መዝሙር 15
ፍጥረት ክብሪ የሆዋ ይገልጽ
(መዝሙር 19)
1. የሆዋ ’ምላኽ፡ ነፍሰይ ትፈልጠካ፣
ከዋኽብቲ ይእውጅ ክብርኻ፣
ለይቲ ዀነት ከምኡውን መዓልቲ፡
ንኽብርኻ ትነግር፡ ትዝቲ።
ለይቲ ዀነት ከምኡውን መዓልቲ
ንኽብርኻ ትነግር፡ ትዝቲ።
2. ፈጢርካየን ንጸሓይን ወርሕን፡
ገቢርካዮ ቐላያትን ባሕርን፣
ናብ ሰማያት ክንጥምት ከለና፡
ንሰብ ምዝካርካ ይደንቀና።
ናብ ሰማያት ክንጥምት ከለና፡
ንሰብ ምዝካርካ ይደንቀና።
3. ትእዛዛትካ ንጹህ እዩ ሓቂ፡
ሕግታትካ ይበልጽ ካብ ወርቂ፣
ይገብረና ጠቢባን፡ ሰብ ቀልቢ፡
ንዓቅቦ፡ ነሕድሮ ኣብ ልቢ።
ይገብረና ጠቢባን፡ ሰብ ቀልቢ፡
ንዓቅቦ፡ ነሕድሮ ኣብ ልቢ።