መዝሙር 27
ብወገን የሆዋ ኹን!
1. ቅድም ተደናጊርና ነበርና፡
ጽዋእ ሓሶት ሃይማኖት ሰቲና፣
መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ምስማዕና፡
ተሓጐሰ ልብና።
(ኣዝማች)
ሃየ ወግን ምስ ያህ፡
ብኡ ’በልካ ባህ፣
ንሱ ኣይገድፈካን፡
ሰጕም ብብርሃን፣
ንገር ናይ ናጽነት፡
ሰላም ብስራት፡
ኣብ ናይ የሱስ ግዝኣት፡
ወትሩ’ሎ ዕቤት።
2. ዘርኢ ሓቂ ንዘርእ ኣለና፡
ተሓጒስና ነገልግል ኣምላኽና፣
ንዕኡ ኺመስሉ፡ ኪልብሙ፡
ኪውድሱ ንስሙ።
(ኣዝማች)
ሃየ ወግን ምስ ያህ፡
ብኡ ’በልካ ባህ፣
ንሱ ኣይገድፈካን፡
ሰጕም ብብርሃን፣
ንገር ናይ ናጽነት፡
ሰላም ብስራት፡
ኣብ ናይ የሱስ ግዝኣት፡
ወትሩ’ሎ ዕቤት።
3. ብሰይጣን ኣይንፈርህን ኢና፡
የሆዋ እዩ ዚሕግዘና፣
’ተ ዀንና ሒደት ንሶም ብዙሓት፡
ኣምላኽ’ዩ ናትና ጽንዓት።
(ኣዝማች)
ሃየ ወግን ምስ ያህ፡
ብኡ ’በልካ ባህ፣
ንሱ ኣይገድፈካን፡
ሰጕም ብብርሃን፣
ንገር ናይ ናጽነት፡
ሰላም ብስራት፡
ኣብ ናይ የሱስ ግዝኣት፡
ወትሩ’ሎ ዕቤት።
(መዝ. 94:14፣ ምሳ. 3:5, 6፣ እብ. 13:5 እውን ርአ።)