ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • sn መዝሙር 21
  • መሓርቲ ሕጉሳት እዮም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መሓርቲ ሕጉሳት እዮም
  • ንየሆዋ ዘምሩሉ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ኣቦኹም መሓሪ እዩ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ነቲ “ብምሕረት ሃብታም” ዝዀነ ኣምላኽ ኢና እነገልግል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ምሕረት ግበር—ብኸመይ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ‘መሓርቲ ሕጉሳት እዮም’
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
ዝያዳ ርአ
ንየሆዋ ዘምሩሉ
sn መዝሙር 21

መዝሙር 21

መሓርቲ ሕጉሳት እዮም

(ማቴዎስ 5:7)

1. ሓጐስ ይረኽቡ መሓርቲ፡

ኣብ ቅድሚ ያህ ተፈተውቲ፡

ይነግርዎም ንቕኑዓት፡

ኣምላኽ ከም ዚፈቱ ምሕረት።

ኣምላኽ ኣርእዩና ምሕረት፡

በጃ ኣዳልዩልና፡ ስርየት፡

ምሕረት ይህብ ንትሑታት፡

ብምዃኖም ድኹም ፍጥረት።

2. መሓርቲ ብሩኻት እዮም፡

ስለ ዚድምሰስ ሓጥያቶም፡

ካብ ምሕረት ያህ ይጥቀሙ፡

ብጸጋኡ ይህብትሙ።

ነዛ ምሕረት የካፍሉ፡

ቃሉ ይነግሩ ንዅሉ፡

ደቂ ሰባት ኪድሰቱ፡

ብምምስራት ’ታ መንግስቱ።

3. ፍቕሪ ኣምላኽ ንትሑታት፡

ኬርእዮም’ዩ ንቕኑዓት፡

ብምሕረቱ’ዩ ዚፈርዶም፡

ንኻልእ ሰብ ብምምሓሮም።

ሃየ ’ምብኣር ምሕረት ንግበር፡

ንምልባሳ ድማ ንጽዓር፡

ኣቦን ወዱን ዘርኣዩና፡

ምሕረት ነርኢ ኣዘውቲርና።

(ሉቃ. 6:36፣ ሮሜ 12:8፣ ያእ. 2:13 እውን ርአ።)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ