መዝሙር 21
መሓርቲ ሕጉሳት እዮም
(ማቴዎስ 5:7)
1. ሓጐስ ይረኽቡ መሓርቲ፡
ኣብ ቅድሚ ያህ ተፈተውቲ፡
ይነግርዎም ንቕኑዓት፡
ኣምላኽ ከም ዚፈቱ ምሕረት።
ኣምላኽ ኣርእዩና ምሕረት፡
በጃ ኣዳልዩልና፡ ስርየት፡
ምሕረት ይህብ ንትሑታት፡
ብምዃኖም ድኹም ፍጥረት።
2. መሓርቲ ብሩኻት እዮም፡
ስለ ዚድምሰስ ሓጥያቶም፡
ካብ ምሕረት ያህ ይጥቀሙ፡
ብጸጋኡ ይህብትሙ።
ነዛ ምሕረት የካፍሉ፡
ቃሉ ይነግሩ ንዅሉ፡
ደቂ ሰባት ኪድሰቱ፡
ብምምስራት ’ታ መንግስቱ።
3. ፍቕሪ ኣምላኽ ንትሑታት፡
ኬርእዮም’ዩ ንቕኑዓት፡
ብምሕረቱ’ዩ ዚፈርዶም፡
ንኻልእ ሰብ ብምምሓሮም።
ሃየ ’ምብኣር ምሕረት ንግበር፡
ንምልባሳ ድማ ንጽዓር፡
ኣቦን ወዱን ዘርኣዩና፡
ምሕረት ነርኢ ኣዘውቲርና።