፡
ተመስሪታ መንግስቱ።
(ኣዝማች)
ማይ ዝጸማእኩም ዲኹም፧
ንዑ ’ንሀ ስተዩ፣
ኣምላኽ’ዩ ኣዳልይዎ፡
ሳህሉውን ርኣዩ።
3. ፍቕሪ’ዩ ኣምላኽና፣
ብፍቕሩ ንድረኽ ኢና፣
ክንሕግዝ ንትሑታት፡
ኪረኽብዎ ዓቃላት፣
ንመልእኽቱ ይስምዑ፡
ኵሎም ይጸናንዑ።
(ኣዝማች)
ማይ ዝጸማእኩም ዲኹም፧
ንዑ ’ንሀ ስተዩ፣
ኣምላኽ’ዩ ኣዳልይዎ፡
ሳህሉውን ርኣዩ።